እዝራ ትሕዝቶ 1 እታ ቤተ መቕደስ ዳግም ክትህነጽ ንጉስ ቂሮስ ዘውጽኦ ኣዋጅ (1-4) እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ኪምለሱ ዝገበርዎ ምድላዋት (5-11) 2 ዝርዝር ስማት እቶም እተመልሱ ምሩኻት (1-67) ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ (43-54) ደቂ ገላዉ ሰሎሞን (55-57) ነታ ቤተ መቕደስ ዚኸውን መስዋእቲ ፍታው (68-70) 3 መሰውኢ ዳግም ተሰርሐ፡ ኣብኡ መስዋእቲ ቐረበ (1-6) ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ጀመረ (7-9) መሰረት እታ ቤተ መቕደስ ተሰረተ (10-13) 4 ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽዋ ኸለዉ ዘጋጠሞም ተቓውሞ (1-6) ጸላእቲ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ጥርዓን ኣቕረቡ (7-16) ኣርታሕሻስታ መለሰ (17-22) ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ተቛረጸ (23, 24) 5 ኣይሁድ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዳግም ጀመሩ (1-5) ታትናይ ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝጸሓፋ ደብዳበ (6-17) 6 መርመራን ትእዛዝን ዳርዮስ (1-12) ቤተ መቕደስ ተሃኒጻ ተወድአትን ተመረቐትን (13-18) ፋስጋ ተባዕለ (19-22) 7 እዝራ ናብ የሩሳሌም መጸ (1-10) ኣርታሕሻስታ ንእዝራ ዝሃቦ ደብዳበ (11-26) እዝራ ንየሆዋ ወደሶ (27, 28) 8 ዝርዝር ስማት እቶም ምስ እዝራ እተመልሱ (1-14) ነቲ ጕዕዞ ዝገበርዎ ምድላዋት (15-30) ካብ ባቢሎን ነቒሎም ናብ የሩሳሌም መጹ (31-36) 9 እስራኤል ምስ ካልኦት ኣህዛብ ተዋሰበ (1-4) እዝራ ዘቕረቦ ጸሎት ኑዛዜ (5-15) 10 ጓኖት ኣንስቲ ኺሰድዱ ዝኣተውዎ ኺዳን (1-14) ነተን ጓኖት ኣንስቶም ሰደድወን (15-44)