ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ወፈራ ስብከት!
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ 100 ዓመት ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ተወዲቦም ዓይዮም እዮም። (1 ቈረ. 9:23) ኣብዚ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ወፈራ ስብከት እዚ: ነዚ መልእኽቲ እዚ ብኣማእታት ቋንቋታት ኢና እነመሓላልፎ። ናብ ልዕሊ 230 ሃገራት ድማ ነብጽሖ። (ማቴ. 24:14) እዚ ዕዮ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ብዘላ ዓለምከ ብኸመይ እዩ ዚዕየ ዘሎ፧
እታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ነቲ ብስራት ንምክፋል እተወደቡ) ዘርእስታ ቪድዮ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚግበር ንጥፈታትና ዝርዝር ሓበሬታ ብምሃብ ነዚ ሕቶታት እዚ ትምልስ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኽትርእያ ኸለኻ: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ:- (1) ዕዮና ብኸመይ እዩ ዚውደብን ዚምራሕን፧ (2) ክፍሊ ጽሕፈት: ክፍሊ ትርጕም: ክፍሊ ቕብኣ: ከምኡውን ክፍሊ ኣገልግሎት ኣውድዮን ቪድዮን ነቲ ብስራት ኣብ ምስፋሕ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ (3) እቲ ሰፊሕ ዕዮ ሕትመትን ምልኣኽን ዕላማኡ እንታይ እዩ፧ (ዮሃ. 17:3) (4) ኣብ ዓመት ክንደይ ጽሑፋት ይሕተም፧ (5) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና እንታይ ዓሚሙ፧ (እብ. 4:12) (6) ነቶም ናይ ምርኣይ ወይ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ እንታይ ይግበር ኣሎ፧ (7) ዕዮና ብኸመይ እዩ ዚምወል፧ (8) ካብ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሆስፒታል: ክፍሊ ኣገልግሎት: ከምኡውን ክፍሊ ኣኼባ ኣውራጃ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ (9) ከም ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ዘሎካ ምርዳእን ሞሳን ብኸመይ ኣዕብያቶ፧ (ሀ) ውድብ የሆዋ ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኣብ ዚገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ (ለ) ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ልዕሊ 100 ዚዀኑ ስድራ ቤትኤል፣ (ሐ) ንሓለውትን ንሚስዮናውያንን ዚወሃብ ትምህርታዊ ስልጠና፣ (መ) መዓልታዊ ብጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማርን ኣብ ሰሰሙን ኣኼባታት ጉባኤ ምድላውን ዘለዎ ኣገዳስነት፣ (ረ) ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ብምክፋልና እንረኽቦ ጥቕምታት፣ (ሰ) ገነት እንታይ ከም እትመስል፣ (ኢሳ. 11:9) (ሸ) ኣብቲ ሕጂ ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ቐውዒ ብብሕትኻ ምክፋልካ።—ዮሃ. 4:35
እዛ ቪድዮ እዚኣ ንኣዝማድካ: ንእትፈልጦም ሰባት: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎም: ከምኡውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትመርሓሎም ምስ ኣርኣኻዮም: እንታይ ኣወንታዊ ምላሽ ሂቦም፧ ነዛ ቪድዮ እዚኣን ነቲ ብስራትን ኣብ ቀረባ እዋን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ንምንታይ ዘይተካፍሎም፧—ማቴ. 28:19, 20