ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwwd ዓንቀጽ 6
  • ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ
  • ተነዲፉ ድዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እሙን እንስሳዶ ወይስ ሕሱም ቀታሊ፧
    ንቕሑ!—2002
ተነዲፉ ድዩ፧
ijwwd ዓንቀጽ 6
ኣፍንጫ ኸልቢ

ተነዲፉ ድዩ፧

ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ

ኣኽላባት ብናይ ምሽታት ህዋሶም ገይሮም ናይ ካልኦት ኣኽላባት ዕድመን ጾታን ሃለዋትን ኪፈልጡ ኸም ዚኽእሉ ተመራመርቲ ይገልጹ እዮም። ብዘይካዚ እውን፡ ስልጠና እንተ ተዋሂብዎም ነታጕን ሓሽሽን ኬለልዩ ይኽእሉ እዮም። ደቂ ሰብ ንኸባቢኦም ብቐዳምነት ብናይ ምርኣይ ክእለቶም ገይሮም ዚምርምሩ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ኣኽላባት ናይ ምሽታት ክእለቶም እዮም ዚጥቀሙ። ብኣፍንጫኦም “የንብቡ” ኺብሃል ይከኣል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ፡ ካብ ናትና ብኣሽሓት ዕጽፊ ይበልጽ እዩ። ብመሰረት ሃገራዊ ትካል መዐቀኒታትን ተክኖሎጅን ሕ.መ.ኣ.፡ ከልቢ “ሓደ ኻብ ትሪልዮን ክፋል ውሁድ ኬለሊ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኦሎምፒካዊ ግዝፊ ኣብ ዘለዎ መሐምበሲ ጋብላ ርብዒ ማንካ ሻሂ ዚኣክል ሽኮር እንተ ዚሓቅቕ እሞ፡ ነቲ ማይ ጥዒምካ ሽኮር ከም ዘለዎ ኽትፈልጥ ምስ ምኽኣል ዚመጣጠን እዩ።”

ከልቢ ኽሳዕ ክንድዚ ብሉጽ ናይ ምሽታት ህዋስ ኪህልዎ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣፍንጫ ኸልቢ ጥሉል ስለ ዝዀነ፡ ኣሰር ሽታ ዚሓድግ ንጥረ ነገራት ብዝሓሸ ኺሕዝ ይኽእል እዩ።

  • ኣፍንጫ ኸልቢ ኽልተ መተሓላለፊ ኣየር ኣለዎ፣ እቲ ሓደ ንምስትንፋስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ንምሽታት እዩ። ከልቢ ኼሽትት ከሎ፡ ኣየር ናብቲ ኣሰር ሽታ ዜለሊ ኽፋል ኣፍንጫኡ ይኣቱ እዩ።

  • እቲ ሽታ ዜለሊ ኣካል ከልቢ 130 ትርብዒት ሰንቲ ሜተር ወይ ካብኡ ንላዕሊ ስፍሓት ኣለዎ፣ ናይ ደቂ ሰብ ግና 5 ትርብዒት ሰንቲ ሜተር ጥራይ ዚኸውን ስፍሓት እዩ ዘለዎም።

  • እቲ ሽታ ዜለሊ ዋህዮታት ከልቢ ምስ ናትና ኺነጻጸር ከሎ፡ ክሳዕ 50 ዕጽፊ ኺበዝሕ ይኽእል እዩ።

እዚ ዅሉ ኸኣ ንኸልቢ እተሓላለኸ ሽታ ኼለሊ የኽእሎ እዩ። ንኣብነት፡ ንሕና መረቕ ከነሽትት ከለና፡ ከልቢ ግና ነቲ መረቕ ንምድላው ዜድሊ ዘበለ ዅሉ መቃምምቲ ፈልዩ ኼለልዮ ኸም ዚኽእል ገሊኦም ክኢላታት ይገልጹ እዮም።

ኣብ ርእሲ ሰብ መረቕ ተሳኢሉ ይርአ፣ ኣብ ርእሲ ኸልቢ ግና ኵሉ እቲ መቃምምቲ መረቕ ተሳኢሉ ይርአ

ፓይን ስትሪት ፋውንዴሽን ኣብ ዚብሃል ትካል ምርምር መንሽሮ ዚዓይዩ ተመራመርቲ፡ ሓንጐልን ኣፍንጫን ከልቢ ብሓባር፡ “ሓደ ኻብቲ ኣብ ምድርና ዘሎ ኣዝዩ እተሓላለኸ ሽታ ዜለሊ መሳርሒ” ኸም ዝዀነ ገሊጾም እዮም። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነተጕትን ኣቕሑ ኮንትሮባንድን ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ሕማማትን ዜለሊ ኤለክትሮኒካዊ “ኣፍንጫ” የማዕብሉ ኣለዉ።

እንታይ ይመስለካ፧ ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ