ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 44 ገጽ 108-ገጽ 109 ሕ.ጽ. 3
  • ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰሎሞን ቤት መቕደስ ይሃንጽ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 44 ገጽ 108-ገጽ 109 ሕ.ጽ. 3
ካብ የሆዋ ዝወረደ ሓዊ ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ዝነበረ መስዋእትታት ይበልዖ

ትምህርቲ 44

ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ

ንጉስ ሰሎሞን ይጽሊ

ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ምስ ኰነ፡ የሆዋ፡ ‘እንታይ ክህበካ ትደሊ፧’ በሎ። ሰሎሞን ከኣ፡ ‘ኣነ ንእሽቶ እየ፡ እንታይ ከም ዝገብር እውን ኣይፈልጥን እየ። ንህዝበይ ምእንቲ ኽከናኸኖም፡ በጃኻ ጥበብ ሃበኒ’ ኢሉ መለሰ። የሆዋ ድማ፡ ‘ጥበበኛ ኽትከውን ስለ ዝለመንካ፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ጥበበኛ ሰብ ክገብረካ እየ። ብዙሕ ሃብቲ እውን ክህበካ እየ። እንተ ተኣዚዝካኒ ኸኣ፡ ነዊሕ ዕድመ ኽህበካ እየ’ በሎ።

ሰሎሞን ድማ ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ጀመረ። ብብሉጽ ወርቅን ብሩርን ዕንጨይትን ኣእማንን ገይሩ እውን ሃነጻ። ኣሽሓት ክኢላታት ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ኣብታ ቤተ መቕደስ ይሰርሑ ነበሩ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ከኣ፡ እታ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ እትውፈየሉ ግዜ ኣኸለ። መሰውኢ ድማ ነበራ፣ ኣብኡ እውን መስዋእትታት ተዳልዩ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ተምበርኪኹ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ብዕቤታ ዀነ ብጽባቐኣ ንዓኻ እትበቅዕ ኣይኰነትን፣ በጃኻ ግና ኣምልኾና ተቐበል፡ ጸሎትና እውን ስማዕ’ ኢሉ ጸለየ። እሞኸ የሆዋ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስን ብዛዕባ እቲ ሰሎሞን ዝጸለዮ ጸሎትን እንታይ ተሰምዖ፧ ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድአ፡ ብኡብኡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ መስዋእትታት በልዖ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ በታ ቤተ መቕደስ ባህ ከም ዝበሎ ገለጸ። እስራኤላውያን እውን ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ተሓጐሱ።

ካብ የሆዋ ዝወረደ ሓዊ ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ዝነበረ መስዋእትታት ይበልዖ

ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብጥበቡ ኣብ ብዘላ እስራኤልን ኣብ ርሑቕ ቦታታትን ተፈልጠ። ሰባት ካብ ጸገማቶም ፍታሕ ኪረኽቡ ኢሎም ናብ ሰሎሞን ይመጹ ነበሩ። ንግስቲ ሳባ እውን ከይተረፈት ብኸቢድ ሕቶታት ክትፍትኖ መጸት። መልሱ ምስ ሰምዐት ድማ፡ ‘ሰባት ብዛዕባኻ ዝነገሩኒ ነገር ኣይኣመንክዎን ነይረ፣ ሕጂ ግና ካብቲ ዝበሉኒ ንላዕሊ ጥበብ ኣሎካ። ኣምላኽካ የሆዋ ባሪኹካ እዩ’ በለቶ። ህይወት ኣብ እስራኤል ጥዑም እዩ ነይሩ፣ እቶም ህዝቢ እውን ሕጉሳት እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ግና እቲ ዅነታት ተቐየረ።

“እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ።”—ማቴዎስ 12:42

ሕቶታት፦ የሆዋ ንሰሎሞን ፍሉይ ጥበብ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ በታ ቤተ መቕደስ ባህ ከም ዝበሎ ኸመይ ገይሩ እዩ ገሊጹ፧

1 ነገስት 2:12፣ 3:4-28፣ 4:29–5:18፣ 6:37, 38፣ 7:15–8:66፣ 10:1-13፣ 2 ዜና መዋእል 7:1፣ 9:22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ