ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/10 ገጽ 3
  • ዓለምለኻዊ ለበዳ ጽልኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓለምለኻዊ ለበዳ ጽልኢ
  • ንቕሑ!—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ለበዳ ጽልኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ጽልኢ ካብ ሱሩ ክጠፍኣሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ሱር ጽልኢ
    ንቕሑ!—2001
  • ስለምንታይ እዩ ጽልኢ ኣመና በዚሑ ዘሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2001
g01 8/10 ገጽ 3

ዓለምለኻዊ ለበዳ ጽልኢ

ጽልኢ ዝበሃል ኣዝዩ ግናይ ባህርይ ቀይዲ በተኽ ኰይኑ ኣብ ምልእቲ ዓለም የስፋሕፍሕ ኣሎ።

ኣብ ሃገራት ባልካን እትርከብ ሓንቲ ኣውራጃ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዘጋጠማ ወፍሪ ዓሌታዊ ምጽራይ ኣብ ስቓይ ትርከብ ኣላ። እቲ ንዘመናት ተደጒሉ ዝጸንሐ ጽልኢ ጃምላዊ ምጽናት: ጾታዊ ዓመጽ: ስደት: ኣባይትን ኣቝሻትን እናንደድካ ምዝማት: ኣእካልን ጥሪትን ምብራስ: ጥሜት ዝኣመሰለ ዕንወት ኣስዒቡ ኢዩ። እተቐብረ ነተጕቲ እውን ገና ኣብ ፈቐድኡ ኢዩ ተዘርጊሑ ዘሎ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ኣብ እትርከብ ምብራቕ ቲሞር 700,000 ሰባት ቅትለትን ማህረምትን ጃምላዊ ምርሻንን ከምኡውን ምብራርን ስለ ዘርዓዶም ክሃድሙ ተገዲዶም ኢዮም። እቲ ሓዲጐሞ ዝወጹ መሬት እውን ብወረርቲ ሚሊሽያ በሪሱ ኢዩ። ሓደ ኻብቶም ግዳያት “ካብ ዝህደን እንስሳ ዝሓይሽ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን” በለ።

ኣብ ሞስኮ ግብረ⁠-​ሽበራውያን ብዘጻወድዎ ቦምብ ሓደ ህንጻ ዓነወ። ገለ ቈልዑ ዝርከብዎም 94 ንጹሃት ሰባት በቲ ነታጒ ተቘራሪጾም ኢዮም። ልዕሊ 150 ድማ ቈሰሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘርዕድ ኵነታት ድሕሪ ምፍጻሙ ሰባት ‘ቀጺሉ ንመን ኰን ኢዩ ዝበጽሖ፧’ ኢሎም ኢዮም ዝጭነቑ።

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ: ካሊፎርንያ: ሓደ ናይ ዓሌት ጽልኢ ዝነበሮ ኣብ መዋእለ ህጻናት ንዝርከቡ ኣይሁዳውያን ቈልዑ ረሸኖም። ጸኒሑ ድማ ንሓደ ቡስጣ ዘበጻጽሕ ፊሊፒንሳዊ ተኲሱ ቐተሎ።

ጽልኢ ዓለምለኻዊ ለበዳ ተባሂሉ እንተ ተገልጸ ምግናን ኣይኰነን። ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ወይ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ምስ ዓመጻ ተደሚሩ ዘስዕቦ ነገራት ኣብ ጸብጻባት ዜና ዳርጋ መዓልታዊ ኢዩ ዝግለጽ። ሃገራት: ኮማት: ስድራ​ቤታት ፋሕ ጭንግራሕ ክኣትዎም ንርእዮም ኣሎና። ሃገራት ኣብ ጃምላዊ ቕትለት ክእለኻ ንርኢ ኣሎና። ገለ ሰባት “እተፈልዩ” ብምዃኖም ጥራይ ዘስካሕክሕ ኣራዊታዊ ተግባራት ክወርዶም ንርኢ ኢና።

እዚ ጽልኢ ዝበሃል ኣዝዩ ግናይ ባህርይ ክግታእ እንተድኣ ዀይኑ መበቈል ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ጽልኢ ዝለዓል ዓመጽ እንታይ ምዃኑ ክንርድኦ ይግባእ። ጽልኢ ኣብ ጂን ደቂ ሰብ ድዩ ተተኺሉ ዘሎ: ወይስ እተጥርዮ ባህሪ ኢዩ፧ ንጽልኢ ኻብ ሱሩ ምምሓዉ ይከኣል ድዩ፧

[ምንጪ ስእሊ]

Kemal Jufri/Sipa Press

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ