ገዛእ ርእስኻ ካብ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ተኸላኸል!
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ሆንዱራስ
ካብ ድቃስ ክትበራበሪ ኸሎኺ ዕግርግር ይብለኪ። ቀልጢፍኪ ትደኽሚ። ከብድኺ ይንፋሕ። ጥንሲዶ ይኸውን፧ ምናልባት። ኣብ ትሮፒካዊ ወይ ድማ ኣብ ከፊል ትሮፒካዊ ክፍሊ ዓለም ትነብሪ እንተድኣ ዄንኪ ግን እቲ ምጕዳል ጥዕና ብሰንኪ ናይ መዓናጡ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ መዓናጡ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ እንታይ ኢዮም: መዕቈቢ ናይዞም ተበለጽቲ ኣጋይሽ ትኸውን ከም ዘሎኻኸ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧
ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ: ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ክብሃል ከሎ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ወይ ካብቲ ኣብ ውሽጡ ዀይኖም ዝነብርሉ ህይወታዊ ናይ በለጽ ጥቕሚ ዝረኽቡ ህይወታውያን ማለት ኢዩ። እቶም ኣባላት ፕሮቶዝዋ ዝዀኑ ኣሜባን ሄልሚንዝ ዝበሃሉ ሓሳኹን ክልተ ዓይነት ናይ መዓናጡ ጽግዕተኛታት ኢዮም። ኣብ ልዕሊ እቲ መዕቈቢ ዝወርድ ጕድኣት ኣብ ብዝሒ እቶም ተጸጊዖም ዘለዉ ሓሳኹ ከምኡውን ኣብ ዕድመን ኵነታት ጥዕናን እቲ መዕቈቢ ዝምርኰስ ኢዩ።
ንኣብነት: እታ ኣንስተይቲ ናይቶም ራውንድዎርም ዝበሃሉ ዓይነት ሓሳኹ ኣብ መዓልቲ 200,000 እንቋቝሖ ክትወልድ ትኽእል። ይኹን እምበር: እቲ እንቋቝሖ ንኽነቍሕ መስርሕ ዕቤቱ ኣብ ውሽጢ ሓመድ ክቕጽል ይግብኦ። ሓደ ሰብ ዝስከሞ ቍጽሪ ሓሳኹ ኣብ ቍጽሪ እቶም መስርሕ ዕቤቶም ዘካይዱ እንቋቝሖ ወይ ሓሳኹ ኢዩ ዝምርኰስ። ብዙሓት ሰባት ክጕድኡስ ይትረፍ ሓሰኻ ከም ዘለዎም እውን ከይፈለጡ መዕቈብቲ ናይ ሒደት ራውንድዎርም ይዀኑ። እዞም ሓሳኹ እዚኣቶም ብኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ ምስ ዝህልዉ ግን ሓደገኛ ምዕጋት መዓንጣ ኸምጽኡ ይኽእሉ ኢዮም።
ቅርጸት: ዕግርግር: ምዕጻው ሸውሃት: መንፋሕቲ ኸብዲ: ሓፈሻዊ ድኻም ሰብነት: መግቢ ናይ ዘይምሕቃቕ ሽግር: ውጽኣት: ወይ ድማ ድርቀት ገለ ኻብቲ ናይ መዓናጡ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ምስ ዝህልዉኻ ዝርአ ናይ ሓባር ምልክታት ኢዩ። ምጕዳል ሚዛን ሰብነት: ምዕልባጥ: ሰሓ: ናይ ምትንፋስ ሕጊግታ: ከምኡውን ረስኒ ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ምህላው ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: እዚ ምልክታት እዚ ናይ ብዙሕ ሕማማት ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ምህላው ናይ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ደጋጊምካ ናይ ቀልቀል ምርመራ ብምግባር ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ።
ግቡእ ምርመራ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ንኣብነት: ራውንድዎርም ከምኡውን ካልእ ዓይነት ጽግዕተኛ ሓሰኻ እንተድኣ ኣልዩካ ዀይኑ: ፈለማ ነቲ ራውንድዎርም ዝኸውን መድሃኒት ክትወስድ የድልየካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ገሊኡ መድሃኒታት ነቶም ሓሳኹ ኸይቀተለ ኣሰናቢዱ ይሓድጎም እሞ: ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላት ብምኻድ ዝገደደ ጕድኣት የስዕቡ።
ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና
ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ኣብ ምጥፋእ መድሃኒት ምውሳድ ውጽኢታዊ እኳ እንተዀነ: ንኸይትልከፍ ኣቐዲምካ ምክልኻል ዝመስልዎ ነገር ግን የለን። ካብ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ ገዛእ ርእስኻ ክትከላኸል እትኽእል፧
ጽሬትካ ምሕላው እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ኢዩ። ቀልቀል ኣብ ግዳም ምውጻእ ግቡእ ኣይኰነን። ዓይኒ ምድሪ ካብቲ ማይ ዝቕድሓሉ ቦታ ኣብ ዘተኣማምን ርሕቀት ኢዩ ክኸውን ዝግብኦ። ቀልቀል ሰብ ከም ድዅዒ ኣብ መዓላ ክውዕል የብሉን። ብተወሳኺውን ግቡእ ዝዀነ ብሕታዊ ጽሬት ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ቈልዑ ረሳሕ ነገር ክበልዑ የብሎምን። ሓደ ቘልዓ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ከም ዘለውዎ እንተድኣ ተፈሊጡ: ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ክምርመሩ ጽቡቕ ኢዩ።
ብተወሳኺውን መግቢ ኣብ ምዕዳግ ይኹን ኣብ ምድላው ጥንቃቐ ምግባር የድሊ። ኣብ ጽሩይ ከባቢታት ዝበቘለ ፍርያት ክትዕድግ ጽዓር። ስጋ ኣጸቢቑ ክበስል ኣለዎ። ጥረ ስጋ ፈጺምካ ኣይትብላዕ። ፍሩታታትን ዘይበሰለ ኣሕምልትን ኣቐዲምካ ብግቡእ ክሕጸቡ ኣለዎም። እቲ ዝሓጸብካሉ ማይ ተበኪሉ ክኸውን ስለ ዝኽእል ግን: እንደገና ኸይትጥቀመሉ ተጠንቀቕ ኢኻ።
ዝስተ ማይ: ምሉእ ብምሉእ ክፈልሕ ኣለዎ። እቲ ማይ እንተድኣ ከም ዝዝሕል ተገይሩ: ኦክሲጅን ክኣትዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ኣባይቲ ዝርከብ መጻረዪ ማይ ንዅሎም ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ክኣልዮም ኣይክእልን ኢዩ። ንጽህና እቲ ኻብ ዕዳጋ ዝመጽእ ዕሹግ ማይ ኣብቲ በቲ እተዳለወሉ ትካል ደረጃ ጽሬቱ ንምሕላው ዝግበር ጥንቃቐ ዝምርኰስ ኢዩ።
መገሻ ወይ ድማ ወጻኢ ኻብ ቤትካ ምብላዕ ተወሳኺ ጥንቃቐ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ብጥርሙዝን ብዘይጥልቂ ባኮን ዝዕሸጉ መስተታት ብዘይ በረድ ዝቐርቡ እንተድኣ ዀይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ዘተኣማምኑ ኢዮም። ገለ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ነቲ ናይ በረድ ዛሕሊ ስለ ዝጻወርዎ: እቲ ማይ ናብ በረድ ብምልዋጡ ጽሬቱ ኣይቅየርን ኢዩ። መግቢ ኣብ ጐደናታት ካብ ዝሸጡ ዓዲግካ ብዛዕባ ምብላዕ ዝመጸ ጥንቁቕ ክትከውን የድልየካ። ተቘራሪጹ ዝሽየጥ ኣናናስ ወይ ድማ ብርጭቕ ንኽትበልዖ ዘወናውን መሲሉ ይርአ ይኸውን: ንኸይነቅጽ ተባሂሉ ግን ብተደጋጋሚ ኢዩ ማይ ዝንጸገሉ—እቲ ማይ ከኣ እተበከለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጥንቃቐ ግበር: ንመገሻኻ ዘይትሕጐሰሉ ክሳዕ እትኸውን ግን ኣይትደሃል። ሚዛናዊ ዝዀነ ጥንቃቐታት ብምግባር: ካብ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ገዛእ ርእስኻ ክትከላኸለላ እትኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ጽሬት እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ማይ ናብ በረድ ብምልዋጡ ጽሬቱ ኣይቅየርን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ኣሜባን “ሄልሚንዝ ” ዝበሃሉ ሓሳኹን ክልተ ዓይነት ናይ መዓናጡ ጽግዕተኛታት ኢዮም
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
DPDx, the CDC Parasitology Website