ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
መጠኑ ድኣ ይፈላለ እምበር ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ኵሎም ሰባት ዘሎ ኢዩ። ንገሊኦም ግን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዝዀኖም ሞት ይመርጹ።
እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ናብ ተስፋ ምቝራጽ ካብ ዘምርሕ ሽግራትን ጸቕጥታትን ናጻ ኸም ዘይኰኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። ንኣብነት ኤልያስን እዮብን ንርአ። ክልቲኦም ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኢዩ ነይርዎም። ኤልያስ ህይወቱ ኸድሕን ካብታ እክይቲ ንግስቲ ኢዛቤል ምስ ሃደመ “ሞት ተመንዩ” ኢዩ። (1 ነገስት 19:1-4) እቲ ጻድቕ እዮብ እውን ዘፈንፍን ሕማምን ሞት ናይ ዓሰርተ ደቁን ሓዊስካ ተኸታታሊ ዝዀነ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣጋጢምዎ ኢዩ። (እዮብ 1:13-19፣ 2:7, 8) ተስፋ ብምቚራጹ ኸኣ “ካብዚ ኩሉ ስቓየይሲ ሞት ምመረጽኩ” ክሳዕ ምባል በጽሐ። (እዮብ 7:15 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል [እንግሊዝኛ]) ነዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጭንቀት ኣዝዩ ኸቢድዎም ከም ዝነበረ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ።
ኣብዚ ግዜና እውን እንተዀነ መሪር ሳዕቤን እርጋን: ሞት ናይ መርዓ ብጻይ ወይ እውን ከቢድ ናይ ገንዘብ ጸገማት ንገሊኣቶም ናብ ተስፋ ምቝራጽ ክመርሖም ይኽእል ኢዩ። ካልኦት ከኣ ንሕስያ ዘይብሉ ጸቕጢ: ናይ ነዊሕ ግዜ ዘሰንብድ ተመክሮ: ወይ ናይ ስድራቤት ጸገማት ልክዕ ከም ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ጸንበለል ዝብሉ ዘለዉ እሞ ማዕበል ናብ ገምገም ባሕሪ ንኸይበጽሑ ዝዕንቅፎም ዘሎ ኰይኑ ይስምዖም። ሓደ ሰብኣይ “ዘይትረብሕ: ብሃለዋትካ ዝግደስ ሰብ ድማ ከም ዘየሎ ኰይኑ ይስምዓካ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝስመዓካ ናይ ጽምዋ ስምዒት ሓድሓደ ግዜ ክትጻወሮ ዘይከኣል ኢዩ” በለ።
ኣብ ገሊኡ ግዝያት ግን: ኵነታትና ስለ ዝመሓየሽ እፎይታ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኵነታትና እንተ ዘይተመሓይሹኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋ ምቝራጽ ንኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ
የሆዋ ንኤልያስን እዮብን ኣብ ግዜ ጸገሞም ንኽረድኦም ሓይልን ክእለትን ነይርዎ ኢዩ። (1 ነገስት 19:10-12፣ እዮብ 42:1-6) ሎሚ እዚ ብምፍላጥና ኣየ ክንደይ ዘበራትዕ ኰን ኢዩ! መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ” ይብለና። (መዝሙር 46:1፣ 55:22) ሽሕኳ ብተስፋ ምቝራጽ ተዋሒጥና ዘሎና ዀይኑ ዝስመዓና እንተዀነ የሆዋ ብየማነይቲ ኢዱ ብጽድቂ ክድግፈና ምዃኑ ተማባጺዑልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 41:10) ንሕናኸ ካብዚ ሓገዝ እዚ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ: ብጸሎት እንተ ቐሪብናዮ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ሓሳብናን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ’ ምዃኑ ይገልጸልና። (ፊልጲ 4:6, 7) ብሰንኪ እቲ ዝስምዓና ተስፋ ምቝራጽ: ካብ ጸገማትና መውጽኢ ዘይብልና ዀይኑ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ‘ጸሎት’ እንተድኣ ‘ኣዘውቲርና’ የሆዋ ንኽንጽመም ሓይሊ ብምሃብ ንልብናን ነእምሮናን ክሕልዎ ኢዩ።—ሮሜ 12:12፣ ኢሳይያስ 40:28-31፣ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ፊልጲ 4:13
ኣብ ጸሎትና እቲ ዘድልየና ፈሊና ንጠቅስ እንተድኣ ዄንና ክንሕገዝ ኢና። ዋላ እኳ ስምዒትና ብቓላት ክንገልጾ ዝኸብደና እንተዀነ ብዛዕባ ዝስምዓና ስምዒትን ጠንቂ ናይቲ ጸገም ኢልና እንግምቶ ነገራትን ንየሆዋ ንኽንገልጸሉ ናጽነት ክስምዓና ኣለዎ። መዓልቲ መዓልቲ ዝድግፈና ሓይሊ ንኽህበና ክንልምኖ የድልየና። “[የሆዋ] ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም: ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ” ዝብል መረጋገጺ ኣሎና።—መዝሙር 145:19
ኣብ ርእሲ ጸሎትና እውን ርእስና ከነግልል የብልናን። (ምሳሌ 18:1) ገሊኣቶም ግዜኦምን ጕልበቶምን ንኻልኦት ብምውፋይ ሓይሊ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም። (ምሳሌ 19:17፣ ሉቃስ 6:38) ማሪያa እተባህለት ሰበይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ሕማም ካንሰር እትገብሮ ዝነበረት ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ሸሞንተ ኣባላት ስድራቤታ ሰኣነት። ማሪያ ካብ ዓራት ወሪዳ ናብቲ ልሙድ ዕዮኣ ንኽትምለስ ርእሳ ከተገድድ ኣድለያ። ዳርጋ መዓልቲ መዓልቲ እናኸደት ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኰይና ትካፈልን ነበረት። ናብ ገዝኣ ምስ ተመልሰት ግን እቲ ዝነበራ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒታት ይምለሳ። ይኹን እምበር ንኻልኦት ብኸመይ ክትሕግዞም ከም እትኽእል ብምትኳራ ኽትጽመሞ ከኣለት።
ንኽንጽሊ ወይ ከኣ ርእስና ካብ ምግላል ንኽንርሕቕ ኣጸጋሚ ዀይኑ እንተ ረኸብናዮኸ፧ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ሓገዝ ክንደሊ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሽማግሌታት ማሕበር” ንኽንነግር የበራትዓና። (ያእቆብ 5:13-16) ሓደ ምስ ከቢድን ቀጻልን መንፈስ ጭንቀት ዝቃለስ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ሓድሓደ ግዜ ምስ እትኣምኖ ሰብ ምዝርራብ ናይ ኣእምሮ ቅሳነትን ናይ መንፈስ ህድኣትን ንኽትረክብ ስለ ዝሕግዘካ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ተሕድር።” (ምሳሌ 17:17) ርግጽ ኢዩ ነዊሕ ግዜ ዝገበረን ሱር ዝሰደደን ተስፋ ምቝራጽ: ውሽጣዊ ሕማም ከም ዘሎ ስለ ዘመልክት ግቡእ ናይ ሕክምና ሓገዝ ክንረክብ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።b—ማቴዎስ 9:12
ሽሕኳ ቀሊል መፍትሒ ክርከብ እንተ ዘይተኻእለ: ነቲ ኣምላኽ ንዘጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ሓገዝ ንኽህበና ዘለዎ ክእለት ኣትሒትና ክንርእዮ የብልናን። (2 ቈረንቶስ 4:8) ኣብ ጸሎት ምጽናዕ: ርእስና ዘይምግላል: ብቑዕ ሓገዝ ምርካብ ርግኣት ከም ዝህልወና ዝገብር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ነቲ ጠንቂ ተስፋ ምቝራጽ ዝዀነ ነገራት ፈጺሙ ከጥፍኦ ምዃኑ ይመባጽዓልና ኢዩ። ክርስትያናት “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን” ዝበሃለሉ ግዜ እናተጸበዩ ጸግዖም ኣብ ኣምላኽ ንኽገብሩ ወሲኖም ኢዮም።—ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:4
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ሓቂ ስማ ኣይኰነን።
b ንቕሑ! እዚ ጽቡቕ ኢዩ ብምባል ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ሕክምና ኣይእዝዝን ኢዩ። ክርስትያናት ነቲ ዝከታተልዎ ሕክምና ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ዘይጋጮ ምዃኑ ከረጋግጹ ኣለዎም። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-9 (እንግሊዝኛ) ርአ።