መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ሓቂ ናተይ ክገብራ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
“ክዓቢ ከለኹ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኢየ ዓብየ: ኵሉ ግዜ ኸኣ ከም ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ እንተድኣ ዓቢኻ ብሓቂ ንየሆዋ ትፈልጦ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ግግይቲ ነይረ!”—ኣንተነት
“ሓቂ እንታይ ኢዩ፧” ጶንጥዮስ ጲላጦስ እቲ ንየሱስ ክቕተል ኣሕሊፉ ዝሃቦ ሰብኣይ: ነዛ ፍልጥቲ ዝዀነት ሕቶ እዚኣ ኣቕረበ። (ዮሃንስ 18:38) ይኹን እምበር: ጲላጦስ ነዚ ብንዕቀት ዘቕረቦ ሕቶ እዚ ዘልዓሎ ቅኑዕ ምዝርራብ ንኽኸፍት ዘይኰነስ ዘረባ ንኽዓጹ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ ብዛዕባ “ሓቂ” ተገዳስነት ኣይነበሮን። ንስኻኸ፧ ብዛዕባ ሓቂ ትግደስ ዲኻ፧
ፈላስፋታት ንዘበናት ዝኣክል ሓቂ እንታይ ምዃኑ ኣብ ምምርማር ኢዮም ኣሕሊፎሞ: እቲ ዘሕፍር ከኣ ካብ ጻዕሮም ዝረኸብዎ ፍረ ሒደት ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ጲላጦስ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ክትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ኢዩ ብምባል መሃረ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እውን ኣነ ‘ሓቂ’ ኢየ ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ‘ሓቂ ብየሱስ ክርስቶስ ከም ዝመጸ’ ጸሓፈ። (ዮሃንስ 1:17፣ 14:6፣ 17:17) እቲ ደሓር ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ብምሉኡ እምብኣር “ሓቂ” ወይ “ሓቂ ወንጌል” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ። (ቲቶስ 1:14፣ ገላትያ 2:14፣ 2 ዮሃንስ 1, 2) እዚ ክርስትያናዊ ትምህርትታት እዚ ከም ብሕታዊ ስም ኣምላኽ: ምቛም መንግስቲ ኣምላኽ: ትንሳኤ: ከምኡውን በጅነት የሱስ ዝኣመሰለ ነገራት ዘጠቓለለ ኢዩ።—መዝሙር 83:18፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ 20:28፣ ዮሃንስ 5:28, 29
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት በቶም ክርስትያን ወለዶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተማሂሮም ኢዮም። እዚ ግን እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ‘ብሓቂ ይመላለሱ’ ከም ዘለዉ የመልክት ኢዩ ማለት ድዩ፧ (3 ዮሃንስ 3, 4) ኣይኰነን። ንኣብነት: እታ ጓል ዕስራ ዓመት ዝዀነት ጀኒፈር ከም ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይና ኢያ ዓብያ። ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ኣደይ ናብቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትወስደኒ ነበረት: ብዛዕባ ምጥማቕ ክሓስብ ከም ዘሎኒ ኸኣ ትሕብረኒ ነበረት። ንገዛእ ርእሰይ ግን ‘ፈጺመ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ኣይደልን ኢየ። ደስ ዘብል ግዜ ከሕልፍ ኢየ ዝደሊ!’ እብል ነበርኩ።”
ገሊኦም መንእሰያት እቲ እተማህርዎ ይኣምንዎ ኢዮም: ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዝምህሮ ዓሚቝ ምርዳእ ካብ ምምዕባል ግን ሰኒፎም ኢዮም። እዚኸ እንታይ ሓደጋ የምጽእ፧ የሱስ ገሊኦም ሰባት “ሱር የብሎምን” ብምባል ኣጠንቀቐ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት “ንሽዑ እዮም እምበር: . . . ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ: ቀልጢፎም ይዕንቀፉ።” (ማርቆስ 4:17) ካልኦት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶም ቁሩብ ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም: እንተዀነ ግን ንኣምላኽ ብብሕቶም ኣይፈለጥዎን። ሓንቲ ኣኒሳ እተባህለት ጐርዞ ከምዚ ትብል:- “ንእሽቶ ከለኹ ምስ የሆዋ ናይ ሓቂ ርክብ ዝነበረኒ ኰይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ። . . . ከምቲ ዝግምቶ እቲ ዝነበረኒ ርክብ ኣብቲ ወለደይ ምስኡ ዝነበሮም ርክብ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።”
ነዚ ብዝምልከት ኵነታትካ እንታይ ኢዩ፧ የሆዋ ናይ ወለድኻ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣባኻ እውከል አሎኹ: ኣነስ፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ: በልኩ” ዝበሎ ንስኻ እውን ከምኡ ክትብል ትኽእልዶ ኢኻ፧ (መዝሙር 31:14) ነቲ ሓቂ ዝዀነ ነገር ክትጋጠሞ ትብዓት ክሓትት ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣለክሳንደር እተባህለ ጐበዝ “ንዓይ ቅኑዕ ዝዀነ ርእሰ-መርመራ እቲ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ ነይሩ” ይብል። ንነፍስኻ ቁሩብ ድሕሪ ምምርማርካ: ሓቂ (ክርስትያናዊ ትምህርቲ ብምሉኡ) ናትካ ኰይኑ ከም ዘይፈልጥ ትግንዘብ ትኸውን። ጽኑዕ እምነት ይጐድለካ ይኸውን: ስለዚ ኸኣ ህይወትካ ዕላማ ዘይብሉ: ናይ ሓቂ ኣንፈት ዘይብሉ ከም ዝዀነ ይመስለካ ይኸውን።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣኼባኦም ነታ “ሓቂ ናትካ ግበራ” ዘርእስታ መዝሙር ይዝምሩ ኢዮም።a እዚ ምኽሪ እዚ ንዓኻ ዝበቅዕ ይኸውን ኢዩ። እንተዀነ ግን ብኸመይ ኢኻ ከምኡ ክትገብር እትኽእል፧ በየን ኢኻ እትጅምር፧
ንገዛእ ርእስኻ ኣረጋግጸላ
ኣብ ሮሜ 12:2 “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ [“ንገዛእ ርእስኹም ንኸተረጋግጹላ:” NW ]” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ንረክብ። እዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ “[“ርጡብ:” NW ] ፍልጠት ሓቂ” ብምርካብ ኢዩ። (ቲቶስ 1:1) እቶም ጥንታውያን ተቐማጦ ከተማ ቤርያ ነቲ ዝሰምዕዎ ነገራት ስቕ ኢሎም ኣይተቐበልዎን። ብኣንጻሩ ንሳቶም ‘እዚ ነገርዚ [እቲ ዝመሃርዎ ዝነበሩ] እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት ይምርምሩ’ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11
ሓንቲ ኤሪን እተባህለት መንእሰይ ክርስትያን ከምኡ ክትገብር ከም ዘድልያ ተገንዘበት። ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ይመራመር ነበርኩ። ንገዛእ ርእሰይ ከኣ ‘እዚ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ምዃኑ ብኸመይ እፈልጥ፧ የሆዋ ዝብሃል ኣምላኽ ከም ዘሎ ብኸመይ እፈልጥ፧’ እናበልኩ እሓትት ነበርኩ።” ስለምንታይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ናይ መጽናዕቲ መደብ ዘይትጅምር፧ በታ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገይርካ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።b ብጥንቃቐ ኣንብባ። ንዅሉ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት ኣንብቦ: ምስቲ ኣብኡ ዘሎ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ከኣ ኣስተብህል። “እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ምስ ኰንካ: ብዛዕባ ሓቂ እተፈልየ ስምዒት ከም ዝህልወካ ምስ ረኣኻ ክትግረም ኢኻ!—2 ጢሞቴዎስ 2:15
ሃዋርያ ጴጥሮስ ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ነገራት “ንምስትውዓሉ ዚሽግር” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ኣሎ: እዚ ኸኣ ሓቂ ኰይኑ ትረኽቦ ትኸውን። (2 ጴጥሮስ 3:16) መንፈስ ኣምላኽ ግን ነቲ ኣሸጋሪ ዝዀነ ኣርእስትታት እውን ከይተረፈ ንኽትርዳእ ክሕግዘካ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:11, 12) ንገሊኡ ነገራት ምርዳእ ከሸግረካ ኸሎ ሓገዝ ኣምላኽ ክወሃበካ ጸሎት ግበር። (መዝሙር 119:10, 11, 27) ኣብ ጽሑፋት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተወሳኺ ምምርማር ክትገብር ፈትን። እዚ ከመይ ገይርካ ከም እትገብሮ ዘይትፈልጥ እንተድኣ ዄንካ: ሓገዝ ሕተት። ወለድኻ ወይ ብሱላት ኣባላት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም።
እቲ እትገብሮ መጽናዕቲ በቲ ዘሎካ ፍልጠት ንኻልኦት ሰባት ክትምስጥ ከም ዘይኰነ ዘክር። ሓደ ኮሊን እተባህለ መንእሰይ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ንባህርያት የሆዋ ክትፈልጦ ክትጅምር ኢኻ።” ኣብ ውሽጢ ልብኻ ምእንቲ ክሰርጽ ነቲ ዘንበብካዮ ንምስትንታን ግዜ ውሰድ።— መዝሙር 1:2, 3
ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ ጉባኤ ምሕባር እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ከመይሲ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ጉባኤ ‘ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን’ ኢያ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) ገለ መንእሰያት ክርስትያናዊ ኣኼባታት መሰልቸዊ ኢዩ ብምባል የጕረምርሙ። ኮሊን ግን “ንኣኼባታት እንተ ዘይተዳሊኻ: ካብኡ ብዙሕ ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ” ብምባል የዘኻኽር። ስለዚ ነቲ እትምሃሮ ኣቐዲምካ ተዳለወሉ። ኣኼባ ዝያዳ ዘገድስ ዝኸውን ተዓዛቢ ጥራይ ክትከውን ከሎኻ ዘይኰነስ ተሳታፊ እውን ክትከውን ከሎኻ ኢዩ።
ንኸተጽንዕ ግዜ ትስእንዶ፧
ሓቂ ኢዩ ምስቲ ዘሎካ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ከምኡውን ናይ ገዛ ስራሕ: ንኸተጽንዕ ግዜ ክትረክብ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ሱዛን እተባህለት መንእሰይ ከምዚ ብምባል ትጽሕፍ:- “ንብዙሕ ዓመታት ንኣኼባታት ክዳሎ ከምኡውን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክገብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ ኢየ: እንተዀነ ግን ፈጺመ ክገብሮ ኣይከኣልኩን።”
ሱዛን ካብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ‘ግዜ ምዕዳግ’ ተማህረት። (ኤፌሶን 5:15, 16) መጀመርታ ናይ ኵሉ እቲ ከተጽንዖ ዘድልያ ነገራት ዝርዝር ኣውጽአት። ብድሕርዚ እተጽንዓሉ ናይ ግዜ መደብ ገበረት። እቲ መደባ ግን ንዕረፍቲ ዝኸውን ገለ ግዜ እውን ዘጣመረ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ትምዕድ:- “ንዅሉ እቲ ዘሎ ናጻ ግዜ መደብ ኣይተውጽኣሉ። ኵልና እንዘናግዓሉ ግዜ የድልየና ኢዩ።” መደብ ምውጻእ ንዓኻውን ኣስላጢ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ።
እቲ እተማሃርካዮ ንኻልኦት ኣካፍል
ነቲ እተማሃርካዮ ክፍሊ ናትካ ንምግባሩ ዝሕግዘካ: እተማሃርካዮ ነገራት ምዝውታር ኢዩ። ንኻልእ ሰብ ክትምህር ፈትን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ: ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ” ይብል።— መዝሙር 49:3
በቲ ብስራት ዘይትሓፍር እንተድኣ ዄንካ: ንመማህርትኻን ንኻልኦት እትረኽቦም ሰባትን ካብ ምክፋል ድሕር ኣይትብልን ኢኻ። (ሮሜ 1:16) ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ንምንጋር እንተድኣ ተጠቒምካሉ: ነቲ እተማሃርካዮ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ኣሎኻ፣ በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ንሓቂ ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ከም ዝስረት ትገብር።
ንዕርክነትካ ተጠንቀቐሉ
ገለ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገይሮም ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግን “ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧” ብምባል ቀልጢፉ ክጽሕፈሎም ኣድለዮ። (ገላትያ 5:7) ንሓደ ኣሌክስ እተባህለ መንእሰይ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጠሞ። እቲ ንቓል ኣምላኽ ንምጽናዕ ዝነበሮ ጻዕሪ “ምስ ሕማቓት ኣዕሩኽ ዘወን ብምባሉ” ከም እተዳኸመ ይእመን። ንመንፈሳዊ ዕቤትካ በዚ መዳይ እዚ እውን ገለ ለውጥታት ምግባር የድልየካ ይኸውን።
ብኣንጻሩ ኸኣ ጽቡቕ ዕርክነት ንኽትዓቢ ብሓቂ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 27:17 ከምዚ ትብል:- “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።” ንሓቂ ኣብ ህይወቶም ዝትግብሩ: ጽቡቕ ኣርኣያ ዝዀኑኻ ሰባት ድለ። ካብ ቤትካ ወጻኢ ክትደሊ ኣየድልየካን ይኸውን። መንእሰይ ጀኒፈር ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ኣባሓጎይ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ዝዀነኒ ኢዩ ነይሩ። ኵሉ ግዜ ሰንበት ሰንበት ንጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽዳሎ ሰለስተ ሰዓታት የሕልፍ ነበረ። ኣብቲ ጽሑፍ ንዝነበረ ዅሉ ጥቕስታት ኣብ እተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት የንብቦ: ነቲ ቃላት ከኣ ኣብ መዝገበ-ቃላቱ ይርእዮ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዙሕ ዘይፍለጥ ነገራት ደልዩ ኣብ ምርካብ ክኢላ ኢዩ ነይሩ። ዝዀነ ይኹን ነገር ምስ እትሓቶ: መልሲ ይረኽበሉ ነበረ።”
ሓቂ ናትካ ምስ እትገብራ: ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ዘይሽነን ክቡር ጥሪት ብምርካብ ኢኻ ትኸስብ። ስለዚ ንሓቂ “ናይ ወለደይ ሃይማኖት” ብዝብል ኣተሓሳስባ ኣይትርኣዮ። ከምቲ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ጽኑዕ እምነት ይሃልወና። (መዝሙር 27:10) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ብሓቂ ብምፍላጥ: ብምእማን: ነቲ እትኣምኖ ንኻልኦት ብምክፋል: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስቲ ትምህርትታት ተሰማሚዕካ ብምንባር ሓቂ ናትካ ከም ዝገበርካያ ከተርኢ ኢኻ።
[እግረ ጽሑፍ]
a ካብታ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩ እትብሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ)።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ናትካ ምርምርን ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ብምግባር ብዛዕባ ሓቂ ንገዛእ ርእስኻ ኣረጋግጸላ