ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧
“ኣምላኽ ያእቆብ . . . ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና።”—ኢሳ. 2:3።
1, 2. ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኣብነታት ክትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ ነገራት ክትጥቀም ከም እትኽእል ትኣምን ዲኻ፧ ኣብኡ ብዛዕባ እቶም ንህይወቶምን ንባህርያቶምን ክትቀድሖ እትኽእል እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዝሓደግዎ ኣብነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (እብ. 11:32-34) ይኹን እምበር፡ መለበሚ ዚዀኑና ሰብኡትን ኣንስትን እውን ኣለዉ፣ ካብ ተግባሮም ወይ ካብ ኣረኣእያኦም ድማ ክንርሕቕ ኣሎና።
2 ገሊኣቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ውልቀ ሰባት፡ ሰናይ ኣብነትን መለበምን ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። ነቲ ትሑት ጓሳ ዝነበረ እሞ፡ ጸኒሑ ሓያል ንጉስ ዝዀነ ዳዊት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሓቂ ዚፈቱን ኣብ የሆዋ ዚውከልን ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ከም ሰናይ ኣብነት ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ምስ ባትሴባ ዘምዩን ንኡርያ ሰብኣያ ኣቕቲልዎን ብዕሽነት ንህዝቡ ቘጺርዎምን እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ እዩ። ሕጂ ግና ኣብቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንጉስን ዝነበረ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከነተኵር ኢና። ፈለማ ብዛዕባ እቲ ኻብኡ ኽንቀድሖ እንኽእል ክልተ ሰናይ ኣብነት ክንምርምር ኢና።
“ጥበብ ሰሎሞን”
3. ሰሎሞን ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነና ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
3 እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ክንቀድሖ ብዛዕባ እንኽእል ጽቡቕ ነገራት ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ነቶም ተጠራጠርቲ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክ[ት]ሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ” በሎም። (ማቴ. 12:42) እወ፡ ንጉስ ሰሎሞን ብጥበቡ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ፣ ጥበብ ከነጥሪ ድማ ተማሕጺኑና ኣሎ።
4, 5. ሰሎሞን ንጥበቡ ኻበይ እዩ ረኺብዎ፧ እቲ ንሕና ጥበብ እንረኽበሉ መገዲ እተፈልየ ዝዀነኸ ብኸመይ እዩ፧
4 ሰሎሞን ንግስናኡ ኺጅምር ከሎ፡ ኣምላኽ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ ዝደለዮ ነገር ኪልምን ነገሮ። ሰሎሞን ድማ ብዙሕ ነገራት ኪመሃር ከም ዘለዎ ስለ እተገንዘበ፡ ጥበብ ኪወሃቦ ሓተተ። (1 ነገስት 3:5-9 ኣንብብ።) ኣምላኽ በዚ ስለ እተሓጐሰ፡ ንሰሎሞን “ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃብትን ክብርን እውን ሃቦ። (1 ነገ. 3:10-14) ከምቲ የሱስ ዝጠቐሶ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኣዝዩ ዜደንቕ ስለ ዝነበረ፡ ንግስቲ ሳባ ብዛዕባኡ ሰምዐት፣ ነቲ ጥበብ ብዓይና ንኽትርእዮ ኸኣ ነዊሕ መገዲ ተጓዕዘት።—1 ነገ. 10:1, 4-9።
5 ብተኣምራዊ መገዲ ጥበብ ክንረክብ ኣይንጽበን ኢና። ሰሎሞን፡ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ” እኳ እንተ በለ፡ ነዚ ጥበብ እዚ ንኽንረኽቦ ኽንጽዕር ከም ዘሎና ኺገልጽ ከሎ እውን፡ “እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን” ኢሉ ነይሩ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ድማ፡ “እንተ ጸዋዕካያ፡” “እንተ ደሌኻያ፡” ከምኡውን “ሃለው እንተ በልካያ” ዚብል መግለጺ ተጠቒሙ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 2:1-6) ብንጹር እምበኣር፡ ጥበብ ከነጥሪ ንኽእል ኢና።
6. ጥበብ ብምጥራይ ዝመጸ፡ ነቲ ሰሎሞን ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ንስዕብ ከም ዘለና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
6 ንርእስና፡ ‘ኣምላኻዊ ጥበብ ብምጥራይ ዝመጸ ንኣብነት ሰሎሞን እስዕብዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ። ቍጠባዊ ቕልውላው ንገሊኣቶም ኣብ ስራሖምን ኣብ ገንዘብን ከም ዜተኵሩ ገይርዎም እዩ፣ ነቲ ንትምህርቲ ብዚምልከት ዚገብርዎ ውሳነ እውን ጸልይዎ እዩ። እሞኸ ንስኻን ስድራ ቤትካን እትገብርዎ ምርጫ፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ትደልዩ ኸም ዘለኹም ዚሕብር ድዩ፧ እቲ እተውጽእዎ ሸቶ፡ ዝያዳ ጥበብ ከም እተጥርዩ ድዩ ዚገብረኩም፧ ጥበብ እንተ ኣጥሪና፡ ነቲ ዘጥረናዮ ጥበብ ከኣ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ነባሪ ጥቕሚ ኽንረክብ ኢና። ሰሎሞን፡ “ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኸተስተውዕል ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ።—ምሳ. 2:9።
ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽብ ምባል፡ ሰላም ኣምጽአ
7. ንኣምላኽ ዓብዪ ቤተ መቕደስ እተሰርሓሉ ብኸመይ እዩ፧
7 ሰሎሞን ኣብ መጀመርታ ግዝኣቱ፡ ነቲ ኻብ ግዜ ሙሴ ኣትሒዙ ዚስርሓሉ ዝነበረ ማሕደር፡ ብዜደንቕ ቤተ መቕደስ ተክኦ። (1 ነገ. 6:1) እዚ ቤተ መቕደስ እዚ፡ መብዛሕትኡ እዋን ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰሎሞን ንገዛእ ርእሱ ህቡብ ንኺገብር ኢሉ ኣይኰነን ሃኒጽዎ፣ እቲ ቤተ መቕደስ ናይ ምስራሕ ሓሳብ እውን ካብኡ ኣይኰነን መኒጩ። ፈለማ ቤተ መቕደስ ናይ ምስራሕ ሓሳብ ዘቕረበ፡ ዳዊት እዩ ነይሩ፣ ኣምላኽ ከኣ ንዳዊት፡ ዝርዝራዊ ንድፊ እታ ቤተ መቕደስ ሃቦ። ዳዊት ድማ ነቲ ዕዮ ህንጸት ንምድጋፍ፡ ብዙሕ ወፈያ ገበረ። (2 ሳሙ. 7:2, 12, 13፣ 1 ዜና 22:14-16) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደ ዕዮ ህንጸት ብሓላፍነት ዚከታተሎ ዝነበረ፡ ሰሎሞን እዩ ነይሩ።—1 ነገ. 6:37, 38፣ 7:51።
8, 9. (ሀ) ሰሎሞን፡ ጽቡቕ ዕዮ ኣብ ምዕያይ ብዘይምስልካዩ፡ ሰናይ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰሎሞን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽብ ምባሉ፡ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧
8 ሰሎሞን፡ ጽቡቕ ዕዮ ኣብ ምዕያይ ስለ ዘይሰልከየን ነቲ ኣገዳሲ ነገራት ቀዳምነት ይህቦ ስለ ዝነበረን፡ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነና። እቲ ቤተ መቕደስ ተሃኒጹ ምስ ተወድአ፡ ታቦት ኪዳን ከኣ ኣብኡ ምስ ኣተወ፡ ሰሎሞን ንህዝቢ እስራኤል ወኪሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ፤ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልካያ ቦታ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ።” (1 ነገ. 8:6, 29) ስለዚ፡ እስራኤላውያንን ጓኖትን ኣብዚ ንስም ኣምላኽ ኬኽብር እተሃንጸ ቤተ መቕደስ ኪጽልዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—1 ነገ. 8:30, 41-43, 60።
9 ሰሎሞን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽብ ምባሉ፡ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ እቶም ህዝቢ ድሕሪ ጽምብል እቲ ቤተ መቕደስ፡ “በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ባህ ኢልዎም፡ ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ።” (1 ነገ. 8:65, 66) እቲ ን40 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት ሰሎሞን፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈኖ እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 4:20, 21, 25 ኣንብብ።) መዝሙር 72 ብዛዕባ እዚ እያ እትገልጽ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እንረኽቦ በረኸት ንኽንርድኦ ኸኣ ትሕግዘና እያ።—መዝ. 72:6-8, 16።
ሰሎሞን መለበሚ ይዀነና
10. ፈለማ ናብ ኣእምሮና ዚመጽእ፡ ኣየናይ ሕማቕ ተግባር ሰሎሞን እዩ፧
10 ሰሎሞን፡ መለበሚ እውን ይዀነና ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምናልባት ፈለማ፡ ብዛዕባ እተን ጓኖት ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ንሓስብ ንኸውን። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።” (1 ነገ. 11:1-6) ነዚ ዕሽነት ዝመልኦ ኣኻይዳኡ ኽንቀድሖ ኸም ዘይብልና ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተግባር ጥራይ ድዩ መለበሚ ዚዀነና፧ ቀጺልና እስከ መብዛሕትኡ እዋን ብቐሊሉ ዕሽሽ ዚብሃል፡ ግናኸ መለበሚ ኪዀነና ዚኽእል ነጥብታት ንርአ።
11. ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ መርዓ ሰሎሞን ድሕሪ ምንባብና፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧
11 ሰሎሞን ን40 ዓመት እዩ ገዚኡ። (2 ዜና 9:30) ስለዚ፡ ነቲ ኣብ 1 ነገስት 14:21 ዘሎ ሓሳብ ድሕሪ ምንባብና፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ (ኣንብብ።) ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሰሎሞን ምስ ሞተ፡ እቲ ወዲ 41 ዓመት ዝነበረ ሮብዓም ነገሰ፣ “ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ።” ስለዚ፡ ሰሎሞን ንጉስ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንሓንቲ ኻብ ዓዲ ጸላኢ ዝመጸትን ጣኦታት እተምልኽን ጓና ሰበይቲ ተመርዕዩ ነይሩ ማለት እዩ። (መሳ. 10:6፣ 2 ሳሙ. 10:6) እሞኸ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ንኣምልኾ ጣኦት ሓዲጋቶዶ፧ ሓዲጋቶ እንተ ዀይና እንፈልጦ ነገር የልቦን፣ ምናልባት እውን ከም ረሃብን ሩትን ኣምላኺት የሆዋ ዀይና ትኸውን። (ሩት 1:16፣ 4:13-17፣ ማቴ. 1:5, 6) ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ሰሎሞን፡ ንየሆዋ ዘየገልግሉ ዓሞናውያን ኣሕሙን ኣዝማድን እዮም ነይሮምዎ።
12, 13. ሰሎሞን ኣብ መጀመርታ ንግስናኡ እንታይ ግጉይ ውሳነ እዩ ገይሩ፧ እንታይ ኢሉኸ እዩ ሓሲቡ ኪኸውን ዚኽእል፧
12 ድሕሪ ንግስና ሰሎሞን እውን እንተ ዀነ፡ ኵነታት እናኸፍአ እዩ ኸይዱ። ሰሎሞን “ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሕምነት ገበረ እሞ፡ ንጓል ፈርኦን ወሰዳ፡ . . . ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ።” (1 ነገ. 3:1) እዛ ግብጻዊት ሰበይቲ እዚኣ፡ ከም ሩት ኣምላኺት የሆዋ ዀይናዶ፧ ከምኡ ዚብል ኣይንረክብን ኢና። ድሕሪ ግዜ፡ ሰሎሞን ካብ ከተማ ዳዊት ወጻኢ፡ ንዓኣን ምናልባት ንግብጻውያን ኣግራዳን ቤት ሰርሓለን። ስለምንታይ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምኡ ብዛዕባ ዝገበረሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ ንየሆዋ ዘየምልኽ ሰብ ኣብ ጥቓ ታቦት ኪዳን ኪነብር ስለ ዘይክእል ምዃኑ እዩ ዚሕብር።—2 ዜና 8:11።
13 ሰሎሞን፡ እቲ ምስታ ግብጻዊት ልዕልቲ ዝገበሮ መውስቦ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ግብጽን እስራኤልን ዘሎ ርክብ ዜደልድሎ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግና ቅኑዕ መመኽነይታ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ፡ ነዊሕ ዓመታት ይገብር፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ከነኣናውያን፡ እንተላይ ምስ ካልኦት ኣህዛብ ከይዋሰቡ ኸልኪልዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 34:11-16) እሞኸ ሰሎሞን፡ ‘እቶም እተጠቕሱ ኣህዛብ ንግብጻውያን ኣየጠቓልሉን እዮም’ ኢሉ ብምሕሳብ ድዩ ምስኦም ተዋሲቡ፧ ዋላ እውን ከምኡ ኢሉ እንተ ሓሰበ፡ እቲ ተግባሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ነይርዎ ድዩ፧ እቲ ዝገበሮ ተግባር፡ ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ምስ ካልኦት ኣህዛብ ከይዋሰቡ ዜጠንቅቕ ሓሳብ ዕሽሽ ከም ዝበሎ ዚሕብር እዩ ነይሩ፣ ንየሆዋ ዘየምልኽ ሰብ ከኣ፡ ንሓደ እስራኤላዊ ናብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኺመርሖ ይኽእል ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 7:1-4 ኣንብብ።
14. እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ግጉይ ውሳነ፡ መለበሚ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧
14 እሞኸ ኻብቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ግጉይ ውሳነ ኽንመሃር ዲና፧ ሓንቲ ሓብቲ ነቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክንምርዖ ዚእዝዝ መለኮታዊ ትእዛዝ ዕሽሽ ኢላ፡ ፍቕራዊ ርክብ ክትጅምር ትፍትን ትኸውን። (1 ቈረ. 7:39) ብዘይካዚ፡ ሓደ ክርስትያን፡ ኣብ ተወሳኺ ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ክበባት ቤት ትምህርቲ ኺካፈል፡ ግብሪ ንዘይምኽፋል ቀዳዳት ኪፈጥር፡ ወይ ከኣ ካብ ሕፍረት እተላዕለ ብዛዕባ ተግባራቱ ኺሕሱ ኸም ዚኽእል ገይሩ የመኻኒ ይኸውን። እቲ ቐንዲ ነጥቢ፡ ሰሎሞን፡ ዕባራ ምኽንያት ብምጥቃም ኣብ ትእዛዝ ኣምላኽ ቀዳዳት የናዲ ነበረ፣ ንሕና እውን ከምኡ ኸይንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና።
15. የሆዋ ንሰሎሞን ምሕረት ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ኢና ግና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
15 እቲ ዜገርም፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ ሰሎሞን ጓኖት ኣንስቲ ድሕሪ ምምርዓዉ እዩ ኣምላኽ ጥበብን ሃብትን ሂብዎ። (1 ነገ. 3:10-13) ዋላኳ ሰሎሞን ንመምርሒታት ኣምላኽ ዕሽሽ እንተ በሎ፡ የሆዋ ግና ብኡብኡ ኻብ ንግስናኡ ኣየውረዶን ወይ ሓያል ተግሳጽ ኣይሃቦን። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ፡ ዘይፍጹማትን ሓመድን ምዃንና ኸም ዚርዳእ ዚሕብር እዩ። (መዝ. 103:10, 13, 14) ይኹን እምበር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሳዕቤን ተግባርና ኸም እንዓጽድ ክንርስዕ የብልናን።
ብዙሓት ኣንስቲ
16. ሰሎሞን ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ ዘእተወሉ እዋን፡ ነየናይ መምርሒ እዩ ጥሒሱ፧
16 ንጉስ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ ንሓንቲ ጐርዞ ኣድንቖቱ ኺገልጸላ ኸሎ፡ ካብ 60 ንግስትታትን 80 ዕቁባትን ከም እትበልጽ ነገራ። (መሃ. 6:1, 8-10) እዚ ሓሳብ እዚ ንዅነታት ሰሎሞን ዜመልክት እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ሰሎሞን ብዙሓት ኣንስቲ እየን ነይረናኦ ማለት እዩ። መብዛሕትአን ወይ ኵለን እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣምለኽቲ የሆዋ ኪዀና ይኽእላ እኳ እንተ ዀና፡ ሰሎሞን ግና ብንጹር ነቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንነገስታት ዝሃቦም መምርሒ እዩ ዚጥሕስ ነይሩ፣ እቲ መምርሒ፡ ሓደ ንጉስ “ልቡ ኸይሰድዕ . . . ኣንስቲ ኣየብዝሕ” ይብል ነበረ። (ዘዳ. 17:17) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሰሎሞን ኣይነጸጎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መሃልየ መሃልይ ከም ዚጽሕፋ ብምግባር፡ ባረኾ።
17. ነየናይ ሓቂ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
17 ይኹን እምበር፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ፡ ሰሎሞን ንመምርሒ ኣምላኽ እኳ እንተ ጠሓሰ፡ ከይተቐጽዐ ኸም ዝተረፈ፡ ንሕና እውን ከምኡ እንተ ጌርና ኸም ዘይንቕጻዕ ድዩ ዚሕብር፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚሕብር። ምናልባት ሓደ ኻብ ህዝቢ ኣምላኽ ንመምርሒ የሆዋ ዕሽሽ ኢልዎ ኽነሱ ብኡብኡ ሳዕቤኑ ኣይዓጽድን ይኸውን፣ ጸኒሑ ዜሕዝን ሳዕቤን ኣይዓጽድን እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ስለዚ፡ ነቲ ሰሎሞን ዝበሎ ኽንዝክሮ ኣሎና፣ ንሱ፡ “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ እሞ፡ ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚዀነሎም፡ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ” በለ።—መክ. 8:11, 12።
18. ኵነታት ሰሎሞን ንሓቅነት ገላትያ 6:7 ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧
18 እቲ ዜሕዝን፡ ሰሎሞን ነዚ ሓቂ እዚ ኣየቕለበሉን። ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ከም ዝገበረ፡ ኣምላኻዊ በረኸት ድማ ከም ዝረኸበ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ርእሲ ጌጋ ኻልእ ጌጋ ኺገብር ጀመረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ዘይምእዛዝ ተሰበሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ” ኺብል ሓቁ እዩ ነይሩ። (ገላ. 6:7) ሰሎሞን ጸኒሑ ንመምርሒ ኣምላኽ ዕሽሽ ስለ ዝበሎ፡ ሕማቕ ሳዕቤን ዓጸደ። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፤ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሲዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ።” (1 ነገ. 11:1) ብዙሓት ካብዘን ኣንስቲ እዚኣተን፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኻ ነበራ፣ ሰሎሞን እውን በዚ ተጸልዩ እዩ። ብሰሪ እዚ ኸኣ፡ ልቡ ንየሆዋ ኻብ ምምላኽ ዘንበለ፣ ሞገስ እቲ ዕጉስ ኣምላኽና ድማ ሰኣነ።—1 ነገስት 11:4-8 ኣንብብ።
ካብ ጽቡቕን ሕማቕን ተግባር ሰሎሞን ተምሃር
19. መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሰናይ ኣብነታት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
19 የሆዋ ንጳውሎስ ብመንፈሱ ገይሩ፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ኢሉ ኸም ዚጽሕፍ ገበሮ። (ሮሜ 15:4) እቲ ‘ንምህሮና እተጻሕፈ’ ነገራት፡ ሰናይ ኣብነት እቶም እተደንቕ እምነት ዝነበረቶም ሰብኡትን ኣንስትን ዜጠቓልል እዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶም፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዐሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ . . . ካብ ድኻም በርትዑ” በለ። (እብ. 11:32-34) ካብ ሰናይ ኣብነት እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ክንጥቀም ንኽእል ኢና፣ ከምኡ እውን ኢና ኽንገብር ዘሎና። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሰናይ ኣብነቶም ክንቀድሖ ኣሎና።
20, 21. ካብቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሶም ዘለዉ መለበሚ ዚዀኑና ሰባት ክትመሃር ዝወሰንካ ስለምንታይ ኢኻ፧
20 ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መለበሚ እዩ ዚዀነና። ገሊኣቶም ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ፡ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዝነበሩን ሞገሱ ዝነበሮምን ሰባት እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ገሊኣቶም ህዝቢ ኣምላኽ ኣበይን ብኸመይን ከም ዝሰሓቱን ብኸመይ መለበሚ ኪዀኑና ኸም ዚኽእሉን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ገሊኣቶም ቀስ ብቐስ እዮም ግጉይ ኣረኣእያ ወይ ዝንባለ ኣማዕቢሎም፣ ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሕማቕ ሳዕቤን ዓጺዶም እዮም። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት መለበሚ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘እዚ ሰብ እዚ ግጉይ ኣረኣእያ ዘማዕበለ ብኸመይ እዩ፧ ንዓይከ ኸምኡ ኼጋጥመኒ ይኽእልዶ፧ እዚ ሕማቕ ኣብነት እዚ፡ ካብ ጌጋታት ምእንቲ ኽርሕቕ፡ መለበሚ ኪዀነኒ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧’
21 ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ” ኢሉ ጽሒፉ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቶም መለበሚ ዚዀኑና ሰባት ከነጽንዕ ኣሎና።—1 ቈረ. 10:11።
እንታይ ተማሂርካ፧
• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰናይ ኣብነትን መለበምን ክትረክብ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
• ሰሎሞን ኣብ ርእሲ ጌጋ ኻልእ ጌጋ ኺገብር ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧
• ካብ ጌጋታት ሰሎሞን እንታይ መለበሚ ኢኻ እትረክብ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ሰሎሞን ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ ጥበብ ተጠቕመሉ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእልታት]
ሰሎሞን መለበሚ ይዀነካዶ ኣሎ፧