ዘፍጥረት ትሕዝቶ 1 ፍጥረት ሰማያትን ምድርን (1, 2) ምድሪ ብሽዱሽተ መዓልቲ ተዳለወት (3-31) ቀዳመይቲ መዓልቲ፦ ብርሃን፡ መዓልትን ለይትን (3-5) ካልአይቲ መዓልቲ፦ ጠፈር (6-8) ሳልሰይቲ መዓልቲ፦ ንቑጽ መሬትን ኣትክልትን (9-13) ራብዐይቲ መዓልቲ፦ ብርሃናት ሰማያት (14-19) ሓምሸይቲ መዓልቲ፦ ዓሳታትን ኣዕዋፍን (20-23) ሻድሸይቲ መዓልቲ፦ እንስሳታት ምድርን ሰባትን (24-31) 2 ኣምላኽ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይዓርፍ (1-3) የሆዋ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን (4) ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኤደን (5-25) ሰብኣይ ካብ ሓመድ ተገብረ (7) እታ እተኸልከለት ኦም ፍልጠት (15-17) ኣፈጣጥራ ሰበይቲ (18-25) 3 ኣጀማምራ ሓጢኣት ሰብ (1-13) ናይ መጀመርታ ሓሶት (4, 5) ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዓለውቲ (14-24) ትንቢት ብዛዕባ ዘርኢ እታ ሰበይቲ (15) ካብ ኤደን ተሰጕጉ (23, 24) 4 ቃየልን ኣቤልን (1-16) ዘርኢ ቃየል (17-24) ሴትን ወዱ ሄኖስን (25, 26) 5 ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ (1-32) ኣዳም ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ (4) ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ (21-24) 6 ደቂ ኣምላኽ ኣዋልድ ምድሪ ኣእተዉ (1-3) ነፊሊም ተወልዱ (4) ክፍኣት ደቂ ሰብ ንየሆዋ ኣጕሃዮ (5-8) ኖህ መርከብ ኪሰርሕ ተመዘዘ (9-16) ኣምላኽ ማይ ኣይሂ ኸም ዚመጽእ ተነበየ (17-22) 7 ናብ መርከብ ኣተዉ (1-10) ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ (11-24) 8 እቲ ማይ ኣይሂ ጐደለ (1-14) ርግቢ ተሰድደት (8-12) ካብ መርከብ ወጹ (15-19) ኣምላኽ ንምድሪ ዝኣተወላ ቓል (20-22) 9 ንዅሎም ደቂ ሰብ እተዋህበ ትእዛዝ (1-7) ሕጊ ብዛዕባ ደም (4-6) ኪዳን ቀስተ ደበና (8-17) ትንቢት ብዛዕባ ዘርኢ ኖህ (18-29) 10 ዝርዝር ኣህዛብ (1-32) ዘርኢ ያፌት (2-5) ዘርኢ ካም (6-20) ኒምሮድ ንየሆዋ ተጻረሮ 8-12) ዘርኢ ሴም (21-31) 11 ግምቢ ባቤል (1-4) የሆዋ፡ ቋንቋ ደባለቐ (5-9) ካብ ሴም ክሳዕ ኣብራም (10-32) ቤተ ሰብ ታራ (27) ኣብራም ካብ ኡር ወጸ (31) 12 ኣብራም ካብ ካራን ናብ ከነኣን ነቐለ (1-9) ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ (7) ኣብራምን ሳራይን ኣብ ግብጺ (10-20) 13 ኣብራም ናብ ከነኣን ተመልሰ (1-4) ኣብራምን ሎጥን ተፈላለዩ (5-13) ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ ተደግመ (14-18) 14 ኣብራም ንሎጥ ኣድሓኖ (1-16) መልከጼዴቅ ንኣብራም ባረኾ (17-24) 15 ኣምላኽ ንኣብራም ዝኣተወሉ ኺዳን (1-21) ን400 ዓመት ዚወርድ ግፍዒ ኣቐዲሙ ተነግረ (13) ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ ተደግመ (18-21) 16 ኣጋርን እስማኤልን (1-16) 17 ኣብርሃም ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ከም ዚኸውን (1-8) ኣብራም፡ ኣብርሃም ተባህለ (5) ኪዳን ግዝረት (9-14) ሳራይ፡ ሳራ ተባህለት (15-17) ይስሃቅ ከም ዚውለድ ተስፋ ተዋህበ (18-27) 18 ሰለስተ መላእኽቲ ንኣብርሃም በጽሕዎ (1-8) ንሳራ ወዲ ኸም እትወልድ ተስፋ ተዋህባ፣ ሰሓቐት (9-15) ኣብርሃም ንሶዶም ለመነላ (16-33) 19 መላእኽቲ ንሎጥ በጽሕዎ (1-11) ሎጥን ስድራ ቤቱን ኪወጹ ተነግሮም (12-22) ሶዶምን ጎሞራን ጠፍኣ (23-29) ሰበይቲ ሎጥ ሓወልቲ ጨው ኰነት (26) ሎጥን ኣዋልዱን (30-38) መበቈል ሞኣብን ዓሞንን (37, 38) 20 ሳራ ኻብ ኣቢሜሌክ ደሓነት (1-18) 21 ይስሃቅ ተወልደ (1-7) እስማኤል ንይስሃቅ ኣላገጸሉ (8, 9) ኣጋርን እስማኤልን ተሰድዱ (10-21) ኣብርሃም ምስ ኣቢሜሌክ ኪዳን ተኣታተወ (22-34) 22 ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውኦ ተነግሮ (1-19) ብዘርኢ ኣብርሃም ዚርከብ በረኸት (15-18) ቤተ ሰብ ርብቃ (20-24) 23 ሞት ሳራን መቓብራን (1-20) 24 ንይስሃቅ ሰበይቲ ተደልየሉ (1-58) ርብቃ ናብ ይስሃቅ መጸት (59-67) 25 ኣብርሃም ከም ብሓድሽ ተመርዓወ (1-6) ሞት ኣብርሃም (7-11) ደቂ እስማኤል (12-18) ያእቆብን ኤሳውን ተወልዱ (19-26) ኤሳው ብዅርናኡ ሸጠ (27-34) 26 ይስሃቅን ርብቃን ኣብ ጌራር (1-11) ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንይስሃቅ ጸንዓሉ (3-5) ብዒላታት እተላዕለ ባእሲ (12-25) ይስሃቅ ምስ ኣቢሜሌክ ኪዳን ተኣታተወ (26-33) ክልተ ሔታውያን ኣንስቲ ኤሳው (34, 35) 27 ያእቆብ ምርቓ ይስሃቅ ረኸበ (1-29) ኤሳው ዘይተነስሐ ኽነሱ፡ ኪምረቕ ደለየ (30-40) ኤሳው ንያእቆብ ጸልኦ (41-46) 28 ይስሃቅ ንያእቆብ ናብ ጳዳን-ኣራም ሰደዶ (1-9) ያእቆብ ኣብ ቤት-ኤል ዝሓለሞ ሕልሚ (10-22) ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንያእቆብ ጸንዓሉ (13-15) 29 ያእቆብ ምስ ራሄል ተራኸበ (1-14) ያእቆብ ንራሄል ኣፍቀራ (15-20) ያእቆብ ንልያን ንራሄልን ተመርዓወን (21-29) ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶም ኣርባዕተ ኣወዳት፦ ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌዊ፡ ይሁዳ (30-35) 30 ቢልሃ ንዳንን ንፍታሌምን ወለደት (1-8) ዚልጳ ንጋድን ንኣሴርን ወለደት (9-13) ልያ ንይሳኮርን ንዛብሎንን ወለደት (14-21) ራሄል ንዮሴፍ ወለደት (22-24) መጓሰ ያእቆብ በዝሓ (25-43) 31 ያእቆብ ተሓቢኡ ናብ ከነኣን ነቐለ (1-18) ላባን ንያእቆብ ኣርከቦ (19-35) ያእቆብ ምስ ላባን ዝኣተዎ ኺዳን (36-55) 32 መላእኽቲ ንያእቆብ ረኸብዎ (1, 2) ያእቆብ ንኤሳው ኪረኽቦ ተዳለወ (3-23) ያእቆብ ምስ መልኣኽ ተቓለሰ (24-32) ያእቆብ፡ እስራኤል ተባህለ (28) 33 ያእቆብ ምስ ኤሳው ተራኸበ (1-16) ያእቆብ ናብ ሴኬም ዝገበሮ ጕዕዞ (17-20) 34 ዲና ተዓመጸት (1-12) ደቂ ያእቆብ ተተናዀሉ (13-31) 35 ያእቆብ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሓቐ (1-4) ያእቆብ ናብ ቤት-ኤል ተመልሰ (5-15) ብንያም ተወልደ፣ ራሄል ሞተት (16-20) ዓሰርተው ክልተ ኣወዳት እስራኤል (21-26) ሞት ይስሃቅ (27-29) 36 ዘርኢ ኤሳው (1-30) ነገስታትን ሹማምንትን ኤዶም (31-43) 37 ሕልምታት ዮሴፍ (1-11) ዮሴፍን ቀናኣት ኣሕዋቱን (12-24) ዮሴፍ ናብ ባርነት ተሸጠ (25-36) 38 ይሁዳን ታማርን (1-30) 39 ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር (1-6) ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ኣበያ (7-20) ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ (21-23) 40 ዮሴፍ ሕልምታት እሱራት ፈትሐ (1-19) ‘ትርጉም ናይ ኣምላኽ እዩ’ (8) ድግስ መዓልቲ ልደት ፈርኦን (20-23) 41 ዮሴፍ ሕልምታት ፈርኦን ፈትሐ (1-36) ፈርኦን ንዮሴፍ ልዕል ኣበሎ (37-46ሀ) ዮሴፍ ምግቢ ኣመሓደረ (46ለ-57) 42 ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ግብጺ ኸዱ (1-4) ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ ተራኸበ፣ ፈተኖም (5-25) ኣሕዋቱ ናብ ቦታኦም፡ ናብ ያእቆብ ተመልሱ (26-38) 43 ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ግብጺ ዝገበርዎ ኻልኣይ ጕዕዞ፣ ብንያም ምሳታቶም ከደ ((1-14) ዮሴፍ ከም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋቱ ተራኸበ (15-23) ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ በልዐ (24-34) 44 ጽዋእ ብሩር ዮሴፍ ኣብ ከረጺት ብንያም (1-17) ይሁዳ ምእንቲ ብንያም ለመነ (18-34) 45 ዮሴፍ መንነቱ ገለጸ (1-15) ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ያእቆብ ተመልሱ (16-28) 46 ያእቆብን ቤተ ሰቡን ናብ ግብጺ ገዓዙ (1-7) ስማት እቶም ናብ ግብጺ ዝገዓዙ (8-27) ዮሴፍ ንያእቆብ ኣብ ጎሼን ተቐበሎ (28-34) 47 ያእቆብ ምስ ፈርኦን ተራኸበ (1-12) ዮሴፍ ብጥበብ ኣመሓደረ (13-26) እስራኤል ኣብ ጎሼን ተቐመጠ (27-31) 48 ያእቆብ ንኽልቲኦም ደቂ ዮሴፍ መረቖም (1-12) ኤፍሬም ዝዓበየ ምርቓ ረኸበ (13-22) 49 ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት (1-28) ሺሎ ኻብ ይሁዳ ኸም ዚወጽእ (10) ያእቆብ ብዛዕባ ቐብሩ ዝሃቦ ትእዛዝ (29-32) ሞት ያእቆብ (33) 50 ዮሴፍ ንያእቆብ ኣብ ከነኣን ቀበሮ (1-14) ዮሴፍ ይቕረታኡ ኣረጋገጸሎም (15-21) ናይ መወዳእታ መዓልታትን ሞትን ዮሴፍ (22-26) ዮሴፍ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ ዝሃቦ ትእዛዝ (25)