ዝምህር: ዝድርኽ: ከምኡውን ዘበራትዕ መሳርሒታት
1 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ክማሃሩ ንዝደልዩ ኣስላጢ ኢዩ። ንብዙሓት ኣብ ሓቂ ጽኑዕ ኣቕዋም ንኽህልዎም ደሪኽዎም ኢዩ። ንእምነትን ሞሳን ውፉያት ህዝቢ ኣምላኽ ኣደልዲልዎ ኢዩ። እዚ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ብማሕበር የሆዋ እተዳለወ ቪድዮታት ኢዩ። ንዓሰርቲኡ እዚ ቪድዮታት እዚ ርኢኻዮዶ ኢኻ፧ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዲኻ ርኢኻዮ ወይስ ቀደም፧ ኣብ ኣገልግሎትካ ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧ እታ ኣዋር ሆል ኣሶሴሽን ኦቭ ብራዘርስ ዘርእስታ መበል 11 ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምልክታ ተነጊሩ ኢዩ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ንኽትመጸልካ ኣዚዝካዶ ኢኻ፧ ካብዚ ዘደንቕ መሳርሒታት እዚ ከመይ ገይርካ ኢኻ ብዝያዳ ክትጥቀም እትኽእል፧
2 እታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ብስድራቤት መልክዕ ስርዓታውያን ኴንኩም ቃል ኣምላኽ ኣጽንዑ” ዘርእስታ ዓንቀጽ “ገለ ካብቲ ንመጽናዕቲ ዝመደብኩምዎ ግዜኹም ክፋል ናይቲ ማሕበር ዘዳለወቶ ትምህርቲ ዝሓዘለ ቪድዮታት ክትርእዩ . . . እሞ ብድሕሪኡ ክትመያየጥሉ ክትምድቡ ትኽእሉ ኢኹም” ብምባል ምሕጽንታ ተቕርብ። ነዚ ጽቡቕ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ከክልተ ወርሒ ብዛዕባ ሓደ ቪድዮ ንምምይያጥ ኣብ ፕሮግራም ክወጽእ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ኣስፋሒ ካብቲ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ብዛዕባ እታ ቪድዮ ምይይጥ ዝግበረሉ ግዜ ኣቐዲሙ ነታ ቪድዮ ክርኢ ነተባብዕ።
3 ኣብዛ ወርሒ እዚኣ በታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ መጀመርታ ዘዳለናያ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ክንጅምር ኢና። ንመልሲ ናይዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ንምርካብ ነታ ቪድዮ ጽቡቕ ገይርካ ተኸታተላ:-
◼ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምንታይ ኢዮም ኣጸቢቖም ዝፍለጡ፧
◼ ኣብ ቤትኤል ዝዕየ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ምስ ኣየነይቲ ጥቕሲ እተተሓሓዘ ኢዩ፧
◼ ኣብ ጽሑፋት ንኽወጽእ ተባሂሉ ብመልክዕ ድራማ ክዳሎ: ብካሜራ ክሰኣል: ድሕሪኡ ድማ ክቕባእ ዝረኣኻዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ ኣየናይ ኢዩ፧
◼ ካብቲ ጽሑፋትና ዝዳለወሉ መገድታት ዝመሰጠካ እንታይ ኢዩ፧
◼ ካብ 1920 ክሳዕ 1990 ብማሕበር ክንደይ ጽሑፋት ተሓቲሙ፧
◼ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ክመጣጠሩ ዘለዎም ብፍላይ መን ኢዮም፧—ምሳ. 20:29
◼ ስድራ ቤትኤል ንዅሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ኣብነት ዝዀኑ በየናይ መገድታት ኢዮም፧
◼ ካብቲ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት እቲ ብስራት ንምብጻሕ ዝግበር ዕዮ ቤትኤል ዝመሰጠካ እንታይ ኢዩ፧
◼ እዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ብኸመይ ኢዩ ዝምወል፧
◼ ነየናይ ንጥፈት ኢና ብቕንኢ ደገፍና ክንህብ እንኽእል: ብኸመይ ዝበለ መንፈስከ፧—ዮሃ. 4:35፣ ግብ. 1:8
◼ ብዛዕባ እታ ብድሕሪ እቲ ስምና ዘላ ማሕበር ከመይ ይስምዓካ፧
◼ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧
ኣብ ታሕሳስ ነታ ዘ ባይብል—ኣኲሬት ሂስትሪ: ሪላያብል ፕሮፌሲ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ክንመያየጠላ ኢና።
[ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ስእሊ]
(ናብ 7ይ ገጽ 3ይ ዓምዲ ይቕጽል )
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ዝምህር . . . (ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ)