ነቲ ዘይኣምላኻዊ ልምድታት ተቓወሞ!
የሱስ ክርስቶስ “ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 8:32) እወ: ክርስትና ንሰባት ሓራ የውጽኦም—ካብ ናይ ማሪት ባርነት ሓራ: ካብ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታትን ተስፋታትን ሓራ: ካብ ማእሰር ሕሱር ልምድታት ሓራ።
ይኹን እምበር: ክርስትያናት ከምቲ ብግዜ ጥንቲ: ሎሚውን መብዛሕትኡ እዋን ናብቲ ናይ ቀደም ልምድታት ክምለሱ ጸቕጥታት የጋጥሞም ኢዩ። (ገላትያ 4:9, 10) እዚ ግን: ኵሉ ፍሉጥ ልምድታት ጐዳኢ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ብርግጽ: ሓደ ክርስትያን ንሓደ ጥዑይን ጠቓምን ናይ ከባቢ ልምዲ ክስዕብ ክመርጽ ይኽእል ኢዩ። ልምድታት ምስ ቃል ኣምላኽ ዝጻረር ምስ ዝኸውን ግን ክርስትያናት ኣይለማመጡን’ዮም። በዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝጋጮ: ልደትን እተወለድካሉ መዓልቲ ምኽባርን ካልእ ልምድታትን ምክፋል ብምእባዮም ፍሉጣት ኢዮም።
እዚ ተባዕ መርገጽ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣዕሩኽ: ጐረባብቲ: ከምኡውን ዘይኣምኑ ኣዝማድ ብዙሕ ጸርፍን ምጽራርን የምጽእ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብተን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቀብርታትን መርዓታትን: ከምኡውን ኣብ ግዜ ምውላድ ብዙሕ ዓይነት ልምድታት ዝግበረለን ገለ ገለ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ዘጋጥም ኢዩ። እቲ ንኽትሰማማዕ ዝግበር ጸቕጥታት መብዛሕትኡ ግዜ ምፍርራህን ናይ ዓመጽ ተግባራትን ዘጠቓልል ስለ ዝዀነ ብርቱዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብኡ ዘለዉ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዮም ጽኑዓት ክዀኑ ዝኽእሉ፧ ከይተለማመጥካ ምግርጫው ከተወግድ ይከኣል ድዩ፧ ነዚ ምእንቲ ክንምልስ: እሙናት ክርስትያናት ንገለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልምድታት ብኸመይ ከም እተጋጠምዎ ንመርምር።
ማሪታዊ ናይ ቀብሪ ልምድታት
ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ምስ ስነ-ስርዓት ቀብርን መቓብራትን እተተሓሓዙ ብዙሓት ልምድታት ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሓዘንተኛታት ኣብ ቤት እቶም ሰቦም ዝሞቶም ምሉእ ለይቲ—ወይ ለይትታት—የሕልፉ: ሓዊ ኸኣ ቀጻሊ ይነድድ። እቶም ሓዘንተኛታት ቀብሪ ክሳዕ ዝፍጸም ክኽሽኑ: ጸጕሮም ክቕምቀሙ: አረ ነብሶም ክሕጸቡ እውን ክልኩል ኢዩ። ድሕርዚ: ብፍሉይ ቀመም ናይ ኣቝጽልቲ ይሕጸቡ። ከምዚ ዝበለ ልምድታትሲ ንክርስትያናት ቅቡል ድዩ፧ ኣይኰነን። እዚ ዅሉ ናይ ነፍሲ ዘይሙማትን ዘይጥዑይ ፍርሂ ምዉታትን ዘንጸባርቕ ኢዩ።
መክብብ 9:5: “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል። ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጥ ንሓደ ሰብ ካብ ናይ ‘መናፍስቲ ምዉታት’ ፍርሂ ሓራ ይገብሮ። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ኣዝማድ ብቕንዕና ተበጊሶም ንሱ ወይ ንሳ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽምብል ክካፈል ምስ ዝሓትዎ እንታይ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧
ተመኵሮ ናይታ ኣቦኣ ዝሞታ ጀን ዝስማ ኣፍሪቃዊት ምስክር ርአ። ኣብቲ ምዉት ዝግነዘሉ ቤት ምስ በጽሐት: ንመንፈስ ናይቲ ዝሞተ ንምህዳእ: ንሳን እቲ ዝተረፈ ስድራቤትን ምሉእ ለይቲ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ክስዕስዑ ምዃኖም ብኡንብኡ ተነግራ። ጀን ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃነይ መጠን: ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምድታት ክካፈል ከም ዘይክእል ነገርኩዎም። ይኹን እምበር: ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ድሕርቲ ቀብሪ እቶም ዓበይቲ ኣዝማድ ካብ መንፈስ ናይቲ ምዉት ተወሳኺ መከላኸሊ ምእንቲ ክኸውን: ነቶም ሓዘንተኛታት ኣባላት ስድራቤት ክሓጽብዎም ምዃኖም ተዛረቡ። ሕጂውን ምስታፍ ኣቤኹ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ: ኣደይ ኣብ ገዛ ንበይና ተገሊላ ነበረት። ንዓኣ ክርኢ ዝደሊ ሰብ መጀመርታ ካብቲ ነቲ ዕላማ እቲ ተባሂሉ እተዳለወ ኣልኮላዊ መስተ ክሰቲ ኣለዎ።
“ኣብ ዝዀነ ካብዚ ነገራት እዚ ምክፋል ኣቤኹ። ኣብ ክንድኡ ናብቲ ኣደይ ዝነበረቶ ገዛ ዘምጻእክዎ መግቢ ከዳሉ ኢለ ንገዛ ከድኩ። እዚ ንስድራቤተይ ብሓቂ ኣኾረዮም። ኣዝማደይ ጥዕይቲ ኣይኰነትን ኢሎም ሓሰቡ።” እዚ ከይኣክል ድማ: “ብምኽንያት ሃይማኖትኪ ንልምድና ስለ ዝነጸግክዮ: ብመንፈስ ኣቦኺ ክትሳቐዪ ኢኺ። አረ: ቈልዑ እውን ኣይትወልድን ትዀኒ” እናበሉ ኣላገጹላን ረገሙዋን። ጀን ግን: ገና ምፍራህ ኣበየት። ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧ ንሳ ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ እዋን እቲ ክልተ ቈልዑ ነበሩኒ። ሕጂ ሽዱሽተ ኣለዉኒ! እዚ ነቶም እንደገና ፈጺመ ቈልዑ ከም ዘይወልድ እተዛረቡ ዘሕፍር ኢዩ ነይሩ።”
ናይ ጾታዊ ርክብ “ምጽራይ”
ካልእ ልምዲ ኸኣ: ንሓደ ሰብ ድሕሪ ሞት ናይ መርዓ ብጻዩ ዝግበር ጽምብላዊ ምጽራይ ኢዩ። በዓልቲ ቤት እንተድኣ ሞይታ: ስድራቤታ ነቲ ማእምን ዘማኡ ወይ ቀረባ ዘመድ ናይታ ዝሞተት በዓልቲ ቤቱ የምጽእሉ። ምስኣ ጾታዊ ርክብ ግድን ክፍጽም ኣለዎ። ብድሕርዚ ጥራይ ኢዩ ካልእ ዝደለያ ሰበይቲ ክምርዖ ዝኽእል። ናይታ ሰበይቲ በዓል ቤት ምስ ዝመውት እውን ተመሳሰሊ ኢዩ ዝግበር። እቲ ልምዲ ነቲ ብህይወቱ ዘሎ ናይ መርዓ ብጻይ ካብ “መንፈስ” ናይቲ ዝሞተ ናይ መርዓ ብጻዩ ንምንጻህ ተባሂሉ ኢዩ ዝግበር።
ከምዚ ዝበለ “ምጽራይ” ምግባር ዝኣቢ ዝዀነ ሰብ ቍጥዓ ኣዝማዱ ኢዩ ዝወርዶ። ንሳ ወይ ንሱ ይግለል: ኣደዳ ጸርፍን መርገምን ድማ ክኸውን ይኽእል። ግናኸ: ክርስትያናት ነዚ ልምዲ እዚ ምስዓብ ይኣብዩ ኢዮም። ከምዚ ዝዓይነቱ ካብ መርዓ ወጻኢ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ “ምጽራይ” ዘይኰነስ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ፍንፉን ምዃኑ ኢዮም ዝፈልጡ። (1 ቈረንቶስ 6:18-20) ብተወሳኺ: ክርስትያናት “[ብጐይታ ትሓዓ ] ጥራይ” ኢዮም ክምርዓዉ ዘለዎም።—1 ቈረንቶስ 7:39
ቪለት እትበሃል ጓል ዛምቢያ ክርስትያን ሰበይቲ ሰብኣያ ሞታ። ድሕርዚ ኣዝማድ: ሰብኣይ ኣምጺኦም ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ገደድዋ። ቪለት ኣበየት። ከም መቕጻዕቲ ኸኣ ካብ ናይ ህዝቢ ዔላ ማይ ከይትቀድሕ ተኸልከለት። ድንገት ምእንቲ ከይረኽባ በቲ ቀንዲ መገዲ ከይትኸይድ ድማ መጠንቀቕታ ተዋህባ። ይኹን እምበር ብኣዝማድ ይኹን ብደቂ ዓዳ ኣይፈርሀትን።
ድሕርዚ ቪለት ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ቤት ፍርዲ ተጸውዐት። ኣብቲ ቤት ፍርዲ: ውጉዝ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ንኽትኣቢ ዝገበራ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታታ ነግ ፈረግ ከይበለት ገለጸት። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣንጻር እምነታ ዝዀነ ከባብያዊ ልምድታት ክትስዕብ ክግድዳ ከም ዘይክእል ብምዝራብ ንዓኣ ብምድጋፍ ወሰነ። ዘገርም ድማ: ንኸይትለማመጥ ዘርኣየቶ ጽኑዕ እምቢታኣ ነቶም ደሓር ተመሳሳሊ ኵነታት ዘጋጠሞም ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ መሰኻኽር ዝመጾም ጸቕጢ ንምጕዳል ጠቒሙ ኢዩ።
ሓንቲ ሞኒካ ዝስማ ኣፍሪቃዊት ምስክር በዓል ቤታ ምስ ሞተ ንተመሳሳሊ ጸቕጢ ተቓዊማቶ ኢያ። ናይቲ ሰብኣይ ስድራቤት ካልእ ሰብኣይ ንኽህብዋ ተረሩ። ሞኒካ “ኣቤኹ: ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:39 ዘሎ ትእዛዝ ክእዘዝ ቈረጽኩ” ትብል። ይኹን እምበር: እቲ ጸቕጢ ኣየቋረጸን። ሞኒካ ከምዚ ብምባል ትዝክር “ኣፈራርሁኒ: ‘እንተድኣ ኣቢኺ: ፈጺምኪ ኣይክትምርዓውን ኢኺ’ ድማ በሉኒ። ገሊኦም ክርስትያን ብጾተይ ብምስጢር በዚ ጽምብላዊ ኣገባብ ከም ዝጸረዩ ገይሮም እውን ተዛረቡ።” እንተዀነ ግን: ሞኒካ ጸኒዓ ኢያ። ንሳ “ንኽልተ ዓመታት ንጽል ነበርኩ: ድሓር ግን ብክርስትያናዊ መገዲ እንደገና ተመርዓኹ” ድማ ትብል። ሞኒካ ሕጂ ከም ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ተገልግል ኣላ።
ጥንሲ ምኻድን ሞይቶም እተወልዱን
ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘለዉ ክርስትያናት: ምስቲ ንጥንሲ ምኻድን ሞይቶም እተወልዱን ዝምልከት ልምድታት እውን ክጋጠሙ ኣለዎም። ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ፍጻመታት መሎኮታዊ መቕጻዕቲ ዘይኰነስ: ፍረ ናይ ሰብኣዊ ዘይፍጸምና ኢዩ። (ሮሜ 3:23) ይኹን እምበር: ኣብ ገሊኡ ናይ ኣፍሪቃ ልምድታት ሰበይቲ ጥንሲ እንተድኣ ኸይዱዋ: ንእተወሰነ እዋን ከም ንጽግቲ ክትርአ ኢዩ ዝሓትት።
ኣቐድም ኣቢሉ ጥንሲ ዝኸዳ ሓንቲ ሰበይቲ: ሓደ ምስክር ናብ ገዝኣ ክመጽእ ምስ ረኣየት ተገሪማ ኢያ። ኣብ ጥቓኣ ምስ ቀረበ: “ናብዚ ኣይትምጻእ! ብመሰረት ልምድና ሓንቲ ጥንሲ ዝኸዳ ሰበይቲ ክትብጻሕ የብላን” በለቶ። ይኹን እምበር: እቲ ምስክር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ከም ዘብጽሕሎምን ንምኻድ ጥንሲ ዝምልከት ናይ ከባቢ ልምድታት ከኣ ከም ዘየኽብሩን ነገራ። ድሕርዚ: ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥንሲ ምኻድን ሞይቶም ዝውለዱን ከም ዘይህልዉ ብምግላጽ ኢሳይያስ 65:20, 23 ኣንበበላ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እታ ሰበይቲ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።
ማሪታዊ ልምድታት ሞይቶም ንእተወልዱ ህጻናት ምስ ምቕባር እተተሓሓዘ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጆሴፍ ዝስሙ ምስክር ኣብ ከምዚ ዝበለ ቀብሪ ምስ ተረኽበ: ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣእዳዎም ብገለ ኣቝጽልቲ ክሕጸቡን በቲ መድሃኒት ከኣ ኣፍ ልቦም ክለኽዩን ከም ዘለዎም ተነግሮ። እዚ “መንፈስ” ናይቲ ህጻን ተመሊሱ መጺኡ ጕድኣት ምእንቲ ከየስዕበሎም ንምክልኻል ተባሂሉ ዝግበር ኢዩ። ጆሴፍ ምዉታት ንህያዋን ክጐድኡ ኣይክእሉን ኢዮም ዝብል ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጥ ብምንባሩ ብኣኽብሮት ኣበየ። ገና ግን ገሊኦም ነቲ መድሃኒት ክወስዶ ጸቕጢ ክገብሩ ፈተኑ። ጆሴፍ ሕጂውን ኣበየ። ነዚ ፍርሂ ዘይብሉ ናይ ክርስትያን መርገጽ ብምርኣይ: ካልኦት ኣብኡ ዝነበሩ እውን ነቲ ኣቝጽልቲ ኣበይዎ።
ምግርጫዋት ኣወግድ: ግናኸ ጽኑዕ ኵን
ነቲ ብህይወት ዘሎ ምፍራህን ከይትግለል ምስጋእን ከም እትለማመጥ ዝገብሩ ብርቱዓት ሓይልታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ምሳሌ 29:25 “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ” ይብል። እዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ተመኵሮታት ንሓቅነት ዳሕረዋይ ክፍሊ ናይታ ጥቕሲ ዝገልጽ ኢዩ:- “ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።”
እንተዀነ ግን: ምግርጫዋት መብዛሕትኡ ግዜ ክውገዱ ይከኣሉ ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ኣብ ቀብሪ ናይ ዘመድ እንተድኣ ተዓዲሙ: ዘለማምጥ ኵነታት ክሳዕ ዝመጽእ ክጸንሕ የብሉን። “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።”—ምሳሌ 27:12
እንታይ ዓይነት ልምድታት ክሰዓቡ ከም ዘለዎም ሜላ ገይርካ ምሕታት ጥበብ ኢዩ። ጽዩፋት እንተድኣ ኰይኖም: እቲ ክርስትያን “ብዓቕልን ብፍርሃትን” ገይሩ ስለምንታይ ክሳተፍ ከም ዘይክእል ብምግላጽ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ሓደ ክርስትያን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረት መርገጹ ኣቐዲሙ ብኣኽብሮት ምስ ዝገልጽ: ኣዝማዱ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዝኣምኖ ነገራት የኽብርሉ: ምጕብዕባዕን ምፍርራህን ካብ ምጥቃም ከኣ ይዝሕጡ።
ኣዝማድ ዝበሉ እንተበሉ: ዝዀነ መፈራርህን ማህሰይትን እውን የውርዱ ብዘየገድስ: ሓደ ክርስትያን ብሓጺሩ ንኣምላኽ ዘየኽብር ልምድታት ብምስዓብ ክለማመጥ ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ማሪታዊ ፍርሂ ሓራ ወጺእና ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ: ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ: ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ” ኢሉ ይምሕጸን።—ገላትያ 5:1
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ብዙሓት: ሓደ ዝሞተ ሰብ ከም መንጎኛ ኰይኑ ክዓይን ነቶም ነዊሕ ግዜ ይገብር ዝሞቱ ኣዝማድ መልእኽቲ ከብጽሕን ይኽእል ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ