ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/7 ገጽ 30-31
  • ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘሀንጢ ወረ
  • ሕንቅሕንቅሊቶይን ዘዕግብ መልስን
  • ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
  • መንፈስ ልግሲ ክዓስል ከሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ንጥበብ ኣኽቢራ ርእያታ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ንየሆዋ ስለቲ ጥበቡ ወድሶ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/7 ገጽ 30-31

ፍቓድ የሆዋ ገይሮም

ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ

እቲ ካብ ሳባ ናብ የሩሳሌም እተገብረ ጕዕዞ ነታ ንግስቲ ኣድኪምዋ ክኸውን ኣለዎ። ብምቾት ኢያ ትነብር ነይራ። ሕጂ ግን ብግመል ገይራ ኣብቲ መብዛሕትኡ ሃሩር ዝዀነ ምድረ በዳ: 2,400 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ኣድካሚ ጕዕዞ ኢያ ተጓዒዛ። ኣብቲ ዝደለየቶ ንኽትበጽሕ ገለ 75 መዓልትታት ከም እተጓዕዘት ይግመት: ንኽትምለስ እውን ክንድኡ ወሰደላ!a

እዛ ሃብታም ንግስቲ እዚኣ ነቲ ኣብ ሳባ ዘሎ ምቹእ ገዝኣ ገዲፋ ከምዚ ዝበለ ኣድካሚ ጕዕዞ ዝገበረት ስለምንታይ ኢያ፧

ዘሀንጢ ወረ

ንግስቲ ሳባ “ወረ ሰሎሞን ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔት” ኢያ ናብ የሩሳሌም ዝኸደት። (1 ነገስት 10:⁠1) እታ ንግስቲ እንታይ ከም ዝሰምዐት ኣይተጠቕሰን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንሰሎሞን ፍሉይ ጥበብ: ሃብቲ: ከምኡውን ክብሪ ብምሃብ ባሪኽዎ ምንባሩ ንፈልጥ ኢና። (2 ዜና መዋእል 1:⁠11, 12) እታ ንግስቲ ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ፈለጠት፧ ሳባ ማእከል ናይ ንግዲ ስለ ዝነበረት: እቶም ናብታ ሃገር ዝኸዱ ነጋዶ ዝና ሰሎሞን ኣዘንቲዮምላ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ካብዚኣቶም ኣብቲ ሰሎሞን ዝነግደሉ ዝነበረ ኦፊር ዝበሃል ሃገር ነይሮም ይዀኑ።​—⁠1 ነገስት 9:⁠26-28

ዝዀነ ዀይኑ: እታ ንግስቲ “ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጕዕዞ: ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል” ኰይና የሩሳሌም በጽሐት። (1 ነገስት 10:⁠2ሀ) ገለ ሰባት እታ “ብዙሕ ጕዕዞ” እትብል ቃል ንዕጡቓት ዓጀብቲ እተጠቓልል ኢያ ይብሉ። እታ ንግስቲ ብዙሕ ክብሪ ስለ ዝነበራን ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ንብረት ሒዛ ስለ ዝነበረትን ዕጡቓት ዓጀብቲ ምስኣ ምንባሮም ርዱእ ኢዩ።b

ንግስቲ ሳባ ግን ዝና ሰሎሞን “ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር” ከም ዝሰምዐት ኣስተውዕል። ስለዚ እዚ ጕዕዞ እዚ ንንግዲ ጥራይ ኢልካ እተገብረ ጕዕዞ ኣይነበረን። እታ ንግስቲ ቐንዲ መኼዲኣ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ: ምናልባት እውን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኹ ክትፈልጥ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ካብ ዘርኢ ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ዝነበሩ ሴም ወይ ካም ዝመጸት ክትከውን ስለ ትኽእል: ናይ ኣባሓጎታታ ሃይማኖት ንኽትፈልጥ ተሃንጥያ ትኸውን ኢያ።

ሕንቅሕንቅሊቶይን ዘዕግብ መልስን

እታ ንግስቲ ምስ ሰሎሞን ምስ ተራኸበት “ብሕንቅሕንቅሊቶይ” ፈተነቶ። (1 ነገስት 10:⁠1) እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል “ሕንቅሕንቅሊቶይ” ተባሂላ ክትርጐም ትኽእል ኢያ። እዚ ግን እታ ንግስቲ ምስ ሰሎሞን ዘይረብሕ ጸወታ ኢያ ተጻዊታ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዘገርም ኣብ መዝሙር 49:⁠4 ብዛዕባ ሓጢኣት: ሞት: ከምኡውን በጅነት ዝምልከት ከበድቲ ሕቶታት ንምሕታት እዛ ናይ እብራይስጢ ቃል እዚኣ ኢያ ኣትያ ዘላ። ስለዚ: ንግስቲ ሳባ ንዕምቈት ጥበብ ሰሎሞን ዝፍትን ከበድቲ ኣርእስትታት ዝሓዘ ጕዳይ ከም እተዘራረበት ርዱእ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣዛረበቶ” ይብል። ሰሎሞን ከኣ “ኵሉ ዘረባኣ ገለጸላ: ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን።”​—⁠1 ነገስት 10:⁠2ለ, 3

ንግስቲ ሳባ ብናይ ሰሎሞን ጥበብን ብናይ መንግስቱ ብልጽግናን ኣዝያ ስለ እተገረመት ‘ውኖኣ ተመሰጠ።’ (1 ነገስት 10:⁠4, 5) ገሊኦም ነዛ ሓረግ እዚኣ እታ ንግስቲ “ሃህ ኢላ ተረፈት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ ይብሉ ኢዮም። አረ ሓደ ምሁርስ ኣእምሮኣ ስሒታ ኢያ ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኢዩ! በዚ ይኹን በቲ: እታ ንግስቲ በቲ ዝረኣየቶን ዝሰምዓቶን ነገር ተደኒቓ ኢያ። ንኣገልገልቲ ሰሎሞን ጥበብ ናይዚ ንጉስ ክሰምዑ ስለ ዝኽእሉ ሕጕሳት ኢዮም ኢላቶም ኢያ። ንሰሎሞን ኣብ ዝፋን ስለ ዘቐመጦ ኸኣ ንየሆዋ ባሪኻቶ ኢያ። ድሕርዚ ንንጉስ ክቡር ዝዋግኡ ህያብ ሃበቶ: እቲ ኣዋርቕ ጥራይ በዚ ናይ ሕጂ ዋጋ ክግመት ከሎ 40,000,000 ዶላር ኣቢሉ ይኸውን። ሰሎሞን እውን ነታ ንግስቲ “ዝለመነቶ ዘበለ ዅሉ ድላያ ሀባ።”c​—⁠1 ነገስት 10:⁠

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

የሱስ ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምእንቲ ከረድኦም ንንግስቲ ሳባ ከም ኣብነት ገይሩ ተጠቒሙላ ኢዩ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ንግስቲ ኣዜብ: ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ: ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ: ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ: ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ።” (ማቴዎስ 12:⁠42) እወ: ንግስቲ ሳባ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህበ ጥበብ ዓሚቝ ሞሳ ኣርእያትሉ ኢያ። ንሰሎሞን ምእንቲ ክትሰምዕ 2,400 ኪሎ ሜተር ካብ ተጓዕዘት: እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ የሱስ ምስኦም ስለ ዝነበረ ተጠንቂቖም ክሰምዕዎ ነበሮም።

ንሕና እውን ሎሚ ነቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ሓደ ካብቲ ሞሳና እነርእየሉ መገዲ ነቲ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19) ካልእ መገዲ ኸኣ ኣብነት የሱስን ኣተሓሳስባኡን ኣጸቢቕና ብምስትብሃልን ብምቕዳሕን ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:⁠5፣ እብራውያን 12:⁠2, 3

ሓቂ ኢዩ: ኣብነት ናይቲ ዝዓበየ ሰሎሞን ንምስዓብ ጻዕሪ ክንገብር ዝሓትት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ዓስቢ ክንረክብ ኢና። እወ: የሆዋ ህዝቡ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እንተድኣ ኣርእዮም: ‘መሳዅቲ ሰማይ ከም ዝኸፍተሎም: በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ ከም ዘፍስሰሎም’ ተማባጺዑ ኢዩ።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠10

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዙሓት ምሁራት ሳባ ኣብዚ ሕጂ ሪፓብሊክ የመን ተባሂሉ ዝፍለጥ ደቡባዊ ምዕራብ ዓረብ ኢዩ ነይሩ ይብሉ።

b ብመሰረት እቲ ናይ ጥንቲ ግሪኻዊ ጂኦግራፈር ስትራቦ ዝበሎ: ህዝቢ ሳባ ኣዝዮም ሃብታማት ኢዮም ነይሮም። ንኣቝሑ ገዝኦምን ንኵስኵስቶምን: አረ ሕሉፍ ሓሊፎም ንመናድቖም: ንመዓጹኦም: ከምኡውን ንናሕስታቶም ንኽስልሙ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ ይጥቀሙ ምንባሮም ገሊጹ ኢዩ።

c ገሊኦም ሰባት ነዛ ሓረግ እዚኣ: እታ ንግስቲ ምስ ሰሎሞን ጾታዊ ርክብ ገይራ ዝብል ትርጕም ኣለዋ ይብሉ። አረ ብኣፈ-ታሪኽስ ወዲ ወሊዶም እውን ይበሃል ኢዩ። ነዚ ዝድግፍ መርትዖ ግን የለን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ