ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/15 ገጽ 14-15
  • ብዛዕባ ዓሶ ኽትፈልጦ ዘሎካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ዓሶ ኽትፈልጦ ዘሎካ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ዓሶ እንታይ እዩ፧
  • 2 ዓሶ ብኸመይ እዩ ዜስፋሕፍሕ፧
  • 3 ንሕማም ዓሶ ብኸመይ ክትከላኸሎ ትኽእል፧
  • ገዛእ ርእስኻ ካብ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ተኸላኸል!
    ንቕሑ!—2000
ንቕሑ!—2015
g 7/15 ገጽ 14-15

ብዛዕባ ዓሶ ኽትፈልጦ ዘሎካ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብ2013 ልዕሊ 198 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ብዓሶ ኸም እተታሕዙ፡ 584,000 ዚዀኑ ኸኣ ብሰንኩ ኸም ዚሞቱ ይግምት። ዳርጋ 4 ኻብ 5 እቶም ግዳያት፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዚዕድሚኦም ቈልዑ እዮም ነይሮም። እቲ ሕማም ኣብ መላእ ዓለም፡ ሚእቲ ኣብ ዝዀና ሃገራትን ክልታትን ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ፡ ንህይወት ኣስታት 3.2 ቢልዮን ሰባት ዜስግእ እዩ።

1 ዓሶ እንታይ እዩ፧

ዓሶ ብተህዋስ ዚመጽእ ሕማም እዩ። ምልክታቱ ኸኣ፡ ረስኒ፡ ምቝራር፡ ረሃጽ፡ ሕማም ርእሲ፡ ምቕንዛው ጭዋዳታት፡ ዕግርግር ምባል፡ ተምላስ የጠቓልል። ሓድሓደ ግዜ እቲ ምልክታት፡ ካብ 48 ክሳዕ 72 ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ጸጸኒሑ ኺርአ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ዓይነት እቲ ተህዋስን እቲ ሕማም ኣብቲ ሰብ ኣብ ዚጸንሓሉ ግዜን እዩ ዚምርኰስ።

2 ዓሶ ብኸመይ እዩ ዜስፋሕፍሕ፧

  1. ተህዋስ ኣብ ኣካል ሰብ ብኸመይ ከም ዚመሓላለፍ ዜርኢ ሰሌዳ

    እቶም ተህዋስ—ፕላዝሞድያ ተባሂሎም ዚጽዋዑ ሓደ ዝዋህዮኦም ደቀቕቲ ህይወታውያን (ፕሮቶዞዋ)—ኣኖፈሊስ እትብሃል ጣንጡ ንሓደ ሰብ ምስ ነኸሰቶ፡ ኣብ ደም እቲ ሰብ ይኣትዉ።

  2. እቶም ተህዋስ ናብ ዋህዮታት ጸላም ከብዲ እቲ ዝሓመመ ሰብ ኣትዮም ይራብሑ።

  3. ዋህዮ እታ ጸላም ከብዲ ምስ ነትዐ ድማ፡ እቶም ተህዋስ ይዝርግሑ እሞ ንቐያሕቲ ዋህዮታት እቲ ሰብ ይወርሩ። ኣብኡ ኸኣ ይራብሑ።

  4. ተህዋስ ንቐያሕቲ ዋህዮታት ደም ይወርሮ፡ ከም ዚነትዕ ድማ ይገብሮ

    ቀያሕቲ ዋህዮታት ምስ ነትዐ ኸኣ፡ እቶም ተህዋስ ይዝርግሑ፡ ንኻልኦት ቀያሕቲ ዋህዮታት ከኣ ይወርሩ።

  5. እቲ ናይ ምውራርን ናይ ምንታዕን ዑደት ከምኡ እናበለ ይቕጽል። እቶም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ኣብ ዚነትዓሉ ህሞት፡ ኣብቲ በዚ እተታሕዘ ሰብ ምልክታት ዓሶ ይርአ።

3 ንሕማም ዓሶ ብኸመይ ክትከላኸሎ ትኽእል፧

ዓሶ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር ትነብር እንተ ዄንካ . . .

  • ኣብ ዓራትካ ሰኪዔት መከላኸሊ ጣንጡ ተጠቐም። እቲ ሰኪዐት ከኣ

    • ፈውሲ ሓሸራ ኺግበረሉ ኣለዎ።

    • ቀዳዳት ኪህልዎ የብሉን።

    • ምሉእ ብምሉእ ብትሕቲ ፍርናሽ ኪጽቀጥ ኣለዎ።

  • ንቤትካ ፍሊት ንፍሓሉ።

  • እንተ ተኻኢሉ ኣብ መዓጹን ኣብ መሳዅትን መጋረጃ ወይ መንፊት ተጠቐም፡ መዝሓሊ ኣየርን ቨንቲላቶረን (መንበድበዲት) ተጠቐም፣ እዚ ንጣንጡ ኸም ዚወጹ እዩ ዚገብሮም።

  • ንዅሉ ሰብነትካ ምሉእ ብምሉእ ዚሽፍን ጻዕዳ ኽዳን ተኸደን።

  • ጣሻ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ጣንጡ ብብዝሒ ስለ ዚርከባ፡ ማይ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ኸኣ ስለ ዚራብሓ፡ ብእተኻእለ መጠን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢ ርሓቕ።

  • ዓሶ እንተ ሒዙካ፡ ቀልጢፍካ ተሓከም።

ምስ ጣንጡን ሰብን እተተሓሓዘ ዚርአ ዑደት ዓሶ

ሓደ ሰብ፡ ዓሶ ዜምጽእ ተህዋስ፡ ካብ ሓንቲ ነቲ ተህዋስ እተሰከመት ጣንጡ ኺሓልፎ ይኽእል እዩ። ተህዋስ ዘይተሰከመት ጣንጡ ንሓደ ሕሙም ምስ ነኸሰቶ፡ እቲ ተህዋስ ናብኣ እውን ይሓልፍ። ሽዑ እታ ጣንጡ፡ ንሓደ ጥዑይ ሰብ ምስ ነኸሰቶ ነቲ ተህዋስ ተማሓላልፎ

ዓሶ ናብ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር ክትገይሽ እንተ መዲብካ . . .

  • ቅድሚ ምጋሽካ እዋናዊ ሓበሬታ ርኸብ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ልሙድ ዝዀነ ተህዋስ፡ ካብቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዘሎ ተህዋስ እተፈልየ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ እቲ ዚእዘዘልካ ዝያዳ ውጽኢታዊ መድሃኒት ብእኡ እዩ ዚውሰን። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ጥዕናኻ ብዚምልከት ክትፈልጦ ዜድልየካ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ምስ ሓኪምካ ኽትዘራረበሉ ጥበባዊ እዩ።

  • ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸናሕካሉ እዋን፡ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዓሶ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር ንዚነብሩ ሰባት እተዋህበ መምርሒ ስዓቦ።

  • ዓሶ እንተ ሒዙካ፡ ቀልጢፍካ ተሓከም። ዓሶ ምስ ሓዘካ እቲ ምልክታት ካብ ሓደ ሰሙን ክሳዕ ኣርባዕተ ሰሙን ኪጸንሕ ከም ዚኽእል ፍለጥ።

ክትገብሮ እትኽእል ተወሳኺ ነገራት

  1. ብመንግስቲ ወይ ብማሕበረ ሰብ ዚምወል መደባት ክንክን ጥዕና እንተ ኣልዩ፡ ተጠቐመሉ።

  2. ኣብ ሕጋውያን ትካላት ጥራይ ተሓከም። (ትሑት ደረጃ ዘለዎ ወይ ከኣ ናይ ሓሶት መድሃኒት፡ ነቲ ሕማም ኬጋድዶ ወይ ሞት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።)

  3. ኣብ ቤትካ ጣንጡ ኼራብሕ ዚኽእል ዚዀነ ይኹን ነገር ኣወግድ።

ዓሶ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ወይ ከኣ ትነብር እንተ ኔርካ፡ ነዚ ዚስዕብ ምልክታት ዓሶ ዕሽሽ ኣይትበሎ፦

  • ረስኒ

  • ረሃጽ

  • ምቝራር

  • ሕማም ርእሲ

  • ምቕንዛው ጭዋዳታት

  • ድኻም

  • ዕግርግር ምባል

  • ተምላስ

  • ውጽኣት

ዓሶ፡ ሕክምና እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ከቢድ ሕማም ዋሕዲ ደም ኬስዕብን ንህይወት ዜስግእን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ቈልዑን ጥኑሳትን፡ እቲ ምልክታት እናገደደ ቕድሚ ምኻዱ፡ ብቕልጡፍ ኪሕከሙ ኣለዎም።a

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዚ ዚስዕብ ሕታማት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ፦ ናይ ሕዳር 2011 ሕታም፡ ኣብ ገጽ 24-25፣ ናይ ሕዳር 2009 ሕታም፡ ኣብ ገጽ 26-29 ርአ።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ኣፍሪቃ እተሳእለት ሰዓት

ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ሓደ ቘልዓ ብዓሶ ይመውት

  • ቈልዑን ጥኑሳትን፡ ብዓሶ እንተ ተታሒዞም፡ እቲ ሕማም ኣዝዩ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ።

  • ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ሓደ ቘልዓ ይመውት።

  • ሳሕቲ፡ ሰባት ብሰንኪ ምትሕልላፍ ደም፡ ዓሶ ይሕዞም እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ