1 ነገስት ትሕዝቶ 1 ዳዊትን ኣቢሳግን (1-4) ኣዶንያ ኣብ ዝፋን ኪድይብ ደለየ (5-10) ናታንን ባትሴባን ስጕምቲ ወሰዱ (11-27) ዳዊት፡ ሰሎሞን ኪቕባእ ኣዘዘ (28-40) ኣዶንያ ናብ መሰውኢ ሃደመ (41-53) 2 ዳዊት ንሰሎሞን መምርሒ ሃቦ (1-9) ዳዊት ሞተ፣ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን ደየበ (10-12) ኣዶንያ ብሰንኪ ውዲቱ ሞተ (13-25) ኣብያታር ተሰጕጐ፣ ዮኣብ ተቐትለ (26-35) ሺምዒ ተቐትለ (36-46) 3 ሰሎሞን ንጓል ፈርኦን ተመርዓዋ (1-3) የሆዋ ንሰሎሞን ብሕልሚ ተራእዮ (4-15) ሰሎሞን ጥበብ ኪውሃቦ ለመነ (7-9) ሰሎሞን ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዴታት ፈረደ (16-28) 4 ምምሕዳር ሰሎሞን (1-19) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበረ ብልጽግና (20-28) ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኦም በለሱን ብደሓን ይነብር ነበረ (25) ጥበብን ምስላታትን ሰሎሞን (29-34) 5 ንጉስ ሒራም ናውቲ ህንጸት ኣቕረበ (1-12) ሰሎሞን ዜሸቅሎም ዝነበሩ ሸቃሎ (13-18) 6 ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ሃነጸ (1-38) ውሽጣዊት ክፍሊ (19-22) ኪሩቤል (23-28) እተቐርጸ ቕርጽታትን መዓጹን እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድን (29-36) ቤተ መቕደስ ብሸውዓተ ዓመት ተፈጸመት (37, 38) 7 ቤተ መንግስቲ ሰሎሞን (1-12) እቲ ኽኢላ ሒራም ንሰሎሞን ሓገዞ (13-47) ክልተ ዓንዲ ነሓሲ (15-22) ናይ ፍሲ ባሕሪ (23-26) ዓሰርተ ዓረብያን ገበራ ነሓስን (27-39) ዕዮ ኣቕሑ ወርቂ ተፈጸመ (48-51) 8 እቲ ታቦት ናብታ ቤተ መቕደስ ደየበ (1-13) ሰሎሞን ነቲ ህዝቢ ተዛረቦ (14-21) ሰሎሞን እታ ቤተ መቕደስ ክትውፈ ኸላ ዝጸለዮ ጸሎት (22-53) ሰሎሞን ነቲ ህዝቢ ባረኾ (54-61) መስዋእትን በዓል ወፈያን (62-66) 9 የሆዋ ንሰሎሞን ከም ብሓድሽ ተራእዮ (1-9) ሰሎሞን ንንጉስ ሒራም ዝሃቦ ህያብ (10-14) እተፈላለየ ዕዮታት ሰሎሞን (15-28) 10 ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን በጽሓቶ (1-13) ብዝሒ ሃብቲ ሰሎሞን (14-29) 11 ኣንስቲ ሰሎሞን ንልቡ ኣዘንበላኦ (1-13) ተጻረርቲ ሰሎሞን (14-25) የሮብዓም ዓሰርተ ነገዳት ከም ዚውሃቦ ተነግሮ (26-40) ሰሎሞን ሞተ፣ ሮብዓም ነገሰ (41-43) 12 ብርቱዕ ምላሽ ሮብዓም (1-15) ዓሰርተ ነገዳት ዓለዉ (16-19) የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ (20) ሮብዓም ምስ እስራኤል ከይዋጋእ ተነግሮ (21-24) የሮብዓም ዘቘሞ ኣምልኾ ምራኽ (25-33) 13 ኣንጻር እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ መሰውኢ እተነግረ ትንቢት (1-10) እቲ መሰውኢ ተጨድደ (5) እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ትእዛዝ ጠሓሰ (11-34) 14 ኣሒያ ኣንጻር የሮብዓም እተነበዮ ትንቢት (1-20) ንግስና ሮብዓም ኣብ ልዕሊ ይሁዳ (21-31) ወረራ ሺሻቅ (25, 26) 15 ኣብያም፡ ንጉስ ይሁዳ (1-8) ኣሳ፡ ንጉስ ይሁዳ (9-24) ናዳብ፡ ንጉስ እስራኤል (25-32) ባዕሳ፡ ንጉስ እስራኤል (33, 34) 16 የሆዋ ንባዕሳ ዝፈረዶ ፍርዲ (1-7) ኤላህ፡ ንጉስ እስራኤል (8-14) ዚምሪ፡ ንጉስ እስራኤል (15-20) ዖምሪ፡ ንጉስ እስራኤል (21-28) ኣከኣብ፡ ንጉስ እስራኤል (29-33) ሒኤል ንያሪኮ ዳግም ሰርሓ (34) 17 ነብዪ ኤልያስ ደርቂ ኸም ዚኸውን ተነበየ (1) ኳዃት ንኤልያስ ቀለብዎ (2-7) ኤልያስ ናብታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር መበለት ከደ (8-16) ወዲ እታ መበለት ሞተን ተንስአን (17-24) 18 ኤልያስ ምስ ኦብድያን ኣከኣብን ተራኸበ (1-18) ኤልያስን ነብያት በዓልን ኣብ ቀርሜሎስ (19-40) “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ እትሕንክሱ” (21) ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝጸንሐ ደርቂ ኣብቅዐ (41-46) 19 ኤልያስ ብሰሪ ቝጥዓ ኢዛቤል ሃደመ (1-8) የሆዋ ንኤልያስ ኣብ ከረን ሆሬብ ተራእዮ (9-14) ኤልያስ ንሓዛኤልን ንየሁን ንኤልሳእን ኪቐብኦም ተነግሮ (15-18) ኤልሳእ ንኤልያስ ኪትክኦ ተሸመ (19-21) 20 ሶርያውያን ምስ ኣከኣብ ተዋግኡ (1-12) ኣከኣብ ንሶርያውያን ሰዓሮም (13-34) ኣንጻር ኣከኣብ እተነግረ ትንቢት (35-43) 21 ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ተተምነዮ (1-4) ኢዛቤል ንናቦት ኣቕተለቶ (5-16) ኤልያስ ንኣከኣብ ዝነገሮ መልእኽቲ ፍርዲ (17-26) ኣከኣብ ርእሱ ኣትሓተ (27-29) 22 ዮሳፋጥ ምስ ኣከኣብ ዝነበሮ ኺዳን (1-12) ስዕረት ከም ዜጋጥም ሚካያ እተነበዮ ትንቢት (13-28) ንኣከኣብ ዚሓባብሎ ዜታልል መንፈስ (21, 22) ኣከኣብ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ተቐትለ (29-40) ንግስና ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ (41-50) ኣሓዝያ፡ ንጉስ እስራኤል (51-53)