ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/7 ገጽ 10-12
  • ንምሸቱ ዝርከብ መፍትሒ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምሸቱ ዝርከብ መፍትሒ!
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገለ ኽፋል ናይቲ መፍትሒ ወለዲ ኽገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም
  • እታ መለኮታዊት መንግስቲ ምሉእ ፍታሕ ኸተምጽእ ኢያ
  • ቈልዑ ተደለይቲ ምዃኖም ክግንዘቡን ክፍቀሩን መሰል ኣለዎም
    ንቕሑ!—2001
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ደቅኹም ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃርዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣቱም ወለዲ: ንስድራቤትኩም ሕለዩሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2001
g01 8/7 ገጽ 10-12

ንምሸቱ ዝርከብ መፍትሒ!

ሓንቲ ነፍሲ ወከፎም ብሓቂ ተደለይቲ ምዃኖም ዝግንዘቡላን ዝፍቀሩላን ቈልዑ ዝነብሩላ: ነቲ ቘልዓ ድማ ዝበለጸ መምርሕን ሓገዝን ንኽህብዎ ዓሚቝ ተገዳስነት ዘለዎም ሓለይትን ፈቃራትን ወለዲ ዝርከብዋ ዓለም ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ዘለዎ ዀይኑ ዝነብረላ: ግዳም ሓደር ቈልዑ ዘይረኣዩላ: ቈልዑ ብሰንኪ ስእነት ኣብ ሸቕሊ ብምእታዎም ዘጋጥም ምዝመዛ ዘይብላ ዓለም እስከ ኣብ ኣእምሮኻ ሰኣል!

እዝስ ባህ ዘብልዶ ኢዩ፧ እወ: ከመይ ደኣ። ዝእመንዶኸ ኢዩ፧ እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይኣምንዎ ኢዮም: ነዚ ድማ ኽልተ ምኽንያታት ኣለዎም።

ገለ ኽፋል ናይቲ መፍትሒ ወለዲ ኽገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም

ንገለ ኻብቲ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ሽግራት ዓበይቲ ኽፈትሕዎ: አረ ክከላኸልዎ እውን ከም ዝኽእሉ ብርግጽ ትሰማምዓሉ ኢኻ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ግን ዓበይቲ ንኽገብርዎ ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። እወ: ሓደ ኻብቲ መፍትሒ ናይቲ ግድላት ምስ ወለዲ ኢዩ ዘሎ።

ንኣብነት: እቶም ነቲ “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ . . . ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ” ዝብል ምኽሪ ዝስዕቡ ዓበይቲ: ደቆም ኣብ ሓንቲ ብምፍልላይ ወይ ብፍትሕ እተበታተነት ስድራቤት ብምንባሮም ኣይሳቐዩን ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:​10, 11

እቶም ‘ብጓይላን መስተን ዘይኰነስ ብቕንዕና ዝመላለሱ’ ዓበይቲ: ደቆም ብሰንኪ ስኽራን ወይ ወልፊ ሓሽሽ ዝመጽእ ስቓይ ኣይከጋጥሞምን ኢዩ።​—⁠ሮሜ 13:13፣ ኤፌሶን 5:⁠18

ነቲ ‘ካብ ምንዝርና ርሓቑ’ ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዓበይቲ ነቲ ንውሉዳቶም ምናልባት ምስ ንጽል ወላዲ ብምንባር ክመጽእ ዝኽእል ዘይድለዩ ዀይኑ ከም ዝስምዖም ዝገብሮም ነገራት ይኣልይዎ ኢዮም።​—⁠1 ተሰሎንቄ 4:3፣ ማቴዎስ 19:⁠9

እቶም ነቲ “ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ‘ውሉዳቶም ዘፍቅሩ’ ዓበይቲ: ንደቆም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ኣየጋጥሞምን ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 3:21፣ ቲቶስ 2:​4-5

ንምጥቕላል: ኵሎም ዓበይቲ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ንዝብል የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ክስዕቡ ፍቓደኛታት ነይሮም እንተ ዝዀኑ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዘይድለዩን ዘይፍቀሩን ቈልዑ ምሃለዉዶ፧​—⁠ማቴዎስ 7:⁠12

እቲ ዘሐጕስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኽገብርዎ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብዙሓት ዓበይቲ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኽገብርዎ ድሌት ዘለዎም ኵሎም ወለዲ ስለ ዘይኰኑ እቲ ሽግር ይቕጽል ኣሎ። እቶም ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነገራት ክገብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ወለዲ እውን ከይተረፈ እቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝበዝሕ ግዜ ብሰንኪ ዘይፍጽምናን ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀነ ዅነታትን ይተዓናቐፍ ኢዩ። ሰባት ነቲ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ሽግራት ብኸፊሉ ክፈትሕዎ ይኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ምሉእ ብምሉእ ክፈትሕዎ ግን ኣይክእሉን ኢዮም።

እታ መለኮታዊት መንግስቲ ምሉእ ፍታሕ ኸተምጽእ ኢያ

ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ጆን ራስኪን “እቲ ቐንዲ ስራሕ ናይ ሓንቲ መንግስቲ ንነፍሲ ወከፍ እተወልደ ቘልዓ ኣብቲ ባዕሉ ዝውስነሉ ዕድመ ክሳዕ ዝበጽሕ ግቡእ ገዛ: ክዳን: መግቢ: ከምኡውን ትምህርቲ ምርካቡን ዘይምርካቡን ምርግጋጽ ኢዩ” ዝብል ተሪር እምነት ኣለዎ። “ነዚ ንምትግባር ግን እታ መንግስቲ ነዚ ሕጂ ኽትመልኮ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ህዝቢ ኽትቈጻጸሮ ኽትክእል ኣለዋ” ብምባል ተኣሚኑ ኢዩ።

ነቲ ራስኪን እተዛረበሉ ኽትገብር እትኽእል መንግስቲ ግን መለኮታዊ ደገፍ ዘለዋ መንግስቲ ጥራይ ኢያ። እታ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:⁠9, 10 ተዛሪቡላ ዘሎ መንግስቲ ድማ ኸምዚ ኽትገብር እትኽእል ዓይነት መንግስቲ ኢያ። እዛ ኣምላኽ ዘቘማ መንግስቲ እዚኣ ንዅሉ ጕዳያት ምድሪ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽራ ምስ ኣእተወቶ ንዅሎም ሰባት ግቡእ ኣባይቲ: ክዳውንቲ: መግቢ: ከምኡውን ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ ኽትገብሮም ኢያ። (ኢሳይያስ 65:⁠17-25) እዛ ፍጽምቲ መንግስቲ እዚኣ ግን ካብዚ ዝዓቢ ነገራት እውን ክትገብር ኢያ።

መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣብ ፍጹም ዅነታት ክትመልሶም ኢያ: እዚ ድማ ፍጹም ብዝዀነ ኣገባብ ቈልዑ ንኸዕብዩ ክሕግዞም ኢዩ። (እዮብ 33:⁠24-26) ቈልዑ ብናይ ሰላምን ኣድማሳዊ ሕውነትን መንፈስ ክዓብዩ ኢዮም። እዚ ድማ እቲ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት “ኣዋጅ መሰላት ቈልዓ” ተገሊጹ ዘሎ ኢዩ። (መዝሙር 46:⁠8, 9) ሽዑ ኣህጉራዊ ዓመት ቈልዓ ተባሂሉ ዝጥቀስ ወይ ብዛዕባ መሰላት ቈልዓ ስምምዓት ምግባር ፈጺሙ ኣይከድልን ኢዩ።

ንወለድን ስንኩላን ቈልዑን ፍጹም ዝዀነ ጥዕና ከም ዝረኽቡ ምግባር ነቲ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ቀሊል ኢዩ። እቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝፈጸሞ ናይ ምሕዋይ ትእምርቲ ውሕስነት ዝዀነና ኢዩ። (ሉቃስ 6:​17-​19፣ ዮሃንስ 5:​3-9፣ 9:​1-7) ንዝሞቱ ቘልዑን ወለድን ምትንሳእ እውን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣይኰነን!​—⁠ማቴዎስ 9:⁠18-25

ኣምላኽ ሽግራት ቈልዑ ንምፍታሕ ስጕምቲ ዝወስደሉ እዋን ኣዝዩ ከም ዝቐረበ ምፍላጥሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘሐጕስ ነገር ኰን ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንመንእሰያት ዝኸውን ሓገዝ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንእሰያት ግድላቶም ንኽፈትሑ ክሕግዝዎምን ነቲ ኽፍታሕ ዘይክእል ዝመስል ግድላት ብዓወት ንኽዋጽእሉ ዝኽእሉ መገዲ ንኸርእይዎምን ዓሚቝ ተገዳስነት ኣለዎም። ስለዚ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንመንእሰያት​—⁠ነቶም ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዘይበጽሑን ኰተቴን⁠—​ዝሕግዝ እተፈላለየ ጽሑፋት ሓቲሞም ኢዮም። እዚ ከም መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፣ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን (እንግሊዝኛ) ዝብል ጽሑፋት ከምኡውን ያንግ ፒፕል ኣስክ​—⁠ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቪድዮ ካሴትን ይርከቦ። እዚ ኻብቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ሓተምቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ብምጽሓፍ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታውያን ኰይኖም እቲ ንደቆም ዘጋጥሞም ሽግራት ምስ ውሉዳቶም ኰይኖም ስለ ዝዘራረቡሉ ዝድለዩን ዝፍቀሩን ምዃኖም ደቆም ከም ዝፈልጡ ይገብሩ ኢዮም። ዝበዝሕ ግዜ ወለዲ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መጽናዕቲ ሓገዛት ተጠቒሞም ቀጻልን ስርዓታውን ዝዀነ ምልምማድ ዝህብሉ ፕሮግራም ኣለዎም። ምናልባት ንስኻ እውን ምስ ደቅኻ ተመሳሳሊ መስርሕ ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ