ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 72
  • ሓቂ ደጊም ኣገዳሲት ድያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓቂ ደጊም ኣገዳሲት ድያ፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓቂ ዚብሃል ነገር ኣሎ ድዩ፧
  • ሓቂ ብኸመይ ኽትረኽባ ትኽእል፧
  • ሓሶት ዝመሃዘ መን እዩ፧
  • ሎሚ ሓሶት ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
  • ሓቂ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
  • ኣምላኽ ንሓቂ ኽፈልጣ ዚደልየኒ ስለምንታይ እዩ፧
  • ኣምላኽ ንሓሶት ኬጥፍኦ ድዩ፧
  • ንኣምላኽ ሓቂ ምምሳሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም ኢያ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 72
ሓደ ፖለቲከኛ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ኣኼባ ንብዙሓት ሰባት እናኣለዓዓለ።

ሓቂ ደጊም ኣገዳሲት ድያ፧

ሓቂ ኻብ ሓሶት ንምፍላይ እናኸበደ ዚኸይድ ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ሎሚ፡ ሰባት ብሓቅን ብጭብጥን ኣብ ክንዲ ዚኣምኑ፡ ብስምዒትን ብናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን እዮም ዚምርሑ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ሓቂ ዚብሃል ነገር ከም ዘየሎ እዮም ዚኣምኑ።

እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ሓድሽ ኣይኰነን። ቅድሚ 2000 ዓመታት፡ እቲ ሮማዊ ገዛኢ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንየሱስ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓቲትዎ ነይሩ። (ዮሃንስ 18:38) ጲላጦስ፡ የሱስ መልሲ ኺህቦ እንተ ዘይተጸበየ እኳ፡ ሕቶኡ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ኣብዛ ሓቂ ኻብ ሓሶት ንምፍላይ ጨኒቕዋ ዘሎ ዓለም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ።

ሓቂ ዚብሃል ነገር ኣሎ ድዩ፧

እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ሓቂ” እትብል ቃል፡ ንሓደ ኣብ ጭብጢ እተመርኰሰን ቅኑዕ ዝዀነ ነገርን ንምምልካት ይጥቀመላ እዩ። ንየሆዋa ኸኣ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢሉ ብምጽዋዕ ንሱ ምንጪ ፍጹም ሓቂ ምዃኑ ይምህር እዩ። (መዝሙር 31:5) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ሓቂ ዝሓዘ እዩ። ንሓቂ ድማ፡ ኣብዛ ተደናጊራ ዘላ ዓለም ከም ብርሃን ኰይና ከም እትመርሓና ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ።—መዝሙር 43:3፣ ዮሃንስ 17:17።

ሓቂ ብኸመይ ኽትረኽባ ትኽእል፧

ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ብሃውሪ ኽንቅበሎ ኣይኰነን ዚደልየና። ኣብ ክንዳኡስ ብስምዒት ተደሪኽና ዘይኰነስ፡ ብኣእምሮና ተጠቒምና ኽንምርምር እዩ ዚዕድመና። (ሮሜ 12:1) ኣምላኽ፡ ‘ብምሉእ ኣእምሮና’ ክንፈልጦን ከነፍቅሮን ይደልየና፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንምሃሮ እውን ሓቂ ምዃኑ ኸነረጋግጽ የተባብዓና እዩ።—ማቴዎስ 22:37, 38፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11።

ሓሶት ዝመሃዘ መን እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሶት በቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝጀመረ ይነግረና እዩ። ኣብኡ ኸኣ “ኣቦ ሓሶት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዮሃንስ 8:44) ነቶም ቀዳሞት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ሓሶት ተዛሪብዎም እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6, 13, 17-19፣ 5:5) ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሰይጣን፡ ሓሶት ካብ ምንዛሕ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ኻብ ምሕባእ ኣየቋረጸን።—ራእይ 12:9።

ሎሚ ሓሶት ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ እዋን፡ ሰይጣን ቅድሚ ሕጂ ዀይኑ ብዘይፈልጥ መገዲ ንብዙሓት ሰባት ይጸልዎምን የስሕቶም ኣሎ። ሰባት ብሓሶት ንኻልኦት የታልልዎምን ይብለጹሎምን ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) ሎሚ፡ ሓሶት ኣብ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ገኒኑ እዩ ዘሎ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና እተነበዮ፡ ሰባት “ከም ትምኒቶም፡ ኣእዛኖም ዚዅርኵዑሎም መምህራን” ብምምራጽ፡ ‘ንሓቂ ኻብ ምስማዕ ኣእዛኖም መሊሶም’ እዮም።—2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4።

ሓደ መራሒ ሃይማኖት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ንሰማዕቱ ይዛረቦም።

ሓቂ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ምትእምማን ንኺህሉ ሓቂ ተድልዮም እያ። ምትእምማን እንተ ዘይሃልዩ፡ ምሕዝነትን ማሕበረሰብን ይፈርስ እዩ። ኣምላኽ፡ ኣምልኾና ኣብ ሓቂ እተመስረተ ኪኸውን ከም ዚደልየና መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል፡ “እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም።” (ዮሃንስ 4:24) ነቲ ሃይማኖታዊ ሓሶት ብኸመይ ከም እተለልዮን ካብኡ ሓራ ብኸመይ ከም እትወጽእን ዚሕግዘካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ንምፍላጥ፡ “ነቲ ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኣንብብ።

ኣምላኽ ንሓቂ ኽፈልጣ ዚደልየኒ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ክትድሕን እዩ ዚደልየካ፡ ንኽትድሕን ግና ብዛዕባኡ ሓቂ ኽትምሃር ኣሎካ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ብዛዕባ እቲ ቕኑዕን ጌጋን ዜፍልጥ ስርዓታት ኣምላኽ እንተ ተማሂርካ፡ ብእኡ ኸኣ እንተ ተመላሊስካ፡ ምስኡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ክትምስርት ኢኻ። (መዝሙር 15:1, 2) ሰባት፡ ሓቂ ምእንቲ ኺምሃሩ ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ልኢኽዎ እዩ። ንትምህርትታት የሱስ ክንሰምዖ ድማ ይደልየና እዩ።—ማቴዎስ 17:5፣ ዮሃንስ 18:37።

ኣምላኽ ንሓሶት ኬጥፍኦ ድዩ፧

እወ። ኣምላኽ ነቶም ንኻልኦት ሰባት ብሓሶት ዜታልሉ ይጸልኦም እዩ። ንምድሪ ኻብቶም ሓሶት ዚዛረቡ ኼጽርያ ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ። (መዝሙር 5:6) ነዚ ኣብ ዚገብረሉ እዋን፡ ነቲ “ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር” ዚብል ተስፋኡ፡ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ እዩ።—ምሳሌ 12:19።

ብዛዕባ ሓቅን ሓሶትን ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ዮሃንስ 8:44፦ ‘ድያብሎስ ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን እዩ።’

ትርጉሙ፦ መጀመርታ ዝሓሰወ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ፡ በዚ ኸኣ ምንጪ ዅሉ ሓሶት ኰይኑ።

ምሳሌ 12:22፦ “ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እየን።”

ትርጉሙ፦ እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ንሓሶት ከምቲ ንሱ ዚጸልኦ ገይሮም ኪጸልእዎ ኣለዎም።

ዮሃንስ 4:24፦ “እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ፡ ኣምልኾና ምስቲ ብዛዕባኡ እተምሃርናዮ ሓቂ ዚሰማማዕ ኪኸውን እዩ ዝደሊ።

ዮሃንስ 8:32፦ “ሓቂ . . . ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።”

ትርጉሙ፦ እታ የሱስ ዝመሃራ ሓቂ ኻብ ድንቍርናን ማሪትን ሃይማኖታዊ ሓሶትን ካልእን ነገራትን ሓራ ኸተውጽኣና ትኽእል እያ። ነታ “ሓራ ኸተውጽኣካ እትኽእል ሓቂ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

1 ጢሞቴዎስ 2:4፦ “[ኣምላኽ] ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ሓቂ ተማሂርና ኽንድሕን እዩ ዚደልየና።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) ነታ “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ