ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/7 ገጽ 16-17
  • ኣምላኽ ንውግእ ይሰምሮ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንውግእ ይሰምሮ ድዩ፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እተገብረ ውግኣት
  • ትምህርቲ ክርስቶስ ዝገደፎ ጽልዋ
  • ዘመናዊ ውግእ
  • ጥንታውያን እስራኤላውያን ይዋግኡ ኻብ ነበሩ፡ ንሕናኸ ስለምንታይ ዘይንዋጋእ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ውግእ ምስ ክርስትና ይቃዶ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ትምህርቲ ምርካብ
    ንቕሑ!—2002
  • ውግእ
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2002
g02 8/7 ገጽ 16-17

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ

ኣምላኽ ንውግእ ይሰምሮ ድዩ፧

መራሕቲ ሃገራት: ጀነራላት: አረ ኻህናት እውን ከይተረፉ ብዙሕ ግዜ ብስም ኣምላኽ ውግእ ኣዊጆም ወይ ደጊፎም ኢዮም! ብ1095 ጳጳስ ኡርባን ካልኣይ ዝባረኾም ናይ መጀመርታ መስቀላውያን ነታ “ቕድስቲ ኸተማ” እትበሃል የሩሳሌም ናብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንምምላስ ወፈራ ጀመሩ። ኣብቲ ዝሓሰብዎ ቕድሚ ምብጻሖም ግን ሓደ ጭፍራ መስቀላውያን በቶም ንኣላህ ብዝነበሮም ተወፋይነት ካባታቶም ዘይንእሱ ቱርካውያን ጸነቱ።

ኣብ ነሓሰ 1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ሓደ መንእሰይ ጀርመናዊ ኣብ መዓስከሩ ዀይኑ “ኣምላኽ ፍትሒ የውጽእን ንታሪኽ ወድሰብ ይመርሖን እንተልዩ​—⁠ከምኡ ይገብር ከም ዘሎ ኸኣ ርግጸኛ ኢየ​—⁠ዓወት ናትና ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ሃጸይ ኒኮላስ ካልኣይ ንሰራዊት ሩስያ ናብ ጀርመን ክልእኾም ከሎ “ነቶም ሓያላት ወተሃደራተይን ክቡራት ደገፍተይን ካብ ልቢ ዝመነጨ ሰላምታ እልእኸሎም። ኣምላኽ ምሳና ኢዩ!” ኢሉ ተዛረበ።

በዚ ተተባቢዖም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ናብ ግንባር ከዱ: ኣምላኽ ምሳታቶም ምዃኑ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኑ ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ከም ዋጋ ናጽነት ውግኣት ከም ዝፈቕድ ይኣምኑ: ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ (ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ዝበሃል) ተጠቒሱ ዘሎ ውግኣት ከኣ ደገፍ ንኽዀኖም ይጠቕስዎ ኢዮም። ንቓል ኣምላኽ ዝሃብዎ ትርጕም ቅኑዕ ድዩ፧

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እተገብረ ውግኣት

እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ኻብቶም ብልሹዋት ከነኣናውያን ምእንቲ ኸጽርይዋ ውግእ ኽገብሩ ኸም ዘለዎም የሆዋ ኣምላኽ ኣዊጁ ነይሩ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 18:⁠1, 24-28፣ ዘዳግም 20:⁠16-18) ከምቲ ኣምላኽ ብግዜ ኖህ ብማይ ኣይሂ ገይሩ ብምጥልቕላቕ: ንሶዶምን ጎሞራን ከኣ ሓዊ ብምዝናም ጥፍኣት ዘምጽአ: ንህዝቢ እስራኤል ከኣ ከም ሰይፊ ንመቕጽዒ ተጠቕመሎም።​—⁠ዘፍጥረት 6:⁠12, 17፣ 19:⁠13, 24, 25

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እስራኤላውያን ብመሪሕነት ኣምላኽ ካልእ ውግኣት እውን ተዋጊኦም ኢዮም: መብዛሕትኡ ኸኣ ብዘይ​ ገለ ምኽንያት ጸላኢ ኸጥቅዖም ምስ መጸ ንምክልኻል ኢዮም እተዋግኡ። እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ኽእዘዙ ኸለዉ: ኣብ ውግእ ዓወት ይረኽቡ ነበሩ። (ዘጸኣት 34:⁠24፣ 2 ሳሙኤል 5:⁠17-25) ህዝቢ እስራኤል ምኽሪ ኣምላኽ ብምንጻግ ምስ ዝዋግኡ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ጥፍኣት የስዕበሎም ነበረ። ንንጉስ የሮብዓም ዘጋጠሞ እሞ ንርአ። ነቲ ብቐጥታ እተዋህቦ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ኣብቲ ምስ ይሁዳ እተገብረ ውግእ ሓድሕድ ዓብዪ ሰራዊት ኣሰለፈ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ 500,000 ወተሃደራት የሮብዓም ተቐትሉ። (2 ዜና መዋእል 13:⁠12-18) እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ እውን ሓደ እዋን ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣትዩ ኢዩ። ብሰንኪ እቲ ብታህዋኽ ዝገበሮ ውሳነ ድማ ህይወቱ ሰኣነ።​—⁠2 ዜና መዋእል 35:⁠20-24

እዚ ፍጻመታት እዚ እንታይ ኢዩ ዘርእየና፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ብዛዕባ ውግእ ውሳነ ዝገብር ዝነበረ ኣምላኽ ምዃኑ ኢና እንርኢ። (ዘዳግም 32:⁠35, 43) ንእተወሰነ ዕላማታት ህዝቡ ኸም ዝዋግኡ ይገብሮም ነበረ። እቲ ዕላማታት እቲ ግን ጥንቲ ኣብቂዑ ኢዩ። ብተወሳኺውን እቶም ንየሆዋ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ዘገልግልዎ ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ከም ዝሰርሕዎን ደጊም ውግእ ከም ዘይመሃሩን’ የሆዋ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:⁠2-4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ውግኣት ነዚ ሎሚ ዘሎ ኣምላኽ ዘይመርሖ ወይ ዘይኣዘዞ ግጭታት ከም መመኽኔታ ዀይኑ ክቐርብ ከም ዘይክእል ንጹር ኢዩ።

ትምህርቲ ክርስቶስ ዝገደፎ ጽልዋ

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ‘ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ኢሉ ብምእዛዝ ንጽልኢ ኸመይ ጌርካ ስስዐ ብዘይ​ብላ ፍቕሪ ከም እትትክኣ ኣርእዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠12) ብተወሳኺውን “ገበርቲ ሰላም . . . ብጹኣን እዮም” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:9) ገባር ሰላም ምዃን ድማ ንሰላም ምሕብሓብን ሰናይ ፍቓድ ንኽህሉ ኣበርቲዕካ ምዕያይን ማለት ኢዩ።

የሱስ ክእሰር ከሎ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ብሰይፊ ኽከላኸለሉ ፈቲኑ ኢዩ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ግን “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ብምባል ገንሖ። (ማቴዎስ 26:52) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ግብሪ ዘውዓልወን ብኸመይ ኢዮም፧ ነዚ ዝስዕብ ካብ መጻሕፍቲ እተወስደ ጥቕስታት እሞ ኣስተብህለሉ።

“ንዅሉ እቲ ኽርከብ እተኻእለ ሓበሬታታት ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ: ክሳዕ ዘመነ ማርኩስ ኣውረሊስ [121-180 ከ.ኣ.ዘ.] ዋላ ሓደ ክርስትያን ምስ ተጠመቐ ወተሃደር ኣይኰነን፣ ዋላ ሓደ ወተሃደር እውን ክርስትያን ምስ ኰነ ወተሃደራዊ ኣገልግሎቱ ኣይቀጸለን።”​—⁠ዘ ራይዝ ኦቭ ክርስችያኒቲ

“[ቀዳሞት] ክርስትያናት ዝነበሮም ባህሪ ኻብቶም ናይ ሮማውያን ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። . . . ክርስቶስ ሰላም ስለ ዝሰበኸ: ወተሃደራት ምዃን ኣበዩ።”​—⁠ኣዋር ዎርልድ ስሩ ዘ ኤጅስ

ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣብ ሰራዊት ሮሜ ምግልጋል ስለ ዝኣበዩ: ሮማውያን ቀቲሎምዎም ኢዮም። ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይልሙድ ኣቕዋም ዝሓዙ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ የሱስ ገበርቲ ሰላም ክዀኑ ምሂርዎም ኢዩ።

ዘመናዊ ውግእ

ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣባላት ናይ ክልተ ተጻባእቲ ሰራዊት ብምዃን ንሓድሕዶም ክዋግኡን ክቀታተሉን ከለዉ ዝስዕብ ዘስካሕክሕ ኵነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። እዚ ተግባር እዚ ኣንጻር መሰረታዊ ስርዓታት ክርስትና ምዀነ ነይሩ። እወ: እቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ኣምላኽ ዝእዘዙ ንዋላ ሓደ ሰብ: እንተላይ ንጸላኢኦም እውን ኣይጐድኡን ኢዮም።a​—⁠ማቴዎስ 5:⁠43-45

እምበኣር ኣምላኽ ነቲ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ዝግበር ዘመናዊ ውግእ ከም ዘይሰምሮ ንጹር ኢዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገበርቲ ሰላም ስለ ዝዀኑ ነቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ ዓለምለኻዊ ሰላም ኢዮም ዝጽበዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ቅዱስ “ኣርማጌዶን” ከምኡውን ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብምባል ይጠቅስ ኢዩ። እዚ ሰባት ንዝገብርዎ ውግእ ዘይኰነስ: ኣምላኽ ነቶም እኩያት ፈልዩ ዘጥፍኣሉ እዋን ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ: ኣርማጌዶን ነዚ ዘመናዊ ግጭታት ደቅሰብ ንምምኽናይ ወይ ኣምላኽ ከም ዝሰምሮ ንምግላጽ ኣይትውዕልን ኢያ።​—⁠ራእይ 16:⁠14, 16፣ 21:⁠8

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ስጳኛዊ ጀነራል ፍራንሲስኮ ፍራንኮ ምስ ካህናት ካቶሊክ ደው ኢሉ ኸሎ

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. National Archives photo

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብ11 ሰነ 1999 ወተሃደራት ናብ ኮሶቮ ቕድሚ ምንቃሎም ብናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ ኽባረኹ ኸለዉ

[ምንጪ ስእሊ]

AP Photo/Giorgos Nissiotis

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ