ዓለምለኻዊ ለበዳ ጽልኢ
ጽልኢ ዝበሃል ኣዝዩ ግናይ ባህርይ ቀይዲ በተኽ ኰይኑ ኣብ ምልእቲ ዓለም የስፋሕፍሕ ኣሎ።
ኣብ ሃገራት ባልካን እትርከብ ሓንቲ ኣውራጃ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዘጋጠማ ወፍሪ ዓሌታዊ ምጽራይ ኣብ ስቓይ ትርከብ ኣላ። እቲ ንዘመናት ተደጒሉ ዝጸንሐ ጽልኢ ጃምላዊ ምጽናት: ጾታዊ ዓመጽ: ስደት: ኣባይትን ኣቝሻትን እናንደድካ ምዝማት: ኣእካልን ጥሪትን ምብራስ: ጥሜት ዝኣመሰለ ዕንወት ኣስዒቡ ኢዩ። እተቐብረ ነተጕቲ እውን ገና ኣብ ፈቐድኡ ኢዩ ተዘርጊሑ ዘሎ።
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ኣብ እትርከብ ምብራቕ ቲሞር 700,000 ሰባት ቅትለትን ማህረምትን ጃምላዊ ምርሻንን ከምኡውን ምብራርን ስለ ዘርዓዶም ክሃድሙ ተገዲዶም ኢዮም። እቲ ሓዲጐሞ ዝወጹ መሬት እውን ብወረርቲ ሚሊሽያ በሪሱ ኢዩ። ሓደ ኻብቶም ግዳያት “ካብ ዝህደን እንስሳ ዝሓይሽ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን” በለ።
ኣብ ሞስኮ ግብረ-ሽበራውያን ብዘጻወድዎ ቦምብ ሓደ ህንጻ ዓነወ። ገለ ቈልዑ ዝርከብዎም 94 ንጹሃት ሰባት በቲ ነታጒ ተቘራሪጾም ኢዮም። ልዕሊ 150 ድማ ቈሰሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘርዕድ ኵነታት ድሕሪ ምፍጻሙ ሰባት ‘ቀጺሉ ንመን ኰን ኢዩ ዝበጽሖ፧’ ኢሎም ኢዮም ዝጭነቑ።
ኣብ ሎስ ኣንጀለስ: ካሊፎርንያ: ሓደ ናይ ዓሌት ጽልኢ ዝነበሮ ኣብ መዋእለ ህጻናት ንዝርከቡ ኣይሁዳውያን ቈልዑ ረሸኖም። ጸኒሑ ድማ ንሓደ ቡስጣ ዘበጻጽሕ ፊሊፒንሳዊ ተኲሱ ቐተሎ።
ጽልኢ ዓለምለኻዊ ለበዳ ተባሂሉ እንተ ተገልጸ ምግናን ኣይኰነን። ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ወይ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ምስ ዓመጻ ተደሚሩ ዘስዕቦ ነገራት ኣብ ጸብጻባት ዜና ዳርጋ መዓልታዊ ኢዩ ዝግለጽ። ሃገራት: ኮማት: ስድራቤታት ፋሕ ጭንግራሕ ክኣትዎም ንርእዮም ኣሎና። ሃገራት ኣብ ጃምላዊ ቕትለት ክእለኻ ንርኢ ኣሎና። ገለ ሰባት “እተፈልዩ” ብምዃኖም ጥራይ ዘስካሕክሕ ኣራዊታዊ ተግባራት ክወርዶም ንርኢ ኢና።
እዚ ጽልኢ ዝበሃል ኣዝዩ ግናይ ባህርይ ክግታእ እንተድኣ ዀይኑ መበቈል ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ጽልኢ ዝለዓል ዓመጽ እንታይ ምዃኑ ክንርድኦ ይግባእ። ጽልኢ ኣብ ጂን ደቂ ሰብ ድዩ ተተኺሉ ዘሎ: ወይስ እተጥርዮ ባህሪ ኢዩ፧ ንጽልኢ ኻብ ሱሩ ምምሓዉ ይከኣል ድዩ፧
[ምንጪ ስእሊ]
Kemal Jufri/Sipa Press