ቃሎም ሓልዮም ኢዮም!
ኣንቶንዮ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንኽውድእ ሓንቲ ዓመት ተሪፋቶ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንደቂ ኽፍሉ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክገብረሎም ደለየ። ስለዚ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኤገይንስት ናዚ ኣሶልት ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ከተርእዮም ንናይ ታሪኽ መምህሩ ሓሳብ ኣቕረበላ። እታ መምህር ነዚ ሓሳብ እዚ እናተጠራጠረት እኳ እንተ ተቐበለቶ ተሰማምዐት እሞ: ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ነታ ቪድዮ ከተርእዮም ምዃና ነገረቶም።
ኣንቶንዮ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣብቲ ፈለማ እታ መምህር ብናይ ዓብላልነት መንፈስ ኢያ ነታ ቪድዮ እትርእያ ዝነበረት፣ ደሓር ግን ውሩያት ናይ ታሪኽ ምሁራት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዘሕለፍዎ ኵነታት ከዘንትዉ ኸለዉ ምስ ተዓዘበት ብኣድህቦ ክትከታተል ጀመረት። ኣብ መወዳእታ እታ ቪድዮ ንኽትርአ ሓሳብ ብምቕራበይ ኣመስገነትኒ።”
ኣብቲ ዝቕጽል ክፍለ-ትምህርቲ እታ መምህር ብዛዕባ ዕዮ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ቢበልፎርሻር ዝበሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትገልጽ ፈቲና እኳ እንተ ነበረት: ኣንቶንዮ መግለጺ ክህብ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ግን ተገንዘበት። ኣንቶንዮ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕብረተሰብ ዘበርክትዎ ግደን ብዛዕባ ሰረተ-እምነቶምን ገለጸ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድማ ደምደመ:- “ርግጽ ኢዩ: ሰባት ነቲ እንዝርግሖ መልእኽቲ እንተ ዘይሰሚዖምዎ: ማዕጾኦም ድርግም ኣቢሎም እንተድኣ ዓጽዮምልና: ወይ ድማ ንጽሑፋትና እንተድኣ ዘይኣንቢቦምዎ ምንም ረብሓ ክረኽቡ ኣይክእሉን ኢዮም።”
ኵሎም ደቂ ኽፍሉ ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ተሰማምዑ: እታ መምህር ድማ ሓደ ውሳነ ከሕልፉ ነቶም ተመሃሮ እማመ ኣቕረበትሎም። ኣብ ዘጓነፍዎም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሰምዕዎምን ጽሑፋቶም ክቕበሉን ከኣ ወሰኑ። እቶም ተመሃሮ ንእተወሰነ ግዜ ብዛዕባ እታ ቪድዮ ምዝራቦም ቀጸሉ። ነቲ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ሓያለይ መማህርቱ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ሒዞም ናብ ክፍሊ ክኣትዉ ኸለዉ ክርእዮምን ነፍሲ ወከፎም ድማ “ርኤኻ: ቃለይ ሓልየ ኢየ!” ኢሎም ክዛረቡ ክሰምዖምን ከሎ ንኣንቶንዮ ዝሓደሮ ናይ ዕግበት ስምዒት ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ።