ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/10 ገጽ 4-7
  • ሱር ጽልኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሱር ጽልኢ
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድንቁርናን ፍርህን
  • ዓመጽ ክሳዕ ክንድዚ ገኒኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • ነተሓሳስባ ሰባት ምምራዝ
  • ጽልኢ ካብ ሱሩ ክጠፍኣሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ስለምንታይ እዩ ጽልኢ ኣመና በዚሑ ዘሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ለበዳ ጽልኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2001
g01 8/10 ገጽ 4-7

ሱር ጽልኢ

ጽልኢ ክቕልቀል ዝጀመረ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ኢዩ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 4:⁠8 ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኰነ ኸኣ: ኣብ መሮር ከለዉ: ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ: ቀተሎ ድማ።” ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዮሃንስ ከኣ “ስለምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ “ግብሩ እኩይ: ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ” ኢሉ ይምልስ። (1 ዮሃንስ 3:12) ኣቤል ብሰንኪ እቲ ሓደ ኻብ ጠንቅታት ጽልኢ ዝዀነ ቅንኢ ተቐትለ። ምሳሌ 6:⁠34 “ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ” ትብለና። ሎሚ: እቲ ብምኽንያት ማሕበራዊ ደረጃ: ሃብቲ: ጥሪትን ካልእ ረብሓታትን ዝለዓል ቅንኢ ሰባት ንሓድሕዶም ከም ዝተሃላለኹ ገይርዎም ኣሎ።

ድንቁርናን ፍርህን

ይኹን እምበር: ብዘይ​ካ ቅንኢ ካልእ ብዙሕ ጠንቅታት ጽልኢ እውን ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ: ጽልኢ ብስኣን ፍልጠትን ፍርህን እውን ይለዓል ኢዩ። ኣባል ሓደ ሕሱም ዓሌታዊ ጕጅለ ዝዀነ መንእሰይ “ምጽላእ ቅድሚ ምምሃረይ: ምፍራህ ኢየ ተማሂረ” ይብል። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስኣን ፍልጠት እተመስረተ ኢዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዝበሎ መሰረት እቶም ከይመርመሩ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ዘለዎም ሰባት በተሓሳስባኦም “ነቲ ኽርከብ ዝኽእል መርትዖ ኣብ ግምት ኣየእትዉን” ኢዮም። “ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ዘለዎም ውልቀ⁠-​ሰባት ምስቲ ኣቐዲሞም ዝደምደምዎ ሓሳባት ንዝጋጮ ጭብጥታት ምዝባዕ: ዘይትርጕሙ ምሃብ ወይ ምንጻግ ኢዩ ዝሰልጦም።”

እዚ ርእይቶታት እዚ ኻበይ ኢዩ መጺኡ፧ ሓደ ናይ ኢንተርነት ምንጪ ሓበሬታ ኸምዚ በለ:- “ሎሚ ንዘሎ መብዛሕትኡ ባህላዊ ኣረኣእያታት ብሓፈሻ ዝሕተተሉ ታሪኽ ክኸውን ከሎ ንመብዛሕትኡ እተዛብዐ ኣረኣእያታትና ዝሕተተሉ ግን ናይ ገዛእ ርእስና ብሕታዊ ታሪኽ ኢዩ።”

ንኣብነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ንግዲ ባርያ ክሳዕ ሎሚ ኣብ መንጎ ጸዓዱን ኣፍሪቃ ዝመበቈሎም ሰባትን ድጕል ጽልኢ ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ዓሌት ካልኦት ዝወሃብ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ካብ ወለዲ ናብ ቈልዑ ኢዩ ዝመሓላለፍ። ስለዚ ድማ ኢዩ ሓደ ዓሌታዊ ጽልኢ ዘለዎ ሰብ “ምስ ጸለምቲ ፈጺሙ ተራኺቡ ዘይፈልጥ” ኽነሱ ብዛዕባ ጸለምቲ ኣሉታዊ ስምዒታት ከም ዘሕደረ እተኣመነ።

ካባታቶም እተፈልዩ ሰባት ጥዑያት ከም ዘይኰኑ ዝኣምኑ እውን ኣለዉ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ኸሕድሩ ዝኸኣሉ ግን ካብቲ ዓሌት ወይ ባህሊ እቲ ዝዀነ ሓደ ሰብ ጥራይ ስለ ዘጕሃዮም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ተበጊሶም ነፍሲ ወከፍ ካብቲ ዓሌት እቲ ወይ ባህሊ ዝዀነ ሰብ እውን ሕማቕ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምሕሳብ ግጉይ መደምደምታ የሕድሩ።

ብውልቀ⁠-​ሰብ ደረጃ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ምሕዳር ሕማቕ ክኸውን ከሎ: ኣብ ምሉእ ሃገር ወይ ዓሌት ምስ ዝልሕም ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ዜግነት: ሕብሪ ቘርበት: ባህሊ ወይ ቋንቋ ንሓደ ሰብ ካብ ካልኦት ጸብለል ከም ዝብል ይገብሮ ኢዩ ዝብል እምነት ናይ ድርቅና ኣተሓሳስባ ከምኡውን ዜኖፎብያ (ንዝዀነ ይኹን ወጻእተኛ ናይ ምጽላእ ባህርይ) ከም እተሕድር ኢዩ ዝገብር። ኣብ መበል 20 ዘመን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ብዓመጽ ኢዩ ዝግለጽ ነይሩ።

እቲ ዘገርም: ጽልእን ድርቅናን ግድን ምስ ሕብሪ ቘርበት ወይ ዜግነት ጥራይ እተተሓሓዘ ዘይምዃኑ ኢዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫንያ መጽናዕቲ ዘካይድ ክላርክ ማክለይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሰባት ብድብድቡ ኣብ ክልተ ጕጅለ ምኽፋል ጥራይ ፍልልይ ንምፍጣር ኣኻሊ ኢዩ።” ሓንቲ ሳልሳይ ክፍሊ እትምህር መምህር ንተማሃሮኣ ሰማያዊ ዓይኒ ዘለዎምን ቡናዊ ዓይኒ ዘለዎምን ኢላ ኣብ ክልተ ጕጅለ ምስ ከፈለቶም እዚ ሓቂ ምዃኑ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ጕጅለ ጽልኢ ተፈጥረ። ከም እኒ ኣብ ስፖርት ንሓንቲ ጋንታ ምድጋፍ ዝኣመሰለ ቀሊል ዝመስል ነገራት እውን እንተዀነ ናብ ከቢድ ባእሲ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።

ዓመጽ ክሳዕ ክንድዚ ገኒኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽ ዝግለጽ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ተመራመርቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ኣዕሚቖም መርሚሮም እኳ እንተዀኑ ክልሰ⁠-​ሓሳባት ጥራይ ኢዮም ክህቡ ኽኢሎም ዘለዉ። ክላርክ ማክለይ: ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ዓመጽን ባእስን ወድሰብ እተገብረ መጽናዕቲ ዝሓዘ ሰነዳትን መጻሕፍትን ኣከበ። ካብቲ ዝረኸቦ ሓደ ጸብጻብ “ብዓመጽ እተፈጸመ ገበን ምስቲ ኣብ ውግእ ዝግበር ቃልስን ዓወትን እተተሓሓዘ” ምዃኑ ከም ዝሕብር ጠቐሰ። እቶም ተመራመርቲ ከም ዝረኸብዎ “ኣብተን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ተኻፊለን ዝነበራ ሃገራት: ብፍላይ ድማ ኣብተን ብወገን እቶም ሰዓርቲ ዝነበራ ሃገራት: እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ እቲ ዝፍጸም ቅትለት ወሲኹ ኢዩ።” ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዋእል ውግእ ኢና እንነብር ዘሎና። (ማቴዎስ 24:⁠6) ከምዚ ዝኣመሰለ ውግኣት ካልእ ዓይነት ዓመጻ እውን ንኽለዓል ግደ ገይሩዶ ክኸውን ይኽእል፧

ካልኦት ተመራመርቲ ኸኣ ንዓመጽ ወድሰብ ምስ ስነ⁠-​ህይወታዊ መጽናዕቲ ብምትሕሓዝ ኢዮም መግለጺ ኽህብሉ ዝጽዕሩ። ኣብ ሓደ እተገብረ መጽናዕቲ ንገሊኡ ኣገባባት ዓመጽ ምስቲ “ኣብ ኣእምሮ ዘሎ ውሑድ መጠን ሴሮቶኒን ” ከተሓሕዞ ኢዩ ፈቲኑ። ካልእ ልሙድ ዝዀነ ጽንሰ⁠-​ሓሳብ ድማ ዓመጽ ኣብ ጂን ሰብ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኢዩ። ሓደ ናይ ፖለቲካ ሊቅ “ዝዓበየ ክፋል [ጽልኢ] እተወርሰ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተዀነ ዘይፍጹማት ሰባት ክፉእ ባህርን ጕድለትን ሒዞም ከም ዝውለዱ ይገልጸልና ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠5፣ ዘዳግም 32:⁠5) ርግጽ ኢዩ እዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ኵሎም ደቅሰብ ዝውዕል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ካልኦት ምኽንያታዊ ዘይኰነ ጽልኢ ዘለዎም ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን። እዚ ባህሪ እዚ እትማሃሮ ነገር ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ጎርደን ዳብልዩ ኣልፖርት እተባህለ ውሩይ ናይ ሳይኮሎጂ ምሁር ሕጻናት “ብባህርዮም ክፍኣት ከም ዘለዎም ዝሕብር መርትዖ ዳርጋ ኣየርእዩን ኢዮም። . . . እቲ ሕጻን ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ስለ ዘለዎ: ዳርጋ ዝዀነ ይኹን ነገር ኢዩ ዝቕበል: ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኢዩ ኸኣ ዝቐርብ።” እዚ ብትዕዝብቲ እተረኽበ ሓሳባት እዚ ዓመጽ: ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ: ጽልኢ ብቐዳምነት እትማሃሮ ባህርያት ምዃኑ ኢዩ ዝድግፍ! መማህራን ጽልኢ ድማ ነዚ ወድሰብ ጽልኢ ንኽማሃር ዘለዎ ክእለት ብተንኰል ይምዝምዝዎ ኣለዉ።

ነተሓሳስባ ሰባት ምምራዝ

መራሕቲ እተፈላለዩ ናይ ጽልኢ ጕጅለታት ከም ንኣብነት መራሕቲ ናይቶም ደገፍቲ ናዚ ዝዀኑ ኣራእሶም እተላጸዩ መንእሰያት ከምኡውን “ኩ ክሉክስ ክላን” ዝበሃሉ ጕጅለ ገለ ኻብቶም ቀንዲ ኢዮም። እዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ኣብቲ ምንቅስቓሳቶም ንኽሓብርዎም ዝያዳ ዘተኵርሎም መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣብ ጽቡቕ ናብራ ስድራ​ቤት ዘይዓበዩ መንእሰያት ኢዮም። ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ዝጐደሎም: ርእስኻ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ ስምዒት ዘለዎም መንእሰያት: ኣብ መንጎ እቶም ናይ ጽልኢ ጕጅለታት ምስ ዝዀኑ ዕቝባ ዝረኽቡ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም።

ገሊኣቶም ጽልኢ ንምስፍሕፋሕ ኣስላጢ መሳርሒ ገይሮም ዝጥቀምሉ ኢንተርነት ኢዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ጽልኢ ዘለዓዕል ገለ 1,000 ዝኸውን ወብ ሳይት ኣብ ኢንተርነት ከም ዘሎ ኢዩ ዝግመት። ዘ ኢኮኖሚስት እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ሓደ ብዛዕባ ጽልኢ ዝገልጽ ወብ ሳይት ዘለዎ ሰብ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ከም እተጃህረ ትገልጽ:- “ኢንተርነት ብኣማእታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ርእይቶና ንኸነማሓላልፈሎም ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኢዩ።” እቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ወብ ሳይት “ናይ ቈልዑ ዓምዲ” እውን ኣለዎ።

ቈልዑ ኣብ ኢንተርነት ሙዚቃ ኽደልዩ ኸለዉ: ከይተፈለጦም ጽልኢ ዘሕድር ሙዚቃ ክኸፍቱ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሙዚቃ መብዛሕትኡ ግዜ ዓው ዝበለን ዓመጽ ዘተባብዕን ክኸውን ከሎ እቲ ቓላት ድማ ብርቱዕ ዓሌታዊ ጽልኢ ዘሕድር ኢዩ። ብዘይ​ካ እዚውን እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ወብ ሳይት ጽልኢ ዘለዓዕል ዜናታት: ዕላላት (ብእንግሊዝኛ ቻት ሩም) ወይ ካልእ መደባት እውን የቕርብ ኢዩ።

ገሊኡ ጽልኢ ዘሕድር ወብ ሳይት ንመንእሰያት ዝኸውን ጸወታታትን ንጥፈታትን ዝሓዘ ፍሉይ ክፋላት ኣለዎ። ሓደ ንናዚ ዝድግፍ ወብ ሳይት ንናይ ዓሌትነትን ጸረ⁠-​ሴማውን ምንቅስቓስ ምኽኑይ ንምግባር መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀም ኢዩ። ብዘይ​ዚውን እቲ ጕጅለ ናይ ዓሌትነት ሓሳባት ዝሓዘ እተመሳቐለ ቓላት እውን የቕርብ ኢዩ። ዕላምኡኸ እንታይ ኢዩ፧ “ነቶም ካብ ጸዓዱ ዝውለዱ መንእሰያት ዕላማ ቓልስና ምእንቲ ኽርድእዎ ኢዩ።”

ይኹን እምበር: ጽልኢ ዘተባብዑ ሰባት እቶም ሕሉፍ ኣተሓሳስባ ጽልኢ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ሓደ ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዘጽንዕ ሰብ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሃገራት ባልካን እተኻየደ ዂናት ጠቒሱ ክጽሕፍ ከሎ ብዛዕባ ገለ ውሩያት ደረስትን ኣብ ህዝቢ ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባትን ከምዚ በለ:- “ነቲ ናይ ደቂ ዓዶም እኩይ ተግባር ዘተባብዕ: ነቲ ዓሚቝ ጽልኦም ዘጓሃህር: ነውሪ ዝበሃል ነገር የለን ዝብል ዕዉር ኣተሓሳስባ ከም ዝሓድሮም ዝገብር . . . ከምኡውን ንኽውንነት ዝኽሕድ ኣገባብ ክጥቀሙ ብምርኣየይ ኣስደሚሙኒ ኢዩ።”

ኣብዚ መዳይ እዚ ኣቕሽሽቲ ዘለዎም ግደ እውን ብሸለልታ ኽሕለፍ ዘይብሉ ኢዩ። ጀምስ ኤ ሆት: ኣብታ ሆሊ ሄትረድ: ረሊጀስ ኮንፍሊክትስ ኦቭ ዘ ’90’ስ እትበሃል ዝደረሳ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ እዚ ዘሰንብድ ርእይቶ እዚ ሃበ:- “ናይ 1990ታት ኣዝዩ ግርምቢጥ ዝዀነ ነገር: እቲ ሕያውነትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ከተባብዕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃይማኖት ቀንዲ ጠንቂ ጽልእን ውግእን ራዕድን ምዃኑ ኢዩ።”

ስለዚ እምበኣር ጠንቂ ጽልኢ ብዙሕን እተሓላለኸን ምዃኑ ክርአ ይከኣል ኢዩ። እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ወድሰብ ነዚ ብጽልኢ እተዓብለለ ታሪኹ ካብ ምድግጋም ክዓግቶ ዝኽእል መገዲ የብሉን ማለት ድዩ፧ ብውልቀ⁠-​ሰብ ይኹን ብዓለምለኸ ደረጃ ነቲ ጽልኢ ከሕድር ዝኽእል ግጉይ ምርዳእ: ድንቁርና: ከምኡውን ፍርሂ ንምቅላስ ክግበር ዝኽእል ነገር ኣሎዶ፧

[ኣብ ገጽ 6 ፍረ ሓሳብ]

ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድን ጽልእን ካብ ካልኦት እትማሃሮ ባህርያት ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ጽልእን ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድን ተሪር ስምዒታት . . .

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

. . . ሒዝና ኣይተወለድናን

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ጽልኢ ጕጅለታት ንመንእሰያት ምእንቲ ክዓስብዎም ኢንተርነት ይጥቀሙ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሃይማኖት ወትሩ ግጭት ከጐሃህር ጸኒሑ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

AP Photo

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ