ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/7 ገጽ 10-12
  • ንመማህርተይ ብኸመይ ክሰብከሎም እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመማህርተይ ብኸመይ ክሰብከሎም እኽእል፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኽትሰብኽ ህንጥዮት ምምዕባል
  • መንነትካ ዘይምሕባእ
  • ዝፈልጡኒ ተማሃሮ እንተ ኣጓነፉኒኸ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ሓቂ ናተይ ክገብራ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—1999
  • መንእሰያት—የሆዋ ንግብርኹም ኣይርስዖን እዩ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ብኸመይ ክጣበቐሉ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2002
g02 8/7 ገጽ 10-12

መንእሰያት ዝሓትዎ . . .

ንመማህርተይ ብኸመይ ክሰብከሎም እኽእል፧

“እናሰበኽኩ ኸለኹ ብሃንደበት ንሓደ ዝፈልጦ ሰብ ረኸብኩ። ብስንባድ ከኣ ቅዝዝ ኢለ ተረፍኩ! እቲ መገላግልተይ ኣብ መንጎ ኣትዩ ኽዛረብ ነበሮ።”​—⁠ኣልበርቶ

“ሓደ ወዲ ኽፍለይ ኣብቲ ገዛውቲ ኸም ዝነብር እፈልጥ ነይረ: ስለዚ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከሎና ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ሓወይ ከም ዝዛረብ ገበርክዎ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግን ስለ ዝደኸመ ኣብታ እትቕጽል ቤት ኣነ ኽዛረብ ሓተተኒ። ምስ ኳሕኳሕኩ እቲ ወዲ ኽፍለይ ከፈተኒ! ኣዝየ ኸኣ ፈራህኩ!”​—⁠ጄምስ

መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሃይማኖት ምዝርራብ ዘይልሙድ ነገር ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ናይ ሓቂ ክርስትያን መንእሰያት ግን ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ንኻልኦት ናይ ምክፋል ፍሉይ መሰል ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ስለዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ዕዮ ስብከት ይካፈሉ ኢዮም። ገሊኣቶም ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፈልጦም ሰብ ከየጋጥሞም እናፈርሁ ኢዮም ከምዚ ዝገብሩ። ጀኒፈር ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ እኳ እንተ ወድአት “ክሳዕ ሕጂ እቶም መማህርተይ ዝነበሩ ኸይረኽቡኒ እፈርህ ኢየ” በለት።

መንእሰይ ክርስትያን እንተደኣ ዄንካ: ሓድሓደ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ይስምዓካ ይኸውን። ልክዕ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍና ሰባት ካባና ኽርሕቑ ኣይንደልን ኢና: ስለዚ ምስ መማህርትኻ ብዛዕባ ሃይማኖት ክትዛረብ ከሎኻ እተወሰነ ጭንቀት እንተ ተሰምዓካ ዘይንቡር ኣይኰነን።a ብሰንኪ ፍርሂ ኢድካን እግርኻን ኣርኒብካ ኮፍ ንኽትብል ግን ብቑዕ ምኽንያት የብልካን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ” እተባህለ ሰብኣይ ትዝክሮዶ፧ ነቲ ኻብ የሱስ እተማህሮ ነገራት ይኣምነሉ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንዮሴፍ “ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ” ብምባል ኢዩ ዝገልጾ። (ዮሃንስ 19:38) ዕርክነትኩም ብሕቡእ ጥራይ ክሕዞ ዝደሊ ዓርኪ እንተ ዝህልወካ: ብዛዕብኡ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ (ሉቃስ 12:⁠8, 9) ኣምላኽ ኵሎም ክርስትያናት ብዛዕባ እምነቶም ብግህዶ ‘ዝእመኑ’ ክዀኑ እንተ ተጸበዮም እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ። (ሮሜ 10:⁠10) እዚ ድማ ንመማህርትኻ ምዝርራብ እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ንስጋ የሱስ ንምቕባር ፍቓድ ክሓትት ከሎ እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ደረጃ ንፍርሁ ኣወጊድዎ ኢዩ። ንስኻኸ ንፍርህኻ ብኸመይ ከተወግዶ ትኽእል፧

ንኽትሰብኽ ህንጥዮት ምምዕባል

ሃዋርያ ጳውሎስ እምነቱ ንኻልኦት ንምንጋር ዘይሓፍር ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ሮሜ 1:⁠15 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ንምስባኽ ድሉው ወይ ህንጡይ ከም ዝዀነ ገይሩ ንርእሱ ገሊጽዋ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጥዮት ከጥሪ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ብመሰረት ቍጽሪ 16 “ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ: ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ” በለ። ንስኻኸ፧ ንሓቂ ብርግጽ ኣሚንካላ ዲኻ፧ (ሮሜ 12:⁠2) ቃል ኣምላኽ “ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን” ምዃኑ ብውልቅኻ ትኣምነሉ ዲኻ፧

ምስ ወለድኻ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ዴብራ እትበሃል ጐርዞ “ወለድና ናብ ኣኼባ ኽንከይድ ስለ ዝእዝዙና: ናብ ኣኼባ ምኻድ ቀሊል ኢዩ። ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ክሓቱኒ ኸለዉ ግን ብኸመይ ከም ዝምልሰሎም ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ” በለት። ሚ ያንግ እትበሃል ጐርዞ እውን “ቅድም ቀዳድም እዛ መገዲ እዚኣ ሓቂ ምዃና ኽንኣምነላ ኣሎና” በለት።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ፍልጠት ንኻልኦት ንኸተካፍል ድራኸ ኽሓድረካ ዝኽእል እንታይ ምስ እትገብር ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቲ ምጽናዕ ድራኸ የሕድረልካ ኢዩ። ሾን ዝበሃል መንእሰይ “ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ጀመርካ: ሓቂ ናትካ ኽትገብራ ኢኻ እትጅምር። ከመይሲ ንርእስኻ ዝጠቅም መጽናዕቲ ኢኻ እትገብር” በለ። ልክዕ ኢዩ: ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ብባህሪኡ መጽናዕቲ ዝፈቱ። ሻቮን “ምንባብ ኣይፈቱን ኢየ” ብምባል ተኣመነት። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ “ስለዚ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምንባብ ወይ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከቢዱኒ ነይሩ ኢዩ። ድሕሪ ግዜ ግን ለሚደዮ” በለት።

ከምዚ ዝኣመሰለ ብትግሃት ዝግበር መጽናዕቲ እንታይ ፍረ ኣለዎ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” በለ። (ሮሜ 10:⁠17) እምነትካ እናዓበየት ምስ ከደት: ኣረኣእያኻ ከም ዝቕየር ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኤሊዛንጀላ እትበሃል ብራዚላዊት መንእሰይ “ክርስትያን ምዃን ዘሐብን ደኣ እምበር ዘሕፍር ኣይኰነን” በለት። እወ: እምነትካ እናዓበየት ምስ ከደት: ብዛዕብኣ ንኻልኦት እንተላይ ንመማህርትኻ ንምንጋር ድራኸ ይሓድረካ ኢዩ። ጳውሎስ “ንሕና . . . ንአምን: ስለዚውን ንዛረብ አሎና” በለ። (2 ቈረንቶስ 4:13) ምስናይዚ ኸኣ ነቲ ህይወት ዘውህብ ፍልጠት ካብቶም መዓልቲ መዓልቲ እትረኽቦም መንእሰያት ትሓብኦ እንተደኣ ዄንካ: ከመይ ጌርካ ኢኻ ‘ካብ ደሞም ንጹህ’ ክትከውን እትኽእል፧​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠26, 27

ገሊኣቶም ክርስትያን መንእሰያት ግን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ንምዝራብ ብቕዓት ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም ኢዩ። ጆሹዋ ዝበሃል መንእሰይ “እንታይ ከም እትብል ዘይትፈልጥ እንተደኣ ዄንካ: ክትሰብኽ እትገብሮ ፈተነ ኣየሐጕሰካን ኢዩ” በለ። ሕጂውን እንተዀነ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ምርዳእ ምስ ዝህልወካ ጽቡቕ ጌርካ ንኽትጥቀመሉ ኽሕግዘካ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15) ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ መንእሰያት ናብ ሽማግለታት ብምቕራብ ናይ ምምሃር ክእለቶም ንምምሕያሽ ብሕታዊ ሓገዝ ክግበረሎም ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም። ማትያስ ዝበሃል ጀርመናዊ መንእሰይ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምብርካት ጥራይ ዘይኰነስ ንሰባት ከዘራርብ ምስ ጀመርኩ: ስብከት ክፈትዎ ጀሚረ” በለ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብትብዓት ንኽትዛረብ ኣምላኽ ምእንቲ ኽሕግዘካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠29) ኣብዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓገዝ ኣምላኽ ረኺቡ ኢዩ። ኣብ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠2 “ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና” በለ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ እዚ ሓሳብ እዚ “ኣምላኽ ንፍርሂ ኻብ ልብና ኣውጽኦ” ተባሂሉ ኽትርጐም ይከኣል ኢዩ። ስለዚ ብጸሎት ጌርካ ኣምላኽ ንፍርሂ ኻብ ልብኻ ንኸውጽኦ ንምንታይ ዘይትልምኖ፧

መንነትካ ዘይምሕባእ

ምስ ጸሎትካ ብምስምማዕ ከኣ ሓደ ትብዓት ዘድልዮ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ሺክ እትበሃል ብሪጣንያዊት ጐርዞ “ንመማህርትኻ ክርስትያን ምዃንካ ንገሮም” በለት። “ብሕቡእ ወደ መዝሙር” ክትከውን ከም ዘይትደሊ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ሪበካ እትበሃል መንእሰይ ክትሰብኽ ከላ እትፈልጦ ሰብ ከየጋጥማ ትፈርህ ምንባራ ተኣመነት። እንተዀነ ግን “ክርስትያን ምዃንካን ካብ ቤት ናብ ቤት ከም እትሰብኽን እንተ ነጊርካዮም: ሓድሓደ ግዜ ‘ናብ ገዛና ደኣ መዓስ ኢኻ እትመጽእ፧’ ኢሎም ይሓቱኻ ኢዮም” በለት።

እንተዀነ ግን: ሓደ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዝኽፈተልካ ንምንታይ እትጽበ፧ ብዛዕባ እምንትካ ኣብ ቤት ትምህርትኻ ንምንጋር ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘበገሶ ኸምዚ ዝብል ሕቶታት ኣይትረስዓዮ:- “ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይ​ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” (ሮሜ 10:⁠14) ንደቂ ኽፍልኻ ንምሕጋዝ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ዘሎካ ንስኻ ኢኻ። ኢራይዳ እትበሃል ጐርዞ “ቤት ትምህርቲ ንሕና ጥራይ ክንሽፍኖ እንኽእል ናይ ስብከት ዞባ ኢዩ” በለት። ስለዚ ብዙሓት መንእሰያት ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ብምሃብ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ይጥቀሙሉ ኢዮም።

ኣብ ክፍሊ ንኸተቕርቦ ዝወሃበካ ዕዮ ቤት እውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ንኸተካፍል ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ ይኽእል ኢዩ። ጄሚ እትበሃል ብሪጣንያዊት መንእሰይ ከምዚ በለት:- “ስነ⁠-​ፍልጠት ክንመሃር ከሎና ብዛዕባ ፍልቀት ምይይጥ ተጀመረ: ኣነ ድማ እምነተይ ገለጽኩ። ሓደ ኻብቶም መማህርተይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሑራት ስለ ዝዀኑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽኣትዉ እውን ኣይግብኦምን ኢዩ ብምባል ኣላገጸለይ። ብኡንብኡ ግን ካልኦት ደቂ ኽፍለይ ክጣበቑለይ ጀመሩ።” ከም ኣብነታዊት ክርስትያን መጠን ዘጥረየቶ ጽቡቕ ስም ፍረ ኸም ዘፍረየ ንጹር ኢዩ። ኣስዕብ ኣቢላ “ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ቅዳሕ ናይታ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ንሓንቲ መማህርተይ ኣበርከትኩላ” በለት።b

ኣብ ሮማንያ እትነብር ሮክሳና እትበሃል ጓል 14 ዓመት ጐርዞ ዘጋጠማ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኸምዚ ብምባል ኣዘንተወት:- “መምህርና ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ሓሽሽን ኣብ ክፍሊ ምይይጥ ከም እንገብር ገለጸትልና። ስለዚ ነታ ‘ሽጋራ ምትካኽ ብኸመይ ከም እትገድፎ’ ንዝብል ኣርእስቲ እትገልጽ ናይ 22 መጋቢት 2000 ንቕሑ! ናብ ቤት ትምህርቲ ተማላእክዋ። ሓንቲ መማህርተይ ነዛ መጽሔት ምስ ረኣየታ ወሰደታ: ክትመልሰለይ እውን ፍቓደኛ ኣይኰነትን። ምስ ኣንበበታ: ሽጋራ ምትካኽ ንኽትገድፎ ቈራጽነት ከም ዝገበረት ነገረትኒ።”

ኵሉ ሳዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ምላሽ ኣይትረክብን ትኸውን። እንተዀነ ግን መክብብ 11:⁠6 “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል . . . ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” ብምባል ትላበወና ኢያ። ዋላ ኣወንታዊ ምላሽ ኣይትርከብ: ኣብ ቤት ትምህርቲ እምነትካ ተካፍል እንተደኣ ዄንካ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከሎኻ መማህርትኻ ምስ ዘጓንፉኻ ባህ ዘብል ምይይጥ ንኽትገብር መሰረት ይዀነካ ኢዩ። ጀሲካ እትበሃል ብሪጣንያዊት መንእሰይ “ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ምስቶም ኣብ ትምህርቲ እትፈልጦም ሰባት ድሮ ሌላ ስለ ዘሎካ: ንዓታቶም ምምስካር ቀሊል ኢዩ” በለት። ገሊኣቶም መማህርትኻ ብዛዕባ እምነትካ ኽፈልጡ ሃንቀውታ ኸም ዘለዎም ምስ ረኣኻ ትግረም ትኸውን።

ርግጽ ኢዩ ዅሎም ብጽቡቕ ከይቅበሉኻ ይኽእሉ ኢዮም። የሱስ ግን “እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ: ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ: ካብታ ቤት እቲኣ . . . ወጺእኩም: ተጐጓ እእጋርኩም ንገፉ” ብምባል ግብራዊ ማዕዳ ሂቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:14) ብኻልእ ኣዘራርባ ንዓኻ ዘይምቕባሎም ብውልቂ ንዓኻ ኸም ዝነጸጉኻ ዀይኑ ኽስምዓካ የብሉን። ብሰላም ገዲፍካዮም ኪድ: ክሰምዓካ ዝደሊ ኻልእ ሰብ ድማ ኣናዲ። እንተ ነዊሑ እንተ ሓጺሩ ንሓቂ ዝጠምዩን ንኽሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑን ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክትረክብ ኢኻ። ሓደ ኻባታቶም መማህርትኻ እንተ ዝኸውንሲ ባህ ዘብልዶ ኸይኰነ፧ ከምዚ ምስ ዘጋጥመካ ንፍርህኻ ብምውጋድ ንመማህርትኻ ብዛዕባ እምነትካ ብምክፋልካ ኽትሕጐስ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ ሚያዝያ⁠-​ሰነ 2002 ሕታምና ዝወጸት “መንእሰያት ዝሓትዎ . . . ዝፈልጡኒ ተማሃሮ እንተ ኣጓነፉኒኸ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት

[ኣብ ገጽ 12 ፍረ ሓሳብ]

“ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ጀመርካ: ሓቂ ናትካ ኽትገብራ ኢኻ እትጅምር።”​—⁠ሾን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ምዃንካ ንኻልኦት ንምንጋር ኣይትፍራህ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክፍሊ ኸተቕርቦ እተዋህበካ ዕዮ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኸተካፍል ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ