መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ዝፈልጡኒ ተማሃሮ እንተ ኣጓነፉኒኸ፧
“ሰኑይ ሰኑይ ብስቅቕታ ኢየ ትምህርቲ ዝኸይድ። ምናልባት ገለ ኻብ መማህርተይ ርእዮምኒ እንተደኣ ነይሮም እንታይ ኢለ ኸም ዝምልስ ገለ ነገር እምህዝ። ንኣብነት: ነዕሩኽተይ ንሰልፊ ሸቃሎ ዝኸውን ገንዘብ እእክብ ከም ዝነበርኩ እነግሮም።”—ጀምስ: ካብ ዓዲ እንግሊዝ
“ኣብ ቤት ትምህርቲ እቶም ዝረኣዩኒ ሰባት የላግጹለይ ነበሩ። ብዙሕ ጸቕጢ ይወርደኒ ነበረ።”— ዲቦራ: ካብ ብራዚል
እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣዕሩኽቶም ንኸይርእይዎም ክሳዕ ክንድዚ ዝፈርሁ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሕጋዊ ኣብ ዘይኰነ ዕዮ ስለ እተሳተፉ ድዮም፧ ኣይፋሉን: እኳ ደኣስ ሎሚ ኣብ ምድሪ ይግበር ካብ ዘሎ ኣዝዩ ኽቡርን ኣገዳስን ኣብ ዝዀነ ዕዮ ኢዮም ተጸሚዶም። ነቲ የሱስ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝኣዘዞ ትእዛዝ ኢዮም ዝፍጽሙ ነይሮም።—ማቴዎስ 28:19, 20
ኣብ ጋለፕ: ሕ.መ.ኣ.: እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት ብኣምላኽ ይኣምኑ። ዳርጋ ፍርቆም ዝዀኑ ድማ ሰሙን ሰሙን ቤተ-ክርስትያን ይኸዱ። ዝበዝሑ መንእሰያት ቤተ-ክርስትያኖም ኣብ እትመርሖ ንጥፈታት: ንኣብነት ኣብቲ ብመዘምራን ዝግበር መዝሙር ዝካፈሉ እኳ እንተዀኑ መብዛሕትኦም ግን ምስ መማህርቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይዘራረቡን ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ብዝገብርዎ ዕዮ ስብከት እተፈልጡ ኢዮም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዕዮ እዚ ይካፈሉ ኢዮም።
መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር እንተደኣ ዄንካ ንስኻውን ድሮ ኣብዚ ዕዮ ስብከት እዚ ትካፈል ከም ዘሎኻ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኽትካፈል ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ መንእሰያት: ‘ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ከሎኹ መማህርተይ እንተ ኣጓነፉኒ ወይ እንተ ኣጓነፋኒኸ’ ዝብል ሓሳብ የጨንቐካ ይኸውን። ጃኒ እትበሃል መንእሰይ ጓል ብሪጣንያ ከምዚ ኢላ ትእመን:- “ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዘጨንቐኒ ነገራት ቀምሽ ተኸዲነ ቦርሳ ተሰኪመ: ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝኽደኖ ዝያዳ ማዕሪገ ብመማህርተይ ምስ ዝርአ ኢዩ።”
ገለ ክርስትያን መንእሰያት መማህርቶም ንኸየጓንፍዎም ዝሓድሮም ፍርሂ ኣዝዩ ኸቢድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኸደናግሩ ፈቲኖም ኢዮም። ሓደ ሊዮን እተባህለ መንእሰይ ከምዚ በለ:- “ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር: ደቂ ቤት ትምህርቱ እንተደኣ ኣጓኒፎምዎ ገጹ ምእንቲ ኽሽፈን ቆብዕ ዘለዎ ጃኬት ተኸዲኑ ንኣገልግሎት ከም ዝኸይድ እፈልጥ ኢየ።” ካልኦት መንእሰያት ከኣ ኣብ እተወሰነ ገዛውቲ ኸይዶም ክሰብኩ ኣይደልዩን። ሓደ ሳይመን ዝበሃል መንእሰይ “ሓንቲ ጐደና ብደቂ ቤት ትምህርተይ ዝመልአት ብምዃና ኣብታ ጐደና ምእንቲ ኸይነገልግል ክጽሊ ይዝከረኒ” በለ።
ክትሰብኽ ከሎኻ እትፈልጦ ሰብ ምስ ዘጓንፈካ ብመጠኑ ክትስከፍ ባህርያዊ ኢዩ። በዚ ፍርሂ እዚ ኽትወሓጥ ምፍቃድ ግን ጐዳኢ ኢዩ። ኣሊስ እትበሃል ጀርመናዊት መንእሰይ ከምዚ ትብል:- “ብዛዕባ ስብከት ሕማቕ ኣመለኻኽታ ስለ ዝነበረኒ ኣብ መንፈሳውነተይ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ ኢዩ።”
ይኹን እምበር: ብፍላይ ምስባኽ ዘሸግረካ ኽነሱ ክትሰብኽ እትግደድ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ንምምላስ ኣምላኽ እዚ ግዴታ እዚ ኸተማልእ ዝሓተካ ስለምንታይ ምዃኑ ንርአ። ድሕሪኡ ፍርህኻ ብጻዕርን ቈራጽነትን ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ከም እትኽእል ክንሕብረካ ኢና።
ንኽንሰብኽ እተዋህበና ግዴታ
ቅድም ቀዳድም: ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ምንጋር ሓድሽ ወይ ዘገርም ነገር ከም ዘይኰነ ምሕሳቡ ኽሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰብኡትን ኣንስትን ልክዕ ከምዚ ኢዮም ገይሮም። ንኣብነት: ኖህ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ብምህናጽ ዝመጸ ውሩይ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:14-16) ይኹን እምበር: ብመሰረት 2 ጴጥሮስ 2:5 “ሰባኽ ጽድቂ” እውን ኢዩ ነይሩ። ኖህ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ንኸጠንቅቖም ግዴታ ይስምዖ ነበረ።—ማቴዎስ 24:37-39
ድሕሪኡ እውን: ኣይሁድ ነህዛብ ክሰብኩ ኸም ዘለዎም ዝሕብር ንጹር ትእዛዝ እኳ እንተ ዘይነበሮም ብዙሓት ካባታቶም ግን እምነቶም ንኻልኦት የካፍሉ ነይሮም ኢዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓንቲ ሩት እተባህለት ወጻእተኛ ብዛዕባ የሆዋ ኽትመሃር ከኣለት። ሩት ነታ ሓማታ ዝነበረት ኣይሁዳዊት ናእሚ “ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ። (ሩት 1:16) ብድሕርዚ ኸኣ ንጉስ ሰሎሞን ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ነቲ “ዓብዪ ስም” የሆዋ ንምስማዕን ኣብ ቤት መቕደሱ ንምምላኽን ክመጹ ከም ዝዀኑ ሓቢሩ ኢዩ።—1 ነገስት 8:41, 42
ስለዚ እምበኣር: እዞም ጥንታዎት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ቀጥታዊ ትእዛዝ ዘይተዋህቦም ክነሱ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ተዛረቡ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ግዳ ንኻልኦት ናይ ምስባኽ ግዴታ ኽሳዕ ክንደይ ክስምዖም ዘይግባእ! ድሓር ከኣ “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ኽንሰብኽ ተኣዚዝና ኢና። (ማቴዎስ 24:14) ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ወንጌል ክንሰብኽ ግዲ በጺሑና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:16) ድሕነትና ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። ሮሜ 10:9, 10 “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ: ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን እዩ: ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ: . . . ክትድሕን ኢኻ” ትብለና።
ኣበይ ኴንካ ኢኻ ‘ክትእመን’ እትኽእል፧ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንገብር እኳ እንተ ዄንና: ሓደ ኻብቲ ሰባት ንምርካብ ዝሕግዝ ስሉጥ መገድታት ግን እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ዝግበር ዕዮ ስብከት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20) መንእሰይ ብምዃንካ እዚ ዕዮ እዚ ኣይምልከተካንዶ ኢዩ፧ ይምልከተካ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 148:12, 13 “ኣጕባዝን ጐራዙትን: ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ። . . . ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ” ዝብል ትእዛዝ ይህብ።
ንመዛኑኻ ኣብ ምስባኽ ዘሎ ብድሆ
ኣገልግሎት ወጺእካ ምስ መማህርትኻ ክትራኸብ ዘሸቝርርን ዘሰንብድን ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ድሓር ከኣ ብኻልኦት ተቐባልነት ክትረክብ ምድላይ ባህርያዊ ኢዩ። ካልኦት ክሕጭጭሉ: ከላግጽሉ ወይ ከቆናጽብዎ ዝደሊ ሰብ የለን። ታንያ እተባህለት መንእሰይ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ቘልዑ ኣዝዮም ሕሱማት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም” ትብል። ስለዚ እምበኣር ‘ተኸዳዲነ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዘ ከሎኹ መማህርተይ እንተደኣ ረኺቦምኒ እንታይ ኰን ይብሉኒ ይዀኑ’ ኢልካ እንተ ተጨነቕካ ባህርያዊ ኢዩ። ከየላገጹልካ ኸኣ ኣይተርፉን ኢዮም። ፊሊፒ እተባህለ ወዲ ብራዚል ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ዝነብረሉ ህንጻ ዝነብር ወዲ ኽፍለይ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ‘ሕጂ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝካ ትኸይድ ኣሎኻ! ኣብ ቦርሳኻ እንታይ ኣሎ፧’ ይብለኒ።”
ከምዚ ዝኣመሰለ ላግጺ ዘስሕቕ ነገር ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: ንይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም እቲ በቦኡ ሓዉ ዝነበረ እስማኤል ይሕጭጨሉ ኸም ዝነበረ ይነግረና ኢዩ። (ዘፍጥረት 21:9) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሕማቕ ኣተሓሕዛ እዚ ኣፍኲሱ ኣይረኣዮን። ገላትያ 4:29 ‘መስጐጕቲ’ ብምባል ተዛረበሉ።
የሱስ እውን ብተመሳሳሊ ሰዓብቱ ብገለ ሰባት ክጽልኡ ምዃኖም ከምዚ ብምባል ኣጠንቂቑ ኢዩ:- “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም: ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ: ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ: ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።”—ዮሃንስ 15:18, 19
ከም ክርስትያን መጠን እምበኣር ገለ ዓይነት መስጐጕቲ ኸተሕልፍ ክትዳሎ ከድልየካ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ገለ ኻብ መዛኑኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ኸይተዛረብካዮም እውን ከይተረፈ ጽፉፍ ናብራ ህይወት ስለ ዘሎካን ኣብ ርኹስ ኣነባብራኦም ከኣ ስለ ዘይሓበርካዮምን ጥራይ ስደት ከምጽኡልካ ይኽእሉ አዮም። (1 ጴጥሮስ 4:4) ይኹን እምበር: የሱስ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም” ብምባል ዘጸናንዕ ቃላት ሂቡና ኣሎ። (ማቴዎስ 5:11) ኣደዳ ሕጫጨ ወይ ጸርፊ ምዃንካ ኸመይ ኢሉ ብጹእ ወይ ሕጉስ ክገብረካ ይኽእል፧ ንልቢ የሆዋ ኣምላኽ ተሐጕሶ ከም ዘሎኻ ስለ እትፈልጥ ኢዩ! (ምሳሌ 27:11) ንኣምላኽ ብምሕጓስካ ኸኣ ምስቶም ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኽቡ ከም እትስራዕ ኢዩ ዝገብረካ!—ሉቃስ 10:25-28
ይኹን እምበር: ኣገልግሎት ክትከይድ ከሎኻ ዝረኸቡኻ ዘበሉ ዅሎም መማህርትኻ የላግጹልካ ኢዮም ማለት ግን ኣይኰነን። አረ ዳርጋ መብዛሕትኦምሲ ዘየላግጹ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣንጀላ እተባህለት ጓል ብሪጣንያ “ምስ መማህርትኻ ኣብ ቤቶም ክትራኸብ ከሎኻ: ካባኻ ዝያዳ ንሳቶም ኢዮም ዝሓፍሩ” በለት። አረ ገሊኣቶምሲ እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ ኽፈልጡ ህንጥዮት ይሓድሮም ኢዩ። እቲ ዀይኑ እቲ ግን ብዙሓት ኮተቴ ክርስትያናት ንመማህርቶም ብምምስካር ኣሳልጦ ይረኽቡ ኣለዉ። ኣብ ዝቕጽል ሕታምና ንስኻውን ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ኽትምስክረሉ እትኽእል ገለ መገድታት ክንመያየጠሉ ኢና።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሓት መንእሰያት ኣገልግሎት ክኸዱ ኸለዉ መማህርቶም ከይረኽብዎም ይፈርሁ
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ሕጫጨ ብእምነትካ ከም እትሓፍር ክገብረካ ኣይተፍቅደሉ