ማቴዎስ ትሕዝቶ 1 ወለዶ የሱስ ክርስቶስ (1-17) ልደት የሱስ (18-25) 2 ምብጻሕ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ (1-12) ናብ ግብጺ ሃደሙ (13-15) ሄሮድስ፡ ሕጻናት ቀተለ (16-18) ናብ ናዝሬት ተመልሱ (19-23) 3 ዮሃንስ መጥምቕ ሰበኸ (1-12) ጥምቀት የሱስ (13-17) 4 ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ (1-11) የሱስ ኣብ ገሊላ ኺሰብኽ ጀመረ (12-17) ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ (18-22) የሱስ ሰበኸ፡ መሃረ፡ ኣሕወየ (23-25) 5 ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት (1-48) የሱስ ኣብ ከረን ኪምህር ጀመረ (1, 2) ሓጐስ ዜምጽእ ትሽዓተ ነገር (3-12) ጨውን ብርሃንን (13-16) የሱስ ንሕጊ ኺፍጽሞ መጸ (17-20) ምኽሪ ብዛዕባ ቝጥዓ (21-26)፡ ዝሙት (27-30)፡ ፍትሕ (31, 32)፡ ማሕላ (33-37)፡ ምፍዳይ ሕነ (38-42)፡ ምፍቃር ጸላእቲ (43-48) 6 ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት (1-34) ንርኣዩለይ ካብ ዚግበር ጽድቂ ርሓቑ (1-4) ከመይ ከም ዚጽለ (5-15) ኣብነት ዚኸውን ጸሎት (9-13) ጾም (16-18) ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማይ መዝገብ ግበሩ (19-24) ኣይትጨነቑ (25-34) ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ድለዩ (33) 7 ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት (1-27) ኣይትፍረዱ (1-6) ብቐጻሊ ለምኑ፡ ድለዩ፡ ኳሕኵሑ (7-11) ወርቃዊት ሕጊ (12) ጸባብ ኣፍ ደገ (13, 14) ብፍሪኦም ይልለዩ (15-23) ኣብ ከውሒ እተሃንጸት ቤት፡ ኣብ ሑጻ እተሃንጸት ቤት (24-27) እቶም ህዝቢ ብትምህርቲ የሱስ ተገረሙ (28, 29) 8 ሓደ ድዉይ ሓወየ (1-4) እምነት ሓደ ሓለቓ ሚእቲ (5-13) የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ብዙሓት ኣሕወየ (14-17) ንየሱስ ዚስዕቦ፡ ኪገብሮ ዚግባእ ነገር (18-22) የሱስ፡ ማዕበል ኣህድአ (23-27) የሱስ ንኣጋንንቲ ናብ ሓሰማታት ሰደደ (28-34) 9 የሱስ ንሓደ ልሙስ ኣሕወዮ (1-8) የሱስ ንማቴዎስ ጸውዖ (9-13) ብዛዕባ ጾም ዝቐረበ ሕቶ (14-17) ጓል ያኢሮስ፣ ሓንቲ ሰበይቲ ኽዳን የሱስ ተንከየት (18-26) የሱስ ንዕዉራትን ንዓባስን ኣሕወየ (27-34) እኽልስ ብዙሕ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት (35-38) 10 እቶም 12 ሃዋርያት (1-4) ብዛዕባ ኣገልግሎት እተዋህበ ትእዛዝ (5-15) ደቀ መዛሙርቲ ኺስጐጉ እዮም (16-25) ንሰባት ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ (26-31) ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ (32-39) ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዚቕበል (40-42) 11 ዮሃንስ መጥምቕ ተወደሰ (1-15) ዘይሰምዕ ወለዶ ተዀነነ (16-24) የሱስ ንኣቦኡ፡ ንትሑታት ሞገስ ስለ ዝሃቦም፡ ወደሶ (25-27) ኣርዑት የሱስ ዕረፍቲ የምጽእ (28-30) 12 የሱስ፡ “ጐይታ ሰንበት” (1-8) ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ሓወየ (9-14) ኣምላኽ ዜፍቅሮ ጊልያ (15-21) የሱስ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣውጽኦም (22-30) ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት (31, 32) ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ (33-37) ትእምርቲ ዮናስ (38-42) ርኹስ መንፈስ ምስ ተመልሰ (43-45) ኣደን ኣሕዋትን የሱስ (46-50) 13 ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ (1-52) ዘራኢ (1-9) ስለምንታይ የሱስ ብምሳሌታት ከም እተዛረበ (10-17) ምሳሌ እቲ ዘራኢ ተገልጸት (18-23) ስርናይን ክርዳድን (24-30) ፍረ ኣድርን ማይ ብሑቝን (31-33) ብምሳሌታት ምዝራቡ፡ ትንቢት ይፍጽም (34, 35) ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ተገልጸት (36-43) እተሓብአ መዝገብን ክብርቲ ሉልን (44-46) መርበብ (47-50) ሓድሽን ብሉይን መዛግብቲ (51, 52) የሱስ ኣብ ዓዱ ተቐባልነት ኣይረኸበን (53-58) 14 ዮሃንስ መጥምቕ ተሰየፈ (1-12) የሱስ ን5,000 መገበ (13-21) የሱስ ብማየ ማይ ከደ (22-33) ኣብ ጌንሳሬጥ ኣሕወየ (34-36) 15 ስርዓት ሰብ ተቓልዐ (1-9) ርኽሰት ካብ ልቢ ይወጽእ (10-20) ዓባይ እምነት እታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ (21-28) የሱስ ንብዙሓት ሕሙማት ኣሕወየ (29-31) የሱስ ን4,000 መገበ (32-39) 16 ትእምርቲ ኺርእዩ ዘቕረብዎ ሕቶ (1-4) ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን (5-12) መፋትሕ መንግስተ ሰማያት (13-20) ጉባኤ ኣብ ከውሒ ትህነጽ (18) የሱስ ከም ዚመውት ነገሮም (21-23) ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ዚገብሮ ነገር (24-28) 17 ምልዋጥ የሱስ (1-13) ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት (14-21) የሱስ ከም ዚመውት መሊሱ ነገሮም (22, 23) ካብ ኣፍ ዓሳ ብእተረኽበ ሰልዲ ግብሪ ተኸፍለ (24-27) 18 ኣብ መንግስተ ሰማያት እቲ ዝዓበየ (1-6) መዐንቀፊታት (7-11) ምሳሌ እታ ዝጠፍአት በጊዕ (12-14) ንሓውካ ኸመይ ጌርካ ኸም እትረብሖ (15-20) ምሳሌ እቲ ይቕረ ዘይብል ባርያ (21-35) 19 መውስቦን ፍትሕን (1-9) ከይተመርዓኻ ምንባር እተዋህቦም (10-12) የሱስ፡ ቈልዑ ባረኸ (13-15) ሓደ ሃብታም ጐበዝ ዘቕረቦ ሕቶ (16-24) ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኽፈል መስዋእቲ (25-30) 20 ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይንን ማዕረ ኽፍሊቶምን (1-16) የሱስ ከም ዚመውት መሊሱ ነገሮም (17-19) ኣብ መንግስቲ ቦታ ኺውሃቦም ዘቕረብዎ ልማኖ (20-28) የሱስ በጃ ብዙሓት (28) ክልተ ዕዉራት ሓወዩ (29-34) 21 የሱስ ብዓጀባ ኣተወ (1-11) የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ (12-17) ኦም በለስ ተረግመት (18-22) ንስልጣን የሱስ ብድሆ ቐረበሉ (23-27) ምሳሌ እቶም ክልተ ደቂ (28-32) ምሳሌ እቶም ቀተልቲ ዝዀኑ ሓረስቶት (33-46) ርእሲ እምኒ መኣዝን ተናዕቀ (42) 22 ምሳሌ እቲ መርዓ (1-14) ኣምላኽን ቄሳርን (15-22) ብዛዕባ ትንሳኤ ዝቐረበ ሕቶ (23-33) ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት (34-40) ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ድዩ፧ (41-46) 23 ንጸሓፍትን ንፈሪሳውያንን ኣይትምሰልዎም (1-12) ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ወይለኦም (13-36) የሱስ ንየሩሳሌም ኣልቀሰላ (37-39) 24 ምልክት እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን (1-51) ውግእ፡ ጥሜት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ (7) ብስራት ይስበኽ (14) ብርቱዕ ጸበባ (21, 22) ትእምርቲ ወዲ ሰብ (30) ኦም በለስ (32-34) ከም ዘመን ኖህ (37-39) ንቕሑ (42-44) እቲ እሙን ባርያን እኩይ ባርያን (45-51) 25 ምልክት እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን (1-46) ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል (1-13) ምሳሌ እተን ታለንት (14-30) እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን (31-46) 26 ካህናት ንየሱስ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ (1-5) ሓንቲ ሰበይቲ ንየሱስ ቅዱይ ቅብኢ ኣፍሰሰትሉ (6-13) ናይ መወዳእታ ፋስጋን ኣሕሊፍካ ምሃብን (14-25) ምቛም ድራር ጐይታ (26-30) ጴጥሮስ ከም ዚኽሕድ ተነግረ (31-35) የሱስ ኣብ ጌተሴማኔ ጸለየ (36-46) የሱስ ተታሕዘ (47-56) ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እተገብረ መስርሕ ፍርዲ (57-68) ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ (69-75) 27 የሱስ ናብ ኢድ ጲላጦስ ኣሕሊፍካ ተዋህበ (1, 2) ይሁዳ ተሓንቀ (3-10) የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ (11-26) ኣላገጹሉ (27-31) ኣብ ጐልጎታ፡ ኣብ ጕንዲ ተሸንከረ (32-44) የሱስ ሞተ (45-56) የሱስ ተቐብረ (57-61) ነቲ መቓብር ብጽኑዕ ሓለውዎ (62-66) 28 የሱስ ተንስአ (1-10) ወተሃደራት ምእንቲ ኺሕስዉ፡ ጉቦ ተዋህቦም (11-15) ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እተዋህበ መዝነት (16-20)