ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ለካቲት ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ነቲ ‘ዓብዪ ዋልታ እምነትካ’ ትከናኸኖዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ለካቲት ገጽ 31
እዝራ ብኢዱ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሒዙ ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰባት ይውድሶ።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኡ ሓበሬታ ዚድገም ስለምንታይ እዩ፧

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ንገሊኡ ሓረጋት ቃል ብቓል ይደግምዎ እዮም። ነቶም ጸሓፍቲ ኸምኡ ኺገብሩ ዝደረኾም ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ፦

እቲ እተጻሕፈሉ ግዜ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል መብዛሕትኦም ሰባት፡ ብሕታዊ ቕዳሕ እቲ ሕጊ ኣይነበሮምን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ማሕደር ኣብ ዚእከብሉ እዋን እዩ እቲ ሕጊ ኺንበብ ዚሰምዑ ነይሮም። (ዘዳ. 31:10-12) ንሰዓታት ሆጭ ኢሎም ተኣኪቦም ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ኣቓልቦኦም ዚሰርቕ ነገራት የጓንፎም ነይሩ እዩ። (ነህ. 8:2, 3, 7) ኣገዳሲ ሓረጋት ምስ ዚድገመሎም ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪዝክርዎን ኪትግብርዎን ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም። ገሊኡ ቓላት ዚድገም ምዃኑ ኸኣ፡ ከም ስርዓታትን ፍርድታትን ኣምላኽ ዝኣመሰለ ዝርዝር ነጥብታት ኪዝክሩ ይሕግዞም ነይሩ እዩ።—ዘሌ. 18:4-22፣ ዘዳ. 5:1።

ኣጸሓሕፋ። ዳርጋ 10 ሚእታዊት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙራት እዩ፣ ገለ ኻብዚ መጽሓፍ መዝሙርን መጽሓፍ መሃልየ መሃልይን መጽሓፍ ድጕዓን ኪጥቀስ ይከኣል። ኣብ ገሊኡ እዚ መዝሙራት፡ ኣዝማች ኣሎ። እዚ ድማ ነቶም ሰማዕቱ፡ ፍረ ነገር እቲ መልእኽቲ ኼለልዩን ነቲ ቓላት ብኣእምሮኦም ኬጽንዕዎን ይሕግዞም። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 115:9-11 ዘሎ ቓላት ክንርእዮ ንኽእል ኢና፦ “ኦ እስራኤል፡ ብየሆዋ ተኣመን፣—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ። ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ብየሆዋ ተኣመኑ፣—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ። ኣቱም ንየሆዋ እትፈርህዎ፡ ብየሆዋ ተኣመኑ፣—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።” እሞ ደኣ እዚ ቓላት እዚ ተደጋጊሙ ዚጥቀስ ምዃኑ፡ ኣብ ኣእምሮን ልብን እቶም ዘመርቲ ኣገዳሲ ሓቅታት ኪቐርጽ ከም ዚኽእልሲ ርኢኻዶ፧

ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ሓረጋት ይደግሙ እዮም። ንኣብነት፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ደም ከይበልዑ ኺእዝዞም ከሎ፡ ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ንሙሴ ደጋጊሙ ኸም ዚጽሕፍ ገይርዎ እዩ። ህይወት እቲ ስጋ ኣብ ደም ከም ዝዀነ፡ ማለት ደም ንህይወት ከም ዚውክል ኬጕልሕ ደልይዎ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 17:11, 14) ደሓር ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ንኣምላኽ ኬጕህዮ ዚኽእል ነገራት ኪዝርዝሩ ኸለዉ፡ ካብ ደም ክንርሕቕ ከም ዚግባእ ኣጕልሑ።—ግብ. 15:20, 29።

መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኡ ሓረጋት ዚደግም እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ትርጉም ዘይብሉ ናይ ምድጋም ልማድ ከነጥሪ ኣይደልየናን እዩ። ንኣብነት የሱስ፡ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ . . . ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ” ኢሉና እዩ። (ማቴ. 6:7) ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ ዚግባእ ርእሰ ነገራት ሓቢሩና ኣሎ። (ማቴ. 6:9-13) ስለዚ፡ ስቕ ኢልና ሕደ ቓላት ዘይንደጋግም እኳ እንተ ዀንና፡ ንሓደ ርእሰ ነገር ግና ደጋጊምና ኸነልዕሎ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 7:7-11።

እምበኣር፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ፡ ገሊኡ ቓላትን ሓረጋትን ዚደጋግመሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎ። እዚ ድማ ሓደ ኻብቲ እቲ ዓብዪ መምህርና ዚጠቕመና ዚምህረሉ ሓያሎ መገድታት እዩ።—ኢሳ. 48:17, 18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ