ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/10 ገጽ 3-4
  • ‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም ኢያ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም ኢያ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሓቂ ደጊም ኣገዳሲት ድያ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኣምላኽ ሓቂ ምምሳሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/10 ገጽ 3-4

‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም ኢያ’

የሱስ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ክምህሮም ከሎ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ብምባል ኣነጺሩ ተዛረቦም። (ዮሃንስ 8:⁠32) ትምህርትታት የሱስ ሓቂ ምዃኑ ሃዋርያት የሱስ ብቐሊሉ ከለልይዎ ክኢሎም ኢዮም። መለኮታዊ መበቈል ናይ መምህሮም ካበይ ምዃኑ ብዙሕ መርትዖ ርእዮም ነበሩ።

ሎሚ ግን: ገሊኦም ነቲ የሱስ እተዛረበሉ ሓቂ ንምልላይ ኣጸጋሚ ዀይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ልክዕ ከምቶም ብግዜ ነብዪ ኢሳይያስ ዝነበሩ ሎሚውን “ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ: ንጸልማትሲ ብርሃን: ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ: ንመሪርሲ ጥዑም: ንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ” ኣለዉ። (ኢሳይያስ 5:⁠20) ኣብዚ እዋን እዚ በብዓይነቱ ኣረኣእያን ፍልስፍናን ኣነባብራን የስፋሕፍሕ ስለ ዘሎ: ብዙሓት ሰባት ኵሉ ነገር ብተዛማዲ ዝርአ ድኣ እምበር ሓቂ ዝበሃል ከም ዘየለ ዀይኑ ይስምዖም ኣሎ።

የሱስ ነቶም ሰማዕቱ ሓቂ ሓራ ከተውጽኦም ምዃና ምስ ነገሮም “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና: ባሮት ኰይንና ንተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧” ኢሎም መለስሉ። (ዮሃንስ 8:⁠33) ሓራ ዘውጽኦም ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ነገር ዘድልዮም ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። ድሕርዚ ግን የሱስ “ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፤ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ: ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ” ብምባል ገለጸ። (ዮሃንስ 8:⁠34) እቲ የሱስ ዝዛረበሉ ዝነበረ ሓቂ ካብ ሓጢኣት ሓራ ንምውጻእ መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። የሱስ “ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም: ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 8:⁠36) ስለዚ እቲ ንሰባት ሓራ ዘውጽኦም ሓቂ: ብዛዕባ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ሓቂ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ክወጽእ ዝኽእል ኣብ መስዋእቲ ናይቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ብምእማን ጥራይ ኢዩ።

የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ “በቲ ሓቂ ቐድሶም: ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:⁠17) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ቃል ኣምላኽ ካብ ማሪትን ናይ ሓሶት ኣምልኾን ናጻ ክገብር ዝኽእል ሓቂ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሰባት ኣብኡ እምነት ንኽገብሩ ዝመርሖምን ንመጻኢ ብሩህ ተስፋ ንኽህልዎም መገዲ ዝኸፍትን የሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ሓቂ ዝሓዘ ኢዩ። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ምፍላጥ መወዳድርቲ ዘይብሉ ነገር ኢዩ!

ንሓቂ ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኢዩ፧ ሎሚ ብዙሓት ሃይማኖታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕቦ ኢና ዝብላ እኳ እንተዀና: ብናይ ሰባት ፍልስፍናን ልምድታትን ግን ብሰፊሑ ተጸልየን ኢየን። መራሕቲ ሃይማኖት መብዛሕትኡ ግዜ ብዝያዳ ዝግደሱ ኣብ ሓቅነት ናይቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቶም ዘይኰነስ በቲ ሓፋሽ ህዝቢ ተቐባልነት ዝረኽበሉ መገዲ ኣብ ምንዳይ ኢዩ ዝመስል። ገሊኦም ዝዀነ ይኹን ኣገባብ ኣምልኾ ቅኑዕ ክሳዕ ዝዀነ ኣምላኽ ይቕበሎ ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ። የሱስ ክርስቶስ ግን “ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ” ብምባል ገለጸ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠23

ንኣምላኽ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ከነምልኾ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ንሓቂ ክንፈልጣ ኣሎና። እዚ ኣድላዪ ጕዳይ ኢዩ: ከመይሲ ዘለኣለማዊ ሓጐስና ንሓቂ ኣብ ምፍላጥ እተመርኰሰ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ:- ‘እቲ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ኣምልኾ ኣምላኽ ይቕበሎዶ ኢዩ፧ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ንኽፈልጥ ልባዊ ተገዳስነት ኣሎኒዶ ኢዩ፧ ወይስ በቲ ተጠንቂቕካ ዝግበር መጽናዕቲ ክመጽእ ዝኽእል ነገር እፈርሕ ኢየ፧’

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ