ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/10 ገጽ 29
  • እሙን እንስሳዶ ወይስ ሕሱም ቀታሊ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እሙን እንስሳዶ ወይስ ሕሱም ቀታሊ፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ
    ተነዲፉ ድዩ፧
ንቕሑ!—2002
g02 8/10 ገጽ 29

እሙን እንስሳዶ ወይስ ሕሱም ቀታሊ፧

ብወኪል ንቕሑ! ካብ ፖላንድ

ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ኸሎ ሓደ ሕሱም ከልቢ ነኸሶ እሞ ደሙ ወዲኡ ሞተ። ሓንቲ ጓል ድማ ሓደ ገዚፍ ከልባ ቐተላ። ሓደ ኻብ ዋንኡ ዝጠፍአ ናይ ጀርመን ዝዓሌቱ ኸልቢ ንሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ኣብ ቅድሚ ወለዱ በጀሎ። እዚ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣብ ፖላንድ ዘጋጠመ ፍጻመታት ገለ ኻብቲ ፍሉጣት ዓሌት ኣኽላባት ዘውረድዎ መጥቃዕትታት ኢዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ፍጻመታት ንምውጋድ ገሊኣቶም ሰበ⁠-​ስልጣን: እተወሰኑ ዓሌት ኣኽላባት ወረቐት ፍቓድ ንዘውጽእሎም ሰባት ጥራይ ኢዮም ከጥርይዎም ዝፈቕዱሎም። ኣባል ማሕበር ኣኽላባት ፖላንድ ዝዀነት ባርባራ ዛለስካ ግን ወረቐት ፍቓድ ክወጸሉ ዘለዎ እቲ ዋና ደኣ እምበር እቲ ኸልቢ ኣይኰነን: ‘ከመይሲ እቲ ዋና ኢዩ ንኸልቡ ኣራዊት ወይ እሙን ዓርኪ ሰብ ከም ዝኸውን ዝገብሮ።’

ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣኽላባት ኰነ ኢልካ ንኽቐትሉ ይስልጥኑ ኢዮም። ገለ ኻብቲ ኣሰልጠንቲ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ነቲ ኸልቢ ይቕጥቅጥዎ: የጥምይዎ: ከምኡውን “ናይ ምቕታል ታዕሊም” ይህብዎ ኢዮም፣ እዚውን ንምስሊ ሰብ ከም ዝበጃጅሎ ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ። ድሕሪኡ እቲ ኸልቢ ንሓደ ድኹም ከልቢ ኸም ዝቐትል ይግበር። እዚ ስልጠና እዚ ምስ ተዛዘመ: ኣብ ናይ ሓቂ ቓልሲ ኣኽላባት የሳትፍዎ። ተጣላዕትን ደም ክፈስስ ከሎ ምርኣይ ዝፈትዉ ተዓዘብትን ከኣ በዚ ይዘናግዑ።

ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዝፍጸም ጭከና ብኸመይ ከም ዝርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጸልና ኢዩ። “ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ: ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ” ይብለና። (ምሳሌ 12:10) እቶም ንኣምላኽ ከሐጕሱ ዝደልዩ ሰባት ንእንስሳታት ብምስቓይ ኣይሕጐሱን ኢዮም። ኣብታ ኣምላኽ ዘምጽኣ ሓዳስ ዓለም እንስሳታት እንተ ንመዘናግዒ ወይ ንኻልእ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ኢልካ ቐተልቲ ንክዀኑ ስልጠና ኣይክወሃቦምን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:⁠9-11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ