ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 12 ገጽ 34
  • ያእቆብ ውርሲ ወረሰ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ያእቆብ ውርሲ ወረሰ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍልልይ ዝነበሮም ማናቱ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ጥበባዊ ምርጫታት ብምግባር ንርስትኻ ሓልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 12 ገጽ 34
ያእቆብ ንኤሳው ኣብ ክንዲ ብዅርናኡ፡ ጸብሒ ይህቦ

ትምህርቲ 12

ያእቆብ ውርሲ ወረሰ

ይስሃቅን ርብቃን ምስቶም ያእቆብን ኤሳውን ዚብሃሉ ማናቱ ደቆም

ይስሃቅ ንርብቃ ኺምርዓዋ ኸሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ነበረ። ብዙሕ እውን የፍቅራ ነበረ። ድሕሪ ግዜ፡ ማንታ ኣወዳት ወለዱ።

እቲ ዓብዪ ኤሳው፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ያእቆብ ይብሃሉ ነበሩ። ኤሳው ናብ መሮር ወይ ናብ በረኻ ኸይዱ እንስሳታት ምህዳን ይፈቱ ነበረ። ያእቆብ ግና ኣብ ቤት ምዃን ይፈቱ ነበረ።

ኣብቲ ግዜያት እቲ፡ ሓደ ኣቦ ምስ ሞተ፡ ነቲ በዅሪ ወዲ መብዛሕትኡ መሬትን ገንዘብን ይውሃቦ ነበረ። እዚ ኸኣ ውርሲ ይብሃል። ኣብ ስድራ ቤት ይስሃቅ ግና፡ ካልእ ውርሲ እውን ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ክፍሊ እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ቓል ምዃን እዩ ነይሩ። ኤሳው ብዛዕባ እቲ ተስፋታት ግዲ ኣይነበሮን፣ ያእቆብ ግና፡ እቲ ተስፋታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ።

ያእቆብን ኤሳውን

ሓደ መዓልቲ፡ ኤሳው ኣብ ሃድን ድሕሪ ምውዓሉ፡ ደኺሙ ተመልሰ። እቲ ያእቆብ ዚሰርሖ ዝነበረ ጥዑም ምግቢ ምስ ጨነዎ ኸኣ፡ ‘ጥሜት ተወዲአ እየ እሞ፡ ካብቲ ቐይሕ ጸብሒ ሒደት ሃበኒ!’ በሎ። ያእቆብ ድማ፡ ‘ሕራይ ክህበካ እየ፣ ቅድም ግና ውርስኻ ኽትህበኒ ቓል እተወለይ’ በሎ። ኤሳው ከኣ፡ ‘ብዛዕባ ውርሰይ ግዲ የብለይን። ውሰዶ! ዚብላዕ ጥራይ ሃበኒ’ በሎ። ኤሳው ዝገበሮስ ቅኑዕ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን። ኤሳው ነቲ ኣዝዩ ኽቡር ነገር፡ ብጸብሒ እዩ ለዊጥዎ።

ይስሃቅ ኣመና ምስ ኣረገ፡ ነቲ በዅሪ ወዱ ኺምርቖ ሓሰበ። ርብቃ ግና ነቲ ንእሽቶ ወዳ ስለ ዝሓገዘቶ፡ ያእቆብ ነቲ ምርቓ ወሰዶ። ኤሳው ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ነቲ ፍላይ ማንታኡ ዝዀነ ሓዉ ድማ ኪቐትሎ ሓሰበ። ይስሃቅን ርብቃን ግና ንያእቆብ ካብ ጕድኣት ኪከላኸሉሉ ስለ ዝደልዩ፡ ‘ኤሳው ክሳዕ ዚሃድእ፡ ኪድ እሞ ምስ ኣኮኻ ላባን ተቐመጥ’ በልዎ። ያእቆብ ከኣ ምኽሪ ወለዱ ሰሚዑ፡ ህይወቱ ንምድሓን ሃደመ።

“ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ህይወቱ እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧ ሰብከ ኣብ ክንዲ ህይወቱ እንታይ ምሃበ፧”—ማርቆስ 8:36, 37

ሕቶታት፦ ኤሳው እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ ያእቆብከ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ እቲ ምርቓ ንኤሳው ዘይኰነስ፡ ንያእቆብ እተዋህቦ ስለምንታይ እዩ ነይሩ፧

ዘፍጥረት 25:20-34፣ 27:1–28:5፣ እብራውያን 12:16, 17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ