ቈልዑ ተደለይቲ ምዃኖም ክግንዘቡን ክፍቀሩን መሰል ኣለዎም
“ንቘልዓ ኣፍቅሮ እሞ: ብዙሕ ዓስቢ ኽትረክብ ኢኻ።” እዚ እቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ጆን ራስኪን ዝበሃል እንግሊዛዊ ጸሓፍን ሓያስን ዝበሎ ኢዩ። ንውሉድካ ምስ እተፍቅሮ ስለ ዘፍቅረካ ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ እተፍቅሮ ከሕድረሉ ዝኽእል ኣወንታዊ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ብዙሓት ወለዲ ይሰማምዕሉ ኢዮም።
ንኣብነት: እታ ፍቕርን ኣብ ፍጥረት ዘለዋ ግደን ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ብዘይፍቕሪ “ቈልዑ ምሞቱ” ትብል። እቲ ብመጽናዕቲ ስነ-ሰብ ውሩይ: ብትውልዱ ኸኣ እንግሊዛዊ ኣሽለይ ሞንቴግ ከምዚ ዝስዕብ ክሳዕ ምባል በጺሑ ኢዩ:- “እቲ ዘፍቅሮ ዘይረኸበ ቘልዓ ብስነ-ኣካላዊ: ስነ-ተግባራዊ: ከምኡውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ነገራት ዝመጸ ካብቲ ብፍቕሪ ዝዓበየ ቘልዓ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ቐዳማይ ካብቲ ዳሕረዋይ ኣዝዩ እተፈልየ ዕቤት ኢዩ ዝገብር።”
ተሮንቶ ስታር (እንግሊዝኛ) እውን ብዛዕባ ሓደ ተመሳሳሊ መደምደምታ ዝሃበ መጽናዕቲ ጠቒሳ ኣላ። ከምዚ ትብል:- “ከይተሓቝፉ: ከይተሰዓሙ ወይ ብዘይቅብጥሮት ዝዓበዩ ቘልዑ . . . ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ: ጭንቀት ዘስዕቡ ሆርሞናት ኣለዎም።” እወ: ኣብ ግዜ ቝልዕነቶም ዕሽሽ ምስ ዝበሃሉ “ኣብ ናይ ምምሃርን ምዝካርን ተኽእሎኦም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።”
እዚ መጽናዕትታት እዚ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ብኣካል ክህልዉ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። ከምዚ እንተ ዘይኰይኑ: ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ከመይ ኢሉ ዱልዱል ርክብ ክህሉ ይኽእል፧ እንተዀነ ግን: ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት እውን ከይተረፈ ቘልዓ ካብ ወለዱ ተፈልዩ ድሌቱ ክማልኣሉ ምፍታኑ ዘሕዝን ኢዩ። ቈልዑ ንበይኖም ንቤት ትምህርቲ ይኸዱ: ትምህረተ-ሰንበት ይካፈሉ: ንስራሕ ይኸዱ: ንምዝንጋዕ ይወጹ: ከምኡውን ገንዘብ ሒዞም ናብ እተፈላለየ ቦታታት ንዙረት ንበይኖም ዝኸዱ ምዃኖም ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናይ ገዛእ ርእሶም ዓለም ብምፍጣር ዝንቀሳቐሱ ብምዃኖም ብዓበይቲ ሰባት ተኸቢቦም ክነሶም ዕሽሽ እተባህሉ: ዘይድለዩ: ዘይፍቀሩ ዀይኑ ዝስምዖም ብምዃኖም ዘሕዝን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ስለ ዘሎ ድማ ኢዩ ዝኸውን ኣብ በርሊን ዳርጋ 3,000 ግዳም ሓደር ቈልዑ ዘለዉ። እቲ “ዝደልየኒ ዋላ ሓደ የለን” ዝበለ መንእሰይ ሚካ ሓደ ኣብነት ኢዩ። ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ጀርመናዊ ኸኣ ብተመሳሳሊ “ከልብና ነይረ እንተ ዝኸውን ምሓሸኒ” ብምባል ሓዘኑ ገለጸ።
ንቘልዑ ብግቡእ ዘይምሓዝ እተፈላለየ መልክዕ ኣለዎ
ንቘልዓ ዕሽሽ ምባል መርኣያ ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ” ዘይብሎም ዝበሎ ዀይኑ ሓደ ካብቲ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ቘልዓ ኢዩ። (ሮሜ 1:31፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:3) ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዓይነት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ድማ ከምርሕ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ካብቲ ብ1979 ኣህጉራዊ ዓመት ቈልዓ ተባሂሉ እተኣወጀሉ ዓመት ንነጀው ነቲ ንቘልዑ ብኣካል ዝወርዶም ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ጾታዊ ማህሰይትን ኣድላዪ ኣቓልቦ ክግበረሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ እተማልአ ኣሃዝ ክትረክብ ከም ዘይከኣል: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ ክፈላለ ኸም ዝኽእል ሓቂ ኢዩ። በሰላ ናይቲ ቘልዑ ኸለዉ ዝወረዶም ጾታዊ ማህሰይቲ ግን ምስ ዓበዩ ንኽሃስስ ዘለዎ ኣጋጣሚ ጸቢብ ምዃኑ ሕቶ ዘድልዮ ኣይኰነን።
እቲ ዓይነት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ብዘየገድስ: ንቘልዑ ዘፍቅሮምን ዝደልዮምን ከም ዘይብሎም ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዝገብር ኢዩ። እዚ ግድላት እዚ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ብመሰረት እታ ዳይ ወልት እትበሃል ናይ ጀርመን ጋዜጣ ዝበለቶ “ቍጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ቈልዑ ማሕበራዊ ፍጮ እናዀኑ ኢዮም ዝዓብዩ ዘለዉ።” ከምዚ ብምባል ድማ ትውስኽ:- “ቈልዑ እቲ ካብ መዕበያኦም ክረኽብዎ ዝግብኦም ዝነበረ ፍቕሪ ኣይረኽቡን ኢዮም ዘለዉ። ብመሰረት [ናይቲ ኣብ ሃምበርግ ዘሎ ንቘልዑ መምርሒ ዝህብ ማእከል ዳይረክተር: ደርድ ሮሜክ] ዝበሎ እቲ ኣብ መንጎ ቘልዑን ወለድን ዘሎ ስምዒታዊ ማእሰር እናላሕልሐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ወይ ድማ ካብ መጀመርትኡ እውን ኣይነበረን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቘልዑ ዕሽሽ እተባህሉ ዀይኑ ይስምዖም: ዕቝባ ንኽረኽቡ ዝነበሮም ባህጊ ድማ ኸይዓገበ ይተርፍ።”
እቲ ቘልዑ ተደለይቲ ምዃኖም ክግንዘቡን ክፍቀሩን ዘለዎም መሰል ምስ ዝሕረሙ ቂም ይሕዙ: ኣብቶም ዕሽሽ ዝበልዎም ወይ ብሓፈሻ ኣብቲ ማሕበረሰብ ሕንሕነኦም ከውጽኡ ይደልዩ። ኵነታት ናይቶም “ማሕበረሰብ ከም ዘይሓልየሎም ኰይኑ ዝስምዖም” ቈልዑ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሐ ኸሎ ቕልጡፍ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ሓደ ናይ ካናዳ ሓይሊ ዕማም ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ።
ዘፍቅሮምን ዝደልዮምን ዘይብሎም ኰይኑ ዝስምዖም መንእሰያት ካብ ግድላቶም ምእንቲ ኽገላገሉ ገዝኦም ገዲፎም ይወጹ ይዀኑ። ኣብተን ዓመጽን ሓሽሽን ርኽሰትን ዝመልአን ዓበይቲ ከተማታት ስለ ዝኸዱ ድማ ዝገደደ ዓበይቲ ሽግራት ኢዩ ዝጸንሖም። ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ይገብር: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ኸተማታት ጥራይ ልዕሊ 20,000 ዝዀኑ ትሕቲ 16 ዝዕድሜኦም ካብ ገዝኦም ዝወጹ መንእሰያት ከም ዘለዉ ናይ ፖሊስ ግምታዊ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ። “እዚ ውጽኢት ናይቲ ዝበዝሕ ግዜ እቶም ኣልኮላዊ መስተ ዘዘውትሩ ወይ ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎም ወለዲ ዝፈጥርዎ ምብትታን ስድራቤትን ጭከናን ኢዩ። ኣዋልድ ኣብ ጐደናታት ይወጻ: ንኽነብራ ነብሰን ይሸጣ: ድሕርዚ ብደላሎ ይቕጥቀጣን ሰብኣዊ ኽብረን ይግፈፋን። ካብዚ ንኽርሕቃ ክሓስባ ኸለዋ መጻኢአን ስለ ዘሻቕለን እናተሳቐያ ይነብራ።” እቲ ዘሕዝን ግን: ነዚ ዅነታት እዚ ንምቕያር ብርቱዕ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ ገና ግን ይቕጽል ኢዩ ዘሎ።
ኣብ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዅነታት ኰይኖም ዝዓብዩ ቈልዑ ሚዛኖም ዘይሕልዉ ይዀኑ: ዝበዝሕ ግዜ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሉዳት ከዕብዩ ኣይክእሉን ኢዮም። ዝደልዮምን ዘፍቅሮምን ዘይብሎም ኰይኑ ስለ ዝስምዖም: ከምኦም ዓይነት—ዝደልዮምን ዘፍቅሮምን ዘይብሎም ኰይኑ ዝስምዖም—ቈልዑ ይወልዱ። ሓደ ጀርመናዊ ፖለቲከኛ “ብዘይፍቕሪ ዝዓብዩ ቘልዑ: ብርቱዕ ጽልኢ ዘለዎም ዓበይቲ ይዀኑ” ብምባል ነቲ ዅነታት ብልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ወለዲ ውሉዳቶም ተደለይትን ዝፍቀሩን ኰይኑ ምእንቲ ኽስምዖም ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ምህላዎም ልክዕ ኢዩ። ብቓላት ይነግርዎም ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ዘድሊ ፍቕራዊ ኽንክንን ብሕታዊ ኣቓልቦን ብምግባር የረጋግጹሎም ኢዮም። ገና ግን ካብ ዓቕሚ ወለዲ ንላዕሊ ዝዀኑ ሽግራት ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብ ገለ ክፍልታት ዓለም ሰባት ዘውጽእዎ ዘይቅኑዕ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኣገባብ ንቘልዑ እኹል ሕክምናዊ ክንክን: ግቡእ ትምህርቲ: እኹል መግቢ ከም ዝረኽቡ ክገብሮም ከምኡውን ካብ ሸቕልን ሕሱር ኵነታት መነባብሮን ከዕቝቦም ኣይከኣለን። ዝበዝሕ ግዜ ድማ እቶም ስሱዓት: ብልሹዋት: ሃነፍነፍ ዝብሉ: ከምኡውን ሓልዮት ዘይብሎም ዓበይቲ ነቲ ዅነታት ከም ዝገድድ ኢዮም ዝገብርዎ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ኣናን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክጽሕፍ ከሎ ንገለ ኻብቲ ሎሚ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ዘሎ ቀንዲ ሽግራት ጠቒስዎ ኣሎ:- “ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ ኣሰቃቒ ዝዀነ ድኽነት የሕልፉ ኣለዉ፣ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ብሳዕቤን ግርጭታትን ቍጠባዊ ቅልውላውን ይሳቐዩ ኣለዉ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ኲናት ይቘስሉ ኣለዉ፣ ካልኦት ብዙሓት ከኣ ብሰንኪ ኤችኣይቪ/አይድስ ይዝኽትሙ ወይ ይሞቱ ኣለዉ።”
እንተዀነ ግን: ባህ ዘብል ዜና ፈጺሙ የለን ማለት ኣይኰነን! ከም “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት” (ዩኒሴፍ): “ዓለማዊ ውድብ ጥዕና” ዝኣመሰላ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኵነታት ቈልዑ ንምምሕያሽ ኣበርቲዐን ይጽዕራ ኣለዋ። ኮፊ ኣናን ከምዚ በለ:- “ብዙሓት ቈልዑ ጥዑያትን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎምን ኰይኖም ይውለዱ ኣለዉ፣ ብዙሓት ከንብቡን ክጽሕፉን ይኽእሉ ኢዮም፣ ቍጽሪ ናይቶም ንኽማሃሩ: ክጻወቱ: ኸም ቈልዑ ዀይኖም ንኽነብሩ ናጻ ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ቝጽሪ ዝዛይድ ኢዩ።” ገና ግን “ብዛዕባ ሕሉፍ ዓወታትና ጥራይ እናሓሰብና ኢድና ከነጣምር የብልናን” ብምባል ኣጠንቀቐ።
ፍሉይ ቈላሕታ ዘድልዮም ቈልዑ
ገለ ቈልዑ ፍሉይ ቈላሕታ ክግበረሎም የድልዮም። ኣብ መጀመርታ ናይ 1960ታት ብዛዕባ እቶም ታሊዶማይድ ዝበሃሉ ስንኩላን ኰይኖም ዝውለዱ ቈልዑ ካብ ብዙሓት ሃገራት ጸብጻብ ምስ ተዋህበ ዓለም ሰንቢዳ ኢያ። ጥኑሳት እዚ ታሊዶማይድ ዝበሃል ፈውሲ ቓንዛን መደቀስን መድሃኒት ምስ ዝጥቀማ: እቶም ዝውለዱ ቘልዑ ዝነቐጸ መሓውር ዘለዎም ወይ መሓውር ዘይብሎም ኰይኖም ክውለዱ ይኽእሉ ኢዮም። ዝበዝሕ ግዜ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣዝዩ ሓጺር ኰይኑ ይውለድ።
ኣርብዓ ዓመታት ጸኒሑ ኸኣ እተቐብረ ነተጕቲ ቀንዲ ጠንቂ ስንክልና ቘልዑ ዀነ።a ገሊኦም ኣብ መላእ ዓለም ካብ 60 ክሳብ 110 ሚልዮን ዝኣክል እተቐብረ ነተጕቲ ከም ዘሎ ኢዮም ዝግምቱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንቘልዑ እውን ሓዊስካ 26,000 ዝዀኑ ሰባት ይሞቱ ወይ ይስንክሉ። ካብቲ ጆዲ ዊልያምስ ኣብ መሬት ዝቕበር ነተጕቲ ንኽእገድ ጐስጓስ ብምግባር ናይ ኖቤል ሽልማት እተሸለመትሉ ዓመት 1997 ኣትሒዙ ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ ብዙሕ ኣቓልቦ ተገይርሉ ኢዩ። ገና ግን እተቐብረ ነተጕቲ ኣሎ። ሓደ ጀርመናዊ ፖለቲከኛ ብዛዕባ እቲ ንዓለም ካብ እተቐብረ ነተጕቲ ንምጽራይ ዝግበር ጻዕሪ ክዛረብ ከሎ “ቡንባ ተኸፊቱ ኣብ ጋብላ ማይ እናመልአ ኸሎ ብናይ ሻሂ ማንካ ገይርካ ነቲ ማይ ክትቀድሖ ከም ምሕሳብ ኢዩ” በለ።
ካልኦት ፍሉይ ኣቓልቦ ዘድልዮም ቈልዑ ድማ እቶም ካብ ወለዶም እተጠልዩ ኢዮም። እቲ ንሰብ ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ ውሉዳት ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ቘላሕታ ኣቦን ኣደን ኰይኖም ክዓብዩ ኢዩ መዲቡ። ቈልዓ ከምዚ ዝኣመሰለ ሚዛናዊ ሓልዮት ወለዲ የድልዮን ይግብኦን ኢዩ።
መዕበዪ ዘኽታማትን መርዓሚ ትካላትን ነቶም ካብ ክልቲኦም ወለዶም እተጠልዩ ቈልዑ ዘድልዮም ነገራት ከማልኣሎም ይጽዕራ ኢየን። እቲ ዘሕዝን ግን ገለ ኻብቶም መሰል ዘይረኸቡን ዝያዳ ኣላዪ ዘድልዮምን ቈልዑ ማለት ሕሙማት: ንኽማሃሩ ጸገማት ዘለዎም: ኣካላዊ ጕድለት ዘለዎም: ወይ ባዕዳውያን ወለዲ ዘለዎም ዝበዝሕ ግዜ እቶም ዕሽሽ ተባሂሎም ዝሕለፉ ሕጻናት ኢዮም።
ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከቡ ቘልዑ “ንምርዓም” ምእንቲ ኽከኣል ውልቀ-ሰባት ስርዓታውያን ኰይኖም ናይ ገንዘብ ደገፍ ንኽገብሩ ንምትብባዖም ማሕበራት ተመስሪተን ኢየን። እቲ እተወፈየ ገንዘብ ከኣ ንቘልዓ ንምምሃር ወይ ንህይወት ዘድልዮ ነገራት ንምቕራብ ዝውዕል ኢዩ። ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ነቲ ርክብ ንምድልዳል ስእልታትን ደብዳበታትን ምልውዋጥ ይከኣል ኢዩ። እዚ ሓጋዚ እኳ እንተዀነ: እቲ ቐንዲ ፍታሕ ኢዩ ኽበሃል ግን ኣይክእልን ኢዩ።
ነቶም ካብ ወለዶም እተጠልዩ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ካብ እተገብረ ካልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ ድማ እቲ ብ1999 መበል ፍርቂ ዘመኑ ዘኽበረ ትካል ኢዩ።
ቍሸት ቈልዑ ኤስኦኤስ
ብ1949 ኣብ ኢምስት: ኦስትሪያ: ሄርማን ግሜኔር ኤስኦኤስ (SOS) ኢሉ ዝሰየሞ ቝሸት ቈልዑ መስረተ። እቲ ዝመስረቶ ማሕበር ካብዚ ተበጊሱ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ: ኣመሪካ: እስያ: ከምኡውን ኣውሮጳ ኣብ ዝርከባ 131 ሃገራት ዳርጋ 1,500 ኣቝሻትን ተመሳሰልቲ ትካላትን ዝሓቘፈ ዀይኑ ኣሎ።
እቲ ግሜኔር ዝገብሮ ንጥፈት ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ መትከላት እተመርኰሰ ኢዩ። እዚ ድማ ኣደ: ኣሕዋትን ኣሓትን: ገዛ: ከምኡውን ቍሸት ዝብል ኢዩ። “ኣደ” መሰረት ናይ ሓንቲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ወይ እውን ካብኡ ዝበዝሑ ቈልዑ ዘለውዋ “ስድራቤት” ኢያ። ምስኦም ትነብር: ካብ ናይ ሓቂ ኣደ ክረኽብዎ ዝነበሮም ፍቕርን ኣቓልቦን ክትገብረሎም ድማ ትጽዕር። እቶም ቈልዑ ዓብዮም ካብ “ገዛ” ክሳዕ ዝወጹ ብሓባር ኣብ ሓንቲ “ስድራቤት” ምስ ሓንቲ “ኣደ” ኢዮም ዝዓብዩ። ኣብታ “ስድራቤት” እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ ኢዮም ዝጥርነፉ። ዓበይትን ንኣሽቱን “ኣሕዋት” ከምኡውን “ኣሓት” ስለ ዘለዎም እቶም ቈልዑ ንሓድሕዶም ምትሕልላይ ይማሃሩ: እዚ ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝሓስቡ ንኸይኰኑ ይሕግዞም። እቶም ቈልዑ ብእተኻእለ መጠን ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ኣብታ “ስድራቤት” ክሕወሱ ኢዩ ጻዕሪ ዝግበር። ብስጋ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝዀኑ ቈልዑ ዅሉ ግዜ ኣብ ሓንቲ “ስድራቤት” ኢዮም ዝምደቡ።
ሓንቲ ቝሸት ዳርጋ 15 ዝዀና “ስድራቤታት” ኢያ እትሕዝ: ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ከኣ ናይ ገዛእ ርእሳ መንበሪ ኣለዋ። እቶም ቈልዑ ዅሎም ኣብ ገዛ ብምዕያይ “ነዴኦም” ምሕጋዝ ይማሃሩ። ኣብቲ ገዛ ኣቦ እኳ እንተ ዘየለ ከም ናይ ኣቦ ምኽሪ ዝህብን ነቶም ቈልዑ ዝግስጽን ወዲ ተባዕታይ ይምደብ ኢዩ። እቶም ቈልዑ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኢዮም ዝማሃሩ። ነፍሲ ወከፍ “ስድራቤት” ወጻኢታታ ንምሽፋን ወርሓዊ ገንዘብ ይወሃባ። መግብን ክዳውንትን ካብቲ ኸባቢ ኢዩ ዝግዛእ። ዕላማ ናይዚ ነቶም ቈልዑ ናብራ ስድራቤት ከመይ ከም ዝመስል: ዅሉ ዘምጽኦ ግድላትን ሓጐስን ከም ዝጥዕምዎ ንምግባር ኢዩ። እዚ ድማ ብእተኻእለ መጠን ልሙድ ዝዀነ ኣነባብራ ንኽህልዎም ዘኽእሎም ኢዩ። ምስ ዓበዩ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት ንምምስራት ዝሕግዞም ኢዩ።
እቲ ልክዕ መፍትሒ ንምርካብ ሃለው ምባል ይቕጽል ኢዩ ዘሎ
ናይ መርዓሚ ትካላት: መዕበይ ዘኽታማት: ኤስኦኤስ ቍሸት ቈልዑ: ዩኒሴፍ: ከምኡውን ካልኦት ተመሳሰልቲ ማሕበራት ወይ ጕጅለታት ነቶም እተጐድኡ ሕጻናት ንምሕጋዝ ምጽዓረን ሰናይ ተግባር ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ ገሊኦም ሰባት ጸገም ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ከም ዘይከኣል ሓንቲ ኻብአን እውን ትኹን ኣይትስሕቶን ኢያ። ክሳዕ ክንደይ ድሌት ይሃልወን ብዘየገድስ ንስንኵል ቈልዓ ጥዑይ መሓዉር ክገብራሉ: ነቲ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ከጥዕያ: ምስቶም እተፈላለዩ ወይ እተፋትሑ ወለዱ ከም ዝራኸብ ክገብራ: ወይ ኣብ ሕቝፊ ናይቲ ዘፍቅሮ ዝሞተ ወላዲኡ ከም ዝህሉ ኽገብራ ኣይክእላን ኢየን።
ሰባት ዝገበሩ እንተገበሩ: ንግድላት ቈልዑ ዝኸውን እቲ ልክዕ መፍትሒ ኸምጽኡ ኣይክእሉን ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዚ ግድላት እዚ ኽፍታሕ ኢዩ! እወ: ምናልባት ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ቐልጢፉ ክፍታሕ ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ ኢዩ ግን ዝፍታሕ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ጥሪ-መጋቢት 2001 ሕታም ንቕሑ! ካብ ገጽ 15-21 ርአ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ቈልዓ ፍቕሪ ናይ ክልቲኦም ወለዱ ክረክብ የድልዮን ይግብኦን