ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እተወደቡ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል ካብ ዚውደቡ፡ ልዕሊ 100 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። እዚ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ወፈራ ስብከት፡ ብኣማእታት ቋንቋታትን ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራትን እዩ ዚካየድ ዘሎ። (ማቴ. 24:14) እዚ ዕዮ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መላእ ዓለምከ ብኸመይ እዩ ዚዕየ ዘሎ፧ እታ፡ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እተወደቡ) ዘርእስታ ቪድዮ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚግበር ንጥፈታትና ዝርዝር ሓበሬታ ብምሃብ ነዚ ሕቶታት እዚ ትምልስ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኽትርእያ ኸለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ።
እታ ቪድዮ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ዘሎካ ምርዳእን ሞሳን ብኸመይ ኣዕብያቶ፧ (1) ውድብ የሆዋ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዚገብሮ ዘሎ ጻዕሪ (2 ጢሞ. 4:2)፣ (2) ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ስድራ ቤትኤል፣ (3) ንሚስዮናውያንን ንሓለውትን ዚወሃብ ትምህርታዊ ስልጠና፣ (2 ጢሞ. 2:2) (4) መዓልታዊ ብጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማርን ኣብ ሰሰሙን ኣኼባታት ጉባኤ ምድላውን ዘለዎ ኣገዳስነት (ግብ. 17:11)፣ (5) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ብምክፋል እንረኽቦ ጥቕምታት (እብ. 10:24, 25)፣ (6) ምድሪ ገነት ምስ ኰነት እትረኽቦ በረኸት (ኢሳ. 11:9)፣ (7) ኣብቲ ሕጂ ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ቐውዒ ብብሕትኻ ምክፋልካ።—ዮሃ. 4:35።
እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ዚገብርዎ ዕዮ ንኺፈልጥዎ ኽትሕግዞም ትኽእል እያ። (8) ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባትን ንኣዝማድናን ንኻልኦት ሰባትን መዓስ እንተ ኣርኣናዮም ይሓይሽ፧ (9) ከምኡ ብምግባርካ እንታይ ኣወንታዊ ውጽኢት ረኺብካ፧
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ዘሎ ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ ንቓላት ሓደ ኻብቶም ንመጽሓፍ መዝሙር ዝጸሓፉ ሰባት ኢና እነቃልሕ፣ ንሱ፡ “ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን” በለ። (መዝ. 40:5) እምበኣር፡ ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ካልኦት ሰባት ንየሆዋን ንውድቡን ዘለዎም ሞሳ ንኼዕብዩ ኣብ ምሕጋዝ ንጠቐመላ።