ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/10 ገጽ 8-11
  • ንጽልኢ ኻብ ሱሩ ምምሓዉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጽልኢ ኻብ ሱሩ ምምሓዉ
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትርጕም ‘ምፍታው’
  • ንምፍታው ምምሃር
  • ነቲ ኸም ሓጹር ኰይኑ ዝፈላሊ ዓሌታዊ ጽልኢ ምፍራስ
  • ዝሓለፈ ምርሳዕ
  • ጽልኢ ዘይብላ ዓለም!
  • ጽልኢ ካብ ሱሩ ክጠፍኣሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ስለምንታይ እዩ ጽልኢ ኣመና በዚሑ ዘሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • “ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከኣ ጊዜ አለዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2001
g01 8/10 ገጽ 8-11

ንጽልኢ ኻብ ሱሩ ምምሓዉ

“ጸላእትኹም ፍተዉ።”​—⁠ማቴዎስ 5:44

መራሕቲ ናይ ክልተ ዘይቃደዋ ሃገራት ንመዓልትታት ዝኣክል ሰፊሕ ናይ ሰላም ዘተ ገበሩ። ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ሓያልን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለትን ሃገር ኣብቲ ምይይጥ ተሳቲፉ ነበረ: ንመራሕቲ እዘን ክልተ ሃገራት ንምስምማዕ ድማ ጽልዋኡን ዲፕሎማስያዊ ክእለቱን ተጠቒሙ ኢዩ። እቲ እተገብረ ብርቱዕ ጻዕሪ ግን ዝያዳ ጭንቀት ጥራይ ኢዩ ፈጢሩ። ኣብ ውሽጢ ሰሙናት እዘን ክልተ ሃገራት እዚኣተን ዝጀመራኦ ግጭት መጽሔት ኒውስዊክ “ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እተገብረ ምርጻማት እቲ ዝኸፍአ” ኢልዎ ኣሎ።

ኣብ ምሉእ ዓለም: መራሕቲ ሃገራት ዝጸዓሩ እኳ እንተ​ጸዓሩ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ቀቢላታትን ዓሌታትን ዝርአ ጽልኢ ግን ደው ክብል ኣይከኣለን። ጽልኢ ብድንቁርናን ፕሮፖጋንዳን እናተጓሃሃረ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ኢዩ ዘሎ። ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ዓለም ሓድሽን ብርቅን ዝዀነ መፍትሒ ኽረኽቡ ሃለው ዝብሉ እኳ እንተዀኑ እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ግን ናይ ጥንቲ ምዃኑ ክግንዘብዎ ኣይከኣሉን። ናይ ጥንቲ ኽበሃል ከሎ እቲ ኣብ ናይ ከረን ስብከት እተዋህበ ኢዩ። የሱስ ኣብ ዝርርቡ ንሰማዕቱ ምስ መገድታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክመላለሱ ኣተባብዖም። ሽዑ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ “ጸላእትኹም ፍተዉ” ዝብል ቃላት ኣውስአ። እዚ ማዕዳ እዚ ጽልእን ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርን ንምልጋስ ዝሕግዝ መፍትሒ ጥራይ ዘይኰነስ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል እንኰ መፍትሒ እውን ኢዩ!

ተጠራጠርቲ ሰባት ንጸላእትኻ ከም ነፍስኻ ገይርካ ምፍታው ዝብል ሓሳብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ክትግበር ዘይከኣልን ኢዩ ኢሎም ብምሕሳብ ካብ ሓሳቦም የርሕቕዎ። ይኹን እምበር: ጽልኢ እትማሃሮ ባህርይ ካብ ኰነ ክጠፍእ እውን ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምሕሳብከ ምኽንያታዊዶ ኸይኰነ፧ ስለዚ እቲ የሱስ ዝበሎ ቓላት ንደቅ​ሰብ ናይ ሓቂ ተስፋ ሒዙሎም ኣሎ። ነቲ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ እውን ከይተረፈ ከተርሕቖ ከም ዝከኣል ኢዩ ዝገልጽ።

ኣብ ግዜ የሱስ ኣብ መንጎ እቶም ሰማዕቱ ኣይሁድ ዝነበረ ዅነታት ከመይ ከም ዝነበረ ንርአ። ጸላእቶም መን ምዃኖም ንምፍላጥ ርሑቕ ምኻድ ኣየድልዮምን ኢዩ ነይሩ። ሰራዊት ሮሜ ንኣይሁድ ከቢድ ቀረጽ እናኽፈሉ: ብፖለቲካዊ ምቍጽጻር: ብምግፋዕ: ብምምዝማዝ ኣብ ሃገር ኣይሁድ ይገዝኡ ነበሩ። (ማቴዎስ 5:⁠39-42) ይኹን ድኣ እምበር: ገሊኣቶም ብምኽንያት እቲ ብኣጋኡ ስለ ዘይፈትሕዎ ክሳዕ ምቅሕሓር ክበጽሕ ዝሓደግዎ ዘጋጠሞም ንኣሽቱ ምግርጫዋት ንብጾቶም ኣይሁድ ከም ጸላእቲ ይርእይዎም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 5:⁠21-24) የሱስ ንሰማዕቱ ነቶም ዘጕሃይዎምን ዝሃሰይዎምን ውልቀ⁠-​ሰባት ከፍቅርዎም ድዩ ዝጽበዮም ነይሩ፧

ትርጕም ‘ምፍታው’

መጀመርታ: የሱስ “ፍተዉ” ኽብል ከሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽ ዝህሉ ምፍታው ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። እታ ኣብ ማቴዎስ 5:⁠44 “ፍተዉ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣጋፐ እትብል ኢያ። እዛ ቓል እዚኣ ብመሰረታዊ ስርዓት እትምራሕ ወይ እትቕየድ ፍቕሪ ዝብል ትርጕም ኢያ ሒዛ ዘላ። ግድን ምዉቕ ስምዒት ዝብል ትርጕም ዘለዋ ኣይኰነትን። እዛ ምፍታው እዚኣ ብጽድቃዊ ስርዓታት እትምራሕ ስለ ዝዀነት ሰባት ባህርያቶም ብዘየገድስ ንኻልኦት ዝሕሾም ንኽንደሊ ኢያ እትድርኸና። ስለዚ እምበኣር እዛ ኣጋፐ ዝዓይነታ ፍቕሪ እዚኣ ንዘሎ ብሕታዊ ጽልኢ እውን ሰጊራ ኽትከይድ እትኽእል ኢያ። የሱስ ንገዛእ ርእሱ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣንጸባሪቕዋ ኢዩ: ከመይሲ ወተሃደራት ሮሜ ምስ ሰቐልዎ “ኣቦይ: ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ: ሕደገሎም” ድኣ በለ እምበር ኣይረገሞምን።​—⁠ሉቃስ 23:34

ዓለም ብሓፈሻ ንትምህርትታት የሱስ ባህ ኢልዋ ክትቅበሎ እሞ ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ኢልካ ትጽቢት ምግባርሲ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን። እዛ ዓለም እዚኣ ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ እናተነቝተት ናብ ጥፍኣት ገጻ ክትከይድ ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና ኢዩ። 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13 “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና . . . ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ኢላ ትንበ። ይኹን ድኣ እምበር: ውልቀ⁠-​ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ጽድቃዊ ስርዓታት ብምምሃር ንጽልኢ ካብ ሱሩ ኽምሕውዎ ይኽእሉ ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ዙርያኦም ዝጐሃሃር ብርቱዕ ጽልኢ ምቅዋሙ ከም እተማህሩ ብንጹር ዝሕብር ጸብጻብ ኣሎ። እስከ ሒደት ናይ ሓቂ ተመክሮ ንርአ።

ንምፍታው ምምሃር

ሆሴ ወዲ 13 ዓመት ከሎ ኣባል ጕጅለ ግብረ⁠-​ሽበ​ራውያን ብምዃን ኣብ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ዂናት ተጸምደ።a ኣብ ከባቢኡ ንዝርአ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ጠንቁ ኢዮም ተባሂሉ ብድብድቡ ንዝውረየሎም ሰባት ኽጸልእ ተማህረ። ብእተኻእሎ መጠን ከጽንቶም ኢዩ ዕላምኡ ነይሩ። ብዙሓት ብጾቱ ክሞቱ ምስ ረኣየ ድማ ናይ ምረትን ሕነ ምፍዳይን ስምዒት ሓደሮ። ቦምብ እናሰርሐ ኸሎ ድማ ‘ስቓይ ክሳዕ ክንድዚ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣምላኽ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ: ግዲ ዘይገብር ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢሉ ይሓስብ ነበረ። ብዙሕ ሳዕ ይበኪ: ዅሉ ነገራት ድንግርግር ስለ ዝበሎ ድማ ጭንቀት ሓዞ።

ኣብ መወዳእታ ግን ሆሴ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዘላ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ። ኣብቲ ንመጀመርታ እተኻፈሎ ናይ ጉባኤ ኣኼባ: ብኡንብኡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ፍቕራዊ ሃዋሁ ኣስተብሃለሉ። ኵሎም ብምዉቕን ምቕሉልን ኣገባብ ኢዮም ሰላም ኢሎምዎ። ድሕርዚ “ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ እከይ ዘፍቀደ፧” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብእተገብረ ምይይጥ ነቲ ዝሓቶ ዝነበረ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ኽረኽበሉ ኽኢሉ ኢዩ።b

ሆሴ ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኽቦ ዝነበረ ቀጻሊ ፍልጠት ኣብ ህይወቱ ለውጢ ንኽገብርን ኣተሓሳስባኡ ንኸዐርን ሓጊዝዎ ኢዩ። “እቲ ዘየፍቅር . . . ኣብ ሞት ይነብር። . . . ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር” ተማህረ።​—⁠1 ዮሃንስ 3:14, 15

ምስቶም ግብረ⁠-​ሽበራውያን ብጾቱ ዝነበሮ ርክብ ንኸቋርጾ ግን ብድሆ ዀኖ። ዅሉ ግዜ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸይድ ከሎ ይከታተልዎ ነበሩ። አረ ገለ ካብቶም ኣዕሩኽቱ ዝነበሩስ እንታይ ክቕይሮ ከም ዝኸኣለ ንምፍላጥ ኣብ ሓድሓደ ኣኼባታት ተኻፊሎም ኢዮም። ከዳዕ ወይ ዘስግኦም ከም ዘይኰነ ምስ ተረድኡ ግን ገደፍዎ። ኣብ 17 ዓመቱ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ተጠምቀ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ንሰባት ንምቕታል ኢሉ ውዲት ምእላም ገዲፉ ሕጂ ናይ ፍቕርን ናይ ተስፋን መልእኽቲ የብጽሓሎም ኣሎ!

ነቲ ኸም ሓጹር ኰይኑ ዝፈላሊ ዓሌታዊ ጽልኢ ምፍራስ

ኣባላት ዓሌታዊ ጕጅለታት ነቲ ኸም ሓጹር ኰይኑ ዝፈላልዮም ጽልኢ ኸፍርስዎ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝዛረቡ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንርአ። እታ ጕጅለ እቲኣ ብ35 ውልቀ⁠-​ሰባት ዝቘመት ክትከውን ከላ: ካብዚኣቶም እቶም 20 ኢትዮጵያውያን እቶም 15 ኸኣ ኤርትራውያን ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ: ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን መሪር ኲናት ኣካይዶም ክነሶም: እዚኣቶም ግን ሓቢሮም ብሓድነት የምልኹ ኣለዉ።

ሓደ ኢትዮጵያዊ ናይ የሆዋ ምስክር ስድራ​ቤቱ ‘ንኤርትራውያን ፈጺምካ ከይትኣምኖም!’ ይብልዎ ነበሩ። ሕጂ ግን ንኤርትራውያን ክርስትያናት ብጾቱ ይኣምኖም ጥራይ ዘይኰነስ ሓውና ሓብትና ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖም! እቶም ኤርትራውያን እውን ቋንቋኦም ትግርኛ እኳ እንተዀነ ምስቶም ኣምሓርኛ ዝቛንቍኦም ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቶም ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ምእንቲ ክኽእሉ ቋንቋ ኣምሓርኛ ክማሃሩ መሪጾም ኢዮም። እዝስ እታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት” ዝዀነት ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ድልድልቲ ምዃና ዘርኢ ከመይ ዝበለ ዘገርም መርትዖ ዀን ኢዩ!​—⁠ቈሎሴ 3:⁠14 NW

ዝሓለፈ ምርሳዕ

ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ግዳይ ኣራዊታዊ ግፍዒ ምስ ዝኸውንከ፧ ኣብቶም ዘሳቐይዎ ሰባት ጽልኢ ከሕድር ንቡርዶ ኸይኰነ፧ ኣብ ጀርመን ዝነብር ማንፍሬድ እተባህለ ናይ የሆዋ ምስክር ንርአ። ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃኑ ጥራይ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮሙኒስት ተዳጐነ። ኣብቶም ጨቈንቱ ጽልኢ ወይ ሕነ ናይ ምፍዳይ ድሌት ኣሕዲሩዶ ኢዩ፧ “ኣየሕደርኩን” ኢሉ ይምልስ። ብመሰረት እቲ ዛርብሩካ ዛይቱን እተባህለ ናይ ጀርመንኛ ጋዜጣ ማንፍሬድ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዘይፍትሓዊ ተግባር ምፍጻም ወይ ብእተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ተግባር ሕነ ምፍዳይ . . . ነቲ ግፍዒ ከም ዝቕጽል ስለ ዝገብሮ ከም ብሓድሽ ካልእ ዘይፍትሓውነት ኢዩ ዝፈጥር።” ማንፍሬድ ነቲ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 12:17, 18

ጽልኢ ዘይብላ ዓለም!

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መዳይ እዚ ፍጹማት ኢና ኣይብሉን ኢዮም። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊኦም እተፈጸመ ግፍዕን ጽልእን ከርሕቑ መብዛሕትኡ ግዜ ቀሊል ኰይኑ ኣይረኽብዎን ኢዮም። ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራኦም ንኸውዕልዎ ቀጻልን ብርቱዕን ጻዕሪ ይሓቶም ኢዩ። ብሓፈሻ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መጽሓፍ ቅዱስ ንጽልኢ ኻብ ሱሩ ንምምሓው ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዘረጋግጹ ህያው ኣብነት ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ፕሮግራሞም ዓመት ዓመት ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ካብ መቝሕ ዓሌትነትን ድርቅናን ንኽላቐቑ ይሕግዝዎም ኣለዉ።c (ነቲ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ጽልኢ ንምውጋድ ይሕግዝ” ዘርእስቱ ሳጹን ርአ።) እዚ ዓወት እዚ መርኣያ ናይቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንጽልእን ጠንቁን ምሉእ ብምሉእ ንምርሓቕ ዝሕግዝ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ኢዩ። እዚ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኢዩ ዝካየድ። የሱስ ኣብታ ኣቡነ-​ዘበሰማያት እትበሃል “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኽንጽሊ ምሂሩና ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:9, 10

ኣብ ትሕቲ እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ “ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ” ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ይመባጻዕ ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:⁠9፣ 54:⁠13) ሽዑ እቲ ብዙሕ ግዜ ዝጥቀስ ቃላት ኢሳይያስ ብዓለም​ለኻዊ ደረጃ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ:- “[ኣምላኽ] ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ: ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ: ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።” (ኢሳይያስ 2:4) በዚ ኸምዚ ኣምላኽ ባዕሉ ነቲ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ጽልኢ ኻብ ሱሩ ኽምሕዎ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን።

b ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ “ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 8 ርአ።

c ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምርኻብ ወይ ከኣ ናብ ሓተምቲ ናይዛ መጽሔት እዚኣ ብምጽሓፍ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ጽልኢ ንምውጋድ ይሕግዝ

● “እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ: ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧” (ያእቆብ 4:1) ስስዐ ዝመልኦ ባህግታትና ኽንቈጻጸር ከም ዘሎና እንተድኣ ተረዲእና መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካልኦት ሰባት ንኸይንበኣስ ክዓግተና ይኽእል ኢዩ።

● “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።” (ፊልጲ 2:4) ባእሲ ንኸነርሕቕ ክሕግዘና ዝኽእል ካልእ መገዲ ድማ ካብ ረብሓ ርእስና ረብሓ ኻልኦት ምቕዳም ኢዩ።

● “ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ: ኣይተንጸርጽር: እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ።” (መዝሙር 37:8) ሕማቕ ባህርያት ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና: ክንቈጻጸሮ ድማ ኣሎና።

● “ኣምላኽ . . . ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 26) ዅላትና ኻብ ሓደ ስድራ​ቤት ዝመጻእና ብምዃንና ካብ ካልእ ዓሌት ዝበለጽና ዀይኑ ክስምዓና ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣይኰነን።

● “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ።” (ፊልጲ 2:3) ንኻልኦት ኣትሒትካ ምርኣይ ዕሽነት ኢዩ: ከመይሲ ካልኦት ሰባት ንሕና ዘይብልና ባህርያትን ክእለትን ኣለዎም። ንዅሉ ጽቡቕ ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ከማልኦ ዝኽእል ዓሌት ወይ ባህሊ የለን።

● “እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።” (ገላትያ 6:10) ዓሌቶም ወይ ባህሎም ብዘየገድስ ምቕሉላት ኴንና ምስ ካልኦት ምስ እንሓብር ነቲ ኽፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳእ ብምልጋስ ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክንከፍት ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ብሰላም የምልኹ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ናይ ኮሙኒስት ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ ማንፍሬድ ንጽልኢ ወጊድ ኢልዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንሰባት ዝፈላልዮም ሓጹር ንምፍራስ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ