መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ወለደይ ምስ ኣወዳት ክትቋጸሪ ኣይኣኸልክን ምስ ዝብሉንኸ፧
“ማማ: ድሕሪት ኢኺ ዘሎኺ። ሕጂ እኳ ኣብ 50ታት ኣይኰንናን ዘሎና። ኵለን ኢየን ምስ ኣወዳት ተቛጺረን ዘዕልላ! ኣነ ኸኣ ቘልዓ ኣይኰንኩን።”—ጓል 16 ዓመት ጃኒa
ምስ ኣንጻር ጾታ ኽትቋጸር ጌና ኢኻ ዘሎኻ ተባሂልካ ኽትክላእ ብሓቂ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ። ሓደ መንእሰይ “ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ብምግባር ነቦይን ነደይን ክእዘዞም ኢየ ዝደሊ” ይብል እሞ ቐጺሉ ኸኣ “ዝገብርዎ ዘለዉ ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን። ከመይ ገይረ ከም ዘዛርቦም እኳ ኣይፈልጥን ኢየ” በለ። ከምዚ ነዚ መንእሰይ እዚ እተሰምዖ ወለድኻ ምኽንያታውያን ዘይኰኑን ስምዒትካ ዘይርድኡን ገይርካ ትወስዶም ትኸውን። ምናልባት ብሓቂ እትፈትዋ (እትፈትውዮ) ሰብ ስለ ዝረኸብካ ኣጸቢቕካ ክትፈልጣ ትደሊ ትኸውን። ወይ ድማ ምስ ኣንጻር ጾታ ብምቍጻር ኣብ መዛኑኻ ጽቡቕ ተቐባልነት ንኽትረክብ ዝሕግዝ ገይርካ ትወስዶ ትኸውን። ሚሸል “ጸቕጢ ኣሎ” ትብል እሞ ወሲኻ ድማ “ምስ ኣንጻር ጾታ ዘይትቋጸር እንተድኣ ዄንካ መማህርትኻ ስግንጢር ገይሮም ኢዮም ዝርእዩኻ” ትብል።
ሓንቲ ኣማኻሪት ስድራቤት ብዛዕባ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር “ወለዲ ኣዝዮም ዘይምኽንያታውያን ኢዮም እትብለሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን” በለት። ወለድኻ ዘይምኽንያታውያን መሲሎም ስለ እተረኣዩኻ ጥራይ: ብሓቂ ዘይምኽንያታውያን ኢዮም ማለት ድዩ፧ ክምህሩኻ: ከለማምዱኻ: ከዕቝቡኻ: ከምኡውን ክመርሑኻ ኣምላኽ ሓላፍነት ሂብዎም ኢዩ። (ዘዳግም 6:6, 7) ወለድኻ ብዛዕባ ድሕንነትካ መሰረት ዘለዎ ሻቕሎት ስለ ዘለዎምዶ ኢዩ፧ ሓንቲ ወላዲት “ሓደጋ ከንጸላሉ ይረኣየኒ” ምስ በለት ቀጺላ “ብሓቂ ዘስግእ ኢዩ” ትብል። እንተዀነ ግን: ብንእሽቶኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ንብዙሓት ወለዲ ዘሻቕሎም ስለምንታይ ኢዩ፧
ሓደገኛ ስምዒታት
ሓንቲ ቤት እትበሃል ጓል 14 ዓመት “ወለደይ ንሓደ ሰብ ምፍታው ሓደገኛ ኢዩ ዝብል ስምዒት ዘለዎም ኰይኑ ኢዩ ዝረኣየኒ” ብምባል ኣጕረምረመት። እንተዀነ ግን: ወለድኻ ክርስትያናት እንተድኣ ዀይኖም ኣምላኽ ኣንጻር ጾታ ዝፈጠረ ሓደ በቲ ሓደ ንኽማረኹ ኢሉ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። (ዘፍጥረት 2:18-23) እዚ ባህርያዊ: ምስቲ ‘ንምድሪ ምልእዋ’ ዝብል ዕላማ ፈጣሪና ኸኣ ዝሰማማዕ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም።—ዘፍጥረት 1:28
ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ግዜ ‘ብጽሕና’ ጾታዊ ስምዒት ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ወለድኻ ይርድኦም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:36) ነዚ ስምዒታት እዚ ኣብ ምቍጽጻር ብዙሕ ተመክሮ ከም ዘይብልካ ድማ ይፈልጡ ኢዮም። ይኹን እምበር ብኣካል: ብተሌፎን: ወይ እውን ብደብዳበ ይኹን ብኢ-መይል ምስ ኣንጻር ጾታ ብምዕላል ነዊሕ ግዜ ተሕልፍ እንተድኣ ዄንካ እቲ ምምራኽ ዝያዳ ኢዩ ዝብርትዕ። ‘እንታይ ሕማቕ እሞ ኣለዎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዚ ስምዒታት እዚ ኸተዕግበሉ እትኽእል እንታይ ግቡእ መገዲ ኢዩ እሞ ዘሎካ፧ ነዚ ስምዒታት እዚ ናብቲ ቅቡል ዝዀነ መደምደምታኡ ማለት መርዓ ኸተብጽሖ ትኽእልዶ ኢኻ፧ ዘይመስል ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር ብንእሽቶኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ኽትቋጸር ምጅማር ከቢድ ሓደጋ ኢዩ ዘለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብዶ ሓዊ ሐቚፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፧” ብምባል የጠንቅቕ። (ምሳሌ 6:27) ዝበዝሕ ግዜ ብንእሽቶኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ኽትቋጸር ምጅማር ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ናብ ምፍጻም ዝመርሕ ኢዩ። እዚ ድማ ቅድሚ መርዓ ምጥናስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:4-6) ንኣብነት: ታሚ እተባህለት መንእሰይ ወለዳ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ምስ ከልከልዋ ጨቈንቲ ገይራ ረኣየቶም። ስለዚ ድማ ተሓቢኣ ምስ ሓደ ወዲ ቤት ትምህርታ ተቛጺራ ክትራኸብ ጀመረት። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ጠነሰት: ህይወታ ድማ ተለወጠ። “ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ከምቲ ብዙሓት ዝሓስብዎ ዘሐጕስ ኣይኰነን” ብምባል ተኣመነት።
ዘየድሊ ምቅርራብ ከይገብሩ ኣዝዮም ጥንቁቓት ምስ ዝዀኑኸ፧ ሽዑ እውን እንተዀነ ብቝልዕነትካ ከሎኻ ናይ ፍቕሪ ስምዒታትካ ክበራበረሉ ወይ ክለዓዓለሉ ዝኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ። (መሃልየ መሃልይ 2:7) ነቲ ዓመታት ጸኒሕካ ኸተውጽኦ ዝግብኣካ ድሌት ኣቐዲምካ ከተንበድብዶ ምጅማር ኣብ ተስፋ ምቝራጽን ሽግርን ጥራይ ኢዩ ዘውድቐካ።
ካልእ ኣጸቢቕካ ክትሓስበሉ ዘሎካ ኣገዳሲ ነጥብታት:- ካብ ሓደ (ሓንቲ) ናይ ሓዳር ብጻይ እንታይ ዓይነት ባህርያት ክትጽበ ከም ዘሎካ ንምፍላጥ እኹል ተመክሮ ኣሎካ ድዩ፧ (ምሳሌ 1:4) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ናይ ሓቂ ዝፍቀርን ኣኽብሮት ዝወሃቦን በዓል እንዳ (በዓልቲ እንዳ) ንምዃን ዘኽእል ባህርያትን ክእለታትን ኣጥሪኻዶ ኢኻ፧ ነባሪ ርክብ ንምዕቃብ ዝሕግዝ ናይ ሓቂ ትዕግስትን ቈራጽነትን ኣሎካዶ ኢዩ፧ ዝበዝሕ ናይ ኰተቴ ፍቕሪ ንሓጺር እዋን ጥራይ ዝጸንሕ ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን። ነባሪ ሓዳር ዝምስርቱ ውሑዳት ጥራይ ኢዮም።
ሞኒካ እተባህለት ጓል 18 ዓመት ከምዚ ብምባል ጽቡቕ ገይራ ጸሚቛ ተቕርቦ:- “ኵለን መማህርተይ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣወዳት የዕሩኽተን ዝገብርኦ ነገራት ይነግራኒ ኢየን። መብዛሕትአን ግን ገና ንኣሽቱ ኸለዋ ይምርዓዋ ወይ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ደረጃ ክሓልፋ ቅሩባት ብዘይምዃነን ሕማቕ ዝዀነ ምፍልላይ የጋጥመን ኢዩ።” ብራንደን እተባህለ መንእሰይ ድማ ኸምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ንሓንቲ ቃል ክትኣትወላ ድሉው ከም ዘይኰንካ እናፈለጥካ ምስኣ ብምቍጻርካ ግን ቃል ከም ዝኣተኻላ ምስ ዝስመዓካ ብሓቂ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ። ከይጐዳእካያ ኸመይ ኢልካ ከተቋርጾ ትኽእል፧”
ወለድኻ: ሓዳር ንምምስራት እኹል ክሳዕ እትኸውን ምስ ኣንጻር ጾታ ክትቋጸር የብልካን ክብሉኻ ኸለዉ እምበኣር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ኢዮም ከናግፉኻ ዝደልዩ ዘለዉ። ብሓቂ: ምስቲ ኣብ መክብብ 11:10 ዘሎ “ጓሂ ኻብ ልብኻ: ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቕ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ኢዮም ዝሰማምዑ ዘለዉ።
“ኣግፍሑ”
እዚ ግን ምስ ኣንጻር ጾታ ኣይትቕረብ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ስለምንታይ ርክብኩም ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ ትሓጽርዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ሕብረት: “ኣግፍሑ” ብምባል የተባብዓና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:12, 13) እዚ ንመንእሰያት ጽቡቕ ምኽሪ ኢዩ። ከምዚ እትገብረሉ ሓደ መገዲ ተሓዋዊስካ ብጕጅለ ዄንካ ምዕላል ኢዩ። ታሚ “ሓቢርካ ምዕላል ዝያዳ ሓጐስ ዘለዎ ይመስለኒ” ትብል እሞ ቀጺላ ድማ “ብዙሓት ኣዕሩኽ ክህልዉኻ ይሓይሽ” ትብል። ሞኒካ ድማ ኸምዚ ትብል:- “እዚ ብሓባር ምዕላል ዝብል ሓሳብ ብሓቂ ጽቡቕ ኢዩ: ከመይሲ እተፈላለየ ዓይነት ባህርያት ዘለዎም ሰባት ኢኻ እትርኢ: እዚ ድማ ዘይትፈልጦም ብዙሓት ዓይነት ሰባት ከም ዘለዉ ከም እትግንዘብ ዝገብር ኢዩ።”
ምስ ካልኦት መንእሰያት ኴንካ ጽቡቕ ግዜ ንኸተሕልፍ ወለድኻ እውን ምድላዋት ክገብሩልካ ይኽእሉ ኢዮም። ኣን እተባህለት ኣደ ኽልተ ቘልዑ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ገዛና ደቅና ባህ ኢልዎም ዝቕመጥሉ ቦታ ከም እትኸውን ንምግባራ ኵሉ ግዜ ኢና እንጽዕር። ኣዕሩኽቶም ናብ ገዛና ብምዕዳም ጠዓሞት ከም ዝበልዑ ገይርና ክጻወቱ ንሓድጎም። ከምዚ ስለ እንገብር ክጻወቱ ኢሎም ካብ ገዛ ኣይወጽኡን ኢዮም።”
ይኹን እምበር: ብጕጅለ ኣብ እትገብሮ ነገራት እውን እንተዀነ ናብ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣትኵሮ ኸይትገብር ጥንቃቐ የድሊ ኢዩ። ገለ መንእሰያት ምስ ካልኦት ሰባት ክሳዕ ዘለዉ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝቋጸሩ ዘለዉ ዀይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምትላል ሓሳብ ኣወግድ። (መዝሙር 36:2) ምስ ኣዕሩኽትኹም ክትራኸቡ ኸለኹም ዅሉ ግዜ ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ ትቝረኑ እንተድኣ ዄንኩም ምስ ኣንጻር ጾታ ከም ምቍጻር ኢዩ ዝሕሰብ።b ኣብቲ ምስ ኣንጻር ጾታ እትገብርዎ ዕርክነት በዚ መዳይ እዚ ምስትውዓል ኣዘውትሩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:2
ዓስቢ ምጽባይ
ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ክትጅምር ጌና ኢኻ ዘሎኻ ተባሂልካ ኽትክላእ ቀሊል ኣይኰነን። ወለድኻ ግን ጸሊኦምኻ ኣይኰኑን ዝኽልክሉኻ። ኣብ ክንድኡስ: ንኽሕግዙኻን ከዕቝቡኻን ዝከኣሎም ኵሉ ኢዮም ዝጽዕሩ። ስለዚ ኣብ ልቦናኻ ብምውካል ንምኽሮም ኣብ ክንዲ እትነጽጎ: ንምንታይ ካብ ተመክሮኦም ዘይትጥቀም፧ ንኣብነት: ድሕሪ ሕጂ ምስ ኣንጻር ጾታ ገለ ጸገም ክህልወካ ኸሎ ንምንታይ ምኽሪ ንምርካብ ዘይትሓቶም፧ ምሳሌ 28:26 “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ” ዝብል መዘኻኸሪ ትህበና። ኮኒ እትበሃል መንእሰይ ከምዚ ትብል:- “ሓደ ወዲ ተቛጺርና ንኸነዕልል ብተደጋጋሚ ምስ ዘሸግረኒ ንማማ ኢየ ዝነግራ። ንሳ ኸኣ ቅድሚ ሕጂ ንመሓዙታን ካልኦት ኣባላት ስድራቤታን ዘጋጠመን ተመክሮ ትነግረኒ። እዚውን ብሓቂ ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ቅድሚ ምጅማርካ ንግዜኡ ምጽባይ ንስምዒታዊ ዕቤትካ ኣይዓግቶን ኢዩ ወይ ንናጽነትካ ኣይድርቶን ኢዩ። ንወረዘን (ኮርትሺፕ) ሓዳርን ገና ስለ ዘይኣኸልካ ‘ብንእስነትካ ባህ ክብለካ’ ናጽነት ኣሎካ። (መክብብ 11:9) ምጽባይ ባህርያትካ ንኸተማዕብል: ንኽትበስል: ልዕሊ ዅሉ ድማ መንፈሳዊ ንምዃን ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ ኢዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:26, 27) ከምቲ ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ዝበሎ “ንዝዀነ ይኹን ሰብ ቃል ቅድሚ ምእታውካ ንየሆዋ ቃል ክትኣትወሉ ኣሎካ።”
እናዓበኻ ምስ ከድካ: ዕቤትካ ድማ ካልኦት ከስተብህልሉ ምስ ጀመሩ ወለድኻ ኣባኻ ዘለዎም ኣረኣእያ ክቕይሩ ክጅምሩ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ምስ ኣንጻር ጾታ ክትቋጸር ብሓቂ ድሉው ምስ ኰንካ ድማ ብሓገዝ ወለድኻ ክትገብሮ ከም እትኽእል ርግጽ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
b ተወሳኺ ሓሳብ ንምርካብ ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 232-3 ርአ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ኣንጻር ጾታ ፍሉይ ርክብ ምግባር . . .
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
. . . ዝበዝሕ ግዜ ናይ ምፍቃር ስምዒት ዘለዓዕል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ንሓደ ሰብ ጥራይ ተገዳስነት ኣብ ክንዲ ምርኣይ: ዕርክነትካ ኣስፍሕ