ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ኣሎዶ፧
“ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ እጠራጠር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና እጽሊ ነይረ እየ። ዝሰምዓኒ ኣካል እንተ ኣልዩ ርግጸኛ ኣይነበርኩን፣ ሓቂ ይሓይሽ ግና፡ ንጸሎተይ ዚሰምዖ ኣካል ኪህሉ ተስፋ እገብር ነይረ እየ። ጕህይትን ዕላማ ህይወት ዘይነበረንን እየ ነይረ። ድኹማት ሰባት ጥራይ ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ገይረ እሓስብ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን የፍርሃኒ ነበረ።”—ፓትሪሻ፡a ኣይርላንድ።
ንስኻኸ ኸም ፓትሪሻ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብህልውና ኣምላኽ እናተጠራጠርካ ኽነስኻ ዲኻ እትጽሊ፧ ከምኡ እናተሰምዓካ ኽነሱ ትጽሊ እንተ ዄንካ፡ በይንኻ ኣይኰንካን። ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ እስከ ንርአ።
◼ ብዛዕባ 2,200 ዚዀኑ ብሪጣንያውያን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ነዛ ዓለም ዝፈጠራን ጸሎት ዚሰምዕን ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ከም ዘሎ ዚኣምኑ፡ 22 ሚእታዊት ዚዀኑ ሰባት ጥራይ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ካብቶም 2,200 ዚዀኑ ብሪጣንያውያን፡ 55 ሚእታዊት ዚዀኑ ሰባት፡ ሓሓሊፎም ይጽልዩ እዮም።
◼ ብዛዕባ ኣብ ኣርባዕተ ኽፍሊ ዓለም ዚርከቡ 10,000 ዚዀኑ ሰባት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብቶም ብህልውና ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ዚዛረቡ ሰባት፡ እቶም 30 ሚእታዊት ዚዀኑ ይጽልዩ እዮም።
ስለምንታይ እዮም ዚጠራጠሩ፧
ኣለን ዚስሙ እንግሊዛዊ ሰብኣይ ከምዚ በለ፦ “ንሃይማኖት ከም ንሰባት እትቈጻጸረሉን ገንዘብ እትረኽበሉን መገዲ ገይረ እርእዮ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምን እየ ዝዛረብ ነይረ። ብዘይካዚ፡ ‘ኣምላኽ እንተ ዚህሉ ነይሩ፡ እዚ ዅሉ ምጕዳል ፍትሒ ኣይምሃለወን’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ንበይነይ ኮፍ ኢለ ናብ ‘ሓደ ነገር’ እጽሊ ነበርኩ። ‘ከመይ ኢለ እየ መጺአ፧’ ኢለ እውን እሓትት ነበርኩ።”
ምስዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰብኣይ ዚመሳሰል ስምዒት ዘለዎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ጸሎቱ ይምለስ እንተ ዀይኑ ኸም ዚጠራጠር ዚገብሮ ነናቱ ምኽንያት ኣለዎ። ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርጣረ ዜሕድሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ስለ ዘይረኸቡሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦
◼ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧
◼ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሃይማኖት ሕማቕ ጽልዋ ዜሕድር ስለምንታይ እዩ፧
◼ ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ መከራ ኺህሉ ፈቒዱ፧
ንመልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እንተ ትፈልጦ፡ ብምትእምማን ምጸለኻዶ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።