ምስጢር ዊልያም ሸክስፒር
ብወኪል ንቕሑ! ካብ ብሪጣንያ
ዊልያም ሸክስፒር ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓል ደራሲ ተዋስኦ ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ካብ ዝነበሩ ንላዕሊ: ደራሲ ተዋስኦ ምንባሩ ኢዩ ብብዙሓት ሰባት ዝሕሰብ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ንሱ ዝደረሶ ተዋስኦታት . . . ካልኦት ደረስቲ ካብ ዝደረስዎ ንላዕሊ ብዙሕ ግዜን ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ይርአ ኣሎ።” ናብ ልዕሊ 70 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።
ብዛዕባ ሓቅነት እቲ ንሱ ከም ዝጸሓፎ ዝንገረሉ ኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋት ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ካብቶም ብዛዕባ ጽሑፋት ሸክስፒር ዘጽንዑ ቀንዲ ምሁራት ነቲ ተዋስኦታትን ግጥምታትን ሸክስፒር ከም ዝጸሓፎ ዝጠራጠር ዋላ ሓደ የለን” ትብል። ይኹን እምበር: ካልኦት ከኣ ኣንጻር እዚ ሓሳብ እዚ ይከራኸሩ ኢዮም። ስለምንታይ፧
ሸክስፒር ብ1564 ኣብ ስትራትፎርድ-ኣፖን-ኣቮን ተወሊዱ: ድሕሪ 52 ዓመታት ብ1616 ኣብኡ ሞተ። ‘ዊልያም ሸክስፒር ነቲ ብስሙ ተጸዊዑ ዘሎ ስነ-ጽሑፋት ባዕሉ ድዩ ጽሒፍዎ፧’ ንዝብል መሰረታውን ደራኽን ሕቶ ንምምላስ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ኢዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ መጻሕፍቲ እዚ ኸኣ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምርምር እተዳለወ ኢዩ።
መሰረታዊ ግድላት
እቲ ሸክስፒር ዝደረሶ ተዋስኦታት ኣብ ህይወት ከጋጥም ዝኽእል ሓለፍ ዝበለ ተመክሮታት ዝሓዘ ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሕጊ ፍልጠት ስለ ዝነበሮ መሳጢ ብዝዀነ መገዲ ናይ ሕጊ ቃላትን ሕጋዊ መርትዖን ተጠቒሙ ኢዩ። ሰር ጆን ባክኒል ብ1860 ኣብታ መዲካል ኖውለጅ ኦቭ ሸክስፒር እትበሃል መጽሓፍ ሸክስፒር ዓሚቝ ሕክምናዊ ፍልጠት ከም ዝነበሮ ሓቢሩ ኣሎ። ብዛዕባ ሃድንን ካልእ ዓይነት ስፖርትን: ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ንጉሳውያን ቤተሰብ ዘሎ ልምዲ እውን ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ። ብዛዕባ ሸክስፒር ዘጽንዕ ጸሓፍ ታሪኽ ጆን ሚሸል “እቲ ዅሉ ዝፈልጥ ጸሓፊ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።
ኣብቲ ሸክስፒር ዝደረሶ ተዋስኦታት ብዛዕባ ምስባር መራኽብ ሓሙሽተ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ነቲ ምስ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ እተተሓሓዘ ስያመታት ጽቡቕ ገይሩ ምጥቃሙ ኸኣ እቲ ደራሲ ተመክሮ ዝነበሮ ባሕረኛ ምንባሩ ኢዩ ዝሕብር። ሸክስፒር ናብ ርሑቕ ቦታታት ይጓዓዝ ነይሩዶ ኢዩ፧ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣትዩ ከገልግል ተገዲዱዶ ነይሩ ኢዩ፧ ናይ ስጳኛ መራኽብ ውግእ ብ1588 ክሰዓራ ኸለዋ ኣብቲ ኵናት ተኻፊሉዶ ነይሩ ኢዩ፧ ሓዲኡ ካብዚ ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ ንሱ ከም ዝደረሶ ዘረጋግጽ ኢዩ: እንተዀነ ግን ነዚ ዝድግፍ መርትዖ የለን። ንወተሃደራዊ ነገራትን ኣጋር ሰራዊትን ዝምልከት ቃላት ምጥቃሙ እውን ምስ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነገር ዝመሳሰል ኢዩ።
ኣብ ጽሑፋቱ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እውን ኣሎ። እዚ ካብ ኣዲኡ ተማሂርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣዲኡ እተማህረት ምንባራ ዝድግፍ መርትዖ ኸኣ የለን። እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ፍልጠት ብዛዕባ ትምህርቱ ሕቶ ዘልዕል ኢዩ።
ምሁር ድዩ ነይሩ፧
ኣቡኡ ንዊልያም: ጆን: ካብ ጸምሪ ጓንቲ ይሰርሕ ነበረ። ሸያጥ ስጋ ነይሩ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዋላ እኳ ምሁር እንተ ዘይነበረ ሕፉር ሰብ ኢዩ ነይሩ። ስም ዝርዝር ናይቶም ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ስትራትፎርድ ዝማሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ የለን። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ምሁራት ግን እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዊልያም ኣብኡ ይማሃር ምንባሩ ኢዮም ዝግምቱ። ዓመታት ጸኒሑ ግን እቲ ቤን ጆንሰን እተባህለ ደራሲ ተዋስኦ ዝነበረ ዓርኩ: ዊልያም “ቁሩብ ላቲንን: ቁሩብ ግሪኽን” ይፈልጥ ምንባሩ ኣፍለጦ ሂብሉ ኣሎ: እዚ ኸኣ ዊልያም መባእታዊ ትምህርቲ ጥራይ ከም ዝነበሮ ክሕብር ዝኽእል ኢዩ።
ይኹን እምበር: እዚ ደራሲ ተዋስኦ እዚ ነቲ ናይ ፈረንሳ: ኢጣልያ: ከምኡውን ስጳኛ ጽሑፋት—ምናልባት እውን ቋንቍኦም—ሓዊስካ ብዛዕባ እቲ ናይ ጥንታዊት ግሪኽን ሮሜን ስነ-ጽሑፋት ጽቡቕ ምርዳእ ነይርዎ ኢዩ። ብዙሕ ቃላት ከኣ ኢዩ ዝፈልጥ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ኣጸቢቑ እተማህረ ሰብ ክዛረብ ከሎ ልዕሊ 4,000 ዝኸውን ቃላት ዝጥቀም ሳሕቲ ኢዩ። እቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ- ዘበን ዝነበረ ደራሲ ግጥሚ ጆን ሚልተን ኣብ ጽሑፋቱ 8,000 ወይ ልዕሊኡ ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። ሓደ ምሁር ግን ሸክስፒር ካብ 21,000 ዘይውሕድ ቃላት ከም እተጠቕመ ኣፍልጦ ሂብሉ ኣሎ።
መጻሕፍትን ኢደ-ጽሑፋትን
ኵሉ እቲ ዊልያም ዝነበሮ ዝርዝር ንብረት ኣብቲ ሰለስተ ገጽ ዝንውሓቱ ቃለ-ኑዛዜኡ ተዘርዚሩ ኣሎ። ብዛዕባ መጻሕፍቲ ወይ ኢደ-ጽሑፋት ግን ፈጺሙ ኣይተጠቕሰን። ነታ በዅሪ ጓሉ ሱዛንዶ ገዲፉላ ይኸውን፧ ንዓኣ ገዲፉላ እንተድኣ ዀይኑ ኣብቶም ዘርኣ ፋሕፋሕ ኢሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በዚ ምስጢር እዚ ስለ እተገረመ ሓደ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣባል ቤተ-ክህነት ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ ስትራትፎርድ-ኣፖን-ኣቮን ክሳዕ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ፈቲሹ ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓንቲ እውን ትኹን ናይ ሸክስፒር መጽሓፍ ኣይረኸበን።
ናይቲ ተዋስኦታት ኢደ-ጽሑፍ ከኣ ዝገደደ ግድል ዘልዕል ኢዩ። ካብቲ በዅሪ ናይ ሸክስፒር ጽሑፋት ሕጂ ዋላ ሓንቲ የለን። ሸክስፒር ምስ ሞተ 7 ዓመት ጸኒሑ ብ1623 ኣብታ ናይ መጀመርታ ሕታም 36 ተዋስኦታት ተሓትማ። ሸክስፒር ብህይወቱ ኸሎ ካብ ጽሑፋቱ ብስርቂ ብዙሕ ይሕተም ነይሩ ኢዩ። እቲ መስተውዓሊ ነጋዳይ ዝነበረ ሸክስፒር ግን ነዚ ጽሑፋት እዚ ንምእጋድ ዝወሰዶ ሕጋዊ ስጕምቲ ኣይነበረን።
ናብ ለንደን ምኻድ—ተፈላጥነት ምርካብ
እቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ቀዳመይቲ ትገዝኣሉ ዝነበረት ግዜ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ተዋሳእቲ ዝውቱር ዝነበረሉ እዋን ኢዩ ነይሩ: ገሊኦም ከኣ ብ1587 ናብ ስትራትፎርድ-ኣፖን-ኣቮን ከይዶም ነይሮም ኢዮም። ሸክስፒር ምስ እዚኣቶም ሓቢሩ እንተድኣ ዀይኑ ኣብ ጽድያ ናይታ ዓመት እቲኣ ንለንደን ከይዱ ማለት ኢዩ። ናይቲ ኣብ ለንደን ዝነበረ ሎርድ ቻምበርላይንስ መን ዝበሃል: ጸኒሑ ኪንግስ መን ተባሂሉ እተጸውዐ: ህቡብ ናይ ትያትር ኩባንያ ኣባል ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ካብ ዝኣተወላ ዕለት ጀሚሩ ዝነበሮ መጻኢ ተቐየረ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት ኣብ ለንደንን ስትራትፎርድ-ኣፖን-ኣቮንን ጥሪት ገበረ። እንተዀነ ግን: ካብ 1583 ክሳዕ 1592 ኣብ ዝነበረ ግዜ እንታይ ከም ዝገበረ ዝገልጽ ጸብጻብ የለን። እዚኣተን ከኣ እተን ቀንዲ “ዘይተፈልጣ ዓመታት” ሸክስፒር ኢየን።
ብ1599 ግሎብ ዝበሃል ናይ ቲያትር ቦታ ኣብ ሳውዝዋርክ ተኸፍተ። ቅድሚ እዚ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ስም ሸክስፒር ዝነበሮ ተዋስኦታት ኣብ ለንደን ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ከም ደራሲኡ ኰይኑ ተወርይሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ከም እኒ ቤን ጆንሰንን ፍራንሲስ ቤምዋንትን ዝኣመሰሉ ደረስቲ ተዋስኦ ምስ ሞቱ ኣብቲ ናይ ለንደን ዌስትሚኒስተር ኣብይ ድሙቕ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም ከሎ: ዊልያም ምስ ሞተ ግን ከምኡ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተገብረሉን።
ጽሒፎምዎ ክዀኑ ዝኽእሉ ካልኦት ደረስቲ
እቲ ሸክስፒር ተባሂሉ ዘሎ ስም መንነት እቲ ናይ ሓቂ ደራሲ ወይ ደረስቲ ንምሕባእ እተገብረ ድዩ፧ ሰባት ልዕሊ 60 ዝዀኑ ጽሒፎምዎ ክዀኑ ዝኽእሉ ደረስቲ ጠቒሶም ኣለዉ። እዚኣቶም ከም እኒ እቲ ደራሲ ተዋስኦ ዝነበረ ክሪስቶፈር ማርሎው:a ከምኡውን ካርዲናል ዎልሲ: ሰር ዋልተር ራለይግ: ንግስቲ ኤልሳቤጥ ቀዳመይቲ ዝኣመሰሉ ዘይትጸበዮም ሰባት እውን ከይተረፈ ይርከብዎም። ክልሰ- ሓሳባውያን ነየኖት ኢዮም ዝያዳ ኣትኵሮ ዝገብሩሎም፧
እቲ ጽሒፍዎ ተባሂሉ ኣጸቢቑ ዝጥርጠር እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ እተማህረ ፍራንሲስ ቤከን ኢዩ። እዚ ካብ ሸክስፒር ብሰለስተ ዓመት ዝዓቢ: ፍሉጥ ጠበቓን ናይ ቤተ- መንግስቲ በዓል ስልጣንን ኰነ: ብዙሕ ጽሑፋት ከኣ ኣፍረየ። እዚ ናይ ሸክስፒር ጽሑፋት ቤከን ኢዩ ጽሒፉዎ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ንመጀመርታ ግዜ ብ1769 ኢዩ ቀሪቡ: እንተዀነ ግን ዳርጋ ን80 ዝኸውን ዓመታት ተነጺጉ ነበረ። ብ1885 ግን ማሕበር ቤከን ተመስሪቱ ነቲ ጕዳይ እንደገና ከልዕሎ ጀመረ: ነዚ ንምድጋፍ ከኣ ብዙሕ ጭብጥታት ቀረበ። ንኣብነት: ቤከን ኣብታ ኣብ ጽሑፋት ሸክስፒር 15 ግዜ ተጠቒሳ ዘላ ካብ ለንደን ብሰሜን 32 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሴንት ኣልባንስ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። እታ ሸክስፒር ዝነብረላ ዝነበረ ስትራትፎርድ-ኣፖን-ኣቮን ግን ፈጺማ ኣይተጠቕሰትን።
እቲ ናይ ሩትላንድ ሓሙሻይ መዓርግ ዝነበሮ ሮጀር ማነርስን ናይ ደርቢ ሻድሻይ ማዕርግ ዝነበሮ ዊልያም ስታንልን እውን ደገፍቲ ኣለውዎም። ጽቡቕ ትምህርትን ኣብቲ ናይ ቤተ-መንግስቲ ናብራ ሰፊሕ ተመክሮ ዝነበሮምን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ዝዀነ ይኹን ካብ ክልቲኦም ደራሲ ናይቲ ብሸክስፒር ዝፍለጥ ጽሑፋት እንተድኣ ዀይኑ ስለምንታይ ክሕባእ ኣድለየ፧ እቲ ብ1939 ተጣባቒ ናይ ሩትላንድ ዝነበረ ፕሮፌሰር ፒ. ኤስ. ፖሮሆፍሺኮፍ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰብ ነቲ ተራ ዝዀነ ትያትር ዝረኣየሉ ቦታታት ዝኸውን ተዋስኦ ክደርስ ግቡእ ስለ ዘይነበረ እተን ናይ መጀመርታ ጽሑፋቱ ብዘይ ገለ ስም ኣብኡ ከለዋ ኢየን ተሓቲመን: እተን ካልኦት ከኣ ብናይ ብርዒ ስም ኢየን ተጻሒፈን።”
ካልኦት ከኣ እቲ ናይ ሸክስፒር ተዋስኦታት ብዙሓት ደረስቲ ነፍሲ ወከፎም እቲ ብሉጽ ዝዀነ ኣረኣእያኦም ብምጽሓፍ ዘዳለውዎ ኢዩ ይብሉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሸክስፒር ክኢላ ተዋሳኢ ብምንባሩ ናይ ካልኦት ጽሑፋት ኣሪሙ ንመድረኽ ኣዳልይዎዶ ይኸውን፧ ኣብቲ ዘዳለዎ ኢደ-ጽሑፋት ‘ሓንቲ መስመር እውን ትኹን ደምሲሱ ኣይፈልጥን’ ይበሃል። ውሑድ ምትዕርራይ ብምግባር ናይ ካልኦት ደረስቲ ዝእርም ነይሩ እንተድኣ ዀይኑ እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ገሊኦም ሰባት ሸክስፒር ደራሲኡ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ብምባል ከም ዝጠራጠሩ ዝገብሮም ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ጽሑፋት ሓደ ካብ ስትራትፎርድ-ኣፖን-ኣቮን ዝመጸ ተዋሳኢ ኢዩ ጽሒፍዎ ኢሎም ምእማን ኣብዮም ኢዮም። እቲ ናይ ሸክስፒር ተራ ኣተዓባብያ ገጠር: ምስቲ ነቲ ተዋስኦታት ጽሒፉ ኢሎም ዝሓስብዎ ፍሉይ ሓንጎል ዘለዎ ሰብ ክሰማማዓሎም ኣይከኣለን።” ብምቕጻል ከኣ እቶም ጽሒፎምዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት ዳርጋ ዅሎም “ኣባላት ናይቶም ምርኡያት ወይ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ናብራ ዝነበሩ” ኢዮም ትብል። ስለዚ ኸኣ ካብቶም ሸክስፒር ከም ዝጸሓፎ ዝጠራጠሩ ሰባት መብዛሕትኦም “ምሁርን ዝለዓለ ማሕበራዊ ቦታ ዝነበሮ መስተውዓልን ሰብ ጥራይ ኢዩ ነቲ ተዋስኦታት ክጽሕፎ ዝኽእል” ዝብል እምነት ኣለዎም። እንተዀነ ግን: ኣቐድም ኣቢልና ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከም ዝረኣናዮ ብዙሓት ብዛዕባ ሸክስፒር ዘጽንዑ ምሁራት ሸክስፒር ከም ዝጸሓፎ ኢዮም ዝኣምኑ።
እዚ ክርክር እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቀረባ መጻኢ ክፍታሕ ይኽእልዶ ይኸውን፧ ዝፍታሕ ኣይመስልን ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ኢደ-ጽሑፋት ወይ ነተን ዘይተፈልጣ ዓመታት ናይ ዊልያም ሸክስፒር ዝመልእ ጭብጥታት ዝሓዘ ሓድሽ መርትዖታት እንተ ዘይተረኺቡ: እዚ “ብሉጽ ዝዀነ ናይ ቃላት ክኢላ” ዘደንጹ ምስጢር ኰይኑ ኽተርፍ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሸክስፒር ተዋስኦታት ጽልዋ ክሪስቶፈር ማርሎው ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ: እንተዀነ ግን ወዲ 29 ዓመት ከሎ ብ1593 ኣብ ለንደን ኢዩ ሞይቱ። ገሊኦም እቲ ኣብ ባር ተባኢሱ ከም እተቐትለ ዝገልጽ ጸብጻብ ንምድንጋር እተገበረ ኢዩ: ናብ ኢጣልያ ከይዱ ምጽሓፍ ቀጺሉ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ብዛዕባ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝገልጽ ዋላ ሓንቲ ጸብጻብ የለን።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ትምህርትን እቲ ስምን
ዊልያም ሸክስፒር ኣብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሕጂ ዘለዋ ሰነዳት ሽዱሽተ ግዜ ክታሙ ኣንቢሩ ኣሎ። ስሙ ብዙሕ ኣይንበብን ኢዩ: ኣጸሓሕፋኡ ኸኣ ሕደ ኣይኰነን። ገለ ምሁራት: ኣብ ክንድኡ ኰይኖም ጠበቓታት ኣብቲ ቃለ-ኑዛዜ ፈሪሞምሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። እዚ ግን ንገሊኣቶም ‘ዊልያም ሸክስፒር እተማህረ ድዩ ነይሩ፧’ ዝብል ዘተሓሳስብ ሕቶ ከም ዘልዕሉ ዝገብሮም ኢዩ። ንሱ ዝጸሓፎ ኢደ-ጽሑፋት ኣብዚ እዋን እዚ የለን። ሱዛን ጓሉ ስማ ክትጽሕፍ ትኽእል ነይራ ኢያ: ካብኡ ንላዕሊ ክትገብር ትኽእል ከም ዝነበረት ዝገልጽ መርትዖ ግን የለን። እታ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ዝነበራ ንሸክስፒር ካልኣይቲ ጓሉ ጁዲት ግን በጻብዕታ ኢያ ፈሪማ። ዘይተማህረት ኢያ ነይራ። ሸክስፒር ደቁ እቲ ብስነ-ጽሑፍ ዝርከብ ብዙሕ ረብሓታት ምእንቲ ክህልወን ከም ዝማሃራ ዘይምግባሩ ስለምንታይ ምዃኑ ዋላ ሓደ ሰብ ዝፈልጥ የለን።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
Encyclopædia Britannica/11th Edition (1911)
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
Culver Pictures
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ዋላ እኳ ሸክስፒር ብርግጽ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ እንተ ዘይተፈልጠ: እዚ ናይ መጀመርታ ስእልታት ሸክስፒር ኢዩ