ቪድዮታት ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎ ጽልዋ
1 “ወድና ተተይ ክብል ቅድሚ ምጅማሩ ኢዩ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኽርእያ ጀሚሩ። ብተደጋጋሚ ድማ ኢዩ ዝርእያ። ደቅና ንየሆዋ ንኸፍቅርዎ ዝሕግዝ መሳርሒታት ምርካብናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ!” እዛ ክርስትያን ወላዲት እዚኣ ብዛዕባ ኣየነይቲ ቪድዮ ኢያ እትዛረብ ነይራ፧ ብዛዕባ እታ ኖዋህ—ሂ ዎክድ ዊዝ ጎድ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኢያ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነት ኣደ: ወዳ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ እንዳ ኻልእ ሰብ ምስ ረኣያ ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት 90 ዶላር ወፈያ ሰደደት: ንቘልዑ ዝኸውን ካልእ ቪድዮ እንተልዩ ድማ ሓተተት። እቲ ብማሕበር የሆዋ ዝዳሎ ዘሎ ቪድዮታት ኣብ ንኣሽቱ ዀነ ዓበይቲ ሓያል ጽልዋ የሕድር ኣሎ።
2 ኣብ ስድራቤት:- ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ስድራቤት ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣጌንስት ናዚ ኣሶልት ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ምስ ረኣየታ: እታ ኣደ ኸምዚ በለት:- “የሆዋ ንተራ ሰባት ኣዝዩ ብርቱዕ ጸገማት ክጻወሩ ከመይ ገይሩ ክእለት ከም ዝህቦም ከስተንትን ኢየ ውዒለ። ብዛዕባዚ ምሕሳበይ ጸገማተይ ምስኡ ኽወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ነገር ከም ዝዀነ ኣዘኻኺሩኒ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ደቅና ዄንና ብምርኣይና ኣብ የሆዋ ኽውከላ ኸም ዘለወን ብዝያዳ ንኽግንዘባ ኣኽኢልወን ኢዩ። ድሕሪኡ ብዛዕባ እታ ቪድዮ ብምምይያጥ ንደቅና ዝዀነ ይኹን ጸቕጥታትን መስጐጕትን እኳ እንተ ኣጋጠመን ብዝያዳ እተዓጥቃ ንኽዀና ሓጊዝናየን ኢና።”
3 ኣብ ቤት ትምህርቲ:- ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኮተቴ ነቲ ብቤት ትምህርቱ ከዳልዎ እተዋህቦ ዕዮ ገዛ ከቕርብ ከሎ ነታ ስታንድ ፈርም ዘርእስታ ቪድዮ እውን ንደቂ ኽፍሉ ኣርኣየ። ቅድሚ ሕጂ: እታ መምህር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይትፈትዎም ገሊጻ ነይራ። ነታ ቪድዮ ምስ ረኣያታ ግን ከምዚ በለት:- “እታ ቪድዮ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ምሉእ ብምሉእ ቀዪራቶ ኢያ። ኣብ ዝቕጽል እዋን ናብ ቤተይ ምስ መጹ ክሰምዖምን ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ቃል እኣቱ!” ብዛዕባና ዝነበራ ኣረኣእያ ከም እትቕይር ዝገበራ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ዝረኣየቶ “ናይ ሓቂ ፍቕርን ተኣማንነትን” ምዃኑ ገለጸት።
4 ኣብ ኣገልግሎት:- ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባናን ብዛዕባ እምነትናን ሕቶታት እኳ እንተ ነበራ ኻብ ሓንቲ ሓብቲ ጽሑፋት ክትቅበል ግን ፍቓደኛ ኣይነበረትን። እታ ሓብቲ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ሒዛ ተመልሰት እሞ ነታ ሰበይትን ንሰብኣያን ኣርኣየቶም። ክልቲኦም በዚ ተመሰጡ: መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ድማ ተሰማምዑ። ከም ውጽኢት ናይቲ እተዋህቦም ጽቡቕ ምስክርነት: ህይወቶም ምስ ፍቓድ የሆዋ ኸሰማምዑ ጀመሩ።
5 ንቪድዮታትና ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧