መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ኣንጻር ጾታ ምስ ዘሸግሩኒ ብኸመይ ኢየ ኽዋጽኣሉ ዝኽእል፧
“ኣወዳት ብፋጻን ጸርፍን የሸግሩኒ።”—ካርላ: ኣየርላንድ
“ኣዋልድ ተሌፎን ደጋጊመን እናደወላ ሞኽ የብላኻ። ተሓሊልካ ሕራይ ክትብለን ኢየን ዝጽዕራ።”—ጀይሰን: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
“ምናተይ ዓቲሩ ኣእዳወይ ክሕዝ ይፍትን።”—ዩኪኮ: ጃፓን
“ኣዋልድ ናብ ሕማቕ ዝዕድም ዘረባታት ይዛረባኒ።”—ኣለክሳንደር: ኣየርላንድ
“ሓደ ወዲ ኣብታ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ኰይኑ ዓው ኢሉ ዓለቐለይ። ናይ ሓቂ ኽላለየኒ ኣይኰነን ደልዩ። የሸግረኒ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።”—ሮዝሊን: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ናይ ምኵሻም ኣጠማምታ: ጾታዊ ስምዒት ዘመሓላልፍ ቃና ዘለዎ “ናእዳ”: ጽዩፍ ዋዛ: ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ምትንኻፍ ዝኣመሰለ ነገራት ሓደ ሰብ ከይደለዮን ብተደጋጋምን ምስ ዝግበር መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ሴክሽዋል ሃራስመንት ተባሂሉ ዝፍለጥ ንኣንጻር ጾታ ምሽጋር ፈሊኻ ዝርአ ኣይኰነን። ብዛዕባ እዚ ዝነግር ዓለምለኻዊ ኣሃዝ ክንደይ ምዃኑ ዘይፍለጥ እኳ እንተዀነ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ መብዛሕትኦም ተማሃሮ ከምዚ ኸም ዘጋጥሞም ሓደ ብመጽናዕቲ እተረኽበ ጸብጻብ ይሕብር ኢዩ።
ንኣንጻር ጾታ ምሽጋር ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ እታ ብዶ/ር ቪክቶርያ ሻው እተሓትመት ኮፒን ዊዝ ሴክሽዋል ሃራስመንት ኤንድ ጀንደር ባያስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ነቲ ተግባር ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ንሓደ ሰብ ምስ ጾታዊ ስምዒት ብእተተሓሓዘ መገዲ ምሽጋሩ . . . ። እዚ ኸኣ ኣካላዊ ምትንኻፍ (ጾታዊ ስምዒት ብዘለዓዕል መገዲ ምትንኻፍ): ምዕላቕ (ብዛዕባ ኣካላዊ መልክዕ ናይቲ ሰብ ዘይደልዮ ርእይቶ ምሃብ): ወይ ብዘይቃላት ዝግለጽ ተግባራት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ነቲ ሰብ ንዘይጽፉፍ ተግባር ምዕዳም እውን ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
መብዛሕትኡ ኣብ ትምህርቲ ዘጋጥም ጾታዊ ምሽጋር ካብ መዛኑ ኢዩ ዝመጽእ። ሓድሓደ ግዜ ግን እዚ ዘሕርቕ ተግባር እዚ ካብ ከም መምህራን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰባት እውን ይመጽእ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ሬድቡክ እተባህለት መጽሔት (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ዓንቀጽ ከም ዝሕብሮ እቶም ንኣንጻር ጾታ ብምሽጋር በደለኛታት ኰይኖም እተረኽቡ ብተዛማዲ ሒደት መምህራን ምስ ቍጽሪ ናይቶም “ዘይተረኽቡ ገበነኛታት ክወዳደር ከሎ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራይ ኢዩ።”
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተዀነ ኣንስቲ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ሰብኡት ከምዚ ዝኣመሰለ ክፉእ ነገር የጋጥሞም ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 39:7፣ ሩት 2:8, 9, 15) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: . . . ፍቕሪ ንስድራቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት” ክዀኑ ኢዮም ብምባል ክፉእ ነገራት ከም ዘጋጥም ብትንቢት ገሊጹ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-3) ስለዚ ንዓኹምውን ከጋጥመኩም ይኽእል ኢዩ።
ኣረኣእያ ኣምላኽ
ጾታዊ ግፍዒ ምስ ዝወርዶም ዝጭነቑ መንእሰያት ኵሎም ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ ኢዩ። ገሊኣቶም ከም መስሓቕ ወይ መጻወቲ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ዝሃቦ ዘሰንብድ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብ መንጎ እቶም ኣደዳ ጾታዊ ምሽጋር ዝዀኑ ሰባት 75 ካብ ሚእቲ ንሳቶም እውን ንኻልእ ሰብ ብጾታዊ መገዲ ከም ዘሸግሩ ተኣሚኖም ኢዮም። ገሊኦም ዓበይቲ ኸኣ ነዚ ጾታዊ ግፍዒ ናይ ምውራድ ባህሪ እዚ ናይ ቍልዕነት ባህርይ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምውሳድ ኣቕሊሎም ስለ ዝርእይዎ ነቲ ጸገም የጋድድዎ ኢዮም። ኣምላኽ ግን ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧
ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ንዅሉ ዓይነት ምስ ጾታዊ ስምዒት እተተሓሓዘ ምሽጋር ይዅንኖ ኢዩ። ነቲ ዘሎ ጾታዊ ደረት ብምጥሓስ ንኻልኦት ‘ከይንብለጸሎም’ ተመኺርና ኢና። (1 ተሰሎንቄ 4:3-8) አረ መንእሰያትሲ ነተን ‘ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ገይሮም ብዅሉ ንጽህና’ ንኽቐርብወን ኢዩ ንጹር ትእዛዝ ተዋሂብዎም ዘሎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንዘይግባእ ዋዛ’ ኰኒኑዎ ኣሎ። (ኤፌሶን 5:3, 4) ስለዚ እምበኣር ኣንጻር ጾታ ምስ ዘሸግርኹም እንተ ሓረቕኩም: እንተ ተቘጣዕኹም: እትገብርዎ እንተ ጠፍኣኩም: አረ ክብረትኩም እተተንከፈ ዀይኑ እውን እንተ ተሰምዓኩም ዘይንቡር ኣይኰነን!
እንታይ ኢየ ክብል ዘሎኒ፧
ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ በዚ መገዲ እዚ እንተድኣ ኣሸጊርኩም ብኸመይ ኢኹም ክትምልስሉ ዘሎኩም፧ ሓድሓደ ግዜ ድኹም ወይ ዘይንጹር ምላሽ ምሃብ ነቲ ዅነታት ዘጋድዶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዮሴፍ ሰበይቲ ጐይትኡ ምስኣ ክድቅስ ምስ ሓተተቶ: ኣብዩ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝገበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ነቲ ናብ ርኽሰት ዝመርሕ ተግባራታ ኣትሪሩ ተቓዊምዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 39:8, 9, 12) ሎሚ እውን እንተዀነ: ብግልጺ ኣትሪርካ ምዝራብ ዕቑባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
እቲ ከምዚ ገይሩ ዘሸግረኩም ዘሎ ሰብ ንኸሕርቐኩም ኢሉ ዝገበሮ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ምሽጋር ዝመስል ኣቀራርባ ምናልባት ኣቓልቦኹም ንምስሓብ ተባሂሉ ሰኣን ክእለት እተገብረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ነቲ ዘይደለኹምዎ ኣቀራርባ ንኸተደቅሱ ነቲ ሰብ ክትልምንዎ ከም ዘሎኩም ኰይኑ ኣይሰማዕኹም። ‘ከምዚ ኽትብለኒ/ኽትብልኒ ኣይደልን ኢየ’ ወይ ‘ኣእዳውካ ኣክበለይ/ኣእዳውኪ ኣክብለይ’ ምባል ጥራይ ኣኻሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዓይነት ኣዘራርባ ብዘየገድስ: ነቲ ኸተማሓላልፍዎ ደሊኹም ዘሎኹም መልእኽቲ ኣይተለምልምዎ። ኣይፋል ዝበልኩምዎ ኣይፋል ይኹን! ሓንቲ ኣንድርያ እተባህለት መንእሰይ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ነቲ ሕያውነት እተሓወሶ ሓሳብካ ክርድእዎ እንተድኣ ዘይክኢሎም ብግልጺ ምንጋሮም የድሊ። መብዛሕትኡ ግዜ ምሽክንክን ምባል ኣየድልን ኢዩ።” ትርር ኢልኩም ‘ኣይትተንክፈኒ (ኣፍካ ኣክብ)/ኣይትተንክፍኒ (ኣፍኪ ኣክቢ)!’ ምባል ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
እቲ ነገር እናዓበየ እንተድኣ ኸይዱ በይንኹም ክትዋጽእሉ ኢልኩም ኣይትፈትኑ። ምስ ወለድኹም ወይ ምስ ካልኦት ብሱላት ሰባት ተዘራረብሉ። ንኽትዋጽእሉ ክሕግዘኩም ዝኽእል ተግባራዊ ርእይቶ ክህብኹም ይኽእሉ ኢዮም። እንተገደደ ኸኣ ነቶም ሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ ክዛረብዎም ኣድላዪ ዀይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምግባር ከቢድ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ ዝገደደ ንኸየጋጥመኩም መከላኸሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ክትከላኸልሉ እትኽእሉ መገዲ
እቲ ዝሓሸ ኣቐዲምካ ምክልኻል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ንምግባር ክሕግዘኩም ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ ኣንድርያ ከምዚ ኢላ ትመክር:- “ድሌት ከም ዘሎክን ዝሕብር ነገር ኣይተርእያ። ካልኦት ነዚ ይሰምዕዎ እሞ: እቲ ጸቕጢ ኸኣ ይውስኽ።” ኣከዳድና እውን ዓቢ ግደ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። መንእሰይ ማራ ኸኣ ከምዚ ትብል:- “ዓባይ ሰበይቲ ዘምስለኒ ክዳውንቲ እኳ እንተ ዘይተኸደንኩ: ካልኦት ናብ ኣካላተይ ከም ዝጥምቱ ዝገብር ኣከዳድና ግን ኣይክደንን ኢየ።” ናብ ርኽሰት ዘምርሕ ተግባራት እናተቓወምካ ንኣንጻር ጾታ ዝማርኽ ኣከዳድና ምኽዳን ንጹር መልእኽቲ ኣየመሓላልፍን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን” ክንክደን ኢዩ ዝምሕጸነና።—1 ጢሞቴዎስ 2:9
ኣመራርጻ ኣዕሩኽትኹም ነቲ ኻልኦት ምሳኹም ዝህልዎም ኣቀራርባ ይጸልዎ ኢዩ። (ምሳሌ 13:20) ሮዝሊን ከምዚ ትብል:- “ገለ ካብተን ብሓባር ዝኸዳ ኣዋልድ ካብ ኣወዳት ቈላሕታ ክረኽባ ምስ ዝደልያ: እቶም ኣወዳት ከኣ እተን ካልኦት እውን ከምኡ ከም ዝደልያ ገይሮም ኢዮም ዝወስድወን።” ካርላ እውን ብተመሳሳሊ ከምዚ ትብል:- “ምስተን ምስ ኣወዳት ኰሸምሸም ምባል ደስ ዝብለን ወይ ከኣ ኣወዳት ኣቓልቦ ክገብሩለን ዝደልያ ኣዋልድ ትሓብር እንተድኣ ዄንካ ውዒሉ ሓዲሩ ንዓኻ እውን ከምኡ ኸጋጥመካ ኢዩ።”
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ምስ ኣዋልድ ከነኣን—ብርኹስ ኣነባብራአን እተፈልጣ ደቀንስትዮ ዝነብራላ ሃገር—ዝሓበረት ዲና እተባህለት ጐርዞ የዘንትወልና ኢዩ። ምስኣተን ምሕባራ ብጾታዊ ርክብ ከም እትዕመጽ ገይርዋ ኢዩ። (ዘፍጥረት 34:1, 2) መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ክብለና ኸሎ እምበኣር ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:15) እወ: ኣብ ኣከዳድናኹም: ኣዘራርባኹም: ከምኡውን ምስ መን ከም እትሓብሩ ‘ምጥንቃቕ’ ካልኦት ንኸየሸግርኹም መከላኸሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ንክርስትያን መንእሰያት ግን: ካልኦት ንኸየሸግርዎም እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ክዀኖም ዝኽእል ክርስትያናዊ ኣቕዋሞም ከም ዝፍለጥ ምግባር ኢዩ። ቲሞን እተባህለ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “እቶም መንእሰያት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ምስ ፈለጡ ዳርጋ ኵሉ ዓይነት ምሽጋር ኣቋሪጾምዎ ኢዮም።” ኣንድርያ ከምዚ ትብል:- “ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ምንጋር ዓቢ ለውጢ ኢዩ ዘምጽእ። ብብዙሕ መገድታት ካብኦም እተፈለኻ ምዃንካን ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ከም ዘሎካን ክግንዘቡ ኢዮም።”—ማቴዎስ 5:15, 16
ኣጋጢሙካ እንተድኣ ዀይኑኸ
ዝገበርኩም እኳ እንተገበርኩም ካብቶም ስነ-ስርዓት ዘይብሎምን ተጻረፍትን ሰባት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኽትኰኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እንተዀነ ግን: ድሮ በዚ መዳይ እዚ ዘሸግረኩም ሰብ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ: ከም ክርስትያን መጠን ብግቡእ ክሳዕ እተመላለስኩም ብናይ ገበን ስምዒት እትድቈስሉ ምኽንያት የብልኩምን። (1 ጴጥሮስ 3:16, 17) እቲ ዅነታት ብስምዒት እንተድኣ ደቚስኩም: ምስ ወለድኹም ወይ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ዘለዉ ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዝርራብ ሓገዝ ድለዩ። ሮዝሊን: ካልኦት ናብ ርኽሰት ዝመርሕ ነገራት ብምግባር ምስ ዘሸግሩኻ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ከም ዘይስምዓካ ትገልጽ። “ከተዕልሎ እትኽእል ሰብ ምርካብ ጥራይ እኳ ሓጋዚ ኢዩ” ትብል። ‘እግዚኣብሄር ንዝጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም’ ምዃኑ እውን ኣይትረስዑ።—መዝሙር 145:18, 19
ካልኦት ብዘይግቡእ ክቐርቡኻ ኸለዉ ምቅዋሙ ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ ዓስቢ ግን ኣለዎ። ንኣብነት: ብዛዕባ እታ ሹናማዊት መንእሰይ ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንርአ። ሽሕኳ ከምዚ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ገይሩ ኣሸጊርዋ ኢዩ እንተ ዘይተባህለ: እቲ ሃብታምን ሓያልን ዝነበረ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ብዘይድልየታ ክተዓራረኻ ፈቲኑ ነይሩ ኢዩ። ካልእ ሰብኣይ ኣፍቂራ ስለ ዝነበረት ግን ነዚ ዕርክነት እዚ ኣይተቐበለቶን። ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ ርእሳ ብሓበን “ኣነ ቐጽሪ እየ” ክትብል ክኢላ ኢያ።—መሃልየ መሃልይ 8:4, 10
ንስኻትኩም እውን ከምኡ ዝበለ ውሽጣዊ ጽንዓትን ቈራጽነትን ይሃልኹም። ዘይትደልይዎ ምሕዝነት ምስ ዝቐርበልኩም “ቐጽሪ” ኹኑ። ክርስትያናዊ ኣቕዋምኩም ንዅሎም እትረኽብዎም ሰባት ንጹር ግበሩሎም። ከምዚ ብምግባር “መንቅብ ዘይብሎምን ግሩሃትን” ክትኰኑ ትኽእሉ: ንኣምላኽ ከም ዘሐጐስኩምዎ ኸኣ ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም።—ፊልጲ 2:15a
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ 22 ግንቦት 1996፣ 22 ነሓሰ 1995፣ ከምኡውን 22 ግንቦት 1991 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝያዳ ሓሳብ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊ እምነትካ ንኻልኦት ምንጋር ዕቝባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ካብቶም ጥዑያት ዘይኰኑ ሰባት ብምርሓቕ ካልኦት ብጾታዊ መገዲ ከም ዘየሸግሩኻ ምግባር ይከኣል ኢዩ