ምዕራፍ 19
19 ስለምንታይ ኢዮም መማህርተይ ዘሸግሩኒ፧
እቲ ቘልዓ ካብ ኣካይድኡ ዝሰልከዮ ምዃኑ ይፍለጥ ኢዩ። እቲ ኣከባቢ ንዕኡ ሓድሽ ብምንባሩ ብወጥሪ ተዋሒጡን ርእሰ-ተኣማንነት ኣጥፊኡን ንበይኑ ነበረ። እቶም ካብኡ ዝዓብዩ ተማሃሮ ከሎ ገና ሓድሽ ተማሃራይ ምዃኑ ተገንዘቡ። ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ብሕማቕ ቓላት ብዘጋፍዕዎ መንእሰያት ተኸበበ! ገጹ በርበረ መሲሉ ናብታ ዝቐረበት መዕቈቢት ቦታ—ዓይኒ ምድሪ—ሃደመ። መቓልሕ ናይ ሰሓቕ ድማ ኣብቲ መናድቕ ተሰምዐ።
ንኻልኦት ምግፋዕ: ምልጋጽ: ምጽራፍ ብዙሓት መንእሰያት ከም መሕለፍ ግዜ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን እውን ከይተረፈ ሓድሓደ መንእሰያት ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ተግባራት ይገብሩ ነይሮም ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ገለ መንእሰያት ንነብዪ ኤልሳእ ኣናሽዮምዎ ኢዮም። ነቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ብምንዓቕ “ኣታ በራሕ: ደይብ: ኣታ በራሕ: ደይብ” እናበሉ ተዳህዩ። (2 ነገስት 2:23-25) ኣብዚ እዋን እዚ እውን ብዙሓት መንእሰያት ንኻልኦት ናብ ምጽራፍን ጐዳኢ ቓላት ናብ ምውሳእን ዝዘዘዉ ኢዮም።
ሓደ ካብቶም ደረስቲ ናይታ ግሮዊን ፐይንስ ኢን ዘ ክላስሩም ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ታሽዓይ ኽፍሊ ኸለኹ ካብ ኵሎም መማህርተይ ዝደቐቕኩ ኣነ ኢየ ነይረ” ብምባል ይዝክር። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ካብቲ ኽፍሊ ዝነፋዕኩን ዝሓጸርኩን ምንባረይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘዋርድ ኢዩ ነይሩ: እቶም ደቂቕ ብምዃነይ ክሃርሙኒ ዘይደልዩ ንፉዕ ብምዃነይ ይሃርሙኒ። ኣብ ርእሲ እቲ ‘ኣርባዕተ ዓይኑ’ ኢሎም ምጽውዖም ‘ተንቀሳቓሲ መዝገበ-ቃላት’ ብዝብልን ብኻልእ ማእለያ ዘይብሉ ቅጽል ስምን [ሃሳዪ ቓላት] ገይሮም ይጽውዑኒ ነበሩ።” ደራሲ ናይታ ዘ ሎንሊነስ ኦቭ ቺልድረን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ድማ ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “ኣካላዊ ጕድለት: ናይ ምዝራብ ጸገም: ወይ ካልእ ርኡይ ዝዀነ ኣካላዊ ወይ ናይ ባህርይ ፍሉይነት ዘለዎም ቈልዑ እቶም ኣውራ ግዳይ ላግጺ ዝዀኑ ኢዮም።”
ሓድሓደ ግዜ መንእሰያት ከምዚ ኸጋጥሞም ከሎ ንሳቶም እውን ክንድኡ ሕማቕ ቃላት (ዝበዝሕ ግዜ ንወለዲ ዝምልከት) ብምውሳእ ኢዮም ዝምልስሉ። መብዛሕትኦም መንእሰያት ግን መዛኑኦም ከጋፍዕዎም ከለዉ ንምክልኻል ዓቕሚ የብሎምን። ሓደ መንእሰይ ብምኽንያት እቲ ካብ መማህርቱ ዝወርዶ ዝነበረ ላግጽን ምግፋዕን ሓድሓደ ግዜ ኣዝዩ ይስንብድን ይጕህን እሞ ክሳዕ ‘ተምላስ ዝመጾ’ ይኸውን ምንባሩ ይዝክር። እቶም መማህርቱ እንታይ ከም ዝገብርዎ እናሓሰበ ይጭነቕ ብምንባሩ ኣብ መጽናዕቱ ከተኵር ኣይከኣለን።
ዘስሕቕ ኣይኰነን
ግዳይ ናይቲ መዛኑኻ ዘውጽእዎ ሕማቕ ቃላትዶ ኴንካ ኢኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ የሆዋ ነዚ ነገር እዚ ከም መስሓቒ ጥራይ ገይሩ ከም ዘይርእዮ ምፍላጥካ ክትጸናናዕ ኢኻ። ይስሃቕ ወዲ ኣብርሃም ጡብ ዝሓደገሉ ምኽንያት ብምግባር እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ድግስ ርአ። እስማኤል እቲ ቦዅሪ ወዲ ኣብርሃም በቲ ይስሃቕ ክረኽቦ ዝነበሮ በረኸት ስለ ዝቐንአ ‘ኸላግጸሉ’ ጀመረ። እዚ ላግጺ እዚ ንምስሓቕ ኢልካ እተገብረ ተራ ላግጺ ዘይኰነስ ‘መስጐጕቲ’ ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 4:29) ስለዚ ኸኣ ኣዲኡ ንይስሃቕ ሳራ ነቲ ብላግጺ እተንጸባረቐ ጽልኢ ኣስተብሃለትሉ። ነቲ የሆዋ ብወዳ ይስሃቕ ኣቢሉ “ዘርኢ” ወይ መሲሕ ንምምጻእ ዝገበሮ ዕላማ ምጽራር ከም ዝዀነ ተገንዘበቶ። ብመሰረት እቲ ሳራ ዘቕረበቶ ሕቶ ድማ እስማኤልን ኣዲኡን ካብ ቤት ኣብርሃም ተሰጉ።—ዘፍጥረት 21:8-14
ብተመሳሳሊ: ካልኦት ጐዳኢ ብዝዀነ መገዲ ከጋፍዑኻ ኸለዉ ብፍላይ ድማ ከምኡ ዝገብርሉ ምኽንያት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ንምንባር ጻዕሪ ብምግባርካ ምስ ዝኸውን ዘስሕቕ ኣይኰነን። ንኣብነት: ክርስትያን መንእሰያት እምነቶም ንኻልኦት ብምንጋር እተፈልጡ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሓደ ጕጅለ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ በሉ:- “ካብ ገዛ ናብ ገዛ ስለ እንሰብኽ እቶም መማህርትና የላግጹልናን የዋርዱናን ኢዮም።” እወ: ከምቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ‘ብልግጫ ተፈቲኖም’ ኢዮም። (እብራውያን 11:36) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸርፊ ንምጽዋር ትብዓት ስለ ዘርኣዩ ክነኣዱ ዝግባእ ኢዩ!
ስለምንታይ ከም ዘላግጹ
ይኹን እምበር: ካብቶም ዘሳቕዩኻ ብኸመይ ከም እትገላገል ትሓስብ ትኸውን። ቀዳማይ ነገር ስለምንታይ ከም ዘላግጹልካ ተረዳእ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 14:13 “ልቢ እናሰሐቕካውን ይጒሂ እዩ” ይብል። ጕጅለ መንእሰያት ንኻልእ ሰብ ከጋፍዑ ኸለዉ ይስሕቑ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ‘ብሓጐስ ልቢ [ኣይኰኑን] እልል ዝብሉ።’ (ኢሳይያስ 65:14) ዝበዝሕ ግዜ እቲ ስሓቖም ናይቲ ውሽጣዊ ስቓዮም መሸፈኒ ጥራይ ኢዩ። እቶም ንኻልኦት ዘበሳብሱ ብውሽጦም ‘ንገዛእ ርእስና ኣይንፈትዋን ኢና: ንኻልእ ምንሻው ግን የቃልለልና ኢዩ’ ዝብል ስምዒት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ።
ቅንኢ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ንምውራድ ከለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ። ዮሴፍ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ኸሎ ኣቦኡ ስለ ዝፈተዎ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ ምንባሮም ዘርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ ዘክር። እቲ ኽቱር ጽልኢ ናብ ናይ ቃላት ማህሰይቲ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ናይ ቅትለት ፈተነ እውን ኢዩ ኣምሪሑ! (ዘፍጥረት 37:4, 11, 20) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ሓደ ተማሃራይ ኣዝዩ ንፉዕ ምስ ዝኸውን ወይ ብመምሃራኑ ፍትዊ ምስ ዝኸውን እቶም መዛንኡ ይቐንእሉ ይዀኑ። ጸርፊ ‘ዝቘራርጾ’ መሲሉ ክረኣዮም ይኽእል ኢዩ።
እቶም ዘይምርግጋእ: ቅንኢ: ከምኡውን ብዛዕባ ርእሶም ትሑት ግምት ዘለዎም መንእሰያት ኢዮም ንኻልኦት ዘላግጹሎም። ስለዚ እምበኣር ውሽጣዊ ርግኣት ዘይብሉ መንእሰይ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝነበሮ ግምት ስለ ዘጥፍአ ንስኻ እውን ከምኡ እትዀነሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎካ፧
ነቲ ምግፋዕ ከም ዘቋርጽ ምግባሩ
እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ . . . ሰብሲ ብጹእ እዩ” በለ። (መዝሙር 1:1) ነቲ ኣቓልቦ ናብ ካልእ ከም ዝኸውን ንምግባር ንስኻውን ኣብቲ ላግጺ ምክፋል ነቲ ዅነታት ዘጋድዶ ጥራይ ኢዩ። እቲ ኣምላኻዊ ምኽሪ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ . . . ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ” ኢዩ ዝብል።—ሮሜ 12:17-21
ኣብ ርእሲ እዚ መክብብ 7:9 ከምዚ ትብል:- “ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ: ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ።” እወ: ስለምንታይ ኢኻ እሞ ንላግጺ ኣርዚንካ ብምውሳድ እትግደሰሉ፧ ሓቂ ኢዩ: ሓደ ሰብ ብኣካላዊ ትርኢትካ ወይ ኣብ ገጽካ ብዘሎ ጕድለት ከላግጸልካ ኸሎ የጕሂ ኢዩ። እቲ ዝበሃል ነገር ባህ ዘየብል እኳ እንተዀነ ግድን ጐዳኢ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር ሓደ ሰብ ብግርህና—ኰነ ኢሉ እውን ይኹን—ንቝስልኻ ምስ ዝጐድኣካ ስለምንታይ መንፈስካ እትድቈስ፧ እቲ እተባህለ ጽዩፍ ወይ ርኹስ እንተድኣ ዘይኰይኑ ከም መስሓቒ ገይርካ ውሰዶ። ‘ንሰሓቕ ግዜ ኣለዎ:’ ስለዚ በቲ ላግጺ ምጕሃይ ማለት ነቲ ነገር ኣጋኒንካ ምርኣዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—መክብብ 3:4
እቲ ላግጺ ሕማቕ ወይ እውን ጐዳኢ ምስ ዝኸውንከ፧ እቲ ዘላግጸልካ ዘሎ ሰብ በቲ ንስኻ እተርእዮ ግብረ-መልሲ: ሕርቃን ከም ዝሕጐስ ኣይትረስዕ። ዓጸፌታኡ ምምላስ: ክትከላኸል ምፍታን: ወይ ምብካይ ነቲ ዘላግጸልካ ዘሎ ሰብ ዝያዳ ንኸጋፍዓካ ዘተባብዖ ጥራይ ኢዩ። ብምጕሃይካ ስለምንታይ ተሐጕሶ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ላግጺ ንኽትዋጽኣሉ እቲ ዝበለጸ መገዲ ዕሽሽ ኢልካዮ ምሕላፍ ኢዩ።
ንጉስ ሰሎሞን ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ: ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ: ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ: ንዚዝረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ።” (መክብብ 7:21, 22) ናብቲ መላገጽቲ ዝብልዎ ቃላት ‘ምቕላብ’ በቲ ንሳቶም ብዛዕባኻ ዝህብዎ ፍርዲ ኣዚኻ ምጭናቕ ማለት ኢዩ። እቲ ፍርዶም ግን ቅኑዕ ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቶም ቀናኣት መዛንኡ ፍትሓዊ ዘይኰነ መጥቃዕቲ ወሪድዎ ኢዩ: ንሱ ግን ከምዚ በለ:- “ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ: ግዲ የብለይን። . . . ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 4:3, 4) እቲ ጳውሎስ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣዝዩ ድልዱል ብምንባሩ ዘይፍትሓዊ ንዝዀነ መጥቃዕቲ ንኽዋጽኣሉ ተኣማንነትን ውሽጣዊ ብርታዐን ነይርዎ ኢዩ።
ብርሃንካ ምብራህ
ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ እቲ ኸም ክርስትያን መጠን እትኽተሎ ናብራ የላግጹልካ ይዀኑ። የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ከምዚ ዝኣመሰለ “ምጽራር” ተጻዊሩ ኢዩ። (እብራውያን 12:3) ኤርምያስ እውን ብትብዓት መልእኽቲ የሆዋ ስለ ዘቃለሐ ‘መዓልቲ ብመላኣ መላገጺ’ ኰይኑ ኢዩ። እቲ ዝወርዶ ዝነበረ ምግፋዕ ቀጻሊ ብምንባሩ ኤርምያስ ንግዜኡ ዝነበሮ ድራኸ ከም ዘጥፍእ ኰይኑ ኢዩ። “[ንየሆዋ] ኣይክዝክሮን: ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ” ኢሉ ወሰነ። እንተዀነ ግን: እቲ ንኣምላኽን ንሓቅን ዝነበሮ ፍቕሪ ቀስ እናበለ ነቲ ፍርሁ ንኸሰንፎ ሓጊዝዎ ኢዩ።—ኤርምያስ 20:7-9
ኣብዚ እዋን እዚ እውን ገለ ክርስትያን መንእሰያት ተስፋ ይቘርጹ ኢዮም። ገሊኦም ካብቲ ዝወርዶም ላግጺ ኽገላገሉ ብርቱዕ ባህጊ ይሓድሮም እሞ ክርስትያን ምዃኖም ክሓብእዎ ይፍትኑ። ዝበዝሕ ግዜ ግን እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ዝስምዖም ፍርሂ ንኸሰንፍዎ ከምኡውን ‘ብርሃኖም ንኸብርሁ’ ይሕግዞም ኢዩ! (ማቴዎስ 5:16) ንኣብነት: ሓደ ኰተቴ ከምዚ በለ:- “ኣመለኻኽታይ ተቐየረ። ክርስትያን ምዃን ማለት ከም ጾር ዘይኰነስ ከም ዘሐብን ነገር ገይረ ክርእዮ ጀመርኩ።” ንስኻውን ንኣምላኽ ብምፍላጥካ ከምኡውን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኣምላኽ ይጥቀመልካ ብምህላዉ ‘ክትምካሕ’ ትኽእል ኢኻ።—1 ቈረንቶስ 1:31
ይኹን እምበኣር: ንኻልኦት ብቐጻሊ ብምንቃፍ ወይ እትንዕቖም ዘምስል ነገራት ብምግባር ባዕልኻ ጽልኢ ኣይትዓድም። ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ንምንጋር ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከሎኻ “ብዓቕልን ብፍርሃትን [“ዓሚቝ ኣኽብሮትን:” NW ]” ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ጽቡቕ ጠባይ ብምንጽብራቕ ትፍለጥ እንተድኣ ዄንካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝዓበየ ዕቝባ ክዀነካ ይኽእል ኢዩ። ካልኦት ነቲ ትብዓት እተሓወሶ ኣቕዋምካ ዋላ እኳ እንተ ዘይፈተውዎ: ዝበዝሕ ግዜ እናተጻረፉ ከኽብሩኻ ኢዮም።
ገለ ኣዋልድ ንሓንቲ ቬኔሳ ዝስማ ጓል እናሃረማ: እናጐነጻ: መጻሕፍታ እናመንጠላ ከም እትበኣሰን ንምግባር የጋፍዓኣ ነበራ። አረ ሕሉፍ ሓሊፈንሲ ቼኮለት ዘለዎ ጸባ ኣብ ርእሳን ኣብቲ ጻዕዳ ክዳናን ኣፍሰሳላ። ንሳ ግን ፈጺማ ተቘጢዓ ኣይትፈልጥን። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ቬኔሳ ነታ ቀንዲ መራሒት ናይተን ኣዋልድ ኣብ ሓደ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸበታ! እታ ናይ ቀደም ዓንተር ንቬኔሳ “ብሓቂ ኢየ ዝጸልኣኪ ነይረ . . .” በለታ። ቀጺላ ኸኣ “ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ሓሪቕኪ ክርእየኪ ኢየ ዝደሊ ነይረ” በለታ። ቬኔሳ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽማም ከተርኢ ዝኸኣለት ስለምንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ስለ እተሃንጠየት እታ ጓል ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዀነት። “ነቲ እተማሃርክዎ ኣዝየ ፈተኽዎ” ትብል እሞ ቀጺላ ድማ “ጽባሕ ክጥመቕ ኢየ” በለታ።
ስለዚ እቲ መዛኑኻ ዝብልዎ ናይ “ምጽራር” ቃላት ሕልቅምትኻ ኽሰብረካ ኣይተፍቅደሉ። ዘድሊ ምስ ዝኸውን ምስኦም ኴንካ ስሓቕ። ንእከይ ብሕያውነት መልሰሉ። ነቲ ባእሲ ዘጋድዶ ነገር ካብ ምግባር ተቘጠብ: ድሕርዚ ብኣኻ ብምልጋጽ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓጐስ ኣይክረኽቡን ኢዮም: ከመይሲ “ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ: ሓዊ ይጠፍእ” ኢዩ።—ምሳሌ 26:20
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 19
◻ ነቶም ብጭከና ንኻልኦት ዘላግጹ ሰባት ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧
◻ ዝበዝሕ ግዜ ብድሕሪ እቲ መንእሰያት ዘርእይዎ ላግጺ እንታይ ኢዩ ዘሎ፧
◻ ንዝወርደካ ላግጺ ኽትቅንሶ ወይ ከም ዘቋርጽ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
◻ ካልኦት እናላገጹልካ እውን ከይተረፈ ኣብ ቤት ትምህርቲ ‘ብርሃንካ ከተብርህ’ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ዓመጽ ንገዛእ ርእስኻ ንምዕቛብ እንታይ ስጕምቲ ኢኻ ኽትወስድ እትኽእል፧
[Blurb on page 155]
እቶም ንኻልኦት ዘበሳብሱ ብውሽጦም ‘ንገዛእ ርእስና ኣይንፈትዋን ኢና: ንኻልእ ምንሻው ግን የቃልለልና ኢዩ’ ዝብል ስምዒት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ
[Box on page 152]
ካብ ምቕጥቃጥ ክድሕን ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
‘ትምህርቲ ክትከይድ ከሎኻ ንህይወትካ እናሰጋእካ ኢኻ እትኸይድ።’ እዚ ብዙሓት ተማሃሮ ዝብልዎ ነገር ኢዩ። ገለ ዓይነት መሳርያ ሒዝካ ምኻድ ግን ዕሽነት ጥራይ ዘይኰነስ ሽግር ምጽዋዕ እውን ኢዩ። (ምሳሌ 11:27) እሞ ንገዛእ ርእስኻ ድኣ ብኸመይ ኢኻ ክትከላኸለላ እትኽእል፧
ብሓደገኛ ቦታታት ኣይትኺድ። ኣብ ገለ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘሎ ኮረድዮታት: ኣስካላ ዘለዎ ቦታታት: ከምኡውን ናይ መቐየሪ ክዳውንቲ ብሓቂ ሓደገኛ ቦታታት ኢዩ። ዓይኒ ምድሪ እውን ባእስን ሓሽሽን ዝርከበሉ ቦታ ብምዃኑ ብዙሓት መንእሰያት ኣብኡ ምኻድ የጽልኦም ኢዩ።
ምስ መን ከም እትሓብር ተጠንቀቕ። ሓድሓደ ግዜ መንእሰያት ምስ ጥዑያት ዘይኰኑ መንእሰያት ስለ ዝሓበሩ ጥራይ ኣብ ባእሲ ይኣትዉ ኢዮም። (ምሳሌ 22:24, 25 ርአ።) ሓቂ ኢዩ: ንደቂ ኽፍልኻ ዕሽሽ ኢልካዮም ምሕላፍ ካባኻ ከም ዝርሕቑ ወይ ኣባኻ ጽልኢ ኸም ዘሕድሩ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። ምስኦም ምቕሉልን ትሑትን እንተድኣ ዄንካ ግን ኣይከሸግሩኻን ኢዮም።
ካብ ባእሲ ህደም። ‘ኣይትተሓራረቕ።’ (ገላትያ 5:26) ተባኢስካ እኳ እንተ ኣሕመቕካ ንሱ እውን ሕነ ንምፍዳይ ሓደ መዓልቲ ኣድብዩ ክጽበየካ ኢዩ። ስለዚ መጀመርታ ነቲ ነገር ብዘረባ ብምድቃስ ካብ ባእሲ ኽትሃድም ፈትን። (ምሳሌ 15:1) ብዘረባ ከተደቅሶ እንተድኣ ዘይክኢልካ: ካብቲ ቦታ ግልል በል ወይ ህደም። ‘ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ከም ዝሓይሽ’ ኣይትረስዕ። (መክብብ 9:4) እዚ ዅሉ ምዃን እንተድኣ ኣብዩካ ገዛእ ርእስኻ ንምክልኻል ዝከኣለካ ዅሉ ግበር።—ሮሜ 12:18
ንወለድኻ ንገሮም። መንእሰያት “ወለዶም ፈራሃት ከይብልዎም ወይ ድማ ነቶም ዓንተራት ብዘይምሕማቖም ከየባጭውሎም ብምፍራህ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሞም ራዕዲ ንወለዶም ዳርጋ ኣይነግርዎምን ኢዮም።” (ዘ ሎንሊነስ ኦቭ ቺልድረን [እንግሊዝኛ]) ዝበዝሕ ግዜ ግን እቲ ሽግር ደው ክብል ዝኽእል ወለዲ ኢዶም ምስ ዘእትዉ ጥራይ ኢዩ።
ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ኣምላኽ ካብ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ንኸተምልጥ ውሕስነት ኣይህበካን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ግድል ብዓወት ንኽትጋጠሞ ዝሕግዝ ትብዓትን ነቲ ዅነታት ንኸተዝሕሎ ዘኽእል ጥበብን ክህበካ ይኽእል ኢዩ።—ያእቆብ 1:5
[Picture on page 151]
ብዙሓት መንእሰያት ግዳያት ናይቲ ካብ መዛኑ ዝወርድ ምንሻው ይዀኑ ኢዮም
[Picture on page 154]
እቲ ዘላግጸልካ ዘሎ ሰብ ብምሕራቕካ ከም ዝሕጐስ ኣይትረስዕ። ዓጸፌታኡ ምምላስ ወይ እውን ምብካይ ዝያዳ ንኸጋፍዓካ ዘተባብዖ ጥራይ ኢዩ
[Picture on page 156]
ካልኦት ከላግጹልካ ኸለዉ ምስኦም ኴንካ ክትስሕቕ ፈትን