ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ብዛዕባ ህቡብ ልምድታት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ
“ሓደ እዋን ወይ ኣብ ሓደ ከባቢ ተዀኒኑ ዘይፈልጥ ኣብ ካልእ እዋን ወይ ከባቢ ኸኣ ከም ንቡር ኰይኑ ዘይተራእየ ልምዲ የለን።”
እዚ ኣየርላንዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዊልያም ሌኪ ነቲ ተለዋዋጢ ባህርይ ሰባት ኣጠቓሊሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ዝሃቦ ሓሳባት ነቲ ኣብ መዋእል ደቅሰብ እተራእየ ልምድታትን ባህልታትን እውን ዝውዕል ኢዩ። አረ ሓደ እዋን ከም ኣድላዪ ክፍሊ ናብራ ህይወት ዝርአ ዝነበረ ኣብ ካልእ እዋን ግን እተዀነነ ብዙሕ ተግባራት ኣሎ። እዚ ዘገርም ኣይኰነን ከመይሲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ይለዋወጥ ኢዩ ዘሎ” ኢሉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 7:31 NW
እወ: ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኵሉ ግዜ ተቐያያሪ ኢዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣመለኻኽታን ማሕበራዊ ልምድታትን ኣብ ዝርአ ዓበይቲ ለውጥታት ዝንጸባረቕ ኢዩ። ክርስትያናት “ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” እዚ ማለት ከኣ ካብቲ ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ፍሉያት ኰይኖም ይነብሩ ማለት ኢዩ። ምስናይዚ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት “ኣብ ዓለም” ከም ዘለዉ ኣፍልጦ ይህበሉ ኢዩ: ዓለም መኒኖም ንኽነብሩ ኸኣ ኣይእዝዞምን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ ልምዲ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣድላዪ ኢዩ።—ዮሃንስ 17:11, 14-16፣ 2 ቈረንቶስ 6:14-17፣ ኤፌሶን 4:17-19፣ 2 ጴጥሮስ 2:20
ልምዲ ዝበሃል እንታይ ኢዩ፧
ልምዲ ምስ ማሕበራዊ ናብራ እተተሓሓዘ ኣብ ሓደ ፍሉይ ኣከባቢ ወይ ከኣ ብሓደ ፍሉይ ጕጅለ ሰባት ዝውቱር ዝዀነ ተግባራት ኢዩ። ንኸም ኣብ መኣዲ ዝርአ ኣገባብን ካልእ ቅጥዕታትን ዝሓቍፍ ልምድታት: ሰባት ብጕጅለ ኰይኖም ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታት ብኣገባብን ብምክብባርን ክመላለሱ ዘኽእሎም ስርዓት ንኽህልዎም ካብ ዝነበረ ኣድላይነት ዝመነጨ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዝርአ እሩም ጠባይ ንሰብኣዊ ርክብ ስለ ዘልዝቦ ልክዕ ምስ ኣብ መንጎ ዕንክሊላት ናይ ማሽን ዝልከ ግራሶ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ።
ልምድታት ብዝለዓለ ደረጃ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ክግበረሉ ጸኒሑ ኢዩ። እኳ ድኣ ካብ ናይ ጥንቲ ማሪትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመስረተ ሃይማኖታዊ ሓሳባትን ዝመጸ ብዙሕ ልምድታት ኣሎ። ንኣብነት: ንሓዘንተኛታት ዕምባባ ምሃብ ካብ ሃይማኖታዊ ማሪት ዝመነጨ ኢዩ።a ብተወሳኺ: ሰማያዊ ሕብሪ—መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ህጻናት ኣወዳት ዝተሓሓዝ—ንኣጋንንቲ የርሕቕ ኢዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ነበረ። ኵሕሊ: ዓይኒ ሰብ ንምርሓቕ ተባሂሉ ይግበር ነበረ: ኣብ ከንፈር ዝልከ ቀለም ከኣ ኣጋንንቲ ብኣፍ ጓል ኣንስተይቲ ኣትዮም ምእንቲ ከይወርስዋ ንመከላኸሊ ይዝውተር ነበረ። እቲ ከተምባሁቝ ከሎኻ ኣፍካ ናይ ምኽዳን ልምዲ እውን ኣፍ ሃህ ኢሉ እንተድኣ ተኸፊቱ ነፍሲ ክትወጽእ ትኽእል ኢያ ካብ ዝብል ግምት ኢዩ ዝኸውን መጺኡ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን እቲ ምስ ሃይማኖት ዘለዎ ምትእስሳር ሃሲሱ ኢዩ: ሎሚ ኸኣ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራትን ልምድታትን ሃይማኖታዊ ትርጕም ኣይወሃቦን ኢዩ።
ንክርስትያናት ዘገድሶም ነገር
ሓደ ክርስትያን ንሓደ ዓይነት ልምዲ ክስዕቦ ወይ ክነጽጎ ክውስን ከሎ ቀንዲ ከገድሶ ዘለዎ ነገር: ‘እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣረኣእያ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣምላኽ ነቲ ገሊኦም ማሕበረሰባት ይጻወርዎ ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ ገለ ዓይነት ተግባራት ይዅንኖ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንቘልዓ ምስዋእ: ንደም ኣብ ዘይመዓልኡ ምውዓል: ከምኡውን እተፈላለየ ጾታዊ ተግባራት ዘጠቓለለ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 17:13, 14፣ 18:1-30፣ ዘዳግም 18:10) ብተመሳሳሊ ሎሚ ዝውቱር ዝዀነ ገለ ልምድታት ምስ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ገለ ካብዚ ምስ ከም እኒ ልደትን ትንሳኤን ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ በዓላት ወይ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዝዛመድ ማሪታዊ ተግባራት እተተሓሐዘ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይድግፎ ልምድታት ኢዩ።
ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ገለ ዘተሓታትት ሃይማኖታዊ ተግባራት ዝተሓሓዝ ዝነበረ ሎሚ ግን ብቐዳምነት ከም ማሕበራዊ ወግዒ ገይርካ ዝርአ ልምድታትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ንኣብነት መብዛሕትኡ ሎሚ ህቡብ ዝዀነ ከም ቀለበት ምእሳር ይኹን ምቝራስ ሕብስቲ ዝኣመሰለ ናይ መርዓ ልምድታት ኣረማዊ መበቈል ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ከዘውትሩ የብሎምን ማለት ድዩ፧ ክርስትያናት: ኣብ ገለ ከባቢ ወይ ገለ ግዜ ይገብር ኣሉታዊ ትርጕም ነይርዎ እንተዀይኑ ንምፍላጥ ንነፍሲ ወከፍ ልምዲ ኣድቂቖም ንኽምርምርዎ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ ማለት ድዩ፧
ጳውሎስ “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ . . . ኣብኡ ሓርነት አሎ” ይብለና። (2 ቈረንቶስ 3:17፣ ያእቆብ 1:25) ኣምላኽ ነዚ ሓርነት እዚ ክንጥቀመሉ ኢዩ ዝደልየና። እዚ ኸኣ ነቲ ስሱዕ ባህግታትና ንምርዋይ ዘይኰነስ እቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ምእንቲ ክኽእል ንኸነላምዶ ኢዩ። (ገላትያ 5:13፣ እብራውያን 5:14፣ 1 ጴጥሮስ 2:16) ስለዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ብርእዮ ዘይጥሕስ ጕዳያት ተሪር ሕጊ ኣየውጽኡን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንዘጋጠሞ ኵነታት ባዕሉ ኣመዛዚኑ ብሕታዊ ውሳነ ክገብር ኣለዎ።
ረብሓ ካልኦት ድለ
ገሊኡ ልምዲ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ብቐጥታ እንተድኣ ዘይተጋጭዩ ንኸተኽብሮ ኵሉ ግዜ ግቡእ ኢዩ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። (ገላትያ 5:13) ጳውሎስ ሓደ ክርስትያን ንርእሱ ዝሕሾ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ንብዙሓት’ ዝሕሾም ክደሊ ከም ዘለዎ ሓቢሩ ኣሎ። ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክገብሮ’ ኣለዎ: ምኽንያት መዐንቀፊ ድማ ክኸውን የብሉን። (1 ቈረንቶስ 10:31-33) ስለዚ ሓደ ስምረት ኣምላኽ ዝደሊ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ኢሉ ክውከሳ የድሊ:- ‘ገሊኣቶም ነዚ ልምዲ እዚ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧ እቲ ማሕበረሰብ ኣሉታዊ ትርጕም ምስ ዝወሃቦ ነገር ድዩ ዘተሓሕዞ፧ ነቲ ልምዲ እቲ ብምዝውታረይ ምስቲ ንኣምላኽ ዘየሐጕሶ ተግባር ወይ ሓሳብ እሰማማዕ ከም ዘሎኹ ድዩ ዘርኢ፧’—1 ቈረንቶስ 9:19, 23፣ 10:23, 24
ስለዚ ገሊኡ ልምድታት ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ጕድኣት ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ኣብ ገለ ከባቢታት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝጋጮ መልክዕ ዝዝውተር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዕምባባ ምሃብ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ትርጕም ዝወሃቦ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ንሓደ ክርስትያን ብቐዳምነት ከገድሶ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ሓደ ፍሉይ ልምዲ መበቈሉ እንታይ ምዃኑ ንምምርማር ምኽንያት ክህሉ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግን እቲ ልምዲ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ዝወሃቦ ትርጕም እንታይ ምዃኑ ምምርማር ኢዩ ዝያዳ ዘገድስ። ሓደ ልምዲ ኣብ ገሊኡ ፍሉይ ወርሓትን ኣብ እተፈልየ ኵነታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ወይ ኣሉታዊ ትርጕም ምስ ዝወሃቦ: ክርስትያናት ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ልምዲ እቲ ንኸየዘውትሩ ምውሳኖም ጥበባዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ጳውሎስ: ክርስትያናት ብርጡብ ፍልጠትን ብምሉእ ምስትውዓልን ፍቕሮም ብቐጻሊ እናዕዘዙ ክኸዱ ጸልዩ ኢዩ። ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ህቡብ ዝዀነ ልምድታት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ: ‘መዓንቀፊ ዘይብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ክዀኑ: እቲ ዝሓይሽ ይምርምሩ’ ኢዮም። (ፊልጲ 1:9, 10) ምስናይዚ ድማ ‘ለውሃቶም [“ምኽንያታውያን ምዃኖም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ከም ዝፍለጥ’ ክገብሩ ኢዮም ዝደልዩ።—ፊልጲ 4:5
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ ሰብ መጽናዕቲ ዘካይዱ ገለ ተመራመርቲ ከም ዝበልዎ ሕቝፊ ዕምባባ ንምዉታት ከም መስዋእቲ ይውፈየሎም ነበረ። እዚ ኸኣ ነቶም ብህይወት ዘለዉ ምእንቲ ከየሳቕይዎም ንምክልኻል ተባሂሉ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ከተምባሁቝ ከሎኻ ኣፍካ ከም ምኽዳን ከምኡውን ንሓዘንተኛታት ዕምባባ ከም ምሃብ ዝኣመሰለ ልምድታት: እቲ ናይ መጀመርታ ትርጕሞም ሃሲሱ ኢዩ