ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/11 ገጽ 3
  • ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ ይርእዮ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ ይርእዮ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውግእ
    ንቕሑ!—2017
  • ሎሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ጥንቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/11 ገጽ 3
ወተሃደራትን ታንክታትን ነፈርቲ ውግእን

ገበር

ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ ይርእዮ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧ ሓያሎ ሰባት ኣምላኽ ንውግእ ከም ዚድግፎ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ነቲ ኣብ ገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ኺዋግኡ ዝኣዘዘሉ ኣጋጣሚታት ድማ ከም መርትዖ የቕርቡ። ካልኦት ግና፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንሰዓብቱ ጸላእቶም ኬፍቅሩ ኸም ዝመሃሮም የስተውዕሉ እዮም። (ማቴዎስ 5:43, 44) ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ ድሕሪ ግዜ ኸም እተቐየረን ሎሚ ንውግእ ከም ዘይድግፎን ይገልጹ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣምላኽ ንውግእ ይድግፎ ድዩ፧ ዚድግፎ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብዚ ሎሚ ዚካየድ ዘሎ ግጭታት ብወገን መን እዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምርካብካ ነቲ ብዛዕባ ውግእ ዘሎካ ኣረኣእያ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንውግእ ይሰምሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንስኻ እትድግፎ ወገን ከም ዚድግፍ እንተ ፈሊጥካ፡ ወገንካ ኸም ዚዕወት ስለ እትተኣማመን፡ ኣብቲ ጕዳይ ብዘሎካ መርገጺ ጽቡቕ ይስምዓካ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ኣምላኽ ነቶም ኣንጻርካ ዝዀኑ ወገን ከም ዚድግፍ እንተ ትፈልጥ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ምናልባት ኣብቲ ጕዳይ ንዘሎካ መርገጺ ደጊምካ ትሓስበሉ ትኸውን።

ካብዚ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ግና ኣሎ። እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ ምፍላጥካ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ኣረኣእያ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቶም ብሰብኣዊ ውግኣት ኣዝዮም እተጐድኡ ሚልዮናት ሰባት እንተ ዄንካ፡ “ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ፡ ኣምላኽ ነቲ ብሰንኪ ውግእ ዚመጽእ ስቓይ ኪህሉ ዜፍቅድ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ውግእ ዜለዓዕል ወይ እውን ብዛዕባ ድሕንነት ግፉዓት ዘይግደስ ድዩ፧” ንዚብል ሕቶ መልሱ ኽትፈልጥ ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ኻብዘን ክልተ ርእይቶታት ኣዝዩ ኸም ዚፍለ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ ጥንቲ ዀነ ሎሚ ሕደ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ጥንትን ኣብ ቀዳማይ ዘመንን ዚካየድ ዝነበረ ውግእ ብኸመይ ይርእዮ ኸም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንመርምር። እዚ ኸኣ ነቲ ሎሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያን ውግእ ክፋል መጻኢ ደቂ ሰብ እንተ ዀይኑን ክንርዳእ ኪሕግዘና እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ