ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/13 ገጽ 3
  • ክትምህር ከለኻ ቪድዮታት ተጠቐም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትምህር ከለኻ ቪድዮታት ተጠቐም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ፍቕሪ ኣምላኽ” እትብሃል መጽሓፍ
  • ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምምሃር ቪድዮታት ተጠቐም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቪድዮታት ተጠቒምካ ምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተወሳኺ ሓበሬታ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 5/13 ገጽ 3

ክትምህር ከለኻ ቪድዮታት ተጠቐም

የሆዋ ንኣብርሃምን ንኤርምያስን ኣገዳሲ ሓበሬታ ኺህቦም ከሎ፡ ነቲ ሓበሬታ እቲ ነጊርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ሓበሬታ ዚገልጽ ነገራት እውን ኣርእይዎም እዩ። (ዘፍ. 15:5፣ ኤር. 18:1-6) ንሕና እውን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃሮና፡ ከም ቪድዮታትና ዝኣመሰለ ዚርአ ነገራት ተጠቒምና፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነረድኦምን ነቲ ዘለዎ ጥቕሚ ንኺግንዘብዎ ኽንሕግዞምን ንኽእል ኢና። ንገሊኡ ቪድዮታትና መዓስ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ዚሕብር ሓሳባት እንሆ። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ እተፈልየ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት፡ ርእይቶ ደኣ እምበር፡ ሕጊ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ

◻ ምዕራፍ 1፦ ደድሕሪ ሕጡብ ጽሑፍ 17፡ ዘ ዎንደርስ ኦቭ ክርኤሽን ረቪልስ ጎድስ ግሎሪ (ድንቂ ፍጥረታት ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ)

◻ ምዕራፍ 2፦ ኣብ መወዳእታ፡ ዘ ባይብል—ማንካይንድስ ኦልደስት ሞደርን ቡክ (መጽሓፍ ቅዱስ—ጥንታውን ዘመናውን መጽሓፍ ደቂ ሰብ)

◻ ምዕራፍ 9፦ ደድሕሪ ሕጡብ ጽሑፍ 14፡ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እተወደቡ)

◻ ምዕራፍ 14፦ ኣብ መወዳእታ፡ ዘ ባይብል—ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ (መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ሓይሊ)

◻ ምዕራፍ 15፦ ደድሕሪ ሕጡብ ጽሑፍ 10፡ ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ (ዓለምለኻዊ ሕውነት)

“ፍቕሪ ኣምላኽ” እትብሃል መጽሓፍ

◻ ምዕራፍ 3፦ ደድሕሪ ሕጡብ ጽሑፍ 15፡ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ (መንእሰያት ዚሓትትዎ—ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧)

◻ ምዕራፍ 4፦ ኣብ መወዳእታ፡ ሪስፐክት ጂሆቫስ ኣውቶሪቲ (ንስልጣን የሆዋ ኣኽብሮ)

◻ ምዕራፍ 7፦ ደድሕሪ ሕጡብ ጽሑፍ 12፡ ኖ ብላድ—መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ (ደም ኣይወስድን—ኣብ ዓውዲ ሕክምና እተረኽበ መፍትሒ)

◻ ምዕራፍ 9፦ ደድሕሪ ሕጡብ ጽሑፍ 6፡ ዎርኒን ኤግዛምፕልስ ፎር ኣዋር ደይ (ንግዜና ዚኸውን መለበሚ)

◻ ምዕራፍ 17፦ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ዎክ ባይ ፈይዝ፡ ኖት ባይ ሳይት’ (‘ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይትመላለስ’)

ንሓደ ኻብ ተመሃሮኻ ኽትትንክፎ እትኽእል ካልእ ቪድዮ ኣላዶ፧ ንኣብነት፡ ምጽራር ዜጋጥሞም ሰባት ነታ ፈይዝፉል ኣንደር ትራያልስ—ጂሆቫስ ዊትነስስ ኢን ዘ ሶቭየት ዩንየን (ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት—ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር) ዘርእስታ ቪድዮ፡ ወይ ከኣ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣጌንስት ናዚ ኣሶልት (ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር መጥቃዕቲ ናዚ ጸኒዖም ቈሙ) ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ዚርእዩ ኺተባብዑ ይኽእሉ ይዀኑ። መንእሰያት ከኣ፡ ነታ ፐርስዩ ጎልስ ዛት ኦነር ጎድ (ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት ስዓብ) ዘርእስታ፡ ከምኡውን ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ (መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ዚርእዩ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ምስ ተመሃራይካ መዓስ ቪድዮ ኸም እትርኢ ወይ መዓስ ከም እተለቅሖ መዘኻኸሪ ምእንቲ ኪዀነካ፡ ኣብተን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ከምኡውን “ፍቕሪ ኣምላኽ” ዚብሃላ መጻሕፍትኻ ምልክት ግበር። ሓደስቲ ቪድዮታት ምስ ወጻ ድማ፡ ንልቢ ተመሃሮኻ ንምትንካፍ ብኸመይ ክትጥቀመለን ከም እትኽእል ሕሰብ።—ሉቃ. 24:32።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ