ግዳይ ፕሮፓጋንዳ ኣይትኹን!
“ዓሻ ንዅሉ ኢዩ ዝኣምን።”— ምሳሌ 14:15 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ)
ኣብ መንጎ ትምህርትን ፕሮፓጋንዳን ዓቢ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ። ትምህርቲ ከመይ ገይርካ ከም እትሓስብ የርእየካ። ፕሮፓጋንዳ እንታይ ከም እትሓስብ ይነግረካ። ንፉዓት መማህራን ንዅሉ ዅርንዓት ሓደ ጕዳይ ብምቕራብ ምይይጥ ክግበር የተባብዑ። ፕሮፓጋንዳ ዝዝርግሑ ሰባት ግን ኣመለኻኽትኦም ንኽትሰምዕ ኣብ ምግዳድ ዓይኖም ኣይሓስዩን ኢዮም: ክትመያየጥ ድማ ኣይደልዩን ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ ሓቂ ድራኸኦም ግሁድ ኣይኰነን። ንጭብጥታት መምዮም ድማ ነቲ ጠቓሚ ዝብልዎ ይምዝምዝዎ ነቲ ኻልእ ድማ ይሓብእዎ። ብዘይዚውን ሓሶትን ፍርቂ ሓቅን ዝዀነ ነገራት ብውሕልነት ብምእላም ጭብጥታት ይጠዋውዩ። ዒላማ ዝገብርዎ ነቲ ርትዓዊ ክእለት ኣተሓሳስባኻ ዘይኰነስ ንስምዒታትካ ኢዮም።
እቲ ፕሮፓጋንዳ ዝዝርግሕ ምንጪ መልእኽቱ ቅኑዕን እዱብን መሲሉ ከም ዝርአ: እንተድኣ ስዒብካዮ ኸኣ ዋጋ ዘሎካን እትጽግዖ ኣካል ዝረኸብካን ኰይኑ ክስምዓካ ከም ዝኽእል ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ። ሓደ ካብቶም በላሕቲ ኢኻ: በይንኻ ኣይኰንካን: ቀሲንካን ከይተሰከፍካን ኢኻ እትነብር ኢዮም ዝብሉኻ።
ንርእስኻ ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ “ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን” ዝብሎም ዓይነት ሰባት ከተዕቝባ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ቲቶስ 1:10) ንገለ ካብቲ ውዲታቶም ሓንሳእ እንተድኣ ፈሊጥካዮ ንዝመጸካ ዝዀነ ይኹን መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ ብዝሓሸ መገዲ ክትግምግሞ ኽትክእል ኢኻ። እዚ ንምግባር ክሕግዘካ ዝኽእል ገለ መገድታት እንሆ።
መራጺ ኹን:- ሓደ ንእተነግሮ ዅሉ ዝቕበል ሰብ ምስቲ ፈሳሲ ዘበለ ረሳሕ እውን ከይተረፈ ብውሽጡ ዘሕልፍ ሻምብቆ ማይ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ኣእምሮኡ ብመርዚ ክብከል ዝደሊ ሰብ የለን። እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ንጉስን መምህርን ዝነበረ ሰሎሞን ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።” (ምሳሌ 14:15) ስለዚ መረጽቲ ክንከውን የድልየና። ንዝቐረበልና ዘበለ ዅሉ ኣድቂቕና ብምምርማር ክንቅበሎን ክንነጽጎን ዘሎና ነገራት ባዕልና ክንውስን የድልየና።
ይኹን እምበር: ጸቢብ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ነቲ ንምስትውዓልና ከመሓይሾ ዝኽእል ጭብጥታት ክንነጽጎ ኣይንደልን ኢና። ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክንሕዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንሓድሽ ሓበሬታ ክንመዝነሉ እንኽእል መለክዒታት ብምሓዝ ኢዩ። በዚ ዝመጸ ሓደ ክርስትያን ብሉጽ ጥበብ ክረኽበሉ ዝኽእል ምንጪ ኣለዎ። ንኣተሓሳስባኡ ብዘተኣማምን መገዲ ክመርሖ ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ኣእምሮኡ ክፉት ኢዩ ማለት ሓድሽ ሓበሬታ ዝቕበል ኢዩ። ነቲ ሓድሽ ሓበሬታ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መለክዒ ብምንጽጻር ብግቡእ የመዛዝኖ ነቲ ቅኑዕ ዘበለ መሪጹ ኸኣ ክፍሊ ኣተሓሳስባኡ ይገብሮ። ነቲ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ዝስዕቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዘይሰማማዕ ሓበሬታ ግን ይጥንቀቐሉ።
ምስትውዓል ተጠቐም:- ምስትውዓል ማለት “ናይ ፍርዲ ትኵርነት። ንሓደ ነገር ካብቲ ካልእ ነገር ዝፈሊ ናይ ኣእምሮ ሓይሊ ወይ ክእለት” ኢዩ። ሓደ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ንረቂቕ ሓሳባት ወይ ነገራት ብምግንዛብ ቅኑዕ ፍርዲ ይህብ።
ምስትውዓል እንተድኣ ተጠቒምና ነቶም ‘ልቢ ገርህታት ንምስሓት ጥዑም ዘረባን ምርቓን’ ዝጥቀሙ ሰባት ከነለልዮም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 16:18) ምስትውዓል ነቲ ዘይጠቕመካ ሓበሬታ ወይ ነቲ ናብ ጌጋ ዝመርሕ ጭብጥታት ከተርሕቕን ናይ ሓደ ጕዳይ ቁም ነገር ንኽትመምን ይሕግዘካ። ይኹን እምበር: ሓደ ነገር ናብ ጌጋ ዝመርሕ ምዃኑ ብኸመይ ከተስተውዕል ትኽእል፧
ንሓበሬታ መርምሮ:- ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዮሃንስ ዝበሃል ክርስትያን መምህር ከምዚ በለ:- “ኣቱም ፍቁራተይ . . . እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።” (1 ዮሃንስ 4:1) ገለ ሰባት ልክዕ ከም ሰፍነግ ኢዮም፣ ንዅሉ እቲ ዘጓነፎም ነገራት ይመጽይዎ። ኣብ ከባቢና ንዘሎ ዅሉ ነገራት ክንስሕቦ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ።
ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣእምሮኡ ዝምግቦ ነገር ባዕሉ ክመርጽ ዝሓሸ ኢዩ። እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንና ዝውስኖ እንምገቦ መግቢ ኢዩ ዝበሃል ኣበሃህላ ኣሎ: እዚ ኣብቲ ንኣእምሮና እንምግቦ ነገራት እውን ክውዕል ይኽእል ኢዩ። እተንብቦ ወይ እትርእዮ ወይ ከኣ እትሰምዖ ዘበለ ዅሉ ፕሮፓጋንዳ ድዩ ወይስ ኣብ ሓቂ እተመርኰሰ ንኽትፈልጥ መርምር።
ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክህልወና ንደሊ እንተድኣ ዄንና ሓድሽ ሓበሬታ ክንቀስም ከሎና ናይ ገዛእ ርእስና ርእይቶ ንምምርማር እውን ወትሩ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ድሓር ከኣ ገምጋማዊ ርእይቶ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግብኣና። ርጡብ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ግን ኣብ ርጉጽነት ናይቲ ድሮ ኣጥሪናዮ ዘሎና ጭብጥታት: ኣብቲ እንጥቀመሉ ሚዛን ሓሳብ ከምኡውን ከነተግብሮ ዝመረጽናዮ መለክዒ ወይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት እተመርኰሰ ምስ ዝኸውን ኢዩ።
ሕቶታት ሕተት:- ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ሎሚ ‘ብቓል ቅብጥር ከስሕቱና’ ዝደልዩ ብዙሓት ኣለዉ። (ቈሎሴ 2:4) ስለዚ እምበኣር: ቃል ቅብጥር እንተድኣ ኣጋጢሙና: ሕቶታት ክንሓትት ኣሎና።
መጀመርታ: በድልዎ ዝቐረበ ድዩ ኣይኰነን ንምፍላጥ መርምር። እቲ መልእኽቲ ካብ ከመይ ዝበለ ድራኸ እተላዕለ ኢዩ፧ እቲ መልእኽቲ ናይ ለጠፍ ኣስማትን ሽምጠጣን ዝመልኦ እንተድኣ ዀይኑ ከምኡ እተገብረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነቲ ሽምጠጥኡ ንጐድኒ ሓዲግካ ክርአ ኸሎ እቲ መልእኽቲ እንታይ ቁም ነገር ኢዩ ዘለዎ፧ እንተድኣ ኽኢልካ እቶም ተዛረብቲ ዘለዎም ታሪኽ ክትፈልጥ ፈትን። ሓቂ ከም ዝዛረቡ ድዮም ዝፍለጡ፧ “ምንጪ” ዝጥቀስ እንተድኣ ዀይኑ መን ኢዩ፧ ነቲ ሰብ እቲ ወይ ማሕበር ወይ ከኣ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ መዛረቢ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ብሉጽ ፍልጠት ወይ እሙን ሓበሬታ ከም ዝሓዘ ገይርካ እትምልከቶ ስለምንታይ ኢኻ፧ ስምዒት ንምልዕዓል ተባሂሉ እተገብረ ጻዕሪ ከም ዘሎ እንተድኣ ኣስተብሂልካ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ተወከስ:- ‘እቲ መልእኽቲ መሚኻ ምስ ዝርአ ትሕዝቶኡ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ቁም ነገር ዘለዎ፧’
ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ:- ሓደ ነገር ኵሉ ሰብ ስለ ዝሓስቦ ጥራይ ግድን ቅኑዕ ክኸውን ከም ዘይክእል እንተድኣ ተገንዚብካ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ንኽትሓስብ ሓይሊ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካልኦት ሓደ ዓይነት ሓሳባት ስለ ዝሓስቡስ ንስኻውን ከምኡ ክትሓስብ ኣሎካ ማለትዶ ኢዩ፧ ሓደ ርእይቶ ናይ ብዙሓት ተቐባልነት ረኺቡዶ ኣይረኸበን ዘተኣማምን መለክዒ ሓቅነት ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት: ብብዙሓት ተቐባልነት ረኺቡ ዝነበረ እተፈላለየ ርእይቶታት ጸኒሑ ግጉይ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ ደድሕሪ ብዙሓት ናይ ምስዓብ ዝንባለ ገና ይቕጽል ኣሎ። እቲ “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ” ዝብል ኣብ ዘጸኣት 23:2 ዘሎ ትእዛዝ ከም ጽቡቕ መምርሒ ዀይኑ ኢዩ ዝዓዪ።
ናይ ሓቂ ፍልጠት ምስ ፕሮፓጋንዳ ኣይሰማማዕን ኢዩ
ንጹር ኣተሓሳስባ ንምሓዝ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተኣማምን መምርሒ ምዃኑ ኣቐድም ኣቢልና ጠቒስናዮ ነይርና ኢና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ብምባል ንኣምላኽ እተዛረቦ ቃላት ምሉእ ብምሉእ ይኣምንሉ ኢዮም። (ዮሃንስ 17:17) ምኽንያቱ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ሓቂ” ስለ ዝዀነ ኢዩ።—መዝሙር 31:5
እወ: ኣብዚ እተሓላለኸ ፕሮፓጋንዳ ገኒኑሉ ዘሎ መዋእል: ንቓል ኣምላኽ ዘተኣማምን ምንጪ ሓቂ ገይርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። መወዳእትኡ ድማ ካብቶም ‘ብዘረባ ጥበራ ገይሮም መናገዲ ክገብሩና’ ዝደልዩ ሰባት ከዕቝበና ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 2:3
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ምስትውዓል ነቲ ዘይጠቅም ወይ ከኣ ናብ ግጉይ መገዲ ዝመርሕ ሓበሬታ ከነርሕቕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ንዅሉ እተንብቦ ወይ እትርእዮ: ሓቂ ምዃኑን ዘይምዃኑን መርምር
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ብብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበ ርእይቶ ኵሉ ግዜ ዘተኣማምን ኢዩ ማለት ኣይኰነን
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ንቓል ኣምላኽ ዘተኣማምን ምንጪ ሓቂ ገይርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና