ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp23 ቍ. 1 ገጽ 14-15
  • ነቶም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ብኸመይ ንሕግዞም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ብኸመይ ንሕግዞም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ማለት እዩ፧
  • ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
  • ሓገዝካ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ
  • ንዝሓመመ ፈታዊኻ እትሕግዘሉ መገድታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ስለምንታይ እዩ ዓርከይ ጐዲኡኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
wp23 ቍ. 1 ገጽ 14-15
ሓደ ሰብኣይ ንእተጨነቐት ሰበይቱ ብድንጋጽ ይሰምዓ።

ነቶም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ብኸመይ ንሕግዞም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።

እንታይ ማለት እዩ፧

ሓደ ፈታዊና ናይ ኣእምሮ ሕማም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ኣዚና ኸም እንጭነቕ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈታዊና ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኪዋጽኣሉ ብምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ከም እንሓልየሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

“ንምስማዕ ቅልጡፍ” ኩን።—ያእቆብ 1:19።

ንፈታዊኻ ኽትሕግዘሉ እትኽእል እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ኪዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ብምስማዕ እዩ። ንዅሉ እቲ ዚብሎ ኽትምልሰሉ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ትሰምዖ ኸም ዘለኻን ብዛዕባኡ ኸም እትሓልን ግለጸሉ። ናብ መደምደምታ ኣብ ክንዲ እትበጽሕ፡ ወይ ኣብ ክንዲ እተፈርዶ፡ ክትርድኣሉ ጸዓር። ገሊኡ ዚዛረቦ ነገራት ካብ ልቡ ኸም ዘይኰነን ጸኒሑ ኸም ዜጣዕሶን ኣይትረስዕ።—እዮብ 6:2, 3።

“ኣጸናንዕዎም።”—1 ተሰሎንቄ 5:14።

ፈታዊኻ ተጨኒቑ፡ ወይ ድማ ‘ኣይረብሕን እየ’ ምስ ብዚብል ስምዒት ይቓልስ ይህሉ ይኸውን። እንታይ ክትብል ከም ዘሎካ እኳ እንተ ዘይፈለጥካ፡ ከም እትሓልየሉ ብምርግጋጽ ከተጸናንዖን ከተተባብዖን ትኽእል ኢኻ።

“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር።”—ምሳሌ 17:17።

ግብራዊ ሓገዝ ሃብ። ብኸመይ ከም እትሕግዞ ኣብ ክንዲ እትግምት፡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕተት። ፈታዊኻ እንታይ ከም ዝደለየ ምግላጽ ዚኸብዶ እንተ ዀይኑ፡ ብሓንሳእ ክትገብርዎ እትኽእሉ ንጥፈታት ከም ሓሳብ ኣቕርብ፣ ንኣብነት፡ ብሓንሳብ ብእግሪ ኽትጐዓዙ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ፡ ዚዕደግ ነገራት ክትዕድገሉ፡ ወይ ከተጽርየሉ፡ ወይ ካልእ ነገራት ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ።—ገላትያ 6:2።

“ተዓገስዎም።”—1 ተሰሎንቄ 5:14።

ፈታዊኻ ስቕ ኪብል ዚደልየሉ እዋን ይህሉ ይኸውን፣ ኪዛረብ ኪደሊ ኸሎ፡ ክትሰምዖ ድሉው ምዃንካ ኣረጋግጸሉ። ብሰንኪ ሕማሙ ብዚብሎ ወይ ብዚገብሮ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምሳኻ ዝሓዞ መደብ ኪስርዞ ወይ ቀጨውጨው ኪብሎ ይኽእል እዩ። ክትሕግዞ ኸለኻ ዕጉስን እትርድኣሉን ኩን።—ምሳሌ 18:24።

ሓገዝካ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ

“መሓዛይ ብኣይ ክትተኣማመን ከም እትኽእል አረጋግጸላ እየ። ንጸገማ ዝኸውን መፍትሒ እኳ እንተ ዘየረኸብኩ፡ ንእትዛረቦ ወትሩ ጽን ኢለ እሰምዓ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዓ ሰማዒ እዝኒ ጥራይ እያ እትደሊ።”—ፋራህ፡a መሓዛኣ ብምምዝባል ኣመጋግባን ብሕዱር ጭንቀትን እትሳቐ።

ሓንቲ መንእሰይ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ብርሕራሐ ኢዳ ትሕዛ።

“ሓንቲ ኻብ ፈተውተይ፡ ኣዝያ ለዋህን ኣወንታዊትን እያ። ንገዛኣ ዓዲማ ጥዑም ምግቢ ቐሪባትለይ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዉቕን ፍቕሪ ዝዓሰሎን ሃዋሁ ስምዒተይ ኪገልጽ ክኢለ እየ። እዚ ብሓቂ ኣተባብዒኑ እዩ።”—ሁዋን፡ ብሕዱር ጭንቀት እትሳቐ።

“ዓቕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰበይተይ ንዓይ ዜሕርቕ ገለ ነገር ክትገብር ከላ፡ ብሰንኪ ሕማማ ደኣምበር ኰነ ኢላ ኸም ዘይኰነት ንርእሰይ አዘኻኽራ እየ። እዚ ድማ ከይሓርቕን ንዓኣ ብዝያዳ ኽሓልየላን ሓጊዙኒ እዩ።”—ጃኮብ፡ ሰበይቱ ብሕዱር ጭንቀት እትሳቐ።

“ሰበይተይ ብዙሕ ትድግፈንን ተጸናንዓንን እያ። ብጭንቀት ኣብ ዚዋሓጠሉ እዋን ኪገብሮ ዘይደሊ ነገር ኪገብር ጸቕጢ ኣይትገብረለይን እያ። ሓድሓደ ግዜ፡ ምእንታይ ኢላ ኽትገብሮ ባህ ዚብላ ነገር ምግባር ትሓድጎ እያ። እቲ ጥቕሚ ርእሳ ናይ ምስዋእ መንፈስን ልግሳን መዳርግቲ የብሉን።”—ኤንሪኮ፡ ብምምዝባል ኣመጋግባ ዚሳቐ።

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ንዝያዳ ሓገዝ፦

ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2015 ንቕሑ! ዝወጸት “እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሓምም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ jw.org ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ