ምዕራፍ 2
ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧
ጀሲካ ኣብ መዋጥር እያ ኣትያ። ጀረሚ ዚበሃል ወዲ ኽፍላ ዓይኑ ኼውድቐላ ምስ ጀመረ እዩ እቲ ጸገም ተጀሚሩ። ብዛዕባኡ ኽትዛረብ ከላ፡ “ኣዝዩ መልክዐኛ እዩ፡ ካብ ዝረኽቦም ኵሎም ኣወዳት ንላዕሊ እሩም ምዃኑ ድማ መሓዙተይ ነገራኒ። ገሊአን ኣዋልድ ምስኡ ዕርክነት ኪጅምራ ፈቲነን ነይረን፡ ንሱ ግን ኣይደለየንን። ንዓይ ጥራይ እዩ ዚፈቱ ነይሩ” በለት።
ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጀረሚ ንጀሲካ ዓርኩ ኽትኰኖ ሓተታ። ጀሲካ ኸኣ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነት፡ ካብ እምነታ ወጻኢ ዓርኪ ኸም ዘይትሕዝ ነገረቶ። ብዛዕባ እቲ ስዒቡ ዝዀነ ነገር ክትገልጽ ከላ፡ “ጀረሚ ግን ሓደ ሓሳብ ኣምጽአ። ‘ወለድኺ ኸይፈለጡ ብሕቡእ ንምንታይ ዘይንተዓራረኽ፧’ ኢሉ ሓተተኒ” በለት።
ሓደ ዚማርኸካ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ እንተ ዜቕርብ፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ጀሲካ ነቲ ጀረሚ ዘቕረበላ ሓሳብ ከም እተቐበለቶ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። “ዓርኩ እንተ ዀይነ፡ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅር ክገብሮ ኸም ዝኽእል እኣመን ነበርኩ” በለት። ኣብ መወዳእታኡኸ እንታይ ኰነ፧ ነዚ ጸኒሕና ኽንምለሶ ኢና። ፈለማ ግን፡ ገሊኦም በዚ ብሕቡእ ዓርኪ ናይ ምሓዝ መፈንጠራ ብኸመይ ከም እተታሕዙ እስከ ንርአ።
ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚገብሩ
ገሊኦም ብሕቡእ ዓርኪ ዚሕዙ ስለምንታይ እዮም፧ ዳዊት ዝስሙ መንእሰይ፡ “ወለዶም ከም ዘይፈቕዱሎም ስለ ዚፈልጡ፡ ኣይነግርዎምን” በለ። ጄን ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ካልእ ምኽንያት ጠቒሳ ኣላ፦ “ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝ ብርእስኻ ኸም እትምራሕ እተርእየሉ ነገር እዩ። ከም ዓብዪ ሰብ ገይሮም ከም ዘይሕዙኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንወለድኻ ኸይነገርካ፡ ቃሕ ዝበለካ እናገበርካ ኽትነብር ትውስን።”
ገሊኦም ብሕቡእ ዓርኪ ንኺሕዙ ዚፍተኑሉ ኻልእ ምኽንያታት ትፈልጥዶ፧ እንተ ፈሊጥካ ኣብዚ ዘርዝሮ።
․․․․․
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንወለድኻ ኽትእዘዞም ከም ዚእዝዘካ ኣይትስሕቶን ኢኻ። (ኤፌሶን 6:1) ወለድኻ ዓርኪ ኸይትሕዝ እንተ ኸልኪሎምኻ፡ ከምኡ ዝገበሩሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኪህልዎም ኣለዎ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ዚስዕብ ሓሳባት እንተ መጺኡካ ኽትግረም የብልካን፦
● ብዘይካይ ኵሉ ሰብ ዓርኪ ሒዙ ስለ ዘሎ፡ ድሕሪት ዝተረፍኩ ዀይኑ ይስምዓኒ።
● ብሓደ ኸም ናተይ ዓይነት እምነት ዘይብሉ ሰብ ተማሪኸ።
● ንኽምርዖ ዕድመይ ዘይኣኸለ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሓደ ክርስትያን ከም ዓርኪ ኺሕዝ እደሊ።
ወለድኻ ብዛዕባ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት እንታይ ከም ዚብሉ ኣይትስሕቶን ትኸውን። ሓቆም ምዃኖም ድማ ልብኻ ይፈልጦ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምታ ማናሚ እትበሃል ጓል ይስምዓካ ይኸውን፣ ንሳ ኸምዚ ኢላ ስምዒታ ገለጸት፦ “ዓርኪ ንኽትሕዝ ዚወርደካ ጸቕጢ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝዀነ፡ ሓድሓደ ግዜ ንመትከለይ እጠራጠሮ እየ። ሎሚ ንዘለዉ መንእሰያት ዓርኪ ኸይሓዝካ ምንባር ዘይሕሰብ እዩ። በይንኻ ምዃን ከኣ ኬፍ የብሉን!” ገሊኦም ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለዉ ሰባት፡ ካብ ወለዶም ተሓቢኦም ዓርኪ ሒዞም እዮም። ብኸመይ፧
“ብምስጢር ክንሕዞ ተነጊሩና”
“ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝ” ዚብል ቃላት ንባዕሉ፡ እተወሰነ ምትላል ከም ዘለዎ ዚእምት እዩ፡ ብሓቂ ድማ እቲ ተግባር ምትላል ኣለዎ። ገሊኦም ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ብምዝርራብ፡ ብሕቡእ ዓርኪ ይሕዙ። ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሕውነታዊ ዕርክነት ጥራይ ዘለዎም ይመስሉ፡ ኢ-መይልን ተሌፎንን ብሞባይል ዚለኣኽ መልእኽትታትን ሕዝ ምስ ኣበሉ ግን ካልእ ሰብ ይዀኑ።
ካልእ ንምትላል ዚዝውተር ስልቲ ኸኣ፡ ብጕጅለ መደባት ድሕሪ ምውጻእ፡ እቶም እተዓራረኹ ጽምዲ ጸኒሖም ፍንትት ይብሉ። ብዛዕባ እዚ ጄምስ፡ “ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ኽንራኸብ ብጕጅለ ተዓደምና፡ ጸኒሑ ኸም እተረድኣና ግን እዚ ዅሉ እተገብረ ኣብታ ጕጅለ ዝነበሩ ወድን ጓልን ብሓባር ንኪዀኑ ተባሂሉ እዩ። ብምስጢር ክንሕዞ ተነጊሩና” በለ።
ብዙሕ ግዜ፡ ከምቲ ጄምስ ዝሓበሮ፡ ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝ ብምትሕብባር ፈተውቲ እዩ ዚግበር። ካሮል፡ “መብዛሕትኡ ግዜ እንተ ወሓደ፡ ሓንቲ ኻብ መሓዙትካ ብዛዕባ እቲ ነገር ትፈልጥ እያ፣ ‘ኣይትንገር’ ስለ ዚበሃል ግን ብጩቝ ዚብል የለን” በለት። ሓድሓደ ግዜ ንጹር ምትላል ይግበር እዩ። በት እትበሃል ጓል 17 ዓመት ጐርዞ፡ “ብዙሓት ናበይ ከም ዚኸዱ ንወለዶም ብምሕሳው፡ ብሕቡእ ዓርኪ ይሕዙ” በለት። ሚሳኪ እትበሃል ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ከምኡ እያ ገይራ። “ንወለደይ ዝነግሮም ነገራት ተጠንቂቐ ኽምህዞ ነይሩኒ። ኪጥርጥሩ ምእንቲ ኸይጅምሩ፡ ምስቲ ዝሓዝክዎ ዕርክነት እተተሓሓዘ እንተ ዘይኰይኑ ኣይሕሱን እየ ነይረ” በለት።
ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝ ዜምጽኦ ሓደጋታት
ብሕቡእ ዓርኪ ኽትሕዝ እንተ ተፈቲንካ፡ ወይ ከምኡ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ ንርእስኻ ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ሕቶታት ክትሓታ ኣሎካ፦
እዚ መገዲ እዚ ናበይ እዩ ኺመርሓኒ፧ ነቲ ሰብ እቲ ኣብ ቀረባ ኽትምርዓዎ ሓሊንካዶ ኣለኻ፧ ኢቫን ዚበሃል ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ “ክትምርዖ ኸይሓለንካ ዓርኪ ምሓዝ፡ ዘይትሸጦ ነገር ምውዕዋዕ እዩ” በለ። እዚ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ ምሳሌ 13:12፡ “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ትብል። እሞኸ ንኻልእ ሰብ ልቡ ኸተማህምኖ ትደሊዶ፧ ካልእ ክትጥንቀቐሉ ዚግብኣካ ኸኣ፡ ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝ፡ ካብ ወለድኻን ካልኦት ዚምልከቶም ዓበይቲ ሰባትን ሓገዝ ከም ዘይትረክብ ዚገብረካ ምዃኑ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ መፈንጠራ ጾታዊ ርኽሰት ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ።—ገላትያ 6:7
ብዛዕባ እዚ ዝገብሮ ዘለኹ የሆዋ ኣምላኽ ከመይ ይስምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ” ይብል። (እብራውያን 4:13) ስለዚ፡ ብሕቡእ ዓርኪ እንተ ሒዝካ ወይ ፈታዊኻ ዓርኪ ንኺሕዝ እንተ ተሓባቢርካ፡ የሆዋ ነዚ ይፈልጦ እዩ። ከተታልል እንተ ጀሚርካ ኸኣ፡ እዚ ኼተሓሳስበካ ኣለዎ። የሆዋ ኣምላኽ ሓሶት ይጸልእ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓሳዊት መልሓስ” ሓንቲ ኻብተን ንሱ ዚፍንፍነን ኰይና ብንጹር ተጠቒሳ ኣላ።—ምሳሌ 6:16-19
ነቲ ምስጢር ምቕላዑ
ብዛዕባ እቲ ብሕቡእ ዝነበረካ ርክብ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ ሓደ ብሱል ክርስትያን እንተ ተዘራሪብካሉ፡ ክትጥቀም ኢኻ። ፈታዊኻ ብሕቡእ ዓርኪ እንተ ሒዙ ኸኣ፡ ክትሓባብኣሉ ብምፍታን ኣብቲ ጕዳይ ኢድካ ኣይተእቱ። (1 ጢሞቴዎስ 5:22) እቲ ርክቡ ጐዳኢ ሳዕቤን እንተ ኣስዒቡሉ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ብእተወሰነ ተሓታቲ ኣይምዀንካዶ፧
ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ ሓደ ፈታዊኻ ሕማም ሽኮርያ ኣለዎ ንበል። ግናኸ ብሕቡእ ምቁር ነገራት ይበልዕ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጥካ፡ እቲ ፈታዊኻ ንኻልእ ከይትነግረሉ እንተ ለሚኑካ እንታይ ምገበርካ፧ ልዕሊ ዅሉ ዜተሓሳስበካ፡ ንፈታዊኻ ምስጢሩ ኽትሓብኣሉ ድዩ ወይስ ንህይወቱ ኼድሕኖ ዚኽእል ስጕምቲ ምውሳድ፧
እትፈልጦ ሰብ ብሕቡእ ዓርኪ ሒዙ ኸም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ እውን፡ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዜጋጥመካ። ተባቲኽኩም ከይትተርፉ ኣይትጨነቕ። ናይ ሓቂ ፈታዊ እንተ ዀይኑ፡ ንጥቕሙ ኢልካ ስጕምቲ ኸም ዝወሰድካ ኺርዳእ እዩ።—መዝሙር 141:5
ኣብ መንጎ ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝን ውልቃዊ ጕዳይ ስቱር ምግባርን ዘሎ ፍልልይ
ልክዕ እዩ፡ ኵሉ እቲ ዓርኪ ምስ ምሓዝ ዚተኣሳሰር ብምስጢር ዚግበር ነገራት፡ ምትላል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ኣጸቢቖም ኪፋለጡ ደለዩ ንበል፣ ንግዜኡ ግን ነቲ ርክቦም ብግህዶ ኺገብርዎ ኣይደለዩን። ምናልባት ከምቲ ቶማስ ዚበሃል መንእሰይ ዝበሎ፡ “‘መዓስ ደኣ ኢኻ እትምርዖ፧’ ብዚብል ሕቶታት፡ ሰብ ላሕ ኬብሎም ኣይደልዩን ይዀኑ።”
ካልኦት ዜውርድዎ ዘይግቡእ ጸቕጢ፡ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መሃልየ መሃልይ 2:7) ስለዚ፡ ኣብ መጀመርታ ገሊኦም ንርክቦም ብስቱር ኪገብርዎ ይደልዩ። (ምሳሌ 10:19) ኣና እትበሃል ጓል 20 ዓመት መንእሰይ፡ “እዚ ነቶም ክልተ ሰባት፡ ነቲ ርክቦም ብርዝነት ኪሕዝዎ እንተ ዀይኖም ንኺውስኑ ግዜ ይህቦም። ኣርዚኖም ዚርእይዎ እንተ ዀይኖም፡ ድሕሪኡ ንሰባት የፍልጡ” በለት።
ይኹን እምበር፡ ነቲ ርክብካ ኻብ ወለድኻ፡ ካብ ወለዲ እቲ ኸም ዓርኪ ዝሓዝካዮ ሰብ፡ ወይ ካብ ካልኦት ዚምልከቶም ሰባት ክትሓብእ ጌጋ እዩ። ብዛዕባ ዓርኪ ምሓዝ ትሓብእ እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እትገብር ንርእስኻ ሕተት። ወለድኻ ንኺቃወሙኻ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎም ልብኻ ይፈልጥ ድዩ፧
“እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ”
እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ጀሲካ፡ ንኻልእ ክርስትያን ብዛዕባ ዘጋጠማ ተመሳሳሊ ዅነታት ምስ ሰምዐት፡ ብሕቡእ ምስ ጀረሚ ብዛዕባ ዝነበራ ዕርክነት ኣረኣእያኣ ቐየረት። “ብኸመይ ነቲ ርክባ ኸም ዘቋረጸቶ ምስ ሰማዕኩ፡ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ” በለት። ምስኡ ምፍልላይ ቀሊልዶ ነይሩ፧ ኣይነበረን! “ነዚ ወዲ ጥራይ እየ ብሓቂ ዝፈትዎ ነይረ። ንእተወሰነ ሰሙናት መዓልታዊ እበኪ ነበርኩ” በለት።
ኰይኑ ግን፡ ጀሲካ ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮ ትፈልጥ ነይራ። መገዳ እኳ እንተ ሰሓተት፡ ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ግን ብሓቂ ድሌት ነበራ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ምስኡ ብምፍልላያ እተሰምዓ ጓሂ እናነከየ ኸደ። “ሕጂ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ካብ ቅድም ዝሓሸ እዩ። ኣብ ግዜኡ ዜድልየና መምርሒ ዚህበና ምዃኑ ብዙሕ እየ ዘመስግነሉ!” በለት።
ዓርኪ ንምሓዝ ተዳሊኻ ኢኻ፡ እትፈትዎ ሰብ ድማ ረኺብካ። እቲ ሰብ እቲ ዚዀነካ እንተ ዀይኑ ግን ብኸመይ ትፈልጥ፧
ቀንዲ ጥቕሲ
“ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት፡” NW] ክንነብር እናደሌና።”—እብራውያን 13:18
ምኽሪ
ብዛዕባ ርክብካ ንብዓለሙ ኽትነግር ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ነቶም ኪፈልጡ ዚግብኦም ግን ኣፍልጦም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወለድኻን ወለዲ መጻምድትኻን ገለ ኻብቶም ኪፈልጡ ዘለዎም ሰባት እዮም።
ትፈልጥዶ፧
ነባሪ ርክባት ኣብ እምነት እተመስረተ እዩ። ብሕቡእ ዓርኪ ምሓዝ ነቲ ወለድኻ ኣባኻ ዝነበሮም እምነት ዜፍርስን ንመሰረት እቲ ምስቲ ኣንጻር ጾታ ዘሎካ ዕርክነት ዜዳኽምን እዩ።
መደባተይ
ንሓደ ክርስትያን ብሕቡእ ከም ዓርኪ እንተ ሒዘ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ፈታውየይ ብሕቡእ ዓርኪ እንተ ሒዙ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ነቲ ኣብ ገጽ 22 ብድሙቕ ፊደላት ተጻሒፉ ዘሎ ሰለስተ ዅነታት ምልስ ኢልካ ርኣዮ። ካብዚ ንስምዒትካ ዚገልጽ ኣየናይ እዩ፧
● ብሕቡእ ዓርኪ ኸይሓዝካ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ክትፈትሖ ትኽእል፧
● ፈታዊኻ ብሕቡእ ዓርኪ ሒዙ ኸም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ፡ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ምሓዝካዮ፧ ከምኡ እትገብርከ ስለምንታይ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ብሕቡእ ዝነበረኒ ዕርክነት ኣቋረጽኩ። ልክዕ እዩ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸይደ ነቲ ወዲ መዓልታዊ ኽርእዮ ኸለኹ ይኸብደኒ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ንሕና ዘይንርእዮ ሳዕቤናት፡ የሆዋ ኣምላኽ ይርኢ እዩ። ንየሆዋ ኽንኣምኖ ጥራይ እዩ ዘሎና።’’—ጀሲካ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ብሕቡእ ዓርኪ ንዚሕዝ ፈታዊኻ ኽትሓብኣሉ ምፍታን፡ ከም ንሓደ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎ እሞ ብሕቡእ ምቁር ምግቢ ዚበልዕ ሰብ ክትሓብኣሉ ምፍታን እዩ