ንውግእ ድዩ ዝድግፍ ነይሩ ወይስ ንሰላም ይቃለስ፧
ብወኪል ንቕሑ ! ካብ ሽወደን
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ነቶም ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ንናብራ ወድሰብ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበሩ ውልቀ -ሰባት ወይ ማሕበራት ናይ ኖበል ሽልማት ይወሃቦም ኢዩ። እዚ ሽልማት እዚ መዓስ ጀሚሩ: ምስቲ ዓለምለኻዊ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ባህጊ እተተሓሓዘኸ ብኸመይ ኢዩ፧
ንዅነታት ደቅሰብ ምስ ምምሕያሽ ተተሓሒዙ ስሙ ዝለዓል እኳ እንተዀነ: ኣጽዋር ውግእ ብምሻጥ ግን ብዙሕ ሃብቲ ደሊቡ ኢዩ። እዚ ሰብ እዚ መን ኢዩ፧ እቲ ወናን ኢንዱስትርን ከሚስትን ዝነበረ ኣልፍረድ በርንሃርድ ኖበል ኢዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ በቲ ናይ ግብረ-ሰናይ ተግባራቱ ዝነኣድ እኳ እንተዀነ: “ነጋዳይ ሞት” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሚና ምሂዙ: ነተጕቲ ብምፍራይን ብምሻጥን ከኣ ብዙሕ ሃብቲ ደሊቡ ኢዩ።
ብ1896 ኖበል ምስ ሞተ ግን ዘደንቕ ነገር ኣጋጠመ። ኣብቲ ኑዛዜኡ 9 ሚልዮን ዶላር ኣብ ባንክ ክቕመጥ እሞ ካብቲ ዝርከብ ወለድ ነቶም ኣብ ዓውድታት ፊዚክስ: ኬሚስትሪ: መድሃኒት: ስነ-ጽሑፍ: ከምኡውን ሰላም ኣብ ምምጻእ ኣበርክቶ ዝገበሩ ውልቀ-ሰባት ሽልማት ክወሃቦም ከም ዝደሊ ገለጸ።
መጀመርታ ብዙሓት ሰባት ከምዚ ምግባሩ ደንጽይዎም ኢዩ። ሓደ ናይ ነታጒ ፋብሪካ ዘለዎ ሰብ ንሰናይ ዝገብሩን ሰላም ዘምጽኡን ሰባት ሽልማት ክህብ እተሃንጠየ ስለምንታይ ኰን ይኸውን፧ ገሊኣቶም ኖበል ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወቱ ዝመሃዞ ኣዕናዊ ነገራት ሕልንኡ ከም ዝወቐሶ ገይሮም ወሰድዎ። ገሊኣቶም ከኣ ካብ ቀደሙ ንሰላም ይቃለስ ዝነበረ ዀይኑ ተሰምዖም። አረ ንሱሲ: ኣጽዋር ውግእ ዝያዳ ኣህላቒ ምስ ዝኸውን: ውግእ እናጠፍአ ክኸይድ ኢዩ ዝብል እምነት ዝነበሮ ኢዩ ዝመስል። ሓደ እዋን ንሓንቲ ደራሲት “ምናልባት ካብዞም ባይቶ ንላዕሊ ብዝቐልጠፈ እዋን ፋብሪካታተይ ንውግእ መወዳእታ ኽገብረሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ክልተ ሰራዊት ንሓድሕዶም ክተሃላለቑ ዝኽእልሉ እዋን ምስ መጸ: ኵለን ስልጡናት ሃገራት ብፍርሂ ተላዒለን ንሰራዊተን ከይበተንኦ ኣይተርፋን ኢየን” በላ።
ከምቲ ኖበል ዝበሎ ዀይኑ ድዩ፧ ድሕሪ ሞት ኖበል ኣብ ዝሰዓበ ዘመን እንታይ ትምህርቲ ኢና ረኺብና፧
[ኣብ ገጽ 3 ፍረ ሓሳብ]
“ውግእ ንሓዋሩ ምእንቲ ኸቋርጽ ብሓንሳእ ንብዙሓት ሰባት ዘህልቕ ኣጽዋር ክምህዝ ምደለኹ ”—ኣልፍረድ በርንሃርድ ኖበል