ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/7 ገጽ 4-8
  • ዘመነ-ውግእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘመነ-ውግእ
  • ንቕሑ!—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንውግእ ድዩ ዝድግፍ ነይሩ ወይስ ንሰላም ይቃለስ፧
    ንቕሑ!—2002
ንቕሑ!—2002
g02 8/7 ገጽ 4-8

ዘመነ⁠-​ውግእ

ኣልፍረድ ኖበል: ሃገራት ብቕጽበት ዘህልቕ ኣጽዋር እንተ ሃልይወን: ሰላም ክመጽእ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ነበሮ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ሃገራት ሓድነት ይህልወን: መጥቃዕቲ ንዝፍንዉ ኸኣ ብሓንሳእ ኵስትር የብላኦም ዝብል ኢዩ። “በዚ ምኽንያት እዚ ውግእ የብቅዕ” ኢሉ ጸሓፈ። ብመሰረት እዚ ኣረኣእያ እዚ: እቲ ውግእ ተመሊሱ ዕንወት ዘስዕበልካ እንተ ዀይኑ: ዋላ ሓንቲ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ዘለዋ ሃገር ምስ ካልእ ውግእ ኣይትኸፍትን ኢያ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ግን እንታይ ኢና ርኢና፧

ኖበል ካብ ዝመውት 20 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባርዐ። ኣብዚ ውግእ እዚ ድማ ከም እኒ ትርሺ: መርዛም ጋዝ: ታንኪ: ነፈርቲ: ከምኡውን ሳብማሪን ዝኣመሰለ ሓደስቲ ኣህላቒ ኣጽዋር ተማህዘ። ዳርጋ ዓሰርተ ሚልዮን ዝዀኑ ወተሃደራት ተቐትሉ: ዕጽፊ ናይዚኣቶም ከኣ ቘሰሉ። እቲ ባርባራዊ ተግባር ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ሰባት ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ንኽገብሩ ኣለዓዓሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ውድብ እተኣሳሰራ መንግስታት ተመስረተ። እቲ ኣብ ምምስራት እዚ ውድብ እዚ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝነበሮ ናይ ሕ.መ.ኣ. ፕረዚደንት ዉድሮው ዊልሰን ብ1919 ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል ተዓዋቲ ዀነ።

እንተዀነ ግን: ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1939 ምስ ተባርዐ: ውግእ ከብቅዕ ኢዩ ዝብልዎ ተስፋ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣኽተመ። ብብዙሕ መዳያቱ እዚ ውግእ እዚ ኻብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዝያዳ ዘስካሕክሕ ነበረ። እዚ ውግእ እዚ እናተኻየደ ኸሎ ኣዶልፍ ሂትለር ነቲ ኣብ ክሩመል ዝርከብ ናይ ኖበል ፋብሪካ ኣብ ጀርመን ካብ ዘሎ ፋብሪካታት ዝዓበየ: ልዕሊ 9,000 ሰራሕተኛታት ዝርከብዎ ናይ ተተኳሲ ፋብሪካ ከም ዝኸውን ገበሮ። ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ግን እቲ ኖበል ዝመስረቶ ፋብሪካ: ጥሙራት ሓይልታት ብነፈርቲ ብዘዝነብዎ ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ብዝኸውን ቦምባታት ምሉእ ብምሉእ ዓነወ። እቲ ዘገርም ከኣ እዚ ቦምባታት እዚ ኖበል ካብ ዝረኸቦ ምህዞ ተበጊስካ ኢዩ ተሰሪሑ።

ኣብታ ድሕሪ ሞት ኖበል ዝነበረት ዘመን: ክልተ ውግኣት ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ ማእለያ ዘይብሉ ንኣሽቱ ውግኣት እውን ተገይሩ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ በብዓይነቱ ኣጽዋር ተማህዘ: ገለ ኻብኡ ድማ ካብቲ ኻልእ ዝገድድ መዕነዊ ነበረ። ካብቲ ኖበል ዝሞተሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን እተሰርሐ ኣጽዋር እስከ ንርአ።

ፈኲስ ብረት:- እዚ ሸጓጕጥ: ጠበናጁ: ቡምባ: ትርሺ: ሞርታር: ከምኡውን ካልእ ብቐሊሉ ተሰኪምካዮ እትንቀሳቐስ መሳርያታት ዘጠቓልል ኢዩ። ፈኲስ ብረት ሕሱር: ብቐሊሉ ዝጽገን: ንኽትጥቀመሉ እውን ዘየጸገም ኢዩ።

እዚ ኣጽዋር እዚ ስለ እተማህዘን ኣብ ሲቪል ስግኣት ብምፍጣሩን ንውግእ መወዳእታ ገይሩሉ ድዩ፧ እንታይ ክገብረሉ ደኣ! ማይክል ክላር ኣብታ ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ዘርእስታ መጽሓፉ ፈኲስ ብረት “ኣብቲ ድሕሪ ዝሑል ኲናት እተገብረ ዝበዝሕ ውግኣት ቀንዲ መሳርያ” ዀይኑ የገልግል ምህላዉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ እተገብረ ውግኣት ካብቶም ምዉታትን ቍሱላትን ክሳዕ 90 ሚእታዊት ኣቢሎም ዝዀኑ ግዳይ ፈኲስ ብረት ኢዮም። ኣብ 1990ታት ጥራይ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብፈኲስ ብረት ተቐቲሎም ኢዮም። መብዛሕትኡ እዋን ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘይተዋህቦምን ንሕስያ ዘይገብሩን መንእሰያት እውን ንፈኲስ ብረት ይጥቀሙሉ ኢዮም።

ዝቕበር ነተጕቲ:- ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 20 ዘመን ብገምጋም ኣብ መዓልቲ 70 ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት ብነተጕቲ ይስንክሉ ወይ ይቕተሉ ነይሮም! መብዛሕትኦም ከኣ ወተሃደራት ዘይኰኑስ ሲቪል ነበሩ። ዝበዝሕ ግዜ ነተጕቲ ዝቕበር ንምቕታል ዘይኰነስ ንጸላኢኻ ኣሰንኪልካ ፍርህን ራዕድን ከም ዝሰፍን ንምግባር ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ነተጕቲ ንምእራይ ብዙሕ ጻዕርታት ተገይሩ ኢዩ። ገሊኣ​ቶም ግን ሓንቲ ነታጒ ኽትወጽእ ከላ 20 ኻልእ ከኣ ከም ዝቕበር: ኣብ መላእ ዓለም እውን 60 ሚልዮን ዝኸውን ነተጕቲ ተቐቢሩ ኸም ዘሎ ይገልጹ ኢዮም። ወተሃደር ይኹን ዝጻወት ዘሎ ቘልዓ ኸይፈለየ ጕድኣት ዘውርድ ምዃኑ እውን ነቶም ኣፍረይቱ ዀነ ንተጠቀምቱ ኸም ዝገድፍዎ ኣይገበሮምን።

ኑክሌራዊ ኣጽዋር:- ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምስ ተማህዘ: ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ንመጀመርታ ግዜ ወተሃደራት ከይተዋግኡ ምልእቲ ኸተማ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢት ምጥፋእ ተኻእለ። ንኣብነት: ብ1945 ኣብ ሂሮሽማን ናጋሳኪን እተደርበየ ኣቶማዊ ቦምባታት ዘስዓቦ ዘስካሕክሕ ህልቂት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ገሊኣቶም በቲ እዚ ቦምባታት እዚ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ብርሃን ዓወሩ። ካልኦት ከኣ በቲ ጸርጊ ተመረዙ። ብዙሓትውን በቲ ሓውን ሙቐትን ሞቱ። ኣብዘን ክልተ ኸተማታት ዳርጋ 300,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ኸኣ ይግመት።

ገሊኣቶም ሰባት እዘን ክልተ ኸተማታት ብኣቶማዊ ቦምባ እንተ ዘይድብደባ ነይረን እቲ ውግእ ምቐጸለ እሞ ዝያዳ ሰብ ምተወድአ ነይሩ ኢሎም ይማጐቱ ኢዮም። ይኹን እምበር: በቲ ዝጠፍአ ብዝሒ ህይወት ስለ ዝሰንበዱ: ገለ ሰባት ነዚ መዕነዊ ኣጽዋር እዚ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ምቍጽጻር ክግበረሉ ጻዕሪ ገበሩ። ብዙሓትውን ወድሰብ ንገዛእ ርእሱ ዘጥፍእ መሳርያ ብምምሃዙ ፍርሂ ሓደሮም።

ምምሃዝ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንሰላም መገዲ ጸሪጉ ድዩ፧ ገሊኣቶም ‘እወ’ ኢሎም ይምልሱ ኢዮም። እዚ ሓያል ኣጽዋር እዚ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ውግእ ከም ዘይወዓለ ድማ ይጠቕሱ። ይኹን እምበር: ዘስካሕክሕ ህልቂት ዘስዕብ ኣጽዋር ንውግእ ከም ዘቋርጽ ይገብሮ ኢዩ ዝብል ናይ ኖበል እምነት ሓቂ ዀይኑ ኣይተረኽበን: ከመይሲ ብኻልእ ኣጽዋር ዝግበር ውግእ ቀጺሉ ኢዩ። ብዘይ​ዚውን ከምቲ ኮሚተ ኑክሌራዊ ፖሊሲ ዝበሎ: ብኣሽሓት ዝቝጸር ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንኽትኰስ ተባሂሉ ተጻዊዱ ኢዩ ዘሎ። ኣብዚ ግብረ⁠-​ሽበራ ዓብዪ ሻቕሎት ኣበጊሱሉ ዘሎ መዋእል ከኣ ብዙሓት ሰባት እዚ ኣጽዋር እዚ ኣብ ኢድ ግብረ⁠-​ሽበራውያን ከይኣቱ የፍርሆም ኢዩ። ዋላ እውን ኣብ ኢድ መንግስታት እንተ ጸንሐ: ዓለም ብሰንኪ ገለ ሓደጋ ኑክሌራዊ ህልቂት ከየጋጥማ ዝብል ስግኣት ኣሎ። እምበኣር: እቲ ኖበል ዝምነዮ ዝነበረ ሰላም በዚ ኣጽዋር እዚ ኸም ዘይመጸ ንጹር ኢዩ።

ባየሎጅያውን ከሚካላውን ኣጽ​ዋር:- እዚ ድማ ኸም እኒ ናይ ነፍሪ ወይ ኣንትራክስ ዝኣመሰለ ባክተርያ ከምኡውን ከም በዲዶ ወይ ስሞልፖክስ ዝኣመሰለ ጀርም ንውግእ ምጥቃም ዘጠቓልል ኢዩ። ብፍላይ በዲዶ ብቐሊሉ ስለ ዝላባዕ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ብተወሳኺውን ከም መርዛም ጋዝ ዝኣመሰለ ከሚካላዊ ኣጽዋር ኣሎ። እዚ መርዛም ነገራት ብእተፈላለየ መልክዕ ኢዩ ዝዳሎ: ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት እንተ ተኣገደ እውን ክሳዕ ሕጂ ዝጥቀሙሉ ኣለዉ።

እዚ ዘስካሕክሕ ኣጽዋር ከምቲ ኖበል ዝበሎ ‘ንሃገራት ብፍርሂ ተላዒለን ሰራዊተን ከም ዝብትና’ ገይርወንዶ ኢዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሓደ መዓልቲ ተራ ሰባት እውን ነዚ ኣጽዋር እዚ ኸይጥቀሙሉ ኢዩ ፍርሂ ኣሕዲሩ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ናይቲ ሰራዊት ዝቈጻጸርን ኣጽዋር ዝንክን ትካል ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ዳይረክተር “ሓንትስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከሚስትሪ ይሃልውካ እምበር: ከሚካላዊ ኣጽዋር ኣብ ሕጓ ናይ እንዳ ማንም ሰብ ክስራሕ ይኽእል ኢዩ” በለ።

ኣብ መበል 20 ዘመን ካብ ኣብ ካልእ ዘመናት ብዝያዳ ህልቂት ዘስዓበ ውግእ ከም እተገብረ ኣየተሓታትትን ኢዩ። ኣብ መጀመርታ መበል 21 ዘመን: ብፍላይ ከኣ ብ11 መስከረም 2001 ግብረ⁠-​ሽበራውያን ኣብ ከተማታት ኒው ዮርክን ዋሽንግተንን መጥቃዕቲ ኻብ ዝፍንዉ ንነጀው ተስፋ ሰላም ይጽልምት ኢዩ ዘሎ። ስቲቨን ሌቪ “ቴክኖሎጂ ኻብ ጥቕሙ ንላዕሊ መጋበርያ እኩያት ይኸውን ከይህሉ ደፊሩ ዝሓትት ሰብ የለን” ብምባል ኣብ መጽሔት ኒውስዊክ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ከምዚ በለ:- “እዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ዝፈልጥ ሰብ ኣሎ ኽበሃል ይከኣልዶ፧ ደቅሰብ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ነቲ ምዕባለ ዝመስሎም ይስዕቡ: ጸኒሖም ከኣ ኢዮም ሳዕቤኑ ዝምርምሩ። [ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝዀነ ጥፍኣት ክመጽእ ከም ዝኽእል] ክንሓስቦ ዘይንደሊ እኳ እንተዀንና: ናብዚ ዝመርሕ ኵነታት ግን ንፈጥር ኣሎና።”

ክሳዕ ሕጂ ኻብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮ: ዘሰቅቕ ነተጕቲ ዀነ ምምሃዝ ኣህላቒ ኣጽዋር ጥቓ ሰላም እውን ኣየብጽሓናን ኢዩ። ዓለምለኻዊ ሰላም ደኣ እሞ ትምኒት ጥራይ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናይትሮግሊሰሪን ንምቍጽጻር እተገብረ ጻዕሪ

እቲ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ስነ⁠-​ቐመም ኣስካንዮ ሶበሬሮ ነቲ ናይትሮግሊሰሪን ዝበሃል ሓፊስ: ቅብኣዊ: ተባራዒ ፈሳሲ ብ1846 ረኸቦ። እዚ ፈሳሲ እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ሓደ ግዜ እቲ ፈሳሲ ምስ ተተኰሰ ፍንጫል ጠርሙዝ ንሶበሬሮ ገጹ ሓረዶ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ብዛዕባ እዚ ፈሳሲ እዚ ዝገብሮ ምርምር ገደፎ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሶበሬሮ ብዛዕባ እዚ ፈሳሲ ክርድኦ ዘይከኣለ ጕዳይ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ባይታ ኣፍሲስካ ብሞደሻ ምስ እትሃርሞ: እቲ ብሞደሻ እተሃርመ ፈሳሲ ጥራይ ኢዩ ዝትኰስ።

ኖበል እተወሰነ ኽፋል ተባራዒ ነቲ ዝተረፈ ተባራዒ ኸም ዝትኰስ ዝገብር ኣንታጒ ምስ መሃዘ ነዚ ጸገም እዚ ፈትሖ። ድሕሪኡ ብ1865 ኣብ ውሽጢ እቲ ናይትሮግሊሰሪን ዝሓዘ ኣቕሓ እትኣቱ ኣንታጒት ካርቱሽ ሰርሐ።

ይኹን እምበር: ናይትሮግሊሰሪን ኣዝዩ ሓደገኛ ነታጒ ኢዩ። ንኣብነት: ብሰንኪ እቲ ብ1864 ኣብቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ናይ ኖቤል ቤት ዕዮ ዝነተጐ ነታጒ: ነቲ ኤሚል ዝበሃል ምንኣሱ ሓዉ ንኖበል ሓዊስካ ሓሙሽተ ሰባት ሞቱ። ኣብ ክሩመል: ጀርመን: ዝርከብ ናይ ኖበል ፋብሪካ እውን ክልተ ሳዕ ብናይ ምንታጕ ሓደጋ ዓንዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ሰባት ነዚ ፈሳሲ እዚ ንፋኑስ: ንመወልወሊ ጫማ: ወይ ኣብ መንኰራዅር ሰረገላታቶም ከም መለስለሲ ዘይቲ ገይሮም ይጥቀሙሉ ስለ ዝነበሩ ሕማቕ ሳዕቤን ኣስዒቡ ኢዩ። ጎቦታት ንምፍንቃል ክጥቀሙሉ ኸለዉ እውን እቲ ዝያዳ ፈሳሲ ኣብ ነቓዕ ይኣቱ እሞ ጸኒሑ ሓደጋ የውርድ ነበረ።

ብ1867 ኖበል ነዚ ቅብኣዊ ፈሳሲ ምስ ኪሰልጉር ዝበሃል ዘይተባራዒ ነገር ብምሕዋስ ናብ ደረቕ ነገር ቀየሮ። ካብታ ዲናሚስ ማለት “ሓይሊ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽ ቃል ከኣ ኢዩ እታ ዲናሚት (ሚና) እትብል ስም ዘውጽኣ። ጸኒሑ ዝሓሸ ነተጕቲ እኳ እንተ መሃዘ: ዲናሚት ወይ ሚና ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምህዞታቱ ጌርካ ኢዩ ዝርአ።

ርግጽ ኢዩ: ኖበል ዝመሃዞ ነተጕቲ ኣብ ውግእ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ መዓላ እውን ጠቒሙ ኢዩ። ንኣብነት: ገለርያ ሰይንት ጎትሃርድ ኣብ ምህናጽ (1872-82): ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኢስት ሪቨር ትሕቲ ባሕሪ ዝነበረ ኣኻውሕ ንምፍንቃል (1876, 1885): ከምኡውን ኣብ ግሪኽ መትረብ ቈረንቶስ ኣብ ምዅዓት (1881-93) ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሚና ወይ ዲናሚት ኻብ ዝመሃዝ ኣትሒዙ ናይ ዕንወትን ሞትን መሳርያ ብምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ብሚና ዝፈረሰ ናይ ካምቦድያ መደበር ፖሊስ

[ስእሊ]

ከምቲ ኮሚተ ኑክሌራዊ ፖሊሲ ዝበሎ: ብኣሽሓት ዝቝጸር ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንኽትኰስ ተባሂሉ ተጻዊዱ ኣሎ

[ምንጪ ስእሊ]

© Reuters NewMedia Inc./CORBIS

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኖበል ካብ ዝመውት 20 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሓድሽ ኣህላቒ ኣጽዋር ተማህዘ

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. National Archives photo

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ግዳያት እተቐብረ ነተጕቲ ኣብ ካምቦድያ: ኢራቕ: ኣዘርባጃን

[ምንጪ ስእሊ]

UN/DPI Photo 186410C by P.S. Sudhakaran

UN/DPI Photo 158314C by J. Isaac

UN/DPI Photo by Armineh Johannes

[ምንጪ ስእሊ]

UNITED NATIONS/PHOTO BY SYGMA

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብ1995 ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር: ሳሪን ዝበሃል መርዛም ጋዝ ምስ ተፈነወ: ወረ ናይቲ ከሚካላዊ ኣጽዋር ዘስዕቦ ጕድኣት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርግሐ

[ምንጪ ስእሊ]

Asahi Shimbun/Sipa Press

[ምንጪ ስእሊ]

UN/DPI Photo 158198C by J. Isaac

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ