ሓድሽ ቋንቋ ክትምሃር ትደሊዶ፧
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ብሪጣንያ
“ካብ ክትገብሮ ክትዛረበሉ ይቐልል!” እዚ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ሓድሽ ቋንቋ ክምሃሩ ድሕሪ ምፍታኖም ዝብልዎ ኢዩ። ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ብዘይምግናን ኣዝዩ በዳሂ ኢዩ። እቶም እተዓወቱ ግን ዓስቢ ከም ዘለዎ ይዛረቡ።
ሓድሽ ቋንቋ ክትምሃር ዝገብረካ ብዙሕ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ። ንኣብነት ኣንድሩ ንዕረፍቲ ናብ ፈረንሳ ክኸይድ መደበ: ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ድማ ብቛንቍኦም ክዛረብ ኣድለዮ። ጒዶ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኢዩ ተወሊዱ: ስድራቤቱ ግን መበቆሎም ኢጣልያውያን ኢዮም። “ናይ ሓደ ከባቢ ላህጃ ጥራይ ኢየ ዝፈልጥ ነይረ: ስለዚ ጣልያንኛ ብግቡእ ክማሃር ደለኹ” ይብል። ንጆናታን ሓዉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ወጻኢ ከደ እሞ ንሓንቲ እስጳኛዊት ተመርዓወ። ጆናታን ከኣ “ንሓወይ ክበጽሖ ምስ ከድኩ ምስ እዞም ሓደስቲ ኣዝማደይ በቲ ቛንቋኦም ከዕልሎም ደሌኹ” ይብል።
ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ግን ካልእ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። “ድንጋጽ ከርኢ መሃረኒ” ብምባል ልዊዝ ትዛረብ። ኣብ ርእሲኡ ድማ “ሕጂ ወጻእተኛታት ናብ ሓደ ዘይፈልጥዎ ቋንቋ ዝዝረቦ ሃገር ክመጹ ከለዉ ከመይ ከም ዝስምዖም ክርድኣኒ ክኢሉ” ትብል። ንፓመላ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ኣብ ብሕታዊ ህይወታ ኣጸቢቑ ጠቒሙዋ ኢዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብምዕባያ ነቲ ናይ ስድራቤታ ቋንቋ ቻይና ብዙሕ ኣይትፈልጦን ኢያ ነይራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፓመላን ኣዲኣን እናተረሓሓቓ ከዳ። ፓመላ “ኣብ መንጎ ክልቴና ብዙሕ ምዝርራብ ኣይነበረን” ብምባል ትእመን። ቀጺላ ኸኣ “ሕጂ ግን ቋንቋ ቻይና ምዝራብ ብምኽኣለይ: ዝያዳ ተቓራሪብና ርክብና ድማ ይመሓየሽ ኣሎ” ትብል።
ዕዉት ንምዃን ዝሕግዝ መገድታት
ሓድሽ ቋንቋ ኣብ ምምሃር ዕዉት ምእንቲ ክትከውን እንታይ የድልየካ፧ ብዙሓት ብዓወት እተማህሩ ሰባት ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሓሳባት ኢዮም ዘጕልሑ።
ድራኸ። ተበግሶ ማለት ኣብቲ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ዝደፋፍእ ምኽንያት የድልየካ ኢዩ። ብሓፈሽኡ እቶም ልዑል ድራኸ ዘለዎም ተማሃሮ እቶም ዝበለጹ ኢዮም።
ትሕትና። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ካብ መጠን ንላዕሊ ትጽቢት ኣይትግበር—ምግጋይ ዘይተርፍ ኢዩ: ብፍላይ ኣብቲ መጀመርታ። ኣሊሰን ከምዚ ትብል:- “ሰባት ክስሕቁኻ ኢዮም: ስለዚ ተዋዘ!” ቫለሪ ድማ “ልክዕ ከም ሓደ ብእግሪ ምኻድ ዝምሃር ቈልዓ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ክትዕንቀፍ ኢኻ: እንተዀነ ግን ብድድ ኢልካ መሊስካ ፈትን” ትብል።
ትዕግስቲ። ደቪድ “ንዓይ እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመት ከበድቲ ኢየን ነይረን: ሓድሓደ ግዜ ድማ ክገድፎ እደሊ ነይረ” ብምባል ይእመን። እንተዀነ ግን “እናቐለለ ኢዩ ዝኸይድ!” ብምባል ኣፍልጦ ይህብ። ጂል እውን ከምኡ ዝበለ ስምዒት ኢዩ ዘለዋ። “ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ክሳዕ እትዕዘብ እተመሓየሽካ ኰይኑ ኣይስምዓካን ኢዩ” ትብል።
ልምምድ። ስርዓታዊ ዝዀነ ሓደ ዓይነት መደብ ምህላው ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ጽቡቕ ገይርካ ንኽትፈልጦ ይሕግዝ። ዋላ ንሒደት ደቓይቕውን ይኹን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክትለማመድ ፈትን። ሓደ መጽሓፍ ከም ዝገልጾ “‘ካብ ስሕት ኢልካ ብዙሕ ልምምድ’ ምግባር ‘ሒደት ግን ከኣ ቀጻሊ’ ልምምድ ምግባር ይምረጽ።”
ሓጋዚ መሳርሒታት
ሓድሽ ቋንቋ ኣብ ምጽናዕ ንዘሎ ብድሆ ንምግጣም ቅሩብ ዲኻ፧ ቅሩብ እንተድኣ ዄንካ እዚ ቀጺሉ ዘሎ መሳርሒታት ንምዕባሌኻ ክውስኸሉ ኢዩ።
ቍርጽራጽ ካርድ። ነፍሲ ወከፍ ካርድ ብቕድሚት ቃል ወይ ሓረግ ኣለዎ ብድሕሪት ከኣ ትርጕሙ። ኣብቲ ትነብረሉ እዚ ምስ ዘይህሉ: ብናይ ፋይል ካርድ ባዕልኻ ከተዳሉ ትኽእል ኢኻ።
ንመምሃሪ እተዳለወ ኣውድዮን ቪድዮን ካሴት። እዚ እቲ ቋንቋ ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝዝረብ ንኽትሰምዖ ይሕግዝ። ንኣብነት ደቪድ መኪና ክዝውር ከሎ ንበጻሕቲ ሃገር እተዳለወ ኣውድዮ ካሴት ብምስማዕ ኢዩ ነቲ መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ጃፓን ተማሂርዎ።
ኢንተርኣክቲቭ ኮምፒዩተር ፕሮግራም። ገለ ካብዚ ፕሮግራማት እዚ ድምጽኻ ብምምላእ ንኣደማምጻኻ ምስቲ ናይቲ ቋንቋ ተዛረብቲ ዘለዎም ኣደማምጻ ንኸተወዳድሮ ይሕግዝ።
ራድዮን ተለቪዥንን። ኣብቲ ከባቢኻ በቲ እትምሃሮ ዘሎኻ ቋንቋ ዝፍኖ ናይ ራድዮን ተለቪዥንን ፕሮግራማት እንተድኣ ኣልዩ ንዕኡ ብምውላዕ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝርድኣካ ዘይትርኢ፧
መጽሔታትን መጻሕፍትን። በቲ እትምሃሮ ዘለኻ ሓድሽ ቋንቋ እተዳለወ ጽሑፍ ከተንብብ ፈትን። ከምዚ ክትገብር ከለኻ ድማ እቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣዝዩ ከቢድ ወይ ኣዝዩ ቀሊል ምዃኑ ፈላሊኻ ተረዳእ።a
ነቲ ቋንቋ ምምላኽ
ርግጽ ኢዩ ውዒሉ ሓዲሩ ምስቶም ነቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ምዝርራብካ ዘይተርፍ ኢዩ። ከምዚ ንምግባር ናብ ርሑቕ ሃገር ምኻድ ኣየድልየካን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ምናልባት ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ናይ ወጻእተኛታት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ።
ዝዀነ ዀይኑ ናብቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቋ ቃላትን ሓረጋትን ክትትርጕም ኣብ ክንዲ ምፍታን: ሸቶኻ በቲ ሓድሽ እተማሃርካዮ ቋንቋ ምሕሳብ ክትምሃር ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ባህልን ልምድን ናይቶም ነቲ እትምሃሮ ዘለኻ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ምፍላጥ እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ሮበርት ላዶ እተባህለ ናይ ቋንቋ ክኢላ ከምዚ ይብል:- “እቶም ነቲ እትምሃሮ ዘለኻ ሓድሽ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ዘለዎም ባህልን ልምድን ከይተረዳእካ ብሓቂ ነቲ ቋንቋ ክትምሃሮ ኣይከኣልን ኢዩ።”
ናይ መጨረሽታ ሓሳብ:- እቲ እተርእዮ ምዕባለ ውሑድ ምስ ዝመስል ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምኽንያቱ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ቀጻሊ መስርሕ ኢዩ። ቅድሚ 20 ዓመት ናይ ምልክት ቋንቋ እተማህረት ጂል “ካብ ምምሃር ፈጺመ ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን” ብምባል ትገልጽ። ወሲኻ ድማ “እቲ ቋንቋ ኵሉ ግዜ ይዓቢ ኢዩ ዘሎ” ብምባል ትዛረብ።
ስለዚ ሓድሽ ቋንቋ ክትምሃር ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ ነዚ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀነ ግን ከኣ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ጻዕሪ ንምጅማር ተዳሎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሎሚ ንቕሑ! ብ83 ቋንቋታት ኢዩ ዝዳሎ ዘሎ: እቲ ብጻዩ ዝዀነ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ብ134 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብዚ መጽሔታት እዚ ዘሎ ጽሑፍ ንጹር ብምዃኑ ሓድሽ ቋንቋ ክትምሃር ከለኻ ሓጋዚ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ።
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ናትካ ቋንቋ ምስቲ ሓድሽ እትምሃሮ ዘለኻ ቋንቋ ብምንጽጻር . . .
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
. . . ንናይ ቃላት ማህደርካ ከተስፍሖ ትኽእል ኢኻ