ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/2 ገጽ 3-4
  • ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ መልስታት ምፍላጥ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት
  • ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም ኢያ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • “መገድን ሓቅን ህይወትን”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/2 ገጽ 3-4

ኣምላኽ መን እዩ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ብኸመይ ምመለስካያ፧ ገሊኦም ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎን ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዘለዎምን ይስምዖም እዩ። ገሊኦም ከኣ ናይ ርሑቕ ዘመድ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣምላኽ ከም ዘሎ ይኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባኡ ዚፈልጥዎ ነገር ግን ኣዝዩ ሒደት እዩ። ኣብ ኣምላኽ ትኣምን እንተ ደኣ ዄንካ፡ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ሕቶታት ብኸመይ ምመለስካየን፧

1. ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ድዩ፧

2. ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

3. የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

4. ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧

5. ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧

ካልኦት ሰባት ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ንኺምልስወን ምስ እትሓቶም፡ ብዙሕ እተፈላለየ መልስታት እዮም ዚህቡኻ። እምበኣር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እተፈላለየ ጽውጽዋያትን ግጉይ ሓሳባትን ምህላዉ ኼገርመካ የብሉን።

ነቲ መልስታት ምፍላጥ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት

የሱስ ክርስቶስ ምስ ሓንቲ ኣብ ዔላ ዝረኸባ ሃይማኖተኛ ሰበይቲ ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምፍላጥ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሐ። እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ የሱስ ነብዪ ኸም ዝዀነ ተቐቢላቶ እያ። እንተዀነ ግን፡ ሓደ ነገር ኣተሓሳሲብዋ ነበረ። ናይ የሱስ ሃይማኖት ካብቲ ናታ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዘጨንቓ ነገር ንየሱስ ምስ ነገረቶ፡ “ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ” ኢሉ ብግልጺ ነገራ። (ዮሃንስ 4:19-22) ካብዚ ብንጹር ከም እንርእዮ፡ ንኣምላኽ ብሓቂ ዚፈልጥዎ ዅሎም ሃይማኖተኛታት ከም ዘይኰኑ እዩ የሱስ ዚኣምን ነይሩ።

የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ ግን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ብሓቂ ኺፈልጦ ኣይክእልን እዩ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ነታ ሰበይቲ፡ “እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ” በላ። (ዮሃንስ 4:23) ሓደ ኻብቶም ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ዜምልኹ ዲኻ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህቦ መልሲ ኣዝዩ ኼገድሰካ ኣለዎ። ስለምንታይ፧ የሱስ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ ኺጽሊ ኸሎ፡ ቅኑዕ ፍልጠት ኪህልወካ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሑ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) እወ፡ ተስፋ መጻኢኻ ምስቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ናይ ሓቂ ፍልጠት ኣዝዩ ዚተሓሓዝ እዩ።

ብዛዕባ ኣምላኽ ነቲ ሓቂ ምፍላጥ ብርግጽ ይከኣልዶ፧ እወ፡ ይከኣል እዩ! ብኸመይ ደኣ ኢኻ እሞ ኽትረኽቦ እትኽእል፧ የሱስ ብዛዕባ ርእሱ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ብተወሳኺ እውን፡ “ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን” በለ።—ሉቃስ 10:22።

ስለዚ፡ ንኣምላኽ ክንፈልጠሉ እንኽእለሉ ቐንዲ መገዲ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝመሃሮ ትምህርትታት እዩ ዚርከብ። የሱስ፡ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ ተመባጺዑልና ኣሎ።—ዮሃንስ 8:31, 32።

እሞኸ የሱስ ነተን ኣቐዲምና ዘልዓልናየን ሓሙሽተ ሕቶታት እንታይ መልሲ እዩ ዚህበለን፧

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ብሓቂ ንዘይትፈልጦ ኣምላኽ ዲኻ እተምልኽ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ