ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 5 ገጽ 10-11
  • ውግእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውግእ
  • ንቕሑ!—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥንታውያን እስራኤላውያን እተዋግኡ ስለምንታይ እዮም፧
  • ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዚግበር ውግእ ይውግን ድዩ፧
  • ውግእ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
  • ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ ይርእዮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ሎሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ጥንታውያን እስራኤላውያን ይዋግኡ ኻብ ነበሩ፡ ንሕናኸ ስለምንታይ ዘይንዋጋእ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ጥንቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 5 ገጽ 10-11
እተሰባበረት ጠበንጃ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ውግእ

ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብስም የሆዋ ኣምላኾም ተዋጊኦም እዮም። ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብዚ እዋንና ዚግበር ውግእ ይሰምሮ እዩ ማለት ድዩ፧

ጥንታውያን እስራኤላውያን እተዋግኡ ስለምንታይ እዮም፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

እስራኤላውያን ጽምኢ ደም ዘለዎ ኣምላኽ ውግእ እዮም ዜምልኹ ነይሮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እቶም ብእስራኤላውያን እተሳዕሩ ኣህዛብ ብዓመጻን ብጽዩፍ ተግባራትን ኣጸቢቖም እተበላሸዉ እዮም ነይሮም፣ ገለ ኻብቲ ተግባራቶም፡ ምስ እንስሳታትን ምስ ቤተ ሰብን ዚግበር ጾታዊ ርክብን መስዋእቲ ሕጻናትን ኪጥቀስ ይከኣል። ኣምላኽ ነቶም ኣህዛብ መገዶም ኪቕይሩ ንነዊሕ ዘመናት ምስ ተጸበዮም፡ “እቶም ካብ ቅድሜኹም ዚሰጕጎም ኣህዛብ በዚ ዅሉ ረኺሶም እዮም” በለ።—ዘሌዋውያን 18:21-25፣ ኤርምያስ 7:31።

“ብሰንኪ እከይ እዞም ኣህዛብ እዚኦም . . . እዩ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጕጎም ዘሎ።”—ዘዳግም 9:5።

ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዚግበር ውግእ ይውግን ድዩ፧

ትዕዝብትኻ፦

ኣብ ብዙሕ ውግእ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ምሳታቶም ከም ዝዀነ ኺዛረቡ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። ዘ ኮዝስ ኦቭ ዎር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ሃይማኖት ኣብ ኵሉ ውግእ ወትሩ እጃም ኣለዎ” ትብል።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ክርስትያናት ምስ ጸላእቶም ኪዋግኡ ኣይተፈቕደሎምን። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ክርስትያናት ብጾቱ፡ “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ።—ሮሜ 12:18, 19።

የሱስ ንሰዓብቱ ናብ ውግእ ኣይለኣኾምን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ፣ ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 5:44, 45) ክርስትያናት ዋላ እውን እታ ዚነብሩላ ሃገር ኣብ ውግእ ትእቶ፡ ገለልተኛታት ኪዀኑ ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ ‘ካብ ዓለም ኣይኰኑን።’ (ዮሃንስ 15:19) ኣምላኽ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ኣምለኽቱ ንጸላእቶም ኬፍቅሩን ካብዛ ዓለም ከይኰኑን ዚደሊ ኻብ ኰነ፡ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዚግበር ውግእ ደኣኸ ኸመይ ኢሉ እዩ ኺውግን፧

“መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ንኣይሁድ ከይውሃብ፡ ገላዎይ ምተጋደሉለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።”—ዮሃንስ 18:36።

ውግእ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ውግእ ኪውገድ ዘይከኣል እዩ። ዎር ኤንድ ፓወር ኢን ዘ ትዌንቲ ፈርስት ሴንችሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ‘ኣብዚ ዘመን እዚ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ነባሪ ሰላም ኣይኪኸውንን እዩ’ ትብል።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ትምኒት ውግእ ምስ ጠፍአ፡ ሽዑ ውግእ ኬኽትም እዩ። እታ ኻብ ሰማይ እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ቐረባ እዋን ንምድርና ኻብ ኣጽዋር ውግእ ከተጽርያን ንደቂ ሰብ ኣስኣሰር ሰላም ኪስዕቡ ኽትምህሮምን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኼረጋግጸልና ኸሎ፡ ኣምላኽ “ንብርቱዓት ኣህዛብ . . . ነገር ኬቕንዓሎም እዩ። ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም” ይብል።—ሚክያስ 4:3።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ረብሓታት ገዛእ ርእሰን ኪፍጽማ ዚቀዳደማ መንግስትታት፡ ንዜጋታት ናብ ዕልዋ ዜለዓዕል ዘይፍትሓዊ ፖሊሲታት፡ ወይ ዓሌታዊ ምክፍፋል ከም ዚባራዕ ዚገብር ኣድልዎ ኸም ዘይህሉ ይምህረና እዩ። እዚ ዅሉ እንተ ዘየልዩ ድማ፡ ውግእ የኽትም ማለት እዩ። ኣምላኽ፡ “ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ እሞ፡ . . . ኣይኪጐድኡን ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም” ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ።—ኢሳይያስ 11:9።

“ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ። ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”—መዝሙር 46:9።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ