ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/06 ገጽ 8
  • ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቪድዮታት ተጠቒምካ ምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምምሃር ቪድዮታት ተጠቐም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ክትምህር ከለኻ ቪድዮታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ቪድዮታት ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎ ጽልዋ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 2/06 ገጽ 8

ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር

1. የሆዋ ነቶም ጥንታዎት ኣገልገልቱ ንምምሃር ዚርአ ነገራት እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧

1 የሆዋ ነቶም ጥንታዎት ኣገልገልቱ ኣድላዪ ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ሓድሓደ ግዜ ራእያትን ሕልምታትን ይጥቀም ነበረ። ብዛዕባ እታ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ዚገልጽ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እሞ ሕስብ ኣብል! (ህዝ. 1:1-28) ዳንኤል ብዛዕባ እቶም ተኸታቲሎም ዚመጹ ሓይልታት ዓለም ዚገልጽ ትንቢታዊ ሕልሚ ምስ ረኣየ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ገምቶ! (ዳን. 7:1-15, 28) ብዛዕባ እቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ ‘ብራእይ’ እተገልጸሉ “ብመዓልቲ ጐይታ” ዚፍጸም ዜነቓቕሕ ራእያትከ እንታይ እዩ ዝበሃሎ፧ (ራእ. 1:1, 10) የሆዋ ብድሙቕ ሕብርታትን ብህያው ምንቅስቓሳትን ገይሩ ስለ ዝመሃሮም: ኣብ ኣእምሮኦም ነባሪ ጦብላሕታ ገደፈሎም።

2. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ንምምሃር: ከመይ ዝበለ ቪድዮታት ክንጥቀም ንኽእል፧

2 ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብዘ⁠ይርሳዕ መገዲ ኸነመሓላልፈሎም እንተደኣ ደሊና: ቪድዮታትና ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ቪድዮታትና ሰፊሕ ኣርእስታት ዚሽፍን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ማሕበር የሆዋን ከም እንተኣማመን ዚገብር: ከምኡውን ዝሓሹ ክርስትያናት ክንከውን ዚሕግዝ እዩ። ቪድዮታትና ተጠቒምና ኽንምህረሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንሆ። እዘን ዚስዕባ ቪድዮታት ንመርኣዪ ተባሂለን እየን ተዳልየን።

3. ነቲ ተመሃራይ ናብ ማሕበር ከም ዜተኵር ንምግባር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

3 ኣብ ኣገልግሎት:- መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮ ሰብ: ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነትና ትነግሮዶ ኔርካ፧ እታ ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርእዮ። ኣብ ዚመጽእ ሰሙን መጽናዕቲ ቕድሚ ምግባርኩም ርእይዋ ኺመጽእ ከተለቕሖ ወይውን ሓቢርኩም ክትርእይዋ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕርዚ: ነቲ ኣብ ናይ ሰነ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶታት ተመያየጡሉ።

4. ሓደ ተመሃራይ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር: ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸመይ ዝበለ ናይ መምሃሪ መሳርሒ እዩ ኺጥቀም ዚኽእል፧

4 መንእሰያት: ነተን ኣብ ናይ ሓቂ ታሪኽ እተመርኰሳ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣገይንስት ናዚ ኣሶልት ወይ ፈይዝፉል ኣንደር ትራያል​—⁠ጂሆቫስ ዊትነስስ ኢን ዘ ሶቭየት ዩንየን ዘርእስተን ቪድዮታት ንመማህርትኹም ከተርእይዎም ትኽእሉ እንተ ዄንኩም: ንመምህርኩም ሕተትዎ። ነቲ ኣብ ናይ ሰነ 2001 ከምኡውን ናይ ለካቲት 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶታት ንናይ ክፍሊ ምይይጥ ከም ዚጥዕም ጌርኩም: ሕቶታት ከተዳልዉ ትኽእሉ ኢኹም።

5. ወለዲ ኣብ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ኺጥቀሙሉ ዚኽእሉ ኸመይ ዝበለ መሳርሒ እዩ ተዳልዩ ዘሎ፧

5 ምስ ስድራ​ቤትካን ኣዕሩኽትኻን:- ኣቱም ወለዲ: ደቅኹም ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ​—⁠ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኻብ ዝረኣዩላ ግዜ ኣትሒዞም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዓበዩ እሞ ሕስብ ኣብሉ! ኣብ ዚመጽእ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕትኹም ንምንታይ ደጊምኩም ዘይትርእይዋ፧ ናይ ሚያዝያ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ውዕዉዕን ግልጽን ብዝዀነ መገዲ ምይይጥ ንምግባር ዜኽእል ሕቶታት ሒዛ ኣላ።

6. ምስ ኣዕሩኽካ ባህ ዜብል ግዜ ንምሕላፍ ከመይ ዝበለ ምድላዋት ክትገብር ትኽእል፧

6 ኣብ ጉባኤ ንገዛኻ ኽትዕድሞም እትደሊ ኣዕሩኽ ኣለዉኻዶ፧ ነታ ሪስፐክት ጂሆቫስ ኣውተሪቲ ዘርእስታ ቪድዮ ሓቢርኩም ምስ እትርእይዋ: ብፍላይ ድማ ነታ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣይኩም ነቲ ኣብ ናይ መስከረም 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶታት ምስ እትመያየጡሉ ምትእኽኻብኩም ሃናጺ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

7. ንቪድዮታትና ኽትጥቀመሉ እትኽእል ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚታት ኢኻ ኽትሓስበሉ ዘሎካ፧

7 ካልእ ኣጋጣሚታት:- ነቲ 20 ዚኸውን ቪድዮታትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ንሓደ ስርዓታዊ ዄንካ እትበጽሖ ሰብ: ሓደ ወይ ክልተ ኻብዚ ቪድዮታት እዚ ምርኣይ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር ዚሕግዞዶ ይመስለካ፧ ኣብ መናበዪን መዘናግዕን ኣረጋውያን ዚርከቡ ሰባት ነዚ ቪድዮታት እዚ ኸም ዚርእይዎ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ኣብቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማድካ: ጐረባብትኻ: ከምኡውን መሳርሕትኻ ጽቡቕ ጽልዋ ዚህልዎዶ ይመስለካ፧ ቪድዮታትና መሳጢ: መሃሪ: ከምኡውን ኣስላጢ ናይ መምሃሪ መሳርሒ እዩ። ስለዚ ኽትምህር ከለኻ ተጠቐመሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ