ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 17
  • ፍልልይ ዝነበሮም ማናቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍልልይ ዝነበሮም ማናቱ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ያእቆብ ውርሲ ወረሰ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ጥበባዊ ምርጫታት ብምግባር ንርስትኻ ሓልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 17

ዛንታ 17

ፍልልይ ዝነበሮም ማናቱ

እዞም ኣብዚ ዘለዉ ክልተ ኣወዳት እተፈላለዩ ኢዮም: ኣይኰነንዶ፧ ስሞም ትፈልጦዶ፧ እቲ ሃዳኒ ኤሳው ኢዩ: እቲ ኣባጊዕ ዝሕሉ ዘሎ ኸኣ ያእቆብ ኢዩ።

ኤሳውን ያእቆብን ማናቱ ደቂ ይስሃቅን ርብቃን ኢዮም። ይስሃቅ ኣቡኦም ከኣ ኤሳው ንፉዕ ሃዳኒ ብምንባሩን ነታ ስድራቤት ዝኸውን ዝብላዕ መግቢ የምጽእ ስለ ዝነበረን ኣጸቢቑ ፈተዎ። ርብቃ ግን ያእቆብ ህዱእ: ሰላማዊ ውላድ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ትፈቱ ነበረት።

ኣባሓጎኦም ኣብርሃም ገና ብህይወቱ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ክዛረብ ከሎ: ያእቆብ ክሳዕ ክንደይ ባህ ይብሎ ከም ዝነበረ ክንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣብ መወዳእታ እቶም ማናቱ ደቂ 15 ዓመት ምስ ኰኑ: ኣብርሃም ወዲ 175 ዓመት ኰይኑ ሞተ።

ኤሳው ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ ክልተ ከነኣናውያን ኣንስቲ ተመርዓወ። እዚ ኸኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ኣዝዩ ኣጕሃዮም: ምኽንያቱ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ንየሆዋ ዘየምልኻ ኢየን ነይረን።

ብድሕርዚ: ሓደ መዓልቲ ንኤ​ሳው ምስ ሓዉ ያእቆብ ከም ዝሓርቕ ዝገበሮ ነገር ኣጋጠመ። ይስሃቅ ነቲ ዓቢ ወዱ ዝምርቐሉ ግዜ በጹሑ ነበረ። ኤሳው ካብ ያእቆብ ይዓቢ ስለ ዝነበረ: እዚ ምርቓ እዚ ክቕበል ኢዩ ዝጽበ ነይሩ። እንተዀነ ግን ኤሳው ኣቐዲሙ ምርቓ ናይ ምውሳድ መሰል ንያእቆብ ሸይጡሉ ነበረ። እቶም ኣወዳት ምስ ተወልዱ እውን ኣምላኽ ያእቆብ ምርቓ ከም ዝቕበል ተዛሪቡ ነበረ። ልክዕ ከምኡ ኸኣ ኰነ። ይስሃቅ እቲ ምርቓ ንወዱ ያእቆብ ሃቦ።

ጸኒሑ ኤሳው ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ ምስ ያእቆብ ተቘጥዐ። ኣዝዩ ሓሪቑ ስለ ዝነበረ ንያእቆብ ክቐትሎ ኢየ በለ። ርብቃ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐት: ተሻቐለት። ስለዚ ንበዓል ቤታ ይስሃቅ ከምዚ ኢላ ነገረቶ:⁠- ‘ያእቆብ እውን ካብ ኣዋልድ ከነኣን ዝምርዖ እንተድኣ ኰይኑ ዝኸፍአ ክኸውን ኢዩ።’

ሽዑ ይስሃቅ ንወዱ ያእቆብ ጸውዖ እሞ ‘ካብ ኣዋልድ ከነኣን ኣይትመርዖ። ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ናብ ካራን ኪድ። ሓንቲ ካብተን ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ተመርዖ’ ኢሉ ነገሮ።

ያእቆብ ንኣቡኡ ሰምዖ: ብኡብኡ ኸኣ ናብ ካራን ናብቲ ኣዝማዱ ዝርከብዎ ቦታ ንኽኸይድ ነዊሕ ጉዕዞ ጀመረ።

ዘፍጥረት 25:⁠5⁠-​11, 20⁠-​34፣ 26:⁠34, 35፣ 27:⁠1⁠-​46፣ 28:⁠1⁠-​5፣ እብራውያን 12:⁠16, 17

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ