ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/13 ገጽ 6-9
  • ስደት—ሕልምን ጋህድን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስደት—ሕልምን ጋህድን
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
  • ስደትን እግሪ ምትካልን
  • ስድራ ቤት ብሓደ ምዃኖም፡ ካብ ገንዘብ ይበልጽ
  • “መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ”
    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • ጌጋታት ክረክብ ክብል፡ ሓቂ ረኸብኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 2/13 ገጽ 6-9

ገበር

ስደት—ሕልምን ጋህድን

ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ጆርጅ ንስድራ ቤቱ ዚኸውን እኹል ምግቢ ኺረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ዓቕሉ ጸበቦ። ጐረባብቱ ድማ ይሓምሙን ብጥሜት ይሳቐዩን ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ጆርጅ ካብቲ ንሱ ዚነብረሉ ቦታ ብሸነኽ ደቡብ ሒደት ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ሓንቲ ሃብታም ሃገር ስለ ዘላ፡ ‘ናብ ወጻኢ ሃገር ከይደ ስራሕ ምስ ረኸብኩ፡ ንስድራ ቤተይ ክስሕቦም እየ’ ኢሉ ሓሰበ።

ፓትሪሻ እውን እንተ ዀነት፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዳ ሓድሽ ናብራ ኽትነብር ትምነ ነበረት። ስራሕ ናይ ምርካብ ኰነ ናብራኣ ናይ ምምሕያሽ ኣጋጣሚ ኣይነበራን። ስለዚ፡ ንሳን ዓርካን ካብ ናይጀርያ ብኣልጀርያ ኣቢሎም ናብ ስጳኛ ኪኸዱ ወሰኑ፣ እቲ ብምድረ በዳ ሰሃራ ዚገብርዎ ጕዕዞ ሓደገኛ ምዃኑ ግና ኣይተገንዘቡን ነይሮም። ፓትሪሻ፡ “ነፍሰ ጾር እየ ነይረ፣ ውሉደይ ዝሓሸ ህይወት ኪረክብ ከኣ እየ ዝደሊ ነይረ” በለት።

ሬቸል ናብ ኤውሮጳ ኸይዳ ናብራኣ ኸተመሓይሽ ትደሊ ነበረት። ኣብ ፊሊፒንስ ካብ ስራሕ ወጸት፣ ኣዝማዳ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዙሕ ስራሕ ክትረክብ ከም እትኽእል ነገርዋ። ንነፋሪት ዚዀና ገንዘብ ተለቂሓ ድማ፡ ንሰብኣያን ንጓላን ተሰናቢታቶም ከደት፣ “ድሕሪ ሓጺር እዋን ክንራኸብ ኢና” ኢላ ኸኣ ተመባጽዓትሎም።

ከም ጆርጅን ፓትሪሻን ሬቸልን ዝበሉ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት፡ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ወጻኢ ሃገር ከም እተሰድዱ እዩ ዚግመት። ገሊኣቶም ብሰንኪ ውግእ፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ወይ ከኣ ብሰንኪ መስጐጒቲ እኳ እንተ ተሰድዱ፡ መብዛሕትኦም ግና ብቝጠባዊ ምኽንያት እዮም ተሰዲዶም። ስደተኛታት ኣብቲ ዚኸዱሉ ዓዲ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧ ኵላቶም ነቲ ዚምነይዎ ዝነበሩ ዝሓሸ ናብራ ይረኽብዎ ድዮም፧ ሓደ ወላዲ ዝሓሸ ኣታዊ ንምርካብ ኪስደድ ከሎ፡ ደቁ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

ጥንቲ ዝነበረ ስደተኛ

ክኢላ ስነ ቝጠባ ዝዀነ ጆን ከነት ጋልብሬዝ፡ “ስደት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ፡ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ዚውሰድ ስጕምቲ እዩ” በለ። እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበዋትን ኣቦ ህዝቢ እስራኤልን ዝነበረ ያእቆብ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። ኣብ ምድሪ ከነኣን ጥሜት ምስ ኰነ፡ ያእቆብን እቶም 70 ዚዀኑ ኣባላት ስድራ ቤቱን ናብ ግብጺ ገዓዙ፣ ኣብኡ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ተቐመጡ። (ዘፍጥረት 42:1-5፣ 45:9-11፣ 46:26, 27) ያእቆብ ኣብ ግብጺ ኸሎ እዩ ሞይቱ፣ ዘርኡ ኸኣ፡ ናብ ከነኣን ቅድሚ ምምላሶም፡ ንኣስታት 200 ዓመት ኣብ ግብጺ ተቐመጡ።

ስደትን እግሪ ምትካልን

ናብ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ዜጋጥም ናይ መጀመርታ ብድሆ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ እትገብሮ ጕዕዞ እዩ። እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ጆርጅ፡ ሒደት ምግቢ ሒዙ ንኣማእታት ኪሎ ሜተራት ተጓዕዘ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ከብድና ሓቚፍና ኢና እንጐዓዝ ኔርና” በለ። አረ መብዛሕትኦም ስደተኛታትሲ፡ ኣብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ኣይበጽሑን እዮም።

ፓትሪሻ ናብ ስጳኛ ኽትከይድ እያ እትደሊ ነይራ። ብናይ ጽዕነት ማኪና ገይራ ኸኣ ነቲ ሰሃራ ዚብሃል ምድረ በዳ ሓሊፋ ኸደት። ከምዚ በለት፦ “እቲ ኻብ ናይጀርያ ናብ ኣልጀርያ ዝገበርናዮ ጕዕዞ፡ ሓደ ሰሙን ወሰደልና፣ ኣብታ ናይ ጽዕነት ማኪና፡ 25 እንኸውን ሰባት ተጸቓቒጥና ንጐዓዝ ነበርና። ኣብ መገዲ፡ ብዙሕ ሬሳን ሞቶም ዚጽበዩ ሰባትን ንርኢ ነበርና። ገሊኦም መራሕቲ ማኪና ንገሊኦም ተጓዓዝቲ ብጭካነ ኣብቲ መገዲ ሓዲጎምዎም እዮም ዚኸዱ።”

ሬቸል ከም ጆርጅን ፓትሪሻን ዘይኰነስ፡ ናብታ ሰራሕተኛ ገዛ ዀይና ኽትሰርሕ እትኽእለላ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ብነፋሪት ከደት። ኰይኑ ግና፡ ነታ ጓል ክልተ ዓመት ዝዀነት ጓላ ኣዝያ ኸም እትናፍቓ ኣይተገንዘበትን ነይራ። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ ኽትኣሊ ኽርኢ ኸለኹ፡ ብውሽጠይ እርበሽ ነበርኩ” በለት።

ጆርጅ ነቲ ሓድሽ ሃገር ምልማድ ኣጸገሞ። ንሓያሎ ኣዋርሕ ድማ ናብ ስድራ ቤቱ ገንዘብ ኪልእኽ ኣይከኣለን። “ብሰንኪ ጽምዋን ተስፋ ምቝራጽን፡ ብዙሕ ግዜ እበኪ ነበርኩ” ድማ በለ።

ፓትሪሻ ኣብ ኣልጀርያ ንሓያሎ ኣዋርሕ ምስ ተቐመጠት፡ ኣብ ዶብ ሞሮኮ በጽሐት። ከምዚ በለት፦ “ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፡ ጓል ወለድኩ። ካብቶም ንስደተኛታት ኣንስቲ ብምጭዋይ ናብ ምንዝርና ኣገዲዶም ዚሸጡ ሰባት ክሕባእ ነበረኒ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ ንባሕሪ ሰጊርካ ናብ ስጳኛ ዚግበር ጕዕዞ ዚኸውን እኹል ገንዘብ ረኸብኩ። እታ እንጐዓዘላ ዝነበርና ጃልባ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እያ ነይራ፡ ብዙሓት ተጓዓዝቲ ኪኸዱላ ዚኽእሉ እውን ኣይነበረትን። ነቲ ናብታ ጃልባ ዝኣተወ ማይ ብሳእንና ጌርና ንጭንጕዖ ነበርና። ኣብ ገምገም ስጳኛ ምስ በጻሕና፡ ሓይለይ ተጸንቂቑ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ክጐዓዝ ኣይከኣልኩን።”

ሓቂ እዩ፡ እቶም ኪስደዱ ዚሓስቡ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ኼጋጥሞም ዚኽእል ሓደጋታት ጥራይ ኣይኰኑን ኪሓስቡሉ ዘለዎም። ነቲ ኣብቲ ሓድሽ ሃገር ዜጋጥሞም ምስ ቋንቋን ባህልን ዚተሓሓዝ ጸገማት፡ ከምኡውን ነቲ ዜግነት ንምርካብ ወይ ቀዋሚ ተቐማጢ ንምዃን ዜጋጥሞም ገንዘባውን ሕጋውን ሕልኽላኻት፡ ኣብ ግምት ኬእትውዎ ኣለዎም። እቶም ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ሰባት፡ ጽቡቕ ስራሕ፡ ደረጃኡ ዝሓለወ ቤት፡ ጽቡቕ ትምህርቲ፡ ወይ ከኣ ጽቡቕ ክንክን ጥዕና ኣይረኽቡን እዮም። ብዘይካዚ፡ ፍቓድ ምምራሕ ማኪና ኺረኽቡ ወይ ኣብ ባንክ ገንዘብ ኬቐምጡ ኣይክእሉን እዮም። መብዛሕትኡ እዋን ከኣ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጕልበቶም ይምዝመዝ እዩ።

ካልእ ኪሓስቡሉ ዘለዎም ረቛሒ ኸኣ፡ ገንዘብ እዩ። ብሓቂ ኣብ ገንዘብ ክንውከል ንኽእል ዲና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሃብታም ክኸውን እየ ኢልካ ኣይትጽዓር። ከመይ ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፥ ሃብትኻ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ኻባኻ ኺኽወል ይኽእል እዩ” ዚብል ዜተኣማምን ምኽሪ ይህብ እዩ። (ምሳሌ 23:4, 5፡ ትርጕም 1990) ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ህይወት ብዝያዳ ዜድልየና ነገራት፡ ማለት ፍቕርን ስምዒታዊ ድሕንነትን ስድራ ቤትን ብገንዘብ ኪዕደግ ኣይክእልን እዩ። ወለዲ ነቲ ንመጻምድቶም ወይ ንደቆም ዘለዎም ‘ፍቕሪ ስድራ ቤት’ ካብቲ ንገንዘብ ዘለዎም ባህጊ ኣትሒቶም ኪርእይዎ ኸለዉስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3።

ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት እውን ኣሎ። (ማቴዎስ 5:3) ስለዚ፡ ሓላፍነት ዚስምዖም ወለዲ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዕላማኡን ብዛዕባ ስርዓታቱን ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኪፍጽምዎ ይጽዕሩ እዮም።—ኤፌሶን 6:4።

‘እንተ ዘይስደዱ ነይሮም ምሓሸ’

እታ ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ኣይሪን ከምዚ በለት፦ “ኣደይ ናብ ኤውሮጳ ኽትከይድ ከላ፡ ጓል ትሽዓተ ዓመት እየ ነይረ፣ ካብተን ሰለስተ ኣሓተይ ዝዓበኹ ኸኣ ኣነ እየ ነይረ። ኣዴና፡ ዝሓሸ ምግብን ዝሓሸ ትምህርትን ዝሓሸ ቤትን ከም ዚህልወና ተመባጽዓትልና። ነታ ዝኸደትላ መዓልቲ ኣይርስዓን እየ። ሕቝፍ ኣቢላ፡ ነተን ሪኣን ሹላሚትን ዝስመን ኣሓተይ ክከናኸነን ነገረትኒ። ንነዊሕ እዋን እየ በኽየ።

“ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣቦይ እውን ናብ ኣደይ ከደ። ምሳና ኸሎ ናብ ዝኸዶ ዘበለ ምስኡ እኸይድ ነበርኩ። ኪሰናበተና ኸሎ፡ ክሳዕ ናብ ኣውቶቡስ ዚኣቱ ምስኡ ጠቢቕና ነበርና። እንደገና ድማ ንነዊሕ እዋን ኣምሪረ በኸኹ።”

እታ ኻብተን ሰለስተ ዝነኣሰት ሹላሚት ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ኣይሪን ጓል ትሽዓተ ዓመት ከላ፡ ከም ኣደይ ኰነት። ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ አማኽራ ነበርኩ፣ ብኸመይ ክዳውንተይ ከም ዝሓጽብን ብኸመይ ዓራተይ ከም ዘንጽፍን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ምሂራትኒ እያ። ወለድና ኺድውሉልና ኸለዉ፡ ብዛዕባ ስምዒተይ ክነግሮም እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ብንጹር ግና ክገልጸሎም ኣይክእልን እየ ነይረ። ኵሉ ግዜ ዚርድኡኒ ዝነበሩ ኣይመስለንን።

“ሰባት ብዙሕ ሳዕ፡ ንወለደይ እናፍቖም እንተ ነይረ ይሓትቱኒ እዮም። ‘እወ’ ኢለ እምልስ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሓቂ ይሓይሽ ግና ንኣደይ ኣይዝክራን እየ። ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ ስለ ዝኸደት፡ ኣይናፍቓን እየ ነይረ።”

ኣይሪን ከምዚ በለት፦ “ጓል 16 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣነን ኣሓተይን ናብ ወለድና ኸድና። ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ነይረ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ግና፡ ምስ ወለደይ ብዙሕ ቅርርብ ከም ዘይብልና ተረድኣኒ።”

ሪኣ እውን ከምዚ በለት፦ “ንጸገማተይ ኣብ ውሽጠይ እየ ዝሕዞ ነይረ። ብተፈጥሮይ ሓፋር ስለ ዝዀንኩ፡ ፍቕረይ ምግላጽ የሸግረኒ እዩ። ኣብ ፊሊፒንስ ከለና፡ ምስቶም ሰለስተ ደቂ ዝነበራኦም ኣኮናን ሰበይቲ ኣኮናን ንነብር ነበርና። ይከናኸኑና እኳ እንተ ነበሩ፡ ልክዕ ከምቶም ወለድና ግና ኣይነበሩን።”

ኣይሪን ኣብ መወዳእታ ኸምዚ በለት፦ “ድኻታት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ተሸጊርና ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና፣ ጾምና ሓዲርና እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ወለድና ምስ ከዱ ግና፡ ኣነን ኣሓተይን ብዙሕ ኢና ተሳቒና። ምስ ስድራ ቤትና ኻብ እንሓብር፡ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ፣ እቲ ተፈላሊናሉ ዝነበርና እዋን ግና በሰላ ሓዲጉልና እዩ። ወለድና ኸም ዜፍቅሩና ንፈልጥ ኢና፡ እንተ ዘይስደዱ ነይሮም ግና ምሓሸ።”

ስድራ ቤት ብሓደ ምዃኖም፡ ካብ ገንዘብ ይበልጽ

እቲ ስደተኛታት ዜሕልፍዎ ዅነታት ኪፈላለ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ኣብ ጕዳይ እቶም ኣቐዲመን ኣብ ዝነበራ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት እተጠቕሱ ጆርጅን ሬቸልን ፓትሪሻን እተራእየ፡ ንዅላቶም ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ። ሓደ ወላዲ ወይ መጻምድቲ እንተ ተሰዲዱ፡ እታ ስድራ ቤት ትጕዳእ እያ፣ ኣባላት እታ ስድራ ቤት እንደገና ንኺሓብሩ ኸኣ ዓመታት ኪወስደሎም ይኽእል እዩ። ንስድራ ቤት ጆርጅ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት እዩ ወሲዱላ።

ሬቸል ምስ ጓላ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ምፍልላያ፡ ናብ ፊሊፒንስ ተመሊሳ ብምኻድ፡ ንጓላ ወሰደታ። ፓትሪሻ ድማ ምስ ጓላ ኣብ ስጳኛ በጽሐት። “ብጀካኣ ኻልእ ስለ ዘይብለይ፡ ጽቡቕ ገይረ ኽኣልያ እየ ዝጽዕር” ድማ በለት።

ብዙሓት ስደተኛታት፡ ጽምዋን ቍጠባዊ ጸገማትን እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ካብ ስድራ ቤቶም ድማ ንነዊሕ እዋን እኳ እንተ ተፈላለዩ፡ ኣብ ስደት ናብራኦም ይቕጽሉ እዮም። ኪስደዱ ኸለዉ፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ስለ ዜፍስሱ፡ ዋላ እውን ኵነታት ከምቲ ዝሓሰብዎ እንተ ዘይኰነ፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ውርደትን ሕስራንን ኪቕበልዎ ፍቓደኛታት ዚዀኑ፡ ሒደት እዮም።

እቲ ወዲ ፊሊፒንስ ዝዀነ ኣለን ከምኡ እዩ ገይሩ። ኣብ ስጳኛ ጽቡቕ ስራሕ እኳ እንተ ረኸበ፡ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ግና ናብ ዓዱ ተመልሰ። ከምዚ በለ፦ “ንሰበይተይን ንጓለይን ኣዝየ ናፈቕክወን። ብስድራ ቤት ኴንና እንተ ዘይተሰዲድና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸይሰርሕ ወሰንኩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ብስድራ ቤት ኴንና ተሰደድና። ስድራ ቤት ካብ ገንዘብ ይበልጽ።”

ፓትሪሻ ኻልእ ካብ ገንዘብ ዚበልጽ ነገር ከም ዘሎ እውን ተመኪራቶ እያ። ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን፡ ቅዳሕ “ሓድሽ ኪዳን” ወይ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ነበራ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ነቲ መጽሓፍ ከም ጽቡቕ ዕድል ዜምጽእ ክታብ ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ድሕሪኡ፡ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ። ቅድሚኡ፡ ንኣባላት እዚ ሃይማኖት እዚ ኸዘራርብ ኣይደልን እየ ነይረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንእምነታት እታ ናይ የሆዋ ምስክር ጌጋ ምዃኑ ንኸቃልዖ ኢለ፡ ብዙሕ ሕቶታት ሓተትክዋ። ንሳ ግና ኣንጻር እቲ ዝሓሰብክዎ፡ ነቲ እትኣምኖ ነገራት ክትጣበቐሉን ንሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምልሰለይን ከኣለት።”

ፓትሪሻ፡ ነባሪ ሓጐስን ርጉጽ ተስፋን፡ ኣብቲ እትነብረሉ ሃገር ወይ ኣብ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንዓና ዘለዎ ዕላማን ዘሎና ፍልጠት ከም ዚምርኰስ ተማህረት። (ዮሃንስ 17:3) ስም እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ እውን ተማህረት። (መዝሙር 83:18፡ NW) ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን በታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ንዅሉ ድኽነት ከም ዜጥፍኦ ኣንበበት። (ዳንኤል 7:13, 14) መዝሙር 72:12, 14፡ “[የሱስ] ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ . . . እዩ” ትብል።

ግዜ ወሲድካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ዘይትምርምሮ፧ እዚ ብኣምላኻዊ ጥበብ ዝመልአ መጽሓፍ እዚ፡ ኣብ ህይወትካ ብዝያዳ ዜገድስ እንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ፡ ጥበባዊ ውሳነ ንኽትገብር፡ ከምኡውን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገማት ብሓጐስን ብተስፋን ንኽትጾሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 2:6-9, 20, 21።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ